S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሰላም ኣብ ምድሪ ይኹን!!!

ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ፡ ኣብ መንጎ እቶም፡ ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ይኹን! (ሉቃ 2፡ 14)

ምልኣት ዘመን ምስ ኣኸለ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንሕዝቢ ኣምላኽ ሓርነት ንምዉጻእ፡ ኣብ መብልዒ ማል፡ ኣብ ቤት-ልሄም ተወልደ። እዛ ኣብ ታሪኽ ዓለምና ፍልይቲ ዝኾነት ለይቲ፡ ምስታ ቅድስቲ ስድራቤት፡ ብመንፈስ ክነምሲ፡ ናዓና ዓብይ ዕድል'ዩ። መሎኮት ምስ ስጋና ዝተዋሃሃደሉ፡ ኣምላኽ ኣብ ማእከል ሕዝቡ ዝተገለጸሉ፡ ድንቂ ዝኾነ ምሥጢር ኣምላኽ ነስተንትነሉ: ምሸት'ዩ። "እቲ ቓል ስጋ ኾነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኣባና ሓደረ" (ዮሓ 1፡ 14)። ኣብዚ ምሽት'ዚ ነቲ ናይ ነገስታት ንጉስ ወሃቢ ጸጋ ንረኽቦ፡ ነታ ኣደ ቤተ-ክርስቲያን ተባሂላ ብኽብሪ ዝተጸወዓት፡ ኣዴና  ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ምስ ቅዱስ ዮሴፍ ንረኽባ። ከምኡ ድማ ነቲ ሰማያዊ ስራሕ ኣምላኽ ንምዕጃብ፡ ቅዱሳን መልእኽቲ፡ ዘቕረብዎ ጉሩም ምስጋና፡ ሓቢርና ነምስየሉ ፍሉይ ምሸት'ዩ።

ትንቢት ኢሳይያስ፡ እቲ ኣብ ጸልማት ዚመላለስ ሕዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ድነ ሞት ዚነብሩውን ብርሃን ኣብርሃሎም። ብፍርድን ብጽድቅን ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ምእንቲ ኼጽንዓን ኬቚማንሲ፡ ኣብ ዝፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን (ኢሳ 9፡ 2-7)። ካብዚ ብምብጋስ ድማ ሰለስተ ኣገደስቲ ሰላም፡ ኣብ ሕብረተሰብ ክንርኢ ኢና።

1.              ሰላም (ዕርቂ) ምስ ኣምላኽ

2.            ሰላም (ምትዕራቕ) ምስ ነፍስና

3.            ሰላምን (ዕርቅን) ምስ ሕብረተሰብና

ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ፡ ኣብ መንጎ እቶም፡ ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ይኹን! (ሉቃ 2፡ 14)

ኢየሱስ ክርስቶስ ደቂ እስራኤል፡ ከምዚ ሎሚ ሕዝብና ጭኮና መሪርዎ ኣብ ዘለዎ እዋን፡ መግዛእቲ ሮማዉያን መሪርዎም፡ ኣብ ከቢድ ጸቕጥን ባርነትን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣብ ቤት-ልሄም ኣብ መብልዕ ማል ተወልደ። ነዚ ዓብይ ብስራት ዝሰምዑ፡ መራሕቲ ሃይማኖትን መራሕቲ ፖለቲካን፡ ክሕጎሱ ይግበኦም እኳ እንተ ነበረ፡ ጉዳይ ሥልጣኖም ስለ ዘታሓሳሰቦም፡ ነታ ቅድስቲ ስድራቤት፡ ከሳድድዋ ተራኣዩ። ንጉሥ ሄሮዶስ ጉዳይ ስልጣኑ እምበር፡ ብዛዕባ ሃገርን ሕዝብን ሓልዮት ዘይነበሮ፡ ምስቶም ዝባዕዘዙ መራሕቲ ሃይማኖት ተሓባቢሩ፡ ነታ ቅድስቲ ስድራቤት፡ ሃገሮም ገዲፎም ናብ ግብጺ ከም ዝስደዱ ገበሮም። "እቲ ዝተወለደ ሕጻን፡ ናይ ኣቡኡ ዳዊት መንግስቲ ክወርስ'ዩ" ዝሰመዐ ንጉሥ ሄሮዶስ ንስልጣኑ፡ ንምሕላዉ ነታ ሃገር፡ ኣብ ከቢድ ናይ ደም በደል ኣእተዋ። ሕዝቢ እስራኤል፡ ነቲ ሓቀኛ ንጉስ ሰማይን ምድርን፡ ብዘይ ምቅባሎም፡ ሃገሮም ዓንያ ሕዝቦም ኣብ መላእ ዓለም ተበቲኖም፡ ድሕሪ ከቢድ ናይ ስደትን ሞትን ስቓይን፡ ደጊሞም ከም ሃገር ክፍለጡ ዝኻኣሉ።

