S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን…

ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ታሪኽ፡ ነቶም ተዋሳእቲ ናይቲ ታሪኽ ገዲፍካ፡ ከምዘለዎ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን እናተፈጸመ ብዓይንኻ ክትርእን፡ ኣካል ናይቲ ዝፍጸም ዘሎ ታሪኽ ኮይንካ ንገዛእ ርእስኻ ክትረኽባን ዘገርም እዩ። ናይ ታሪኽ ጽቡቅ ነገሩ፡ ንኽልቲኡ ኣሉታውን ኣወንታውን ናይቲ ፍጻሜ ስለዝገልጽ፡ ተጠንቂቑ ነቲ ታሪኽ ብምስትውዓል ንዘንብብ ብዙሕ ዝምሃር። እቲ ብዘይ ምስትውዓል ነቲ ታሪኽ ዘንብብን፡ ካብ ቅንዕና ወጻኢ ብኻልእ ፖለቲካውን ማሕበራውን መኽሰባት ተታሊሉ ክትርጉሞ ዝፍትን ግን፡ ነቲ ታሪኽ ብኣሉታዊ ጎኑ ካብ ምድጋም ካልእ ምርጫ ኣይህልዎን እዩ።

ከምቲ ብሁል ድማ፡ ካብ ታሪኽ እንመሃሮ እንተልዩ፡ ወዲ ሰብ ካብ ታሪኽ ዘይመሃር ምዃኑ እዩ ከምዝብሃል፡ ካብቶም ካብ ታሪኽ ተማሂሮም ኣብ ዘመኖም ብኣወንታ ታሪኽ ዝሰርሑ ሰባት ክንከውን ኣምላኽ ይደግፈና። ስለዚ ክቡራት ስዳራቤት ኣምላኽ፡ ቅድሚ 1600 ዓመታት ኣብ ቤተክርስትያንና ዝተፈጸመ ዛንታ፡ ነቶም ተዋሳእቲ ናይቲ ዛንታ ገዲፍካ፡ ከምዘለዎ ኣብ ዘመንና ክፍጸም ንሪኦ ኣሎና። ነቲ ቅድሚ 1600 ዓመታት ዝተፈጸመ ታሪኽ ተመሊስና ከነዐርዮ ዝከኣል እንተዘይኮነ፡ ኣብዚ ኣብ ዘመንና ዝድገም ዘሎ ታሪኽ ግን፡ እንተስ ብኣሉታ እንተስ ብኣወንታ፡ ተዋሳእቲ ናይቲ ዝፍጸም ዘሎ ዛንታ ኮይና ኣሎና። ካብቶም እወታውያን ተዋሳእቲ ወይስ ኣሉታውያን ተዋሳእቲ ምዃንና ዝውስኖ ግን፡ ንሕና ኢና፡፡ እቲ እንመርጾ ምርጫ፡ ኣብ ህይወትናን ኣገልግሎትናን ከይተሓጽረ፡ ኣብታ ሃዋርያዊትን ኣጽናፋዊትን ዝኾነት ቅድስቲ ቤተክርስትያንናውን ዓቢ ግደ ክህልዎ እዩ።

ኣብ ቤተክርስትያና ሓደ ካብቶም ድሕሪ ሃዋርያት ዝነበሩ ኣቦታት ኮይኑ፡ ካብቶም ኣርባዕተ ብሓኻይም ቤተክርስትያን(Doctors of the church) ዝፍለጡ ኣቦውን እዩ። ካብቶም 14 ቅዳሴ ናይ ቤተክርስትያና'ውን ብሽሙ ዝጽዋዕ እዩ፡ በቶም  ልዕሊ 1400 ዝተሰነዱ መልእኽቲ ስብከቱን ኣጠቃቅማ ወርቃውን ምእዙን ቃላቱ ዝልለዩ፡ ብምቅጻዕ ገዛእ ርእሱን ካብ ብኽነትን ሓሻሽነትን ዝረሓቀ ተራ ኣነባብራ ዘንጸባርቅ ዝነበረዩ፡ ዘይግቡእ ኣጠቃቅማ ምድራውን መንፈሳውን ስልጣን ኣብ ዝርኤሉ ንመራሕቲ ዓገብ ብምባል ብትብዓቱን ቅንዕንኡን ዝልለ ቅዱስ ኣቦ እዩ። ብቅድስንኡን ንጽህንኡን ምኽንያት፡ ከም ገባሪ ዓመጻ ተቆጺሩ ሰማእትነት ዝተቀበለውን