S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እወ፡ ኣቦና ሃቡና!

ቅድሚ ሓያሎ ኣዋርሕ ሓንቲ ልበይ ዝተንከፈትኒ ግጥሚ ኣቦና ሃቡና! እትብል ብኣቶ ኪዳነ ተስፋ ዝተላእከት ኣብ ራድዮ ኤረና ስለ ዝሰማዕኩ፥ ንኣቶ ኪዳነ ተስፋ ብልቢ እንዳ ኣመስገንኩ፥ ሓቁ እዩ፥ ብገዛእ ኣቦና፥ ሓዋርያዊ ፓትርያክና፥ ንደልዮም ዝደልዩና፥ ነፍቅሮም ዘፍቅሩና፥ ፍትሒ ብዘይብሎም ሰብ ግዜ ተረሓሒቕና ኢለ ሓዘን ተሰማዓኒ። ንህልው ኩነታት ሃገርና እንተ ረአኹውን፡ ውሉድን ወላድን ተፈላልዩ፥ ኃውን ሓፍትን፥ ሰብኣይን ሰበይትን ተበታቲኑ ዓድታት ባዲሙ፡ ስደትን ሞትን ገኒኑ፥ ብዙሕ ህዝቢ ድቃስ ስኢኑ ኣብ ዘለወሉ እዋን፥ ንሃገርና ኤርትራኸ ብድሕሪ ነጻነት ክንድዚ ዝኣክል ውድቀት ስለምታይ ኣጋጢምዋከምዚ ኢልናኸ ክሳብ መኣስ ኢና? ብዝብል ሓሳብ መሪር ቃንዛ ስለ ዝተሰመዓኒ እየ ነዛ ሓጺር ጽሑፍ እወ፡ ኣቦና ሃቡና! ትብል ክንሕጥጥ ዝተገደድኩ።

ኣቱም ሰባት ኣምላኽ ዝሃበካዶ ሰብ ይኸልኣካ እዩ? ብሓዋርያዊ ማሕላ ኣቦና ክኾኑ ይደልዎ! ኢልና ዝተቐበልናዮም። ዝኾነ ጌጋን በደለን ዘይተረኽቦም መንፈሳዊ መራሒና፥ ፍትሓዊ ዳኛን ሓቂ ሒዙ ዝምጕት ተባዕ ኦርቶዶክሳዊ ኣማንን ስለ ዝሰኣኑ ድዮም ካብ ሰብን ዓለምን ተገሊሎም ኣብ ሓንቲ ገዛ ተዓጽዮም ክሞቱ ዝድለ ዘሎ? እዚ እንተኾነውን ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሰማዕትነትን ሕይወትን እዩ። ንዓናን፡ ነዞም ንትእዛዝ መንግሥቲ ህግደፍ ፈሪሖም ኣብ ዘየድሊ ምትህልላኽ ኣትዮም ኣንጻር ሕግን ሓቅን ደው ኢሎም ኣሰር በዓል ኣቡን ሉቃስ ዝስዕቡ ዘለዉ ውሉደ-ክህነት ኣኅዋትናን ግና ጽባሕ ጸሊም ታሪኽን ዘሕፍር ጉዕዞን ምዃኑ ኣቐዲሞም ክፈልጥዎ ይግባእ። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ እቶም ኣመንቲ ተዋሕዶ ኢና እንብል ደቂ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኩሉ ኵርንዓት ዓለም ፋሕ ኢልና ዘሎና ሓቢርና ብዛዕባ ኣብ ምምሕዳር ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ንልዕሊ 13 ዓመታት ዝኣክል ኣጋጢሙና ዘሎ ከቢድ ፈተናን ምትእትታው ኢድ ፖለቲካውያን ሰባትን ብግቡእ ተረዲእና ወይ ብሓቀኛ ዕርቂ ወይ ድማ ብፍትሓዊ ሕጊ ንጉዳይና ባዕልና መፍትሒ ምእንቲ ክንገብረሉ ሎሚ ልብና ኸፊትና ንላዘብ፡ ብዛዕባ ጽባሕውን ኣጸቢቕና ንሕሰብ።

ንምዃኑኸ እዞም ቅቡእ ኣምላኽ ዝኾኑ ሽማግለ ፈላሲ ወዲ 92 ዓመት ርህሩህ ኣቦ ቤተ ክርስቲያን፡ እንታይ ስለ ዝኣበሱ እዮም እዚ ኩሉ ዓለም ምሉእ ዝፈለጦ ማእሰርትን ክንድዚ ዝኣክል ግፍዕን መከራን ዝወርዶም ዘሎ? ኢልካ እንተ ሓቲትካ ዘይኮነ መልሲ ዝህቡ ገለ ሰባት ኣይሰኣኑን ይኾኑ። ይኹን እምበር እቲ ሓቅስ፡ መራሒ መንግሥቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ 3 ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዘለዎ ጽልእን ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ተዋሕዶ ዘለዎ ክቱር ንዕቀትን ክሳብ ክንደይ ደረት ዝጠሓሰ ምዃኑ፡ ኣብዞም ዝሓለፉ 13 ዓመታት ብግልጺ ኣነጺሩልና እዩ። ንሱ ከኣ በቲ ንዮፍታሄ ድሜጥሮስ ዋና ኣማሓዳሪ ኢሉ ምሉእ ሥልጣን ናይ ፓትርያርክ ኣብ ኢዱ ዝሃቦን፥ ሕጋዊ ፓትርያርክ ብሕይወት ከለዉ ንኣቡን ዲዮስቆሮስ 4 ፓትርያርክ ጌረ ሽመት ሂበዮም እየ እሞ ተቐበልዎም! ዝብል ሕጊ-ኣልቦ ውሳኔታቱን ኣነጺሩ ሓቢሩና እዩ። በዚ ከኣ መራሒ መንግሥቲ ኤርትራ ምስ ቅዱስ ሰብን ኃያል እግዚኣብሔርን ተባኢሱ ከምዘሎ ማንም ሰብ ክስሕቶ ኣይግባእን። ግናኸ ምስ ኣምላኽ ተባኢሱ ዝሓፈረን ዝተሳዕረን እምበር፡ ዝሰዓረ ፍጡር ሰብ ስለ ዘየለ፡ ሳዕቤን ናይዚ ተፈጺሙ ዘሎ ከቢድ ግህሰት መንፈሳዊ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን፡ መዓትን ውድቀትን ከስዕበሎም ምዃኑ ካብ ዝሓለፉ ታሪኽ በዓል ዲዮቅልጢያኖስ ክንመሃር ንኽእል ኢና። 

ወለድና ክምስሉ ዘይትዓቢ ነፍሲ፡ ዓቢይ ሰብ ትጸልእ! ይብሉ። እዚ ድማ ሰፊሕ መልእኽትን ረዚን ትርጉምን ዘለዎ ኣበሃህላ ምዃኑ እቶም ለባማት ሰባት ይገልጹዎ እዮም። ጽላል ዓቢይ ገረብን ምኽሪ ዓቢይ ሰብን ድማ ብቐሊሉ ዝርከብ ኣይኮነን። እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ፡  ገለ ካብቶም ኣብ ባርካን በረኻን፥  ሳሕልን ገድልን ሰውራ መሪሕና፡ ነጻነት ኣምጺእናልኩም ዝበሉና፡ ናይ ሎሚ ሰበ-ሥልጣን ህግደፍ ደኣ ስለ ምንታይ እዩ፥  ክብሪ ዓቢይ ኣቦን ፍቕሪ ርህርህቲ ኣደን ብግቡእ ዘይርድኦም? እረ ስለምንታይ እዮምከ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ 30 ዓመታት ናይ ሽግር ብጾቶምን ደቆም ዝኣኽሉ ደቂ-ሃገር መንእሰያትን ክንድዚ ዝኣክል ጭካነን ግፍዕን ዝፍጽሙ ዘለዉ? ኢልካ ብደቂቕ ምስትሓስብ፡ ገለ ሓቅታት ክበርሃልና ይኽእል እዩ። ንሱ ከኣ እዞም ሎሚ ንኤርትራ ሃገርና ዝመርሕዋ ዘለዉ ውሑዳት ሰበ-ሥልጣን ህግደፍ፡ መንእሰያት ከለዉ ናብ ዱር ጣሻ ዝጠፍኡ፥ ካብ መዕበያ ወለዲ፥ ባህሊ ሕብረተ-ሰብን መንፈሳዊ እምነትን ዝረሓቑ፥ ፍቕሪ ስድራ ቤትን ክብሪ ዓበይትን ዝንዕቁ፥ ንገዛእ ወለዶምን ህብዝቦምን ከምቲ ልሙድ ኣቦይኣደይ! ምባል ሓዲጎም፡ ኣታ ሰብኣይ! እቲ ሰበይቲ! ዝብል ተሪር ናይ ድፍረት ቃላት ዝጥቀሙ፥  ብልዕልና ሕግን ህላዌ ፈጣርን ዘይኣምኑ ክቱር መስተን ኣመንዝራነትን ዘማዕበሉ ጨካናት ብምዃኖም ጥራይ እዩ።