ብሰንኪ ናይ ዘመና ፈተዉቲ ስልጣን፡ ዓመጽቲ መራሕትን፡ ክንደይ ቅዱሳት ስድራቤታት፡ ካብ ዝፈትዉዎ ሃገሮምን ሕዝቦምን ባህሎም፡ ተስዲዶም ፋሕፋሕ ኢሎም ዘሕልፍዎ ዉሑዳት ኣይኮኑን። ሕዝቢ ዘይመረጾ መሪሕነት፡ ፍቃድ ናይቲ ትመርሖ ሕዝቢ ከይረኸብካ ኣብ ስልጣን ምቕማጥ፡ ሰይጣናዊ ሓሳብ ስለ ዝኾነ፡ ከም ሄሮዶስን፡ ፈርኦንን ዓመጽን ጸቕጥን ዝመልኦ፡ ኣማራርሓ ጸረ ኣምላኽ ኮይኑ ንረኽቦ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ "ዓመጽ ጸላእኩ" ከምዝበለ ዘይፍትሓዊ ምስ ሕዝቡ ኣላዝቦን ቅንዕናን ዘይብሉ፡ ጸረ ምዕባለን ንቕሓትን ሰላምን ይኸዉን።

በዚ ምኽንያት እቲ ቅዱስ ጽሑፍ "ከም ርግቢት ለዋሃት፡ ከም ተመን ጎራሓት ኩኑ" ዝበሎ ነቲ ጽቡቅ ለዉሃትናን ቅንዕናን ተጠቒሞም፡ ኣብ መግዛእትን ባርነትን ንኸይእትዉና ከም ሕብረተሰብ ነቲ ሰይጣናዊ ሓሳባቶም፡ ኣቐዲምና ክነቕሓሉ፡ ደጋጊሙ ይምዕደና።

እቶም እኩያት ሰይጣናዉያን መራሕቲ፡ ነታ ቅድስቲ ስድራቤት ኣሳደድዋ። እዛ ቅድስቲ ስድራቤት፡ ንኽብሪ ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነቲ ዝምስርቶ ዝነበረ ሓዱሽ መንግስቲ፡ ብዙሕ መስዋእቲ ከፊላ እያ። እቲ ትንቢት ክርስቶስ ኣብ ቤት-ልሄም ክዉለድ ስለ ዘለዎ፡ ካብ ገሊላ ናብ ቤት-ሌሄም ኣስታት 120 ኪሎ ሜተር ተጓዓዙ። ድሕሪ ልደት ጎይታና ድማ፡ ብሰንኪ እቶም እኩያት መራሕቲ፡ ሃገሮም ገዲፎም ንሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን 3/6 ናብ ዓዲ ጓና ናብ ሃገረ ግብጺ ተሰደዱ።

ብተማሳሳሊ፡ ሕዝቢ ኤርትራ፡ ንኽብሪ ሓዱሽ ምዉላድ ነጻነትን ሓርነትን ንምርኣይ፡ ከቢድ መስዋእቲ ምኽፋሉ ይፍለጥ። ነቲ ብደም ክቡር መስዋእቲ፡ ዝተረኸበ ነጻነትና፡ ንምዝካር፡ ኣብቲ ሃገራዊ መዝሙርና፡ "መስዋእታ በሓርነት ተደቢሱ" ክንብል ከም ዝበቓዕና ናይ ትማሊ ታሪኽ ኮይኑ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ብምኽንያት ዉልቀ መላኺ፡ ደጊምና ናብ ዝኸፈአ ባርነት ስለ ዝኣተና፡ ነቲ ዝተጨወየ ነጻነትና ንምድላይ፡ ደጊምና፡ ማዓጾ ሓርነትን ፍትሕን ኣብ ምኩሕካሕ ንርከብ ኣሎና።

ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ፡ ኣብ መንጎ እቶም፡ ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ይኹን! (ሉቃ 2፡ 14)

ኣብዚ ከቢድ እዋን፡ ሕዝብና ጸልሚትዎ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ እቲ ሓያልን በዓል ሰፊሕ ልቦና ምኻኑ፡ ዝእመነሉ ሕዝብና። በቶም እኩያት መራሕቲ ሰበ ስልጣን፡ ኣብ ከቢድ ምፍልላይ ስለ ዝኣተወ፡ ሓይሉ ደኺሙ፡ ከም ዝደቀሰ ኣንበሳ፡ ኽመስል፡ ፋሕፋሕ ኢሉ ይርከብ ኣሎ። ብሓንሳብ ንእሰር፡ ብሓንሳብ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ዕስክርና ንኣቱ፡ ብሓንሳብ ንጭኮን፡ ብሓንሳብ ኣባይትና ይፈርስ፡ ብሓንሳብ ሬሳታትና ሓመድ ኣዳም ይኽልከል፡ ብሓደ ኾይና ኣንጻር ጸላኢና፡ ክንቓለስ ሓይሊ ስኢና ኣብ ከቢድ ምፍልላይ ኣቲና ንርከበሉ ኣሎና።

እምበኣር ኣብ ሃገርና ፍጹም ሰላምን ዲሞክራስን ንምስፋን፡ ካብ ዘመነ ምፍልላይ፡ ነዓይ-ይጥዓመኒ፡ ህልኽን ቅርሕንትን ሻራን፡ ወጺና፡ ብዘይ ኣፋላላይ፡ ደጋፋይን ተቓዋማይ፡ ከይበልና ኣብ ኣዲ ዘተ ቀሪብና፡ ዳግማይ ትንሳኤን ምዕባለን ናይ ሃገርና ንምርኣይ፡ ዕርቅን ሰላም ክንገብር ሃገራዊ ሓላፍነት ኣሎና። ሓዋርያ ጳዉሎስ ንሰብ ኤፌሶን ብኸምዚ ይምዕዶም፡ "ብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ካባካትኩም ይርሐቕ። ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ደንገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሃሉ" (ኤፌ 4፡ 31 32)።

ናብ ታሪኽ ደቂ እስራኤል ምልስ እንተ በልና፡ ግዚ ምዉጻእ ሓርነቶም ምስ ኣኸለ፡ ኣባይቲ ቤት-ልሄም ምሉእ ለይቲ፡ ክኹሕኳሕ ከም ዝሓደረ እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ኣስፊርዎ ኣሎ። ክርስቶስ ዝዉለደሉ፡ እታ ናይ ዓለም ምሉእ መድሓኒ፡ ኣብ ከርሳ ዝጸረት ኣደ፡ ትጋላገለሉ ስፍራ ኣይተረኸበን። ንምዉጻእ ሓርነቶም ማዕጾ ዘርሕዉ፡ ብዘይ ምርካቦም ዘይተዓደለ ምዕረፍ ኣጋይሽ ቤት-ልሄም ተባሂሉ ክጽዋዕ በቂዑ ኣሎ። ሓርነቶምን ሰላሞምን፡ ኣረኪብዎም፡ መንፈሳዊ መገዲ ኣርይዎም፡ ልዑል ሞራል ንኽህልዎም ኣዕጠቆም ነበረ። እምበኣር ሎሚ፡ ሕዝብና ካብዚ ዘለዎ ባርነት፡ ሓራ ንምዉጻእ ብዘይ ምስልቻዉ፡ ደጋጊምና ማዕጾ ሓርነት ፍትሕን ክንኩሕኩሕ ሞራላዉን መንፈሳዉን ሓላፍነት ኣሎና።

ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዝርከቡ ሰራዊትናን ኣዘዝቲ ሰራዊትናን፡ ነታ ብኹቡር ደም ሰማእታትና ዝመጸት ሃገርና ኤርትራ፡ ክቡር ግዜኹም፡ ዕሸል ዕድሜኹም፡ ዝኸፈልኩምላ ሃገር፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ግዝኣት ዉልቀ መላኺ ንምግልጋል፡ ነቲ ሕዝብና ደጋጊሙ ዝኹሕኩሖ ዘሎ ማዕጾ ሓርነት፡ ኣርሒብኩም ክትከፍትዎ፡ በዚ ክቡር ዕለት ደጊመ ከዛኻኽረኩም እፈቱ።

ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ፡ ኣብ መንጎ እቶም፡ ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ይኹን! (ሉቃ 2፡ 14)

ሓደ ካብቶም ደቀ መዛምርቱ፡ ኢየሱስ ጸሎት ግዳ ሃረና በሎ። ኢየሱስ ጸሎት ድሕሪ ምምሃሩ፡ ከምቲ ልሙድ ኣገባብ ኣማሃህርኡ፡ ምስላ ብምጥቃም፡ ጸሎት ምስ ተግባር ማለት፡ Prayer + Action ተሓባቢሩ፡ ከም ዝዓ ኣስተምሃሮም። እዚ ድማ ነቶም፡ ጸሎት ንገብር ኣሎና ብዝብል ጉልባብ፡ ጉዳይ ሃገርን ሕዝብን ምዝራብ ፖለቲካ፡ ዝብሉ መመኽነይ ብዘይብሉ መገዲ፡ ስለ ሕዝቦም ክብሉ ማዕጾ ሓርነት ክኹሕኩሑ መንፈሳዊ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ኣዕሚቁ ኣስተምሃሮም።

ወንጌላዊ ሉቃስ ኣብ ምዕራፍ 11፡ 1-10 ኣስፊርዎ ከም ዘሎ። "በሎም ድማ፡ መንዩ ካባኻትኩም ዓርኪ ዘለዎ፡ ፍርቂ ለይቲ ናብኡ ኸይዱ፡ ዓርከይ ፈተዊ ጋሻ መጺኡንስ ዝቕርበሉ ስኢነ  እሞ ሰለስተ እንጌራ ኣለቅሓኒ እንተ በሎ። እቲ ኸኣ ኣብ ዉሽጢ ኮይኑ፡ ኣይተድክመኒ ማዕጾ ተሸጉሩ፥ ደቀይ ከኣ ምሳይ ኣብ ዓራት እዮም ዘለዉ፡ ተንሲኤ ኽህበካ ኣይኮነለይን ይብሎ"።

ሕልና ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት፡ ደቆም ኣብ ጥዑም ድቃስ ዝርከቡ፡ ኣብ ትምህርትን ስራሕን ምስታ ምዕብልቲ ዓለም ዝጎዩ፡ ብዛዕባ እቶም ብቐትሩ ዓለም ከም ፍርቂ ለይቲ ዝጸልመተቶም፡ ብዘይ ፍትሒ ኣብ ፈቀዶ ጎዳጉዲ ንዓመታት ዝተዓጸዉ፡ ብጉልባብ ምዉሓስ ሃገር ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ዘመናዊ ባርነት ዝርከቡ ግዲ የብሎምን። ንኣብነት እቶም ምስ ደቆም ኣብ ምዉቅ ገዛ ዝነበሩ፡ ማዕጾ ገዝኦም ዝዓጸዉ ሰብ ቤት-ልሄም፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ መብልዒ ማል፡ ምስ ከቢድ ቁሪ ዝነበሩ ጎይታና ኢየሱስን ኣዴና ማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ግዲ ኣይነበሮምን።