እዩ። እወ፡ ናይ ራብዓይ ክፍለዘመን ኣቦ፡ ቅዱስ ዮሃንስ ናይ ቁስጥንጥንያ፡ ሊቀ-ጳጳስ ዝነበረ እዩ። ብምኽንያት እቲ ብኣፉ ዝግለጽ ዝነበረ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝኾነ ክእለት ዘረብኡን ንልቢ ዝረትዕ መልእኽቱን "ወርቂ ኣፉ" ንምባል፡ ኣፈወርቂ ዝብል ቅጽል ስም፡ ድሕሪ 100 ዓመት ሰማእትነቱ ስለዝተዋህቦ፡ ቤተክርስትያንና ብቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቂ እትጽውዖ ኣቦ እዩ።
እዚ ቅዱስ ኣቦ፡ ኣብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ካብ ዝቅመጡ ግሪኻዊ መበቆል ዝነበሮም ኣመንቲ ስድራ ኣብ 347.. ዝተወልደ እዩ። ኣብኡ ሰኩንዱስ (Secundus) ክብ ዝበለ ማዕርግ ዝነበሮ ናይ ሮማ ወተሃደር እኳ እንተነበረ ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቂ ገና ንኡሽቶ ቆልዓ እንከሎ እዩ ብሞት ዝተፈልዮ። ብድሕሪ'ዚ፡ ኣደ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ማለት ኣንቱሳ (Anthusa) ድሕሪ ሞት ብዓልቤታ፡ ንወዳ ብመንፈሳውን ኣካዳምያውን ትምህርቲ ብጽቡቅ ኣብ ምዕባዩ ዓቢ ዋጋ ከፈለት። ካብ ንእስነቱ ኣብ እግሪ ዝተፈላለዩ ሊቃውንቲ፡ ብስነመለኮትን፣ ቓንቓ ግሪኽን፣ ስነጽሑፍን፣ ፍልስፍናን፣ ሕግን ክምሃር ጀመረ። ብፍላይ ነቲ ናይ ሕጊ፣ቓንቓ ግሪኽን፣ ስነጽሑፍን ትምህርቱ፡ ኣብ ትሕቲ ሊባኒዩስ (Libanius) ዝብሃል ዘይኣማኒ ሊቅ ብዓቢ ኣድህቦ ይከታተል ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ መምህሩ ከም ተካኢ መምህር ናይቲ ዝመርሖ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ንኽሓስቦ ግዜ ኣይወሰደሉን። ኣብታ ሊባኒዩስ ዝሞተላ ዝነበረ ግዜ፡ "እዞም ክርስትያናት ዝብሃሉ ንዮሃንስ እንተዘይወስዱለይ ኔሮም፡ ከመይ ዝበለ ተካኢ ናይ ሕጊ መምህር ምሃለወኒ ኔሩ" ከምዝበለ ናይ ታሪኽ ጸሓፊ መዝጊብዎ ኣሎ።ነቲ ናይ ሕግን ቓንቓ ግሪኽን ስነጽሑፍን ፍልጠቱ ክብ ድሕሪ ምባል፡ ኣብቲ መንፈሳዊ ትምህርቱ ጥራይ ኣተኮረ፡፡ ንእምነት ክርስትና ብዕምቆት መታን ክርድኦን መንፈሳዊ ጽምኡ ንኸርውን፡ ኣብታ ብድዮዶረ በዓል ታርሱስ (Diodore of Tarsus) ብስሩዕ ዝተመስረተት ቤት ትምህርቲ ስነመለኮት ኣንጾክያ (School of Antioch) ብዕቱብ ተኸታተለ። ኣብ ዓመተ 373 .. እምነት ክርስትና ብዕምቆት