S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ትንሣኤ ዝብል ቃል ኣብ ንሰምዓሉ ኣብ ኣእምሮና ቅጅል ዝብለና፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ካብ ማእከል ምውታን ብኽብሪ ዝተንሰአ ኢየሱስ ናዝራዊ ምኻኑ'ዩ። ነዚ ዓቢ ክብሪ ንምዝካር ድማ ቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ፡ ዘመነ ትንሳኤ ብምባል ንሓምሳ መዓልቲ ዝኣክል ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ሓምሳ ማለት በዓለ መንፈስ ቅዱስ፥ ኣብ መቅደሳ "ክርስቶስ ተንስኣ እሙታን በዓብይ ኃይል ወስልጣን" እንዳበለት ከም ዝተንሰአ: ምድሓንን ሠላምን ኣብ ማእከል ሕዝቡ ከም ዝገበረን ትእውጀሉ ወርሓት ድማ እዩ።

ትንሣኤ ክንብል ከሎና፡ ምልባስ ሓድሽ ሕይወት፡ ናይ ለውጥን ተስፋን ማለትና ኢና። ምኽንያቱ ብትንሣኤ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኩሉ ነገራት ተቐይሩን ተሓዲሱን'ዩ፥ ሓጢኣት፡ ሞት፡ ሓይሊ መቃብር፡ ብዓወት ተዋሕጡ' ሃዋርያ ጳውሎስ ብኸምዚ ይገልጾ "ክርስቶስ ዘይተንሥአ እንተ ኾይኑ፡ ስብከትና ኸንቱ እዩ። እምነትኩም'ውን ከንቱ እያ" ይብሎ (1 ቆሮ 15 14)

መሰረት ጥንታውነት ናይዚ በዓል ክንሪኦ እንተደለና ድማ ካብ ኦሪት እዩ ዝጅምር። ትንሣኤ እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ፋሲካ እንዳተባሃለ በኣይሁዳውያን ዝበዓል ዝነበረ፡ መለኮታዊ ትእዛዝ'ዩ። ኣብቲ መንፈሳዊ ትሕዝትኡ ድማ ክልቲኡ ተመሳሳሊ ሓሳብ ኣለዎ። ክልቲኡ በዓላት ምስግጋር ሕዝቢ ኣምላኽ transition ካብ ባርነት ናብ ሓርነት እዩ ዘመልክት። ፋሲካ ዝብል ቃል ንመጀመርያ ደቂ እስራኤል ካብ መግዛእቲ ምርኮ ግብጻውያን ክወጹ ከለው፤ ገንሸል ሓሪዶም በዓሎም ድሕሪ ምብዓሎም ካብ ምርኮ ፈርዖን ከምዘምለጡ ካብቲ ቅዱስ ጽሑፍ ንማሃሮ ሓቂ እዩ። (ዘጻ 12)  ትንሣኤ ድማ መተካእታ ናይ ፋሲካ ስለ ዝኾነ ጎይታና ኢየሱስ ገንሸል ፋሲካ ብምዃን ካብቲ ዝነበረ ድነ ሞትን ጸልማት ሕይወትን፡ መስዋእቲ ብምዃን ፍጹም ዝኾነ ሓርነት ክንረክብ ኣኽኣለና። እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ከምዚ ይብሎ፡ "ገንሸል ፋሲካና ማለት ክርስቶስ ተሰዊኡ እዩ። ስለዚ ብናይ ገርህነትን ሓቅን ብዘይመጸጸ እንጌራ በዓልና ነብዕል እምበር፡ በቲ ኣረጊት ኣታሓሳስባ እከይን ሕሰምን ኣይኹን" (1 ቆሮ 5 7- 8 )

እምበኣር በዓልና ከነብዕል ከሎና እዞም ኩሎም መገዲ ውድቀትን ዕንወትን ዝኾኑና ገዲፍና ብቅንዕና ትንሣኤ ናይ ሃገርና ንምድላይ ካብቲ ክርስቶስ ዝማሃረና ኣርባዕተ ዓበይቲ ነጥብታት ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጾም ክፍትን እየ።

እቲ ቀዳማይ ነጥቢ፡ ቅድሚ ምስቃሉ ዝነበረ ሕይወት እዩ። ንኹሉ ሰብ ብዘይ ኣፋላለይ ክምህሮም ከሎ ንርኢ። ኣይሁዳዊ፡ ግሪኻዊ ከይበለ፡ ጸሊም ጻዕዳ ከይፈላለየ ንኹሎም ብማዕረ ከም ዝጓሰዮም ነንብብ። ምኽንያቱ ብኹሉ ርዱኣትን ብሱላትን ክኾኑ፡ ካብቲ ዝነበሮም ናይ ኃጢኣት ውድቀትን ምርኮ ሮማውያንን ዘምልጥሉ ተስፋን መገድን ድማ የርእዮም ነበረ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘእትዎም ቅኑዕ መገዲ ጽድቂ የቕንዓሎምን፡ ከምኡ ድማ ክኢላ ናይ ሞራል መምህር ብምዃን የዕጥቆምን የስንቆምን ነበረ።