ስለዚ ድማ'ዩ ኢየሱስ፡ እቲ ጸሎት ዝፈልጥ ሰብ፡ ንፍትሕን ሓርነትን ደቂ ሰባት ደዉ ምባል ክፈልጥ ጸቒጡ ዝመሃሮም። ምኽንያቱ ጸሎት ተግባር እንተዘይብሉ ዋጋ ከምዘይብሉ፡ ንደቀ ዛምርቱ ብምስላ ገይሩ ኣዕሚቁ ኣስተምሃሮም። እቲ ፍርቂ ለይቲ ተባሂሉ ዘሎ፡ ኣብ ግዜ ጸልማት ክትርኢ ከም ዘይኣል፡ ራእይኻን መጻኢኻን ተስፋኻን ክጽልምተካ ከሎ'ዩ። ጭኮናን መግዛእትን ድኽነትን ምስ መረረ፡ ጸልማት ሕይወት ምስ ባርነት የመልክተልና። በዚ ምኽንያት ድማ'ዩ ኢየሱስ፡ ንደቀ መዛምርቱ፡ ምጽላይ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣዕሩኽ እቶም ዝጸበቦም ሕዝቢ ኢኹም፡ ኣፍ ድኻታት ኢኹም፡ መሳኻክርን ጸግዕን ዘኽታማትን ኢኹም፡ ክብል ነቲ ሞጓሰ ብሓደራ ገዲፍሎም ዝኸደ። እቶም ናይ ባሓቂ፡ ኣገልገልቲ ልዑል ኣምላኽ ዝኾኑ፡ ብርሃንን ጨዉን ናይቲ ሕብረተሰብ ክኾኑ ይግበኦም።

እምበኣር እቲ ስለ ፈታዊኡ ክብል፡ ፍርቂ ለይቲ፡ ሓገዝ ዝሓተተ ሰብ፡ ክነኣድ ይግበኦ። ፍርቂ ለይቲ ክልቃሕ ዝገደዶ ምኽንያት፡ ኣብቶም ኣጋይሹ ክንድ ምንታይ ኣኽብሮት ከምዘለዎ ዘመልክት'ዩ። እዚ ድማ ስለ ኣሕዋቱን ፈተዉቱን ደቂ ሃገሩን ዘለዎ ተወፋይነትን ኣኽብሮትን የመልክተልና። ስለቶም ኣብ ጸልማት ዘለዉ ክጣበቕ ትብዓት ዘለዎ መንዩ፡ ዓርኪ ናይቶም ዓለም ብቐትሩ ዝጸልመተቶም መንእሰያት መንዩ?  ስለቶም ኣብ ማእሰርቲ ዘለዉ ፍትሒ ክረኽቡ ዝኹሕኩሕ መንዩ? ዓርኪ ድኻታትን ጭኩናትን ዘኽታማትን መንዩ?

እምበኣር ብጻይ ፍርቂ ለይቲ ተባሂሉ ዘሎ፡ በዓል ራእይ በዓል ተስፋ ስለ ዝነበረ፡ መመኽንታ ናይቲ ሃብታም ሰብኣይ፡ ከይዓጀቦ፡ ሰለስተ እንጌራ ንምርካብ፡ ደጋጊሙ ይኹሕኹሕ ነበረ። ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ባርነት፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምእላይ፡ ደጋጊምና ማዕጾ ሓርነትን ፍትሕን ክንኩሕኩሕ፡ ተስፋ ብዘይምቁራጽ ሓቢርና ክንቓለስ ዓብይ ራእይ የሓተና ኣሎ።

እቲ በዓል ራእይ መንእሰይ፡ 3 እንጌራ ደልዩ ማዕጾ ናይቲ ግቡዝ ሃታም ሰብኣይ ይኹሕኹሕ ነበረ። ንሳተን ድማ ኣብ 1 ቆሮንቶስ 13፡ 13 ተጻሒፈን ዘለዋ እየን።

