S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ማህሌታዊ ያሬድ

ዲያቆን ዮሓንስ ገብረሕይወት፥ መድኃኔ - ዓለም ማንቸስተር, ዓባይብሪጣንያ

ኣብ መጽሔት መገዲ ሕይወት, ቁጽሪ 2 ሕታም ዝተዳለወ።

ወይዘሮ ክርስቲና ወይ ወይዘሮ ታውክልያ ተባሂለን ዝስመያ ኣኽሱማዊት ኣደ ከምዝነበራ ትፈልጡ ? “ኣኽሱምን ክርስቲናን ደኣ ኣበይ ኣበይ እየን ዝራኸባ?” ኢልኩም ትሓቱ እንተለኹም፡ ምምርማር ታሪኽ ቅዱስ ያሬድ የድልየኩም ኣሎ ማለት እዩ። ንስርሓት ቅዱስ ያሬድ ናብቲ ዝቐጸለ ወለዶ ዘሳገሩ፡ ሳዊሮስ፡ ሳንድሮስ፡ ባልዳዶስ፡ ኬፋ፡ ወዘተ እዮም ዝበሃሉ ኔሮም። ኣሰያይማ ስሞም ይዓጀበና እንተሎ፡ ታሪኽ ንግስነት ክርስትናን ንግስነት ኣኽሱምን ኣብ ዞባና ክንፈልጥ እዩ ዝያዳኡ ክዓጅበና ዝግባእ።

1500 ዓመታት ንድሕሪት ተመሊስካ፡ ዕለተ ልደትን ዓመተ ምህረትን ብንጹር ክትረክብ ኢልካ ምሕሳብ፡ ብገለ መዳዩ የዋህነት እዩ። ቅዱስ ያሬድ፡ 5 ሚያዝያ 505 / ኣብ ኣኽሱም ተወልደ፡ ዝብል ሓሳብ እንተንበብኩም፡ ከም ናይ መወዳእታ ሓቂ ጌርኩም ክትወስድዎ ኣይግባእን። 25 ሚያዝያ 505 / ዝብሉውን ኣለው፡ 493 ዝብሉውን ኣለው፡ ኣብ ከተማ አክሱም ንዝብል ድማ ኣብ ንግስነት ኣኽሱም ዝብሉውን ኣለው ወዘተ። እቲ ክንድዚ ዝድምቀቱን ዝዕቤቱን ያሬድ፡ ዕለተ ልደቱን ቦታ ልደቱን ብዝምልከት፡ ኣብ ዝተፈላለየ መወከሲ፡ ስጡም ሓበሬታ ክትረክብ ዝከኣል ኣይኰነን።

ኣዲኡ ታዉክሊያ (ክርስቲና ዝብሉውን ኣለው) አቦኡ ድማ ኣብድዩ (ይስሃቅ ዝብሉውን ኣለው፡ ኣዳም ዝብሉውን ኣለው) ብተመሳሳሊ፡ ኣቦኡ እንበረም ኣዲኡ ትውልያ እየን ዝብሃላ ዝብል ታሪኽውን ከምዘሎ፡ ተመራማሪ ታሪኽ፡ ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ጽሒፉሎ። ቅዱስ ያሬድ፡ እቲ ክሳዕ ክንድኡ እንንየተሉን እንሕበነሉን፡ ታሪኹ ኣጽፊፍና ክንፈልጥ ዘይምኽኣልናስ ምስ ምንታይ ኰን ይቑጸር ይኸውን?!

