S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

13 ዓመታት ብዘይ ዕርቂ፡ ብዘይ ሥርየት!

ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ፡ ክትቍጥዑ ከሎኹም ኣብ ኃጢኣት ከይትበጽሑ ተጠንቀቑ። ኣብ ቍጥዓኹም ፀሓይ ኣትዕረብኩም። ንዲያብሎስ ከኣ መገዲ ኣይትሃብዎ ዝብል ረዚን መልእኽቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሒፉልና ከም ዘሎ ብዙሕ ጊዜ እነንብቦ ትኹል ቃል ሓቂ እዩ። ኤፈ 426-27 ካብዚ መሠረታዊ ትእዛዝ ኣምላኽ ተበጊስና ኢና እምበኣር ብምኽንያት እዚ ሎሚ-ቅነ ዳግማይ ዝካየድ ዘሎ ጸለመ ኣብ ልዕሊ  3 ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ነዚ ሓጺር ጽሑፍ ናብ ኣንበብቲ ነቕርቦ ዘሎና።

ኣብ ሕብረተ-ሰብና ዘይበኣሱ መላእኽቲ፥ ዘይዕረቑ ከኣ ኣጋንንቲ ዝብል ልሙድ ምስላ ወለድና ኣሎ። ወዲ ሰብ ከኣ ኣብ መዓልታዊ ሕይወቱ ምስ ገለ ሰባት ብበበይኑ ምኽንያታት ናይ ሓሳብን ድሌትን ፍልልያት ክህልዎን ዘይምርድዳእ ክፍጠርውን ይኽእል እዩ። ስለዚ እዩ ኸኣ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኵራኹም ፀሓይ ኣይትዕረብኩም ዝብል ጽኑዕ መንፈሳዊ ምሕጽንታ ጽሒፉልና ዘሎ። እሞኸ ደኣ ምስ ኵራኹምን ጽልእኹምን ኣይትሕደሩ ዝብል ረዚን ትእዛዝ ኣምላኽ ተቐቢልና ከነብቅዕሲ፡ ንሳምንታት፥ ንኣዋርሕን ንዓመታትን ኣብ ጽልእን ቂምን ምንባርና ደኣ ምስ ምንታይ ኮን ክቑጸር ይኸውን?

ግደ-ሓቂ እንተ ደኣ ኮይኑ፥ ኣመንቲ ክርስቲያን ንሓድሕድና ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ኩሉ ሰብ ብስምምዕን ሰላምን ክንነብር ኢና ተኣዚዝና። ከም ሰዓብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ መጠን ድማ ይሊ መንፈስ ቅዱስ ተደጊፍና፡ ርህሩሃት፥ ለዋሃት፥ ዓቃላት፥ ትሑታት፥ ዕጉሳት፥ እሙናት፥ ዓት፥ ፈቃራት፥ ለጋሳት፥ ሕጉሳትን ትስፉዋትን ብምዃን ጨው ምድርን ብርሃን ዓለምን ምእንቲ ክንከውን ኢና ሕድሪ እምነት ዝተቐበልና። ብዝያዳ ድማ ነታ ‘‘ፍቕሪብዙኅ ጢኣት ትኸድን እያ እሞ፥ ቕድሚ ኩሉ ንሓድሕድኩም ብምሉእ ልቢ ተፋቐሩ ዝብል መንፈሳዊ ቃል ክንዝክሮን ኣብ ለልብና ክንዓቑሮን ግቡእ እዩ (1 ጴጥ 48) ከምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ባሕርይ እንተ ዘይወኒንና ግና ኣንጻር ሕጊ ኣምላኽ ብምዃን ከምቲ ንሓድሕድኩም እንተ ተናኸስኩምን ተባላዕኩምን ግና ንሓድሓድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ ዝብል ሳዕቤን ዘለዎ ማዕዳ ንትግብሮ ከም ዘሎና ክስሕቶ ኣይግባእን (ገላ 515)

