በስመ ኣብ ወወልድ ወንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ፡
ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን == ብዓቢይ ኃይል ወሥልጣን
ኣሰሮ ለሰይጣን == ኣግኣዞ ለኣዳም
እምይእዜሰ == ይኩን ፍስሓ ወሰላም፡
ቤተ ክርስቲያን ብዘይ እታ ቀንዲ መለለይታ ዝኾነት፡ ሓንትን መተካእታን ዘየብላ፡ ዓሰርተው ክልተ ሓረግ ዝሓዘት ኣብ 12 ዓናቅጽ እትኽፈል ጸሎተ ሃይማኖት፡ ወይ ተኣምኖ ሃይማኖት፡ ወይ ካልእ መሰረት እምነት ስለ ዘየብላ፡ ንሎሚ ካብ ሻዱሻይ ሓረጋዊ ዓንቀጽ፡ ነዚ ዘለናዮ ወቅቲ ዝሰማማዕ ኣልዒልና ክንዛረብ ቅኑዕ ኮይኑ ይስምዓኒ። ቀዳሞት ጸሎተ ሃይማኖት ዝደረሱ፡ ኣቦታት ነዛ ሓረግ እዚኣ ጐይታ “ብዘመን ጲላጦስ ጴንጤናዊ ኸኣ፥ ምእንታና ተሰቕለ፥ መከራ ተቐበለ፥ ሓመመ፡ሞተ፥ ተቐብረ፥ ብሣልሰይቲ መዓልቲ ድማ ተንስኤ። ከምቲ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ተጽሒፉ ዘሎ ድማ….፥ ኢሎም፡ ኣቐዲሞም ስም ጲላጦስ ዝጠቐሱሉ ምኽንያት፡ ሞትን ትንሣኤን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በየናይ ዘመን ከም ዝተፈጸመ ንኸመልቱ፡ ከማኡ’ውን ነዚ ዘገርም ዝኾነ ታሪኻውን ተኣምራታውን ዝኾነ ምድሓን ደቂ ኣዳም፡ ብግዜኡ ከም ዝተፈጸመ፡ ንምግላጽ ጥራይ ድኣምበር ካልእ ትርጉም የብሉን።
በቲ እዚ ዘገርም ዝኾነ ተኣምራት ዝተፈጸመሉ ዘመን፡ እስራኤል ኣብ ትሕቲ ሮማ ትግዛእ ነበረት። ንጉሥ ሮማ ድማ ጢባርዮስ ቔሳር ዝተባህለ ሰብኣይ ነበረ። ንቔሳር ጢባርዮስ ወኪሉ ኣብ እስራኤል ዘመሓድር ዝነበረ ድማ ጲላጦስ ጴንጣናዊ ዝተባህለ ሰብኣይ ነበረ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ኢሳይያስ 53 ተጻሒፉ ዘሎ ስቓይን፡ ሕማምን፡ ሞትን፡ ትንሣኤን ዕርገትን ጐይታ ድማ ብከሳስነት ደቂ ይሁዳ፡ ብዳንነት ጴጠናዊ ጲላጦስ ኣብ ኢየሩሳሌም ተፈጸመ።