ኣቦኡ፡ ቀሺ ገበዝ ዘአኽሱም-ጽዮን ነበሩ። ያሬድ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ምስ ኰነ፡ ኣቦኡ ስለዝሞቱ፡ አባ ጌዴዎን ዝበሃሉ ኣብ ኣክሱም ዝነበሩ መምህር፡ ፊደላት ኣጽኒዑ ክሳዕ መዝሙር ዳዊት በጽሐ። ድሕሪኡ ትምህርቲ ምስላጥ ኣብይዎ ካብ ብጾቱ ድሕሪት እናተረፈ ነቶም መምህር ኣትከሮም። ሓደ መዓልቲ፡ ኣባ ጊዴዎን ተቘጢዖም ስለዝቐጽዕዎ፡ ያሬድ ኣንጸርጺሩ፡ መደባይ ወለል ናብ ዝበሃል ዓዲ ይኸይድ። ኣብኡ ኣብ ትሕቲ ኦም ኰይኑ፡ ስንፍናኡ እናሓሰበ ከሎ፡ ኣብታ ገረብ ሓደ ክሓኩር ዝጋደል ዝነበረ ሓሰኻ ይርኢ እሞ ይምሰጥ። ብዙሓት ነዚ ሓሰኻ እዚ፡ጻጸከምዝረኣየ ጌሮም እዮም ዝገልጽዎ። መጽሓፈ ስንክሳር ግንጻጼዘይኰነስዕጼእዩ ዝብሎ። ዝኾነ ኮይኑ፡ እቲ ሓሰኻ፡ ምግቡ ተሰኪሙ ንላዕሊ ክድይብ ክብል ሽዱሽተ ግዜ ወዲቑ ኣብ ሻብዓይ ግን ደይቡ ተዓወተ። እዛ ፍጻመ እዚኣ ድማ ንያሬድ ዓባይ ትምህርቲ ኰነቶ። ያሬድ ተመሊሱ ትምህርቱ ብምቕጻል፡ ነቲ ኣብይዎ ዝጸንሐ ትምህርቲ ቀጸሎ። እግዚኣብሄር ንምስትውዓሉ ስለዝኸፈተሉ ድማ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ርኡይ ለውጢ ኣርእዩ ሊቅነቱ ኣመስከረ።

ኣፈ-ታሪኽ ከምዘዘንትዎ፡ ንሰይቲ ቅዱስ ያሬድ ሓደ ካልእ ፈታዊ ነበራ። እዚ ሰብ እዚ ምልስልስ ኣብዚሑ ምስ ኣሸገሮ፡ ያሬድ ክቐትሎ ኢሉ ወሰነ። ኣብ ጽምዋ ቦታ ኣድብዩ እናተጸናጸነ ከሎ ግን፡ ሰለስተ ኣዕዋፍ መጺአን፡ ምቁር ጣዕመ-ዜማ ብዘለዎ ቃና እናዜማ፡ ንውኖኡ መሰጣኦ። ቅዱስ ያሬድ፡ግእዝ፡ ዕዝል ከምኡ ድማ ኣራራይዝበሃሉ ሰለስተ ቅኒታት ዘለዎ፡ ውህበተ ዜማ ተቐበለ።

ዕለተ ሰኑይ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ፡ ኣየነይቲ ዕለት ምዃና ኣይተፈልጠን፡ ረፋድ ሰዓት 9ኣብ ቤተ-ክርስቲያን አክሱም፡ «ሃሌሉያ ለአብ ሃሌሉያ ለወልድ ሃሌሉያ ለመንፈስ ቅዱስዝብል ሓደ ግሩም ዜማ ተሰምዐ።ቀዳሚሃ ለጽዮን ሣረረ ወበዳግመ አረአዮ ለሙሴ ዘከመ ይግበር ግብራ ለደብተራ» እናበለ ከዝይም ከሎ፡ ነዚ ዜማ እዚ ንምስማዕ፡ ንጉስ ምስ ንግስቱን ምስ መኳንንቱን ሓቢሮም ተኣከቡ። ምግላጽ ተቐቢሉ፡ ውህብቶ ዜማ ተዓዲሉ፡ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ምስ ኣጥለቕለቐ፡ ቅዱስ ያሬድዩ፡ ኣብታ ቤተ-ክርስቲያን ከይዱ ከምኡ ዝገበረ። ነዛ ፈላሚት ዜማኡ ድማ «አርያም» ብዝብል ሰመያ። ካብ ሰማይ ዝተረኽበ፡ ንምባል እዩ።

ዝተወልደሉ ዓመተ ምህረት ዘኪርና፡ ምምጻእ ተስዓቱ ቅዱሳን እንተጠቐስና፡ ንምልኣት እቲ ታሪኽ ብዝግባእ ክንርድኦ ይሕግዘና እዩ። ተስዓቱ ቅዱሳን ኣብ 470-480 ዘሎ ግዜ እዮም መጺኦም። ዝዓበየ ዕማሞም ድማ ኣብ ስርሓት ትርጉም ተዋፊሮም ነቲ ድሮ ተጀሚሩ ዝነበረ ትርጉም ሓድሽ ኪዳንን ብሉይን ኣጽፊፎም፡ ስርዓት ቤተ-ክርስቲያንን ካልኦት መጻሕፍቲውን ከምዝተርጐሙ ይንገረሎም። ተስዓቱ ቅዱሳን ኣብ ምድረ ኣግኣዚ፡ ኣስታት 50 ዓመታት ኣገልጊሎም ሓለፉ።