እምበኣርከስ ከምቲ ንሳቶም ወለዲ ከለዉዎም ኽዝኽትሙን ወለዶም ክርስዑን ዝመረጹ፥ ንዓናውን ካብ ቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስ ብሕይወቶም ከለዉ ፈላልዮሙናን ኣዘኽቲሞሙናን ከም ዘለዉ ፈሊጥና፡ ምሉእ ህዝቢ ተዋሕዶ ኣብ ውሽጥን ወጻእን እንነብር ብሓደ ሓሳብን ምኽርን ሰሚርና፡ ኣቦና ሃቡና! ኢልና ክንምጕትን ብምህለላ ናብ ኣምላኽ ከነመልክትን ሰዓቱን ግዜኡን ሕጂ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ምኽንያቱ ግዜ ከሎካ ግዜ ኣይትጸበ እዩ ነገሩ። ጽባሕ ዘይጠቅም ጣዕሳን ሓዘንን ዋጋ የብሉን። ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ገምገም ገደልን መርገም ከም ዘላ ኩሉ ኣማኒ ተዋሕዶ ክስቆሮ ይግባእ። 3 ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ሥርያት ከይሃቡን ውግዘትን ከየልዓሉን ናብ ዓዲ ኩልና እንተኸይዶም ንውሉድ ወለዶ ክጎድኣና ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን።

ስለዚ ኣቱም ኩልኹም ገዳማውያን መነኮሳት ኣቦታትኣቦና ሃቡና በሉ!

ኣቱም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎኹም ካህናትን ዲያቆናትን ኣቦና ሃቡና ንበል!

ኣቱም ዘመርትን ሰበኽትን ኣቦና ሃቡና በሉ!

ኣቱም ኣቦታትን ኣዴታትን ምእመናን ብሓባር ኣቦና ሃቡና በሉ።

እወ ኩልና ሰዓብቲ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝኾንና ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን እንነብር ብዘይ ፍርሕን ዕባራ ምኽንያታትን ኣፍና ከፊትና ንህግደፍ ቤት ጽሕፈታቱን ኣብ ኤምባሲስታቱን ኬድና ኣቦና ሃቡና ንበል።

ኣምላኽ መወዳእታኡ የጸብቐልና።

እመቦ ዘይተሉ ኖላዌ እኩየ ሞቱ ክሱት በቅድሜሁ! (ሓደ እኳ ንዓመጸኛ ጓሳ ዝስዕብ እንተሎ፡ ሞቱ ኣብ ቅድሚኡ ኣሎ)

ዲድስቅልያ ዘ፯ቱ ፍትሓ-ነገሥት ገጽ 39።

 

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም

ቅዱስ ሚካኤል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሻርሎት ሰሜን ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div