ከምቲ ብዙሕ ጊዜ ደጋጊምና ዝበልናዮ፡ ብኢድ ኣእታውነት መንግሥቲ ... ኣብ ውሽጢ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ 2006 . ዝተፈጥረ ጥሕሰት ሕግን ምጥፋእ ሓቅን፥ በቶም ዓለም መኒኖም ዝመንኮሱ ውሑዳት ጳጳሳት ፌርማን ኣድማን ዝተወሰኾ፡ ምኽሳስ ንሕጋዊ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝጀመረ ዕንወት፡ ውዲት ኣመጻጽኣ ሰይጣን ሰኣን ምፍላጥና እንሆ ንልዕሊ 13 ዓመታት፡ ኣብ መርገም፥ ኣብ ውግዘት፥ ብሕማቕ ህልኽን ምፍልላይን ተበታቲንና፡ ክቡር ስም ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ተናዒቑ ብሰንኪ ኢድ ህግደፍን ብሰንኪ ስንፍና መነኮሳት፣ ካህናት፣ ዲያቆናትን  ምእመናንን  ኣብ ሕንፍሽፍሽ ንርከብ ኣሎ። ካብዚ ንላዕሊ ዘሕዝንን ዘጕህን ተርእዮ ድማ ፈጺሙ የሎን።

ወዮ ደኣ እንዳ በሉኻዶ ትጋገ”! ኮይኑ እዩ ነገሩ እምበር፥ ይትረፍዶ ብጳጳሳት ንሕድሕዱ ዝዋቓዕ ዘረባን ናይ ሓሶት ጸለመን  ክስማዕሲ ንዝኾነ ኣማኒ ክርስቲያን እኳ፡ ንዝኾነ ሰብ ከም ነፍሱ ከፍቅርን ንትእዛዝ እግዚኣብሔር ከኽብርን፡ ናይ መጀመርታ ሕጊ ኣምላኽ ምዃኑ ብዙሕ ግዜ ዝተነግረና መባእታዊ ትምህርቲ ሃይማኖት እዩ። እሞኸ ደኣ እዞም ንዓለም መኒኖም ዝመንኮሱ ፈለስቲ፥ ንህዝብን ቤተ ክርስቲያንን ብፍቕሪ ክጓስዩ ዝተሹሙ ኣቡናት፥ ንፕረዚደንትን ጀነራላትን ዓለም ፈሪሖም ንእሙን መንፈሳዊ ኣቦኦም፥ ንሕጋዊ ፓትርያርክ-ርእሰ ኣበው፡ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብዘይ ብቑዕ ክሲ፥ ብዘይ ደኛን ብዘይ ፍትሓዊ ፍርድን፥ ካብ ሥልጣን ፓትርያርክ ኣውሪድናኩም ኣሎና! ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ጽምዋን ጸልማትን ኣብ ጸቢብ ገዛ ካብ ሰብን ቤተ ክርስቲያንን ኣጊድካ 13 ዓመታት ምሕያርሲ ምስ ምንታይ ክቑጸር ይኽእል? አረ በጃኹም ኣቦታት ብፍላይ ከኣ ኣቡነ ሉቃስ ተነስሑን ናብ ልብኹም ተመለሱን። ሕጂ ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን እንተ ዘይተዓሪቕኩም ግና ዕጫ መወዳእታኹም ብሓቂ ሕማቕ ክኸውን እዩ። ንብዙሕ ህዝቢውን ክትጎድኡን ከተጥፍኡን ኢኹም። ምኽንያቱ ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣሕዛብ ይጽረፍ ኣሎ። ዝብል ቃል ምስትውዓሉ ኣኻሊ እዩ።ሮሜ 224