እምነት

ተስፋ

ፍቅሪ እየን።

እዚኣተን ድማ ኣብ ሕብረተሰብ ኣገስቲ ስለ ዝኾና፡ ዑሩይን በዓል ራእይን ዝኾነ ዜጋ ኣብ ምፍራይ፡ ዓብይ ግደ ኣለወን። እምነት የድሊ ተስፋ የድሊ ፍቅር'ዉን የድሊ እዩ። እምነት ኣብ ፈጣሪ ምግባር፡ ኣብ ሓዳርካን ስራሕካን እሙን ምዃን። ኣብ ሞንጎ ሃይማኖታትን ፓርትታትን ተኣማሚንካን ተላዚብካን ምዕያይ፡ ህያብ ፈጣሪ ምዃኑ'ዩ። ነዚ ኹሉ ኣብ ትግባረ ንምዉዓል ድማ፡ ትስፍዉ ዝኾነ ወሎዶ፡ በዓል ራእይ ምጥራይ ግዴታ ኣሎና። እቶም ዓመጽቲ መራሕቲ፡ በዓል ራእይ ተስፋ ዘለዎ ወሎዶ ክፈርዩ ስለ ዘይደልዩ፡ ነቲ ሕብረተ-ሰብ ንምብልሻዉ፡ ናይ ትምህርትን ስራሕን መጻኢ ዕድሎም ብምቁጻይ፡ ተስፋ ዘይብሎም፡ ናይ መስተን ወልፍን ኮይኖም፡ ሓላፍነት ዘይስከሙ ንሃገር ይትረፍሲ ንነፍሶም ከም ዘይኮኑ፡ በቲ ተካኢ ሃገርን ተካኢ እምነትን ዝኾነ መንእሰይ ወሎዶ፡ ብዕድሉ ክጻወቱ ይራኣዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ሃገር ትዓኑ፡ መጻኢኣ ይጽልምት ምጥፍፋእ ማለት corruption ዝመልኦ፡ ታሓታትነትን ሓላፍነትን ዝጎደላ ዘይምዕሪቲ ሃገር ከም ትኸዉን ይገብሩ።

ናይዚ ኹሉ መፍትሒ ድማ እታ፡ ሳልሰይቲ ሕብስቲ እንጌራ ንምርካብ ዝዃሕካሓ ማዕጾ፡ ማእሰር ኩሉ ፍቅሪ እያ። ንዝሓለፈ ጌጋታትናን ድኻማትናን ኣወጊድና፡ ብፍቅሪ ኣብ ሞንጎና ዘሎ ዘይምስምማዕን ዘይምርድዳእን ዕርቂ ክንገብር እቲ ቅዱስ ጽሑፍ "ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅሮ" ዝብል ትእዛዝ ኣሰኪሙና ኣሎ። ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወለደሉ እቲ ቀንዲ ምኽንያት፡ ዕርቂ  ኣብ ሞንጎ ሕዝቢ ኣምላኽ፡ ዕርቂ ምስ እግዚኣብሔር ኣቦ ክገብረልና ምኑ፡ በዚ ዕለት ክነስተንትኖን ክነስተማቅሮን ዘሎና ሓቂ እዩ።

እቲ መልእኽቲ ኣምላኽ፡ "ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅሮ" ዝብል ይኹን እምበር። ንፍቅሪ ብጻይ ዝጠለማ ሃይማኖታት ኣብ ዘመና ብዙሓት እየን። ገሊእን ማሕበራት ስለ ጥቑዓት ስለቶም ዝተዓመጹ፡ ስለ ድዃታት ምጥባቅ፡ ነቶም ብቐትሩ ዝጸልመቶም ሕዝቢ ኣምላኽ፡ ምኹሕካሕ ማዕጾ ሓርነት፡ ዓቅሚ ዝሰኣና፡ ብቁጽሪ ማእለያ የብለንን።

ተስፋ ደልዮም ዝተጸግዕወን መንእሰያት፡ ንፍትሕን ሓርነትን ከይቃለሱ፡ ከም ኣልኣዛር ብሕይወቶም ተገኒዞም ዝተቐበሩ መንእሰያት ዉሑዳት ኣይኮኑን። ደቂ እስራኤል ንምድረበዳ፡ ተሳጊሮም፡ ናብ ከንኣን ሃገሮም፡ ብ40 ዓልቲ ክኣትዉ ተስፋ ነበሮ፡ መገዶም ስለ ዝሰሓቱ ግን 40 ዓመት ኣብ ምድረበዳ ኮለል በሉ። ኣልኣዛር ካብ መቓብር ክትንስእ 4 ዓልቲ ወሰድሉ። እዞም ተስፈኦም ዝተቐበረ መንእሰያት፡ ንኽትንስኡ ክንደይ ጉዕዞ ይወስደሎም ሉጥ እኳ እንዘይኮነ፡ ሓደ ዓልቲ ንቕሓትን ትብዓትን ተዓጢቆም፡ ነቲ ኣብ ሃገርናን ኣብ ቤት ኣምላኽናን ዝግበር ዘሎ፡ ዓመጽ ብብቕዓትን ብኣፍልጦን ክምክትዎ ክንርኢ ተስፋናን ጸሎትናን እዩ።