ተረዲኡ ተጠምቀሞ፡ ዘመን ህይወቱ ብምንኩስና ከሕልፎውን ሓለነ። ነቲ ሓሳብ ምንኩስና ነዲኡ ምስ ነገራ ግን፡ ነገር ወላዲት ኮይንዋ በይና ክሓድጋ ከበዳሞ፡ ከየዘኽትማ ሕድሪ በለቶ። ቅዱስ ዮሃንስ ሓሳብ ኣዲኡ ተቀቢሉ፡ ክሳብ ሞት ዕረፍቲ ወላዲቱ ምስኣ ኣብ ዝነበረለን ዓመታት፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዕምቆት ኣብ ምጽናዕን ነቲ ዝጽበዮ ዝነበረ ህይወት ምንኩስና ኣብ ምድላውን የሕሊፍወን። ድሕሪ ዕረፍቲ ወላዲቱ ብዙሕ ከይጸነሐ፡ ንዝነበሮ ዝርካቡ ንብረቱ ሸይጡ ንድኻታት ብምዕዳል፡ ኣብ ዓመተ 375 .. ንዓለም መኒኑ መንኮሰ ናብ ገዳም ኣተወ፡፡ ኣብቲ ዝበለጸ ቤት ትምህርቲ ስነ መለኮት ተማሂሩ ከብቅዕ፡ ኣብተን ምስ ወላዲቱ ዘሕለፈን ዓመታትውን ምሉእ ግዚኡ ወፍዩ ንቅዱሳት ጽሑፋት ኣጽኒዑ እናሃለወ፡ ገና መንፈሳዊ ጽምኣቱ ኣዝዩ ዓቢ ነበረ።በተን ክልተ ናይ ምንኩስና ዓመታት ካብ ዓቀን ንላዕሊ ብምጻሙን ደው ኢሉ ብምጽላዩን፡ ንቃል ኣምላኽ ቃል ብቃሉ ንምጽናዕን ንምስትንታንን ናይ ድቃስ ግዜኡ ብምስውኡን፡ ነባሪ ናይ ጨጎራን ኩሊትን ጉድለት ጥዕና ኣጋጠሞ፡፡ ነቲ እናገደደ ዝኸይድ ዝነበረ ኩነታት ጥዕንኡ ዝተዓዘቡ ኣቦታት፡ ካብቲ ዝነበሮ ገዳም ናብ ኣንጾክያ ከምዝምለስ ገበሩ። ብድሕርዚ ኣብ ዓመተ 381.. ብኢድ ቅዱስ መለትዩስ ናይ ኣንጾክያ (St Meletius of Antioch) ማዕርገ ዲቁና፡ ኣብ ዓመተ 386 .. ድማ ብኢድ ኣቡነ ኢቫግርዩስ ናይ ኣንጽዮክያ (Evagrius of Antioch) ማዕርገ ክህነት ተቀበለ።
ኣብታ ኣብ ከተማ ኣንጾክያ ዝነበረት ወርቃዊት ቤተክርስትያን ማለት ብካቴድራል እትፍለጥ ማሕበር ኣምላኽ፡ ብስብከተ ወንጌል ከገልግል፡ በቲ ሽዑ ዝነበረ ጳጳስ ደገ ክኽፈተሉ ግዜ ኣይወሰደን። ኣብተን ቀዳሞት 12 ናይ ኣገልግሎት ዓመታት፡ በቲ ዘቅርቦ ዝነበረ መልእኽቲ ወንጌል፡ ንልቢ ጳጳስን ምእመናንን ክኸስብ ኣምላኽ ረድኦ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ስነመለኮት ናይ ኣንጾክያ ስሩዕ ትምህርቲ ቀሲሙ ብምንባሩ፡ ዘቅርቦም ዝነበረ ኩሎም መልእኽቲ ካብ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ናይቲ ቅዱስ ቃል ብምብጋስ ነቲ ኣብ ሃገረ ስብከቱ በቶም ሽማዊ ክርስትያን ዝርአ ዝነበረ ኣሰካፊ ኣነባብራ ዝፍውስ ተግባራዊ መልእኽቲ ኣብ ምቅራብ ዓቢ ግደ ነበሮ። በቲ ዘቅርቦ ዝነበረ እዋናዊ መልእኽትን መሳጢ ኣቀራርባን፡ ኣብ ኣንጾክያን ከባቢኡን ከይተሓጽረ፡ ክሳብ ቁስጥንጥንያን ከባቢኡን ከይተረፈ መልእኽቱ ኣስፋሕፈሐ። ዝበዝሕ ስብከቱ ንልዕሊ ክልተ ሰዓት ዝጸንሕ እኳ እንተነበረ፡ በቲ ዝነበሮ ምኡዝ ኣቀራርባን ትሕዝቶ ስብከቱን፡  ኩሉ ሰብ ደስ ኢሉዎ ተመሲጡ ብንብዓት ደኣ ይሰምዖን ይቅበሎን ነበረ።

