S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ምስጢረ ሜሮን

1. ትርጉም ሜሮን

ምስጢረ ሜሮን ወይ ሜሮን እቲ ዝጥመቕ ኣማኒ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዝቕበለሉ ምስጢር ኮይኑ፥ ኣብ እዋን ጥምቀት በቲ በይኑ ሓድሽ ውሉድነት (ህይወት) ዝህብ መንፈስ ቅዱስ ብጸጋ ጥምቀት ኣቢሉ ዝርከብ ህያብ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ቅብኣ ሜሮን፥ ልክዕ ከም ምስጢረ ጥምቀት፥ሓደ ግዜ ጥራይ ይወሃብ።

2. ኣቃውማ ስርዓተ ሜሮን (ሜሮን ዝፍጸመሉ ኣገባብ)

ቅብኣ ሜሮን፥ መንፈስ ቅዱስ ንምቕባል፥ በቲ ክርስቶስ ባዕሉ ዝሃበና ብዙሕ ተስፋታት ዝተሰርዐ ወይ ዝቖመ እዩ (ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 7; 14; 15; ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 16 ኣንብብ)

3. ሜሮን ዝፍጸመሉ ግዜ

ቅብኣ ሜሮን፥ ቀጥታ ድሕሪ ጥምቀት ክወሃብ ኣለዎ ምኽንያቱ እቲ ኣሚኑ ዝጥመቕ ዘሎ ሰብ ኣብቲ ብጥምቀት ዝርከብ ሓድሽ ህይወት (ውሉድነት) ዘጽንዖ ቅብኣ ሜሮን ስለዝኾነ። ገለ ቤተ ክርስቲያናት እቲ ህጻን ክሳብ ዝዓቢ (ዓቅሚ ኣዳም ክሳብ ዝበጽሕ) ቅብኣ ሜሮን ክወሃብ ኣይግባእን ዝብላ ኣለዋ። ንምንጻር ዝኣክል ግና፥ እዚ ዝስዕብ መልሲ ምሃብ ኣኻሊ እዩ።

1) መንፈስ ቅዱስ ቀጥታ ኣብ እዋን ጥምቀት ኣብ ልዕሊ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ወሪዱ (ማቴ 3 16)

2) ሃዋርያት፥ ቀጥታ ድሕሪ ጥምቀት ኢድ ብምንባር (ኣንብሮተ እድ) ቅብኣ ሜሮን ይፍጽሙ ከምዝነበሩ ነንብብ (ግብ 8: 14-17; ግብ 19: 5-6)

3) ህጻናት ጸጋ ጥምቀት ክቕበሉ ስለዝግብኦም፥ ቅብኣ ሜሮን ንኽቕበሉ ዝኽልክል ዝኾነ ብቁዕ ምኽንያት የለን

4) ገለ ህጻናት ኣብ ማህጸን ኣደ ከለዉ መንፈስ ቅዱስ ከምዝተቐበሉ (ከምዝተመልኡ) መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ። ንኣብነት:- ዮሃንስ መጥምቕ (ሉቃስ 1: 15)

ኣብ መጀመርታ ክርስትና፥ ቅብኣ ሜሮን ኢድ ብምንባር (ኣንብሮተ ኢድ) ይፍጸም ኔሩ። ንኣብነት፥ሽዑ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ።ይብል ግብሪ ሃዋርያት 8:17 ከምኡውን ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 19:5-6 “እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ተጠምቁ። ጳውሎስ ኢዱ ምስ ኣንበረሎም ከኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ናባታቶም ወረደ። ሽዑ ብቛንቋታት ተዛረቡን ተነበዩን።ዝብል ነንብብ።

ደሓር ግን እቲ ኢድ ብምንባር ዝወሃብ ዝነበረ ስርዓት፥ ብቅብኣ ሜሮን ተተኪኡ። ኣብ 1 ዮሃንስ 2: 20 “ንስኻትኩም ድማ ቅብኣት ካብቲ ቅዱስ ኣሎኩም፡ ንዅሉውን ትፈልጥዎ ኢኹም። ብተወሳኺ፥ ኣብ 1 ዮሃንስ 2: 27 “ንስኻትኩምሲ፡ ከምቲ ቕብኣት ብዛዕባ ዅሉ ዚምህረኩም ዘሎ፡ ሓቂውን እዩ፡ ሓሶት ኣይኰነን፡ እሞ ኸምቲ ንሱ ዝመሃረኩም ኴንኩም፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኢኹም። እምብኣርከ እቲ ኻብኡ እተቐበልኩምዎ ቕብኣት ኣባኻትኩም ይነብር አሎ እሞ፡ ሓደ እኳ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ።