መንፈሳዊ ትርጉም ናይቲ ንሕና ገና ጸላእቱ ከሎና ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዓረቐና (ሮሜ 510) ዝብል ጥቕሲ ብግቡእ እንተ ዝርድኣና ነይሩ፡ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘጋጥም ዘይምስምማዕን ባእስን ምእንቲ ኣምላኽ ኢልና ንሕድሕድና ይቕረ ንኽንበሃሃል ብፍጹም ኣይምኸበደናን ነይሩ። ኣብዞም ዝሓለፉ 13 ዓመታት ድማ ንተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ብዙሕ ወርቃዊ ዕድላትን ዳግም ዘይንረኽቦ ክቡር ጊዜን ከሲርናን ቦዅርናን ኢና። እቶም ብዘይ መንፈሳዊ ዕርቅን ይቕረ-ይፍታሕን ከይተባህለሎም ብዘይ ሥርየት ፓትርያርክ ናብ ዓዲ-ኩልና ዝኸዱ ኣቦታትውን ዘየሕዝን ኣይኮነን። መለበምን ኣይግበርካ፥ መለበምን ኣይኽላእካ፥ እዩ እዋኑ። ስለዚ ምስ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብሕይወት ከሎኹም ሕጂ ተዓረቑ፥ ንህዝብኹምውን ዕረቑ በጃኩም!!!

እዞም ዝስዕቡ ጳጳሳት ምስ ኣቦኦም ቅዱስ እንጦንዮስ 3 ፓትርያርክ ከይተዓርቁ ዝዓረፉ ኣቦታት እዮም።

  1. ብፁዕ ኣቡነ ማቴዎስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ድርባዋ፡- ኣብ  27 ሕዳር 2011 . ኣብ መበል 79 ዓመት ዕድሜኦም ምስቶም ማዕርገ-ጵጵስና ዝቐብእዎም መንፈሳዊ ኣቦኦም 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ይቕረ-ይፍታሕ ከይተባህሉን ከይተዓረቑን ካብዛ ዓለም ብሞትሓሊፎም።

  2. ብፁዕ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ሊቀ-ጳጳስ ደቡብ መንደፈራ፡- ዘይግብኦምን ዘይሕጋውን ማዕርግ 5 ፓትርያርክ ብመንግሥቲ ተሸይሞም ተባሂሉ፡ ህዝቢ ተዋሕዶን ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያንን ከይተቐበልኦምን፡ ብሕማቕ ሕማምን ከቢድ ቃንዛ-ስቕያትን ተወፂዖም ምስ መንፈሳዊ ኣቦኦም 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ይቕረ-ይፍታሕ ከይተባህሉን ከይተዓረቑን ኣብ 21 ታሕሳስ 2015 . ካብዛ ዓለም ብሞት ሓሊፎም።

  3. ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ጳጳስ ሰሜናዊ /ባሕሪ ንዝበደልዎም መንፈሳዊ ኣቦኦም 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ይቕረታ ከይሓተቱን ይፍታሕካ ከይተባህሉን ከይተዓረቑን 30 መጋቢት 2009 . (08 ሚያዝያ 2017 .) ኣብ ሎንደን ዓዲ እንግሊዝ ኣብ መበል 86 ዕድሜኦም ካብዛ ዓለም ብሞት ሓሊፎም።

  4.  ኣብዚ ሰሙንዚ ድማ ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ጳጳስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ብ9 ግንቦት 2011 (17 ግንቦት 2019 ኣ. ፈ) ኣብ ኣስመራ ኣብ መበል 76 ዓመት ዕድሜኦም ምስቶም ማዕርገ-ጵጵስና ዝቐብእዎም መንፈሳዊ ኣቦኦም 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ይቕረ-ይፍታሕ ከይተባህሉን ከይተዓረቑን ካብዛ ዓለም ብሞት ሓሊፎም።

ስለዚ፥ ዝሓለፉ ዓሰርተ ሰለስተ (13) ናይ ክሳራ ዓመታት ይኣክል! ይኣኽለና!!! ጸሓይ ከይዓረበ፥ የለኹን ዘይትብለሉ ናይ ሞት ደወል ከይተደወለ፥ መጸዋዕታ ጎይታ ከይመጸ፥ ሕጂ "ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ እናበልና ንልምነኩም ኣሎና" ( 2 ቆሮ 520)።

ደቂቀ እንጦንዮስ፥ ዘክርስቶስ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div