ሰሎሞን ወንድሙ፡ 1998 ኣብ ዘሕተማየቅዱስ ያሬድ ዜማ ሕይወትእትብል መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 15 ቅዱስ ያሬድ ነቶም ብተስዓቱ ቅዱሳን ዝተተርጐሙ መጻሕፍቲ ቃል ንቓል እናጠቐሰ፡ ሓደው ንምስጢር እቶም ሓሳባት ጸሚቑ ብገዛእ ቃላቱ ጌሩ ኣቕረበዝብል ሓሳብ ኣስፊሩሎ። ድርሰታት ቅዱስ ያሬድ፡ ንብሉይ ምስ ሓዲስ ዘሰማምዐ፡ ትምህርቲ ሊቃውንተ ቤተ-ክርስቲያን ብዝግባእ ዝሓዘ፡ እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቶም ኣርባዕተ ክፍለ ዓመት ማለት፡ ኣዝመራ፡ ክረምቲ፡ቀውዕን፡ ሓጋይን፡ በብወቕቱ ዝዝመር ጌሩ ብምስራዕ ድማ ኣቕረቦ።

ቅዱስ ያሬድ ምስ ተስዓቱ ቅዱሳን ጥቡቕ ርክብ ከምዝነበሮ፡ ብብዙሕ መልክዒታት ግሁድ እዩ። ምስቶም ኣብ ኣኽሱም ዝነበሩ ኣባ ጴንጠሌዎን ምስ ኣባ ዘሚካኤል (ኣቡነ ኣረጋዊ) ከምኡውን ምስ ኣባ ገሪማ ብዝነበሮ ርክብ፡ ብዛዕባ ምዕራዊ ክፋል ዓለምና ገለ ኣፍልጦ ከምዝረኸበ ይንገረሉ። እዚ ፍልጠት እዚ ጽምኣት ስለዘሕደረሉ ድማ ነታ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ግዝኣት ሮም ዝነበረት ቁስጥንጥንያ፡ ክልተ ግዜ በጺሕዋ።ወሪድየ ብሔረ ሮሜ ለቤተ-ክርስቲያን ርዒክዋ፡ኢሉ ድማ ጸሓፈ። ብዘይካዚ፡ ቅዱስ ያሬድ ምስ አቡነ አረጋዊን ሃጸይ ገብረ መስቀልን ብሓባር ብምዃን ኣብ ወሎ፡ ጐንደር፡ ሸዋን ክሳዕ ብርብር ማርያም ጋሞጎፋ ብምኻድ ምሂሩ እዩ።

ድሕሪ ናብ ኣኽሱም ብምምላስ፡ ኣብታ ካብ ኣኽሱም 15 ኪሎሜትር ኣቢሉ ርሕቀት እትርከብ መደባይ ታብር ኣብ ዝተባህለት ቦታ ኰይኑ ንጽሑፋት ቅዳሴ ዝኸውን ዜማ ኣዳለወ። መወዳእታኡ፡ ንነሓዋሩ ንኣኽሱም ክፋነዋ ኢሉ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ማርያም ጽዮን ኣተወ እሞ፡ ነቲኣንቀጸ ብርሃንዝበሃል ውዳሴ ማርያም ከኣ፡ ናይ ሰንበት ምስ ወዳእካ ዝርከብ ክፍሊ ጽሑፍ ሽዑ ኣብቲ ህሞት እቲ ደረሶ።

ቅዱስ ያሬድ ዝደረሶ መጽሓፍ ዜማ ኣብዞም ዝስዕቡ ሓሙሽተ ክፍልታት መቒልካ ክርአ ይኽእል፡-

ድጓ፡ ዮሃንስ፣ ኣስተምህሮ፡ ጾምን፡ ፋሲካን ዝብሃሉ ኣርባዕተ ዓበይቲ ክፍልታት ዝሓዘ ቀዳማይ መጽሓፍ ዜማ እዩ።

ጾመ ድጓ፡- ኣብ ዓቢ ጾም ዝበጽሕ፡ ርእሱ ዝኸኣለ መጽሓፍ ካልኣይ መጽሓፍ ዜማ እዩ።

ዝማሬ፡- ኣብ ምዝዛም ቅዳሴ፡ ምስቲ ቅዳሴ ዝኸይድ ዜማ ኰይኑ፡ ሓሙሽተ ትሕዝቶታት ዘለውዎ ሳልሳይ መጽሓፍ ዜማ እዩ። እቶም ሓሙሽተ ክፍልታት ድማ ሕብስቲ፡ ጽዋዕ፡ መንፈስ፡ አኮቴትን ምስጢርን ተባሂሎም ይፍለጡ።