ኣብ ዘመን ቅዱስ ዮሃንስ፡ ኣብ ኣንጾክያ ወሰኽ ቀረጽ ክግበር ንጉስ ውሳኔ ስለዘሕለፈ፡ እቲ ህዝቢ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ብምግባር ተቃውምኡ ገለጸ። ወዮ ንጉስ ንሕቶ ናይቲ ህዝቢ ጸማም እዝኒ ብምሃብ፡ ብሓይሊ ወተሃደራት ንድምጺ ህዝቢ ክጭፍልቆ ኣብ ዝፈተነሉ፡ እቲ ህዝቢ ቆፍኡ ከምዝተተንከየ ንህቢ፡ ኣብ መንግስታውን ህዝባውያን ትካላት ዝተደኮኑ ንጉሳውያን ሓወልትታት ጉድኣት ኣውረደ። እቲ ኩነታት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብምዃን ከተማ ኣንጾክያ ስርዓት ኣልቦ ኮነት። ነዚ ዝተዓዘበ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ኣብ ሞንጎ እቲ ህዝብን መንግስትን ከም መንጎኛ ደው ብምባል፡ መልእኽቲ ወንጌል ፍቀዶ ኣብያተ ክርስትያናት ብምስባኽ፡ነቲ ዕግርግር ናብ ፍጹም ሰላምን ስምምዕን ከምዝመጽእ ገበረ። ነቲ ህዝቢውን ከም ክርስትያናት ከመይ ክመላለሱን ምስ ቤተክርስትያንን መንግስትን ክህልዎም ዘለዎ ምትሕሓዝን ዝምድናን ብዕምቆት መሃሮም። ነዚ ዝተዓዘቡ ጳጳሳትን ንጉሳውያን መራሕትን፡ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ልቢ እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ማዕረ ኽንደይ ተቀባልነት ከምዘለዎን ጸላዊ ካህን ምዃኑ ኸስተውዕሉ ከኣሉ።

ኣብ ቁስጥንጥንያ ዝነበረ ሊቀ ጳጳስ ምስ ዓረፈ፡ ቅዱስ ዮሃንስ ፍቃደኛ ምዃኑ ከይተሓተተ፡ ብትእዛዝ ንጉስ፡ ሊቀ ጳጳስ ንምዃን ተሓጽየ። ብህዝቢ ከተማ ኣንጾክያን ከባቢኡን ፍቱው ዝነበረ ቅዱስ ዮሃንስ፡ እቲ ህዝቢ ናዕቢ መታን ከየላዕል ስለዝተሰግኣ፡ ኣብቲ ዘገልግለሉ ዝነበረ ሰበኻ ከይተሓበረ፡ ዳርጋ ጭውያ ብዝመስል፡ ብወተሃደራት ተሰንዩ ናብ ቁስጥንጥንያ ከምዝመጽእ ተገብረ። ኣብ ከተማ ቁስጥንጥንያ ኣብ 397 ዓመተ ምሕረት ብማዕርግ ጵጵስና ተቀብኤ። እዚ ድሌታቱ ብምግዛእን ተራ ናብራ ብምንባር ዝልለ ዝነበረ ኣቦ፡ መንበረ ጵጵስና ቁስጥንጥንያ ኣዝያ ጋዕዝያ ስለዝጸንሓቶ፡ በቲ ንቤተ ክህነት ቅርጹ ንምትሓዝ ዝወስዶ ዝነበረ ተበግሶን፡ ነቲ ብንጉሳውያን ቤተሰብ ዝርአ ዝነብረ ዓመጽ ንምእራም፡ ኣብ ስብከታቱ ዘንጸባርቆ ዝነበረ ናይ ፍትሒ ጎደለ መልእኽቱን፡ ጸላእቲ ክልዓልዎ ግዜ ኣይወሰደን። እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምቅባእ ናይ ጳጳስን ካልእ ኣጋጣሚታትን፡ ድኻታት ዘይዕደምሉ፡ ንሰበስልጣንን ሰብ ጸጋን ጥራይ ንግብጃ ዝጠፍእ ዝነበረ ዘይተኣደነ ሃብቲ ቤተክርስትያን፡ ንድኻታት ዘገልግል ሕክምናን ቤትምህርትን ኣብ ምስራሕ ብምውዓሉን፡ ንኣገልገልቲ ካህናትን ጳጳሳትንውን ካብቲ ህዝቢ ረብሓ ከይደለዩ ብምሉእ ሓይሎም ብስብከተ ወንጌል ከገልግልዎ ብምሕታቱን፡ ነቲ ብምኽንያት ዘይምጥዕዓም ሰዓታት ስራሕ ናብ ቤተክርስትያን ክመጽሕ ዘይከኣለ ህዝቢ መታን ክረብሖም፡ ሰዓታትን መዓልትታትን ኣገልግሎታት ቤተክርስትያን ብምትዕርራዩ፡ተቃውሞ ካብ ቤተክህነት ክለዓሎ ጀመረ። ብጥምየትን ሕማምን ንዝሳቀዩ ወገናቶም ክረድኡን ፍትሒ ከንግሱን ደኣምበር፡ ክቡር ዝዋግኡ ክዳውንትን ስልማትን ብምኽዳን፡ ንኣምላኽ ከስምርዎ ከምዘይክእሉ ብምምሃሩ፡ ሰበይቲ ንጉስ ኣርካድዩስ (Arcadius) ቂም ክትሕዘሉ ግዜ ኣይወሰደላን። ሰበይቱ እተሕምቆ ሰብኣይ፡ መብራህቲ ምስ ጠፈአ ርእሱ ይንቅንቅ ከምዝብሃል፡ ንጉስ ኣርካድዩስ ንሰበይቱ ኣደብ ንክትገብር፡ ርእሱ ካብ ምንቅናቅ ዝሓልፍ፡ ዝኮነ ተበግሶ ኣይወሰደን። ስንፍና ሰበኣያ ዝተዓዘበት ኢዩዶክስያ (Eudoxia) ካብ ቁጽጽር ሰባኣያ ብምዃን፡ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ዮሃንስ ነገር ክትፍሕስ ድቃስ ሰኣነት። ፍቃዱ ከይሓተቱ፡ ንምእመናኑ ከይተፋነወ፡ ከም ንኸታሪ ብወተሃደራት ዘሪፎም ብምምጻእ፡ጳጳስ ይኹነናኢሎም ሸይሞሞ ከብቅዑ፡ ገጽ ሰብ ከይረኣየን ከየዳለወን፡ ንፍቃድ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ብኹለንትንኡ ብምእዛዙ ጥራይ፡ ብንጉሳውያንን ብገለ ኣምሰሉ ኣገልገልትን ተጸልአ።

 ቅዱስ ዮሃንስ ምስባኹ ቀጸለ፡ ስብከት ዮሃንስ ንሕልናን መንፈስን ንግስቲ ኢዩዶክስያ ዕረፍቲ ግዲ ከሊእዎ፡ ኣብ ክንዲ ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ትምለስ፡ ምስቲ ናብ ጵጵስና ብምምጽኡ ዘይተሓጎሰሉ ጳጳስ ናይ ኣሌክሳንደርያ ቲኦፊሉስ (Theophilus) ተሓባቢራ ኣንጻሩ ደው ዝብሉ 36 ጳጳሳት ብምጽዋዕ፡ ኣብ ከልቄዶን (Chalcedon) ሲኖዶስ ጉባኤ ከምዝካየድ ገበሩ። ዝተፈላለዩ 21 ክስታት ብምምስራት ድማ ኣብ 403 .. ቅዱስ የውሃንስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘይነበረሉ፡ ነቲ ዝተሃንደሰ ክስታትውን ተሓቲቱ መልሲ ክህብ ከይተጸወዐን ዕድል ከይተዋህቦን፡ ካብ መንበሩ ከምዝእለ ገበሩ። ገለ ካብቲ ዝተመስረተሉ ክስታት፡ ናይ ቤተክርስትያን ንብረት ብምሻጥ ንድኻታት ዓዲሉ፣ ንጳጳሳትን ካህናትን ተጻሪፉ፣ ካብ ሃገረ ስብከቱ ወጻኢ ቅዳሴ ኣካይዱን ኣገልገልቲ ሸይሙን ዝብል ነበረ። ከም ተወሳኺውን፡ ንናይ ኦሪገን(Origen) ስሑት ትምህርትታት ደገፍ ይገብር እዩ  ዝብልውን ነበረ። እዚ ድማ ነቶም ካብ ግብጺ ዝተሰጉ ብቆማታት የሕዋት (Tall brothers) ዝፍለጡ ምስ ምህሮ ኦሪጎን ይደናገጹ እዮም ዝተባህሉ ፈለስቲ፡ ካብ ግብጺ ተሰጊጎም ናብ ቁስጥንጥንያ ድሕሪ ምምጽኦም፡ ካብቲ ስሑት ትምህርቶም ኣነሲሑን ኣቑሪቡን  የዕቂብዎም ስለዝነበረ እዩ።  ድሕሪ ናይ ሲኖዶስ ውሳኔ፡ ንግስቲ ኢዩዶክስያ ሓሳብ ልባ ሰሚሩላ፡ ነቲ ከምድላያ እትዝውሮ ዝነበረት ሰብኣያ ተጠቂማ ነቲ ናይ ሲኖዶስ ውሳኔ ንምድራዕን ንምፍጻምን፡ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ሓንቲ ኣብ ርሑቅ ኣርመን እትርከብ ገጠር ዓዲ፡ ኣብ 403 .. ከምዝስደድ ኮነ። ብድሕር ውሳኔ፡ ኣብ ቁስጥንጥንያ ከቢድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢመ። እቲ ህዝቢውን ነቲ ዝኾነ ምስ ፈለጠ፡ ካብ ገዝኡ ናብ ጎደናታት ብምውጻእ፡ ማዕበላዊ ተቃውሞታት ኣርኣየ። ናይቲ ከም እሳተ-ጎመራ ዝነቶገ ተቃውሞ ህዝቢ ዝተዓዘበት ሰበይቲ ንጉስ፡ ምስቲ ኣሉ ክትብለሉ ዘይከኣለት ዘሰንብድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተደሚርዎ፡ ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ስደት ኣብ 404 .. ቅዱስ ዮሃንስ ናብ ቦትኡ ተመልሰ። ከም ሕያዋይ መጋቢ፡ ኩሉ ካብ ኣምላኽ ዝተቀበሎ ኣገልግሎት ክምልእ፡ ብነጻነትን ሓርነትን መልእኽቱ ከቅርብ ተነግሮ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ግን፡ ንግስቲ ኢዮዶክስያ ቤተክርስትያን ምስ ቤተመዘክር ምፍላይ ግዲ ስኢና ኾይና፡ ኣብ ፊት ቤተክርስትያን ኣዝዩ ዓቢ ናይ ገዛእ ርእሳ ምስሊ ዘለዎ ሓወልቲ ኣስረሐት። ገጽ ሰብ ርእዩ ዘየዳሉ ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቂ ግና፡ ዘይከም ሰብኣያ፡ መብራህቲ ምስጠፈኤ ዘይኮነስ፡ ገና ብቀትሩ እዝና እናሰምዐ ዓይናውን እናረኣየ ኣብ ቅድሚ ኩሎም ኣመንቲ፡ ንተግባራታ ምስ ሄሮድያ ንግስቲ ሄሮዶስ እዩ ኣወዳዲርዋ። ነዚ ምስ ሰመዐት፡ ሓንሳእን ንሓዋሩን ካብታ ዘፍቅራ ቤተክርስትያኑ ከምዝእለ ገበረት። እቲ ናይ ሽዑ ንግስነት ብሓፈሻ፡ እታ ነቲ ጽልዋ ናይ ቅዱስ ዮሃንስ ክትጻወሮ ዘይከኣለት ሕንቅቅቲ ንግስትን ንቅዱስ ዮሃንስ ብሞት ንምቅጻዕ ትእዛዝ ኣመሓላለፈት። ሞት ብሞቱ ግን በብንኡሽቶ ተሳቅዩ መታን ክመውት፡ ብፍቀዶ በረድን ቀዝሕን፣ ንፋስን ኣሰሓይታን፣ ምድረ-በዳን ሃሩርን ዘለዎ ጎቦታትን ተኣፈፍቲ ቦታታትን፡ ብዘይ ዕረፍቲ፡ ናብ ርሑቅ ቦታ ጥራይ እግሩ ብወተሃደራት ተሰንዩ ክጋዓዝ ኣዘዘት። ንሰለስተ ዓመት ጥራይ እግሩ ከምዝጋዓዝ ድሕሪ ምግባር፡ ሞቱ ከምዝተቃረበ ዝተረድኡ ወተሃደራት፡ ናብታ ኣብ ጥቀኦም ዝነበረት ቤተክርስትያን ብምውሳድ፡ ከም ስርዓት ኣቀባብራ ሮማውያን ጻዕዳ ክዳውንቲ ከድንዎሞ፡ ኣብታ ቤተክርትያን ዝነበረ ካህን፡ ቅዱስ ስጋን ደምን ናይ ጎይታና ኢየሱስ ኣቀበሎ፡ ቅዱስ ዮሃንስውን ቆሪቡ ኣብ ፊት ቤተ መቅደስ፡ ስለ ኹሉ ነገር፡ ክብሪ ኩሉ ንኣምላኽ ይኹን፡ ኣሜን ብምባል፡ ናይ ምድሪ ተልእኾኡ ብዓወት ፈጺሙ ናብ ናይ ዘልኣለም መዕረፊኡ ኣብ 407 .. ብሰማእትነት ዓረፈ።  

ድሕሪ ሞት ንግስቲ ኢዩደክስያን ብዓልቤታን፡ ነቲ ንግስነት ዝተረከበ ወዶም ቲኦዶሲዩስ (Theodosius) ነቲ ብስድርኡ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ዮሃንስ ዝተፈጸመ ዓመጽ ብምእማን ንቤተክርስትያን ይቅሬታ ድሕሪ ምሕታት፡ ንኣስከሬን ቅዱስ ዮሃንስ ካብቲ ዝነበሮ ርሑቅ ቦታ፡ ኣብ 438 .. ናብ ቁስጥንጥንያ ብኽብሪ ከምዝመጽእ ገበረ። ምትሕንፋጽ ቤተክርስትያንን መንግስትን ዘምጸኦ መዘዝ ብዙሕ እዩ። ኣብ ዘዘመኑ ብዙሕ ዋጋ ኣክፊልናን የኽፍለናውን ኣሎ። ቅቡኣት ኣቦታት ምስ ሰይጣን ተሓባቢርና ተልእኾ ወንጌል ከይፍጽሙ እንተኣሳደድናን፡ ድሕሪ ሞቶም መቃብሮም ብማርሞ እንተሰለምና እንታይ እዩ ረብሕኡ!? ናይ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ታሪኽውን ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ዝፍለ የብሉን። እቲ ፍልልይ ናይቶም ተዋሳእቲ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ዛንታ ሓደ እዩ። ምኽንያቱ፡ እታ ሃዋርያዊትን ኣጽናፋዊትን ቅድስቲ ቤተክርስትያን ንሳን ሓንትን እያ። ስለዚ ክቡር ኣንባቢ፡ ካበየኖት ኢኻ???

ኣምላኽ የዒንቲ ልቦናና ይኽፈተልና የብርሃልናን።

ክብርን ምስጋናን ንልዑል ኣምላኽና ይኹን።

ቀሲስ ኢሳይያስ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div