እቲ ካልኣይ ንርእዮ ኣብ እዋን መስቀል'ዩ፤ ዋላካ ናይ መከራ እዋን እንተ ነበረ፡ ናይ ዕርቂ ጊዜ ድማ እዩ ነይሩ።  ኣብ ሞንጎ ሕዝብን ኣሕዛብን ከምኡ'ውን ኣብ ሞንጎ ኣይሁዳውያንን ሳምራውያንን ዝነበረ ምፍልላይ በዚ መዓልቲ ብመስቀሉ ሓደ ገበሮም። ሎሚ'ውን ምዕርይቲ ሃገር ንምርኣይ፡ ካብቲ መራሒናን መምህርናን ዝኾነ ጎይታና ኢየሱስ ተኸቲልና፡ ዕርቂ ኣብ ሞንጎ ደገፍትን ተቛወምትን፡ ከምኡ'ውን ዕርቂ ኣብ ሞንጎ ሃይማኖታት ክንገብር፡ ናይ ኩላትና ደቂ ሃገር ሓላፍነት ክኸውን በዚ ኣጋጣሚ ምሕጽንታይ የቅርብ።

ኣብዚ ሣልሳይ መድረኽ ብትንሣኤ ዝተረኸበ ዓወት ኢና ነስተንትን፤ ኩሉ እቲ ፋሕ ፋሕ ኢሉ ዝነበረ መጓሰ ከም ዝኣከቦ ንርኢ። እቶም ፈሪሖም ዝተሓብኡ ደቀ መዛምርቱን ካልኦት ሰዓብቱን ክርስቶስ ብኽብሪ ከም ዝተንሰአ ምስ ሰምዑ ተኣኪቦም እዮም። እቲ ምኽንያት ርዱእ እዩ፡ ኣብ ግዜ መከራ እቲ መጓሰ ፋሕ ፋሕ ከምዝብል ኣየማትእን እዩ። ንሕና'ውን ኣብ ግዜ መከራ፡ ንሽግርና ንምፍታሕ ኣብ ጣውላ መኣዲ ዘተ ኮፍ ኢልና ናይ ምፍታሕ ጸጋ ስለ ዘይረኽብና፡ ናይ ምጥርናፍ ትንሣኤ ክንርኢ ተሓሪምና ኣሎ። ከምቲ ጻሓፊ ታሪኽ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ዝበሎ፡ ደቂ እስራኤል ካብ ምርኮ ሮማውያን ክናገፉ፡ ኩሎም ይደልዮ እኳ እንተ ነበሩ፡ በቲ ዝነበሮም ምብትታን ኣብ ሞንጎኦም፡ ማለት ብዓሌት ብወገን ብሃይማኖት፡ ብኸመይ ተጠርኒፎም ከም ዝቃለሱ ይፈልጡ ኣይነበሩን ይብሎም። እምበኣር ሎሚ ነቲ ብሃረርታ ንጽበዮ ዘሎና ትንሣኤ ካብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ምርኮ ባቢሎናውያን ንምግልጋል እምበር፡ ትንሣኤ ክርስቶስ ንምርኣይ ኣይኮነን። ክርስቶስ ካብ ዝትንስእ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ዓመታት ኣቁጺሩ ኣሎ። ካብ ኃጢኣትን ናይ ሃገርና ትንሣኤ ንምርኣይን ግን ናይ ኩላትና ትጽቢትን ናፍቆትን ኮይኑ ክርከብ ይግብኦ እብል። ከምቲ ንደቂ እስራኤል መገዲ ዝጠፈኦም፡ እታ ናብ ሓድነትን ዓወትን እትወስድና መገዲ ስለ ዝጠፋኣትና። እዛ ብዙሕ ዕድል ናይ ትንሣኤ ዘለዋ ሃገርና፥ ካብ ምርኮ ባቢሎናውያን ከነጋላግላ ኣይከኣልናን። ናይዚ ውጽኢት ድማ፥ ሕዝብና ክሳብ ሎሚ ካብ ማእሰርትን ድኽነትን ስደትን ምፍልላይን ከምኡ'ውን ካብ ሕሱም መግዛእቲ ክናገፍ ኣይከኣለን።

ራብዓይን ናይ መወዳእታን፡ ብግዜ ትንሳኤ እቶም ክልተ ጸላእትና ሞትን ፍርሕን ብክርስቶስ ጎይታና ኣቢሎም ተሳዒሮም እዮም። እቲ ቅዱስ ጽሑፍ "እቲ ጸላኢና ሞት ብዓወት ክርስቶስ ተዋሕጠ” ይብሎ (1 ቆሮ 15 54) ናይ ሃገርና ትንሣኤ ንምርኣይ፡ ኩላትና ዓቅምና ነበርክተሉ መድረኽ ክሳብ ዝኾነ ፍርሕን ኣንነትን ሻራን ስዒርና፡ መኣዲ ዘተን መገዲ ዕቤትን ከነናዲ ናይ ኩላትና ደቂ ሃገር ዘየዋላውል ሓላፍነትና እዩ። ምኽንያቱ ኣቲናዮ ዘሎና ምርኮ ናይ ባቢሎናውያንን ከቢድን ብዙሑን ምዃኑ ኣብ ልቢ ኩላትና ከም ተባላዓይ ሓዊ ዝነድድ ዘሎ እዩ። ሃገር ብምልእታ፡ ሕዝባን ባህርያዊ ጸጋታታን ኣብ ትሕቲ ምርኮ ባቢሎናውያን ተኣሲሩን ተቐይዱን ይርከብ ኣሎ። እታ ክልተ ወደባት ዝተዓደለት ሃገርና፡ ኣብ ከቢድ ምርኮ ስለ ትርከብ፡ ናይ ባሕሪ ንግዲ ተኣሲርዋ ወትሩ ዝብላዕ ይኹን ዝስተ፡ ነዳዲ፡ መድኃኒትን ካልእን ካብ ሱዳን ብኮትርባንድ ክትቅበል ተፈሪዳ ትርከብ ኣላ። እምበኣር ካብዚ መዳርግቲ ዘይብሉ ከቢድ ውድቀት ትንሣኤ ናይ ሃገርና ክንርኢ ልዑል ኣምላኽ ይደግፈና።

እዚ ጥራይ’ውን ኣይኮነን እታ ጥንታዊትን ሃዋርያዊትን ቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ'ውን እንተ ኾነት ኣብ ከቢድ ባርነታዊ ኣርዑት ናይ ባቢሎናውያን እያ ትርከብ ዘላ። መርኣያ ናይዚ ድማ ቤተ-ክርስትያንና ተበቲና፡ ኣቦ ቤተ-ክርስቲያን ቅዱስ እንጠንዮስን ኣገልገልታ ካህናትን ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ መቈሕ የሕልፍዎ ኣለው። ቤተ-ክርስቲያንና እምበኣር ሓቀኛ ትንሣኤ ክትርኢ ኣብ ከቢድ ናፍቆት እያ ትርከብ ዘላ ተበልናያ ምግናን ኣይኮነን። እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ነቶም ዓመጽቲ መራሕቲ ከምዚ ይብሎም፡ "ኣቱም ኣብ ዓራት ስኒ ሓርማዝ እትግምሰሱ፡ ኣብ መንጸፍኩም ድማ እትጋደሙ፡ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ዕያውቲ፡ ካብ ደምበ ኣሓ'ውን ኣባትይ እትበልዑ ወይሎኹም፡ ኣቱም ከም ዳዊት መዝሙር እናደረስኩም ብናውቲ ሙዚቃ እትዝምሩ፡ ብደሃይ መሰንቆ ኸኣ እትደርፉ፡ ብገፊሕ ዋንጫ ነቢት እትሰትዩ፡ ብምዕናው ሃገር ግና ዘይትጉህዩ ወይሎኹም" ይብል (ኣሞጽ 6 4- 6)

ናይዚ ውጽኢት ድማ ሃገር ብምልእታ ኣብ ከቢድ ምርኮ ትርከብ ኣላ። እቲ ናብ ጎደና ምዕባለን መሰል ደቂ ሰባት ንምውሓስ ክመርሓ ተስፋ ተጌይርሉ ዝነበረ ሕጋዊ ሰነድ ማለት ቅዋም፡ ብወግዒ ከም ዝሞተ ዝተኣወጀላ ሃገር እያ። እዚ ሎሚ ኩላትና ንቋዶሶ ዘሎና መዓት ድማ ውጽኢት ናይዚ ዓቢ ውድቀትና ምዃኑ መብዝሕትና ንሰማምዓሉ ይመስለኒ። እምበኣር ናይ ሃገርና መሰረታዊ ትንሳኤ ክንርኢ እንተ ኾይና፡ ከምቲ ጎይታና ኢየሱስ ብኽብሪ ምስ ተንሰአ ኩሉ እቲ ፋሕ ፋሕ ኢሉ ዝነበረ መጓሰ ዝተጠርነፈ፡ ናይዚ ሕጋዊ ሰነድና (ቅዋም) ትንሣኤ ምእዋጅ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ጸጋ ኣምላኽ ክእክበናን ክጥርንፈናን ነታ ወትሩ ንብህጋ ሃገርና ትንሣኤ ክንርኢ ከኽእለና ምሉእ ዓቅሚ አለዎ።