መዋሥዕት፡ ብየማነ-ጸጋም እናተቐባበልካ ዝበሃል ዜማ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ጥምቀት፡ ሞት፡ ትንሳኤን፡ ዕርገትን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘረድእ፡ ራብዓይ መጽሓፍ ዜማ እዩ።

ምዕራፍ፡- ካብ መዝሙረ ዳዊት ዝተዋጽአ ድርሰት ኮይኑ ሓምሻይን ናይ መወዳእታን መጽሓፍ ዜማ እዩ።

ዜማን መዝሙርን ምስ ቅዱስ ያሬድ ጥራይ ኣተኣሳሲርካ ምርኣይ ግን ዝንቡዕ ስለዝኾነ፡ ብጥንቃቐ ክርአ ዝግብኦ ጉዳይ እዩ። ንግስነት ኣኽሱም፡ ክርስትና ቅድሚ ምቕባላ፡ እምነተ ብሉይ ኪዳን እተቐበለት ንግስነት ምንባራ እንተዘኪርና፡ ዜማ፡ ከበሮ፡ በገና፡ እምብልታ ኮታ እቶም መሳርሒታት ሙዚቃ ይኹኑ ገለ መዝሙራትን ዜማን ግድን ብኸምቲ ናይ ያሬድ እኳ ኣይኹን እምበር፡ ህላውነቶምን ምንባሮምን ግን ኣብ ምልክት ሕቶ ክኣቱ ኣይግባእን።

እቶም እምነተ ክርስትና ወግዓዊ እምነት ኰይኑ ንኽእወጅ ልዑል ተራ ዝተጻወቱ፡ ከሳቴብርሃን ኣቡነ ሰላማ፡ ቅድሚ ልደተ ቅዱስ ያሬድ ብውሑዱ ቅድሚ 200 ዓመታት ኣቢሎም እዮም ኔሮም። ንሶምን ብጻዮም ኣደስዮስን ንወዲ ንጉስ ኣልኣሜዳ ከዕብይዎ ከለዉ፡መዝሙራትን ዜማንይምህርዎም ምንባሮም ኣብ መጽሓፈ ስንክሳር 26 ሓምለ ተጻሒፉሎ።ወነበሩ ኣድስዮስ ወፍሬሚናጦስ እንዘ የሐጽንዎ ለሕጻን ወይሜህርዎ ሃይማኖተ ክርስቶስ በበንስቲት ንስቲተ፡ ወሓነጹ ሎቱ ምጽላየ ወኣስታጋብኡ ሃቤሁ ደቂቀ፡ እንዘ ይሜህርዎሙ መዝሙረ ወማህሌተይብል፡ እቲ ኣብ ብራና ዝሰፈረ ጽሑፍ። ስለዚ ህላውነት ዜማን መዝሙርን ቅድሚ ቅዱስ ያሬድ ብዘየወላውል መገዲ ምንባሩ ንኹሉ ግሁድ ክኸውን ግቡእ እዩ።

ካልእ ሕቶ ምምሕያሽን ምትእትታው ለውጥን እዩ። ዕዮ ቅዱስ ያሬድ ዝቐጸሉን ድሕሪኦም ናብ ዝነበረን ዘሕለፉ ሊቃውንት፡ በብግዚኡ ኣድላዪ ለውጥን ምትዕርራያትን ይገብሩ ምንባሮምውን ዝከሓድ ክኸውን ኣይግብኦን። ኣብዚ መስርሕ እዚ ተሳቲፎም ዝበሃሉ፡ እዞም ዝስዕቡ ምንባሮም ይንገር። ሳዊሮስ፡ ሳንድሮስ፡ ባልዳዶስ፡ ኬፋ፡ ጋብሩ፡ ኣባ ጌራ፡ ኣባ ጊዮርጊስን። ኣባ ጊዮርጊስ ካብ ዝመሃርዎም ሓደ፡ እቶም ኣብ ቤትልሄም ዘበጌምድር (ጐንደር) ፍሉጥ ዝነበሩን ንመጽሓፈ ድጓ ምስ ምልክቱ ዝጸሓፉን ልሳነ ኤፋራት ዝበሃሉ ሊቅ እዮም። ምልክታት ድጓ፡ በቶም ኣብ ግዜ ሃጸይ ገላውዴዎስ ኣብ ዓመተ 1542 ፈረንጂ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተድባበ ማርያም ኣዝዮም ፍሉጣትን ሊቃውንትን ዝነበሩ፡ ኣዛዜ ጌራን ኣዛዜ ራጉኤልን ዝብሃሉ ብእኦም ከምዝተመዓራረየ እዩ ዝንገር። ሚካኤል ፓውነ ዝብልዎ ኤውሮጳዊ ክኢላ ከምዝብሎ፡ ቅዱስ ያሬድ፡ ነቲ ድርሰት ምስ ዜማኡ ብቓል እምበር ብጽሑፍ ከምዘይረከበ፡ እዞም ዝጥቀሱ ዘለዉ ክልተ ደባትር ግን፡ ኣብ ጽሑፍ ከምዝሰፍርን ምልክታት ከምዝህልዎን ዝገበሩ እዮም ይብል።