ገሊእን ማሕበራት፡ ድማ ብጸሎት ሒዝናዮ ኣሎና፡ ብዝብል ምስምስ "ፍቅሪ ብጻይ ዝጠለማ እየን። ግብሪ ወይ action ዘይብሉ ጸሎት ኣብ ዓቲ ዝተቐበራ ዉሑዳት ኣይኮናን። ነቲ ዓማጺ ሥርዓት፡ ኣፈን ከፊተን፡ ንሕዝቢ ኣምላኽ ትዕምጽ ኣሎኻ፡ ክብልኦ ትብዓት የብለንን። ከምቲ ሃብታም ሰብኣይ፡ ኣነን ደቀይን ደቂስና ኢና ዝበሎ፡ ናይ ሞት ድቃስ ዝደቀሳን ዝባዕዘዛን ማሕበራት እየን።

ጓሶት ማሕበራተን፡ ሰዓብቶምን፡ ዘምልኹሉ ስፍራ ተዓጽዩ፡ ገበን ዘይብሎም ስለ እምነቶም ጥራይ ዝመስከሩ ኣብ ማእሰርቲ ንዓመታት ዝተዳጎኑ፡ ነቲ መሰሎም ብዓዉታ ክጣበቁ ዘይክእሉ፡ ብዓለባ መግነዝ ኣልኣዛር ዝተጠቅለሉ እዮም። ሓደ ዓልቲ እዛ ማሕበር እዚኣ፡ ምዉላድ ሓዱሽ ልደት፡ ትንሳኤ ክትርኢ ጸሎተይ'ዩ።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ። ፍቅሪ ሃገርን ፍቅሪ ሃይማኖትን ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝበሎ፡ "ንፍቅርስ ብዙሕ ማያት እኳ ኼጥፍኣ ኣይክእልን፡ ወሓይዝ'ዉን ኣየስጥምዋን" ከም ዝተባሃለ (መኃ 8፡ 7)። ፍቅሪ ሃገር: ጨኮንትን ዓመጽትን መራሕቲ ክጥፍእዎ ዘይክእሉ፡ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ዝባላዕ'ዩ። ኤርትራዊ መንፈስ፡ ንምቕታል ምስ ጓኖት መራሕቲ ተማሓዚኻ ዝግበር ዘሎ፡ ዘይቅዱስ ርክብ፡ ኣብ ረብሓ መራሕቲ እምበር፡ ረብሓ ሃገርን ሕዝብን ኤርትራ ዘይተሞርኮሰ ብምዃኑ፡ በዚ ኣጋጣሚ ኩላትና፡ ክንኵንኖ እላቦ።

ከምቲ መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣብ እዋን ልደት ጎይታና ነቶም ጓሶት ዘበሰሮም። "ንዅሉ ሕዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ እበስረኩም አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ" (ሉቃ 2፡ 11) ዝበሎ: ከይጸልመተ መሬት ስለ ዘይወግሕ፡ እቲ ኹሉ ባርነት ጸልማት ሓሊፉ፡ ሕዝብና ዓብይ ብርሃን ዝርእየሉ ዘመን ኣብ ቅድሜና ተነቢሩ ኣሎ።

ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ፡ ኣብ መንጎ እቶም፡ ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ይኹን! (ሉቃ 2፡ 14)

ንመላእ ሕዝብና ኣመንቲ ክርስትናን እስልምናን ዝተባረኸ በዓል ልደት ይግበረልና።

Minister of religion Revd Yohannes Ghebrehiwet

Medhani-Alem Eritrean Orthodox Church

Manchester UK.

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div