ኣብ 2 ቆሮንቶስ 1: 21-22 “ግናኸ እቲ ብክርስቶስ ገይሩ ምሳኻትኩም ዘጽንዓናን ዝቐብኣናን እቲ ዝሓተመናን ኣብ ልብናውን ዕርቡን መንፈስ ዝሃበና ኣምላኽ ንሱ እዩ።

ጸሎት ምስ ተገብረ፥ ገለ ክፋላት ኣካል ብቅብኣ ሜሮን ይቕባእ። ቅብኣ ሜሮን፥ ካብ ጥዑም ጨናን ገለ ኣታኽልትን ዝተሰርሐ ኮይኑ፥ ሃዋርያት ኣብ እዋን ስቕለት ጎይታ ንመግነዚ ኢሎም ዘዳለውዎ ከምዝነበረ ጽሑፍ ይገልጽ (ሉቃስ 23:56; 24: 1) ገለ ክፋሉ ቅዱስ ማርቆስ ንግብጺ ሒዝዎ ስለዝመጸ፥ ካብኡ ንደሓር ሓድሽ ቅብኣ ሜሮን (ዘይቲ) እናተወሰኾ፥ ሎሚ ብዘይቲ ኣውሊዕን ገለ ጥዑም ጨና ኣታኽልትን እዩ ዝዳሎ። ፓትርያርክ ምስ ጳጳሳት ኮይኖም ነዊሕ ጸሎት ብምግባር ድማ ይባርኽዎን የዳልውዎን።

4. ዘይርአ ጸጋ

እቲ ኣማኒ ብቅብኣ ሜሮን ምስ ተቐብአ፥ ዘይርአ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ይቕበል፥ በዚ ድማ እቲ ብጥምቀት ዝረኸቦ ሓድሽ ህይወት (ውሉድነት) ይጸንዕ። በዚ ሓድሽ ህይወት ዝረኸቦ ክጸንዕ፥ ብኡኡ ክዓቢ፥ ንህይወቱ ምንቅቃሕ እናህቦ ድማ መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ኩሉ ነገር ይምህሮን ይሕድሶን (1 ዮሃ 2: 20-21) ኣብቲ መገዲ ሓቂ ጸኒዑ ንኽነብር ድማ ይድግፎ።

እቲ ሾውዓተ ህያብ መንፈስ ቅዱስ፥ ብቅብኣ ሜሮን እዩ ኣብ ልዕሊኡ ዝዓርፍ። እቶም ሾውዓተ ህያብ መንፈስ ቅዱስ: “መንፈስ እግዚኣብሄር፡ መንፈስ ጥበብ፡ መንፈስ ኣእምሮ፡ መንፈስ ምኽሪ፡ መንፈስ ሓይሊ፡ መንፈስ ፍልጠት፡ መንፈስ ፍርሃት።ይበሃሉ (ኢሳይያስ 112)

5. ቅብኣ ሜሮን ንኽቐብእ ስልጣን ንመን እዩ ተዋሂቡ?

ቅብኣ ሜሮን ንኽቐብኡ ስልጣን ንሃዋርያት እዩ ዝተዋህበ። ካብ ሃዋርያት ድማ ናብ ጳጳሳትን ናብቶም ዝተክእዎምን ተዋህበ። ምስ ግዜ ግና፥ ምስ ምብዛሕ ኣመንቲ ጳጳሳት ከምዝደለይዎ ካብን ናብን ንኽጕዓዙ ብዘይምኽኣሎም እቲ ስልጣን ንካህናትውን ቅብኣ ሜሮን ንኽቀብኡ ስልጣን ሃብዎም። ጳጳሳት ነቲ ቅብኣ ሜሮን ባሪኾም ንካህናት ይህብዎም እሞ፥ ካህናት ድማ ንኣመንቲ ቅብኣ ሜሮን ይቐብእዎም።

 

Source: The Coptic Orthodox Diocese of the Southern United States; 'The Holy Myron'

(http://www.suscopts.org/resources/literature/539/the-holy-myron)

ትርጉም: ዑቕበ ዘመደ፣ ዲያቆን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div