ዝኾነ ኮይኑ፡ ብግዜ ወራር ኣሕመድ ግራኝ፡ ብዙሕ መጻሕፍቲ ብሓዊ ተቓጺሉ ጠፍአ። እቲ ልሳነ ኤፋራት ዝጸሓፍዎ መጽሓፈ ድጓ ግን ሰደ ጋኘ ጊዮርጊስ ኣብ ዝበሃል፡ ኣብ ጥቃ ቤተ-ልሄም ዘቤጌምድር ተረኽበ። በዚ መሰረት ድማ፡ ጐንደር፡ ማእከል ትምህርቲ ዜማ ኰይና ክትቅጽል፡ ብትእዛዝ ሃጸይ ሰርጸ ድንግል ኣብ 1561 / ተወሰነ።

ድሕሪ ልሳነ ኤፋራት፡ እቲ ዝርዝር ከምዚ ኢሉ ይቕጽል፡ ዘቃለ ኣብ፡ እጨጌ ቃለ ኣዋዲ፡ ህንጻ ሃይማኖት፡ ተጠምቀ መድህን፡ ወልደ መለኰት፡ ሰርጸ ማርያም፡ ክንፈ ሚካኤል፡ ገብረ እግዚኣብሔርን ገብረ መድህንን። ድሕሪ ግን ድርሰት ቅዱስ ያሬድ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብሰፊሕ ተዘርግሐ። በብግዚኡ ድማ ኣብ ዘፈላለዩ ቦታታት ተሰዊሮም ዝጸንሑ ጽሑፋት ተረኽቡ። ኣብ ወሎ ደብረ ነጐድጓድ ኣብ ዝበሃል ቤተ-ክርስቲያን፡ ኣብ ትግራይ ድማ ኣብ ገዳም ኣባ ገሪማ፡ ኣብ ሸዋውን ኣብ ገዳም ደብረ ሊባኖስ፡ ኣብ ጐጃም ድማ ኣብ መርጡላ ማርያም ብዙሕ መጻሕፍቲ ተረኽበ። መጽሓፍ ቅዳሴ ድማ ኣብ ትግራይ ሰለኽለኻ ኣብ ዝበሃል ቦታ ተረኽበ።

ቅዱስ ያሬድ፡ በቲ እግዚኣብሔር ዝሃቦ ጸጋ፡ ቤተ-ክርስቲያንና ብዜማ ክትምዕርግን ክትውቅብን ልዑል ኣበርከቶ ዝገበረ ኣቦ እዩ። ብቐንዱ ነቲ ወሃቢ ጸጋ ዝኾነ እግዚኣብሔር፡ ክብርን ምስጋና ይብጽሓዮ። ቅዱስ ያሬድ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣቦታት፡ ብፍላይ እኳ በቲ እቶም ተስዓቱ ቅዱሳን ዝጻመዉሉ ስርሓት ትርጉምን መንፈሳዊ ዕብየትን ተደሪኹ፡ ብረድኤት እግዚኣብሔር ከምዚ ዝኣመሰለ ጸጋ ብእኡ ክግለጽ ንዝፈቐደ እግዚኣብሔር ክብሪ ክንህብ ይግባእ። ቅዱስ ያሬድ፡ ዜማታት ኣዳልዩ ምስ ዛዘመ፡ ንኣስታት 11 ዓመታት ዝኣክል፡ ምሂሩን ኣገልጊሉን 11 ግንቦት 571 ዓረፈ።

"ኣምላኽ ሰማይ ክቕንዓልና ንሕና ባሮቱ ተንሲእና ክንዓዪ ኢና" (ነህ 220)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div