ምኽንያቱ እታ ቀዳመይቲ ናብ ዕንወት ዝወሰደትና፡ ምቕባር ናይቲ ሕጋዊ ሰነድ ከም ዝኾነ፡ እታ ቀዳመይቲ ናብ ዓወት ተሰጋግረና ድማ ምእዋጅ ትንሣኤ ናይቲ ሕጋዊ ሰነድ ቅዋምና እዩ። ነታ መጻኢት ኤርትራ ብዘይ ቅዋም ንዝጥምትዋ ሰባት ንብዙሓት ሕቶ ክትፈጥረሎም ልሙድ ትዕዝብቲ'ዩ፡ ክትምዕብል ትኽእል ? መን ክመርሓና? ሃይማኖቱ? ዓሌቱ? ጾታን ካሎኦትን ወዘተ,,,, እዮም። ናይዞም ኩሎም ፍርሓት መልሶም ድማ፡ ሃገርና ብሕግን ስርዓትን ክትመሓደር ምስ ጀመረት ምንጪ ናይ ኩሉ ዕረፍትናን ምዕባለናን ክትከውን ትስፍውቲ ሃገር እያ።

ኣምላኽ ካብ ኩሉ ግዝኣትን ጭኮናን ገዛእቲ ባቢሎናውያን ንላቐቐሉን ከምኡ'ውን ካብቶም ነዚ እዋን ብኸመይ ንሓልፎ ገዲፎም ብሕሉፍ ታሪኽ ክነብሩ ዝደልዩ ቂምን በቐልን ዝተመልኡ ምስተ-ጋላገልና። እዛ ሎሚ ኣብ ከቢድ ወጥርን ሽግርን ትርከብ ዘላ ሃገርና። ናይ ጽባሕ ብሩህ መጻእን ምዕባለን ክንርኤላ ርሑቅ ኣይክኸውንን እዩ። ሃገርና ራኢ ዘለዋ ሃገርን ቅድስቲ መሬት ድማ እያ። ነዚ ክውን ንምግባር ኩላትና ሕሉፍ ጌጋታትና ኣሪምና፡ ነዚ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዘይስገር ኮይኑ ዝርኣየና ማለት ዘይምዑሩይ ምሕደራ፡ ምፍልላይ፡ ማእሰርቲ፡ ነውጺ ናይ ቁጠባ፡ ኮታ ንኹሉ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ብዘይ ምፍልላይ ክንሓልፎ ኣምላኽ ሞገስ ይሃበና እብል።

እዚ ሎሚ ንሓልፎ ዘሎና መከራ ጽባሕ ንግሆ፡ ብቐሊሉ ዜይንታለል ሕዝብን ኣብ ጉዳይ ሃገር ሸለልትነት ክነርኢ ከምዘይ-ግብኣና ጽቡቅ ጌይሩ ክምህረና ብዙሕ ተስፋ ኣሎኒ። እዛ ሎሚ ኃያልን ጥንቅቕትን ኮይና ዘላ ሃገረ-እስራኤል፡ እቲ ትማሊ ዝሓለፍዎ መሪር ባርነትን ስደትን ምብትታን ሎሚ ከይድገም ከቢድ ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዘለዎም ምኽርን ማዕዳን ዘየድልዮም መምህራን ኮይኖም ኣለው። ንሕና'ውን ነዛ መድረኽ ምስ በጻሕናያ ጥንቁቓትን ሕፉራትን ክንከውን ዓቢ ትምህርቲ ኮይንና ኣሎ። ኣብቲ ኩላትና ንሕጎሰሉን ብሃገርና ንኾርዓሉን እዋን ክንበጽሕ ልዑል ኣምላኽ ይደግፈና።

ኣብ ስደትን ኣብ ውሽቲ ሃገርናን ንዘሎ መላእ ሕዝብና፡ እንኳዕ ናብ ብርሃነ ትንሳኤ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብጻሓና እንዳበልኩ። ኣብ ፈቐዶ ማእሰርትን ማሕዩርን ንዘለው ከምኡ'ውን ብሽፋን ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ፍጹም ባርነት ንዝርከቡ መንእሰያትና ብርሃን ትንሳኤ ናይ ሓድሽ ሕይወት ክርእዮ ጸሎተይን ምንዮተይን እዩ።

ነቲ ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ። ኣሜን።

 

Minister of Religion Revd Yohannes Ghebrehiwet

Medhani-Alem Eritrean Orthodox Church

Manchester, UK.

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div