S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ፓትርያርክ ዘይብሉ፡ መንበረ ፓትርያርክ ኣሥመራ!

ኩልና ከም ንፈልጦ፡ ሽም ዘይብሉ ንህቢ፡ ኣይሰምር፡ ኣየምዕር ምዃኑ ርዱእ ሓቂ እዩ። ቆፎ ብዘይ ንህቢ ድማ ኣይብርበር፡ ኣይከብር እኳ ደኣ ይሓስር እዩ። ምኽንያቱ እቲ ዘምዕርን ዘኽብርን ዝነበረ ዕስለ ንህቢ ምስ ሽሙ ነቲ ቆፎ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሓዲግዎ ስለ ዝኸደ እዩ።

ከቢድ ጸገም ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ካብዚ ኣብ ላዕሊ ብሓጺሩ ዝገለጽክዎ መብርሂ ሓሳብ ፍጹም ዝርሕቕ ኣይኮነን። ወላኳ እቶም ውሉደ-ክህነት እንበሃል፡ እንተ ብስንፍናና ወይ ከኣ ብዘይምስምማዕና፡ ነዚ ዓቢይ ጉዳይ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ዝኾነ ማሕዩር ኣቦና 3 ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ሓቀኛ ዕርቅን ፍትሓዊ ውሳኔን ስኢንና ንልዕሊ 13 ዓመታት ብሕድሕዳዊ ጽልእን ህልኽን ዕንክሊል ንበል እምበር፡ ፈቲና ጸሊእና ብዘይ መንፈሳዊ መሪሕነት ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ከም መራሕቲ ሃይማኖት መጠን ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ክንከብር ይኹን ክንፋቀር ወይ ክንሰምር ኢልካ ምሕሳብ ከንቱ ድኻምን ናይ ዘመንና ዕሽነትን ጥራይ እዩ። ምኽንያቱ እቶም ርእሰ-ኣበው ሊቃነ ጳጳሳት፥ ወኪል ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቦ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ 3 ፓትርያረክና ብዘይ ፍትሕን ፍርድን ኣብ ማሕዩር ገዛ ብህ... ተዓጽዮም ይሳቐዩ ብምህላዎም እዩ። ነዚ ምርግጋጽ ነቲ ናይ ሎሚ ቅነ-ረዚን ታሪኻዊ ቃሎም ምስማዕ ኣኻሊ እዩ

እቲ ኣዝዩ ዘገርምን ዘሕፍርን ከኣ 3 ቅዱስ ፓትርያርክና ብሓይሊ-ጎነጽ ካብ መንበር ቤት ጽሕፈቶም  ካብ ዝባረሩን ዝሕየሩን (ካብ 13 ጥሪ 2006 .) ጀሚሩ ድሮ 13 ዓመታት ኣቑጺሩ እኳ እንተሎ፡ ገለ ሰብ-እዋን ኢና ዝብሉ ብኽፍኣት፡ ነቲ ፓትርያረክ ዘይብሉ ቤት ጽሕፈት፥ መንበረ ፓትርያረክ  እንዳተባህለ ከም መንፈሳዊ ቦታ ምጽውዖም ንሕቡእ ኣጀንዳኦም ከም ጉልባብ ክጥቀምሉ ከለዉ፥ ገለ ገርህታት ውሉደ-ክህነት ከኣ ብተለምዶ ወይ ብሸለልትነት ካብ ቤት ጽሕፈት መንበረ-ፓትርያርክ ትእዛዝ ንጽበ ኣሎና እንዳበሉ ንነዊሕ ዓመታት ንዘይጭበጥ ተስፋ ምጽባዮም ብሓቂ ዘተዓዛዝብ እዩ።

ኣቱም ሰባት! መሓሪ ዝተባህለ ከታሪ እንተኾነ፥ ይኸትር ደኣ እምበር ፈጺሙ ኣይምሕርን እዩ። ፓትርያረክ ዘይብሉ መንበር ከኣ መንበረ ፓትርያርክ እንተተባህለ፥ መንበር ዓመጽን ዓለምን ደኣ እምበር መንፈሳዊ መንበር ክኸውን ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ድማ እየ ፓትርያረክ ዘይብሉ፥ መንበረ-ፓትርያረክ ኣሥመራ ክብል ዝደፈርኩ። ካብቲ ቤት ጽሕፈት ናይ ኣሥመራ ድማ መንፈሳዊ ግብርን ሠናይ ምክርን ካብ ዝርሕቆ ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ ከም ዘሎ ንመብዝሕትና ግሁድ እዩ። ኣብ ክንዲ መንፈሳዊ ቤት ጽሕፈት ዝኸውን ድማ ቤት ጽሕፈት ጥልመትን ክፍኣትን፥ ቤት ጽሕፈት ውጉዛትን ጨካናት ጀነራላትን፥ ኮይኑ ንብዙሓት ውሉደ-ክህነትን ኦርቶዶክሳውያን ኣመንትን  የባርር፥ የእስርን የሐስርን ከም ዘሎ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተዘርግሐ ቪድዮ ጭቡጥ መርኣያ እዩ። ከምዚ ምስ ኣጋጠመ ከኣ እዩ እቲ ቅዱስ ጽሑፍና ኣቱም ነቲ እከይሲ ሠናይ፥ ንሠናይ ከኣ እከይ እትብሉ፥ ንጸልማት ብርሃን፡ ንብርሃን ድማ ጸልማት እትገብርዎ፥ ንመሪር ጥዑም ንጥዑምውን መሪር እትገብርዎ ወይለኹም! ዝብል ተሪር መጠንቀቕታ ዝተጻሕፈሎም። ኢሳ 520

ስለዚ እምበኣር ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ቤት መቕደስ ኣይሁድ ምስ ከደ፥ እቲ ቤት ጸሎት ክኸውን ዝግብኦ ቤት ሸቐጥን ዓመጽን ኮይኑ ምስ ጸንሖ፥ ቤተይ ቤት ጸሎት ተባሂሉ እዩ ዝስመ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓሉትን ሰረቕትን ገበርክምዎ ኢሉ ከም ዝሰጎጎም፥ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኣሥመራውን ብመለኮታዊ ኃይሊ መድኃኔ-ዓለምን ብንብዓት ግፉዓትን ኩሉ ጎሓፉ ዝጸርየሉን ገፋዕቲ ዝወጽሉን ግዜ ነዊሕ ኣይክኸውንን እዩ።

እግዚኣብሔር ንሕማምና ፈውሲ፥ ንሕቶና ከኣ መልሲ ይልኣኸልና!!!

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም                                                                                                

ቅዱስ ሚካኤል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሻርሎት ሰሜን ኣሜሪካ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div