እዚ ብፍሉይ ዘመን ኣብ ሓንቲ ሃገር፡ ብዘገርም ነገር ዝተፈጸመ መስዋእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንኽልተ ሽሕ ዓመታት ዝኣክል ሕቶ ኣብ ርእሲ ሕቶ እናኣኸተለ ስለ ዝመጸ፡ ዓለም ጉዳዩ ክትፈልጥ እሞ መዕለቢ ክትገብረሉ ኢላ መጽሓፍ ኣብ ርእሲ መጽሓፍ፡ ፊሊም ኣብ ርእሲ ፍሊም እኳ እንተ ጸሓፈትን ደረሰትን፡ እቲ መንፈሳዊ፡ ብመንፈስ ስለ ዝምርመር፡ ዓለም ጉዳዩ ፈሊጣ መዕለቢ ክትገብረሉ ኣይከኣለትን። እዚ ተኣምራት እዚ ኣብ ዓለም ኣይተፈጸመን ኢላ ክይትክሕዶ ድማ፡ ዝተፈጸመሉ ዘመንን እቶም ብግዚኡ ዝነበሩ መራሕትን ኣብ ታሪኾም ተመዝጊቡ ስለ ዘሎ፡ ክትክሕዶ ኣይተኻእላን። እቲ ዘገርም ኣብ ውሽጢ ዓለምና ዝተፈጸመ ሓቀኛ ታሪኽ ጐይታና ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣጀማምራ ክርስትና ኣብ ሞትን ትንሣኤን ክርስቶስ ዝተመስረተ ስለ ዝኾነ ድማ እዩ። ብልጸት እዚ ታሪኽ እዚ ድማ፡ ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት፡ ዘገርም ዝኾነ ሓድሽ ምዕራፍ ታሪኽ ሰለ ዝኸፈተ እዩ። ይኹን እምበር ቤተ ክርስቲያን ሓቅነታ ብዘየገስ፡ እቶም ቀደም ኣብ ስልጣን ዝነበሩ፡ ንጐይታ ቤተ ክርስቲያን እንተሰቐልናዮ፡ ከነዕርፍ ኢና ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ፡ ንጐይታ ቤተ ክርስቲያን ሰቐልዎ። ግና ጉዳይ ክርስትና ኣብ “ፍቕሪ” ስለ ዝተሰረተ መሊሱ ድኣ ከም ሓዊ ነደደ እምበር ኣይዓረፈን። እቶም ጽልኢ እምበር፡ ፍቕሪ ሓይሊ የብሉን ዝበሉ ሽዑ ዝተጋገዩ፡ ሕጂ ድማ ኣሰሮም ተኸቲሎም ዝጋገዩ ዘለዉ ዘመናውያን መራሕትን ገዛእትን እዛ ዓለም እዚኣ፡ ሓቂ ዕረ ኰይና ስለ እትመሮም፡ ካብ ጰንጤናዊ ጲላጦስ ጀሚሮም ክሳብ ሕጂ፡ ነታ ጐይታ ብደሙ ዝመስረታ ማሕበሩ፡ ከም ጸሓይ ዝደመቀ ፍቅራውን ሰላማውን ሓቂ ኣንጸባሪቓ እኳ እንተ ተራእየት፡ ተጻባኢት ሥልጣኖም ዘይኮነት ክነሳ፡ ብዓይኒ ጽልኢ ስለ ዝምልከትዋ፡ ፈትዮምዋ ኣይፈልጡን። እቶም ኣረማውያን ነገሥታት ይትረፍ፡ እቶም ኣብ ክርስትና ንኣምን ኢና ዝብሉ፡ ክርስትያን ነገሥታት ከይተረፉ፡ ኣብ ጥቅሚ ገዛእ ርእሶምን ኣገልግሎቶምን ከውዕልዋ ለይትን መዓልትን ድኣ ይቃለስዋን ይዋግእዋን ኣለዉ እምበር፡ ክትቀስን ኣሜን ኢሎም ኣይፈልጡን። ገሊኦም ድማ ኣይክእሉን ድኣምበር ከጽንትዋ ይጻረርዋ። ገሊኦም ድማ ዘይከኣሎም ክነሱ፡ መፍረዲኦም ዝኸውን ከም ጸሓይ ዝደመቐ ኃጢኣት ኣብ ልዕሌኣ ይፍጽሙ። ለይትን መዓልትን ክገማምዕዋ ኢሎም ይፍትኑ። እንተኾነ ጐይትኣ ክሳብ ዘለኣለማዊ መንግሥቲ ሒዙ ዝምለሳ “መንግሥትኻ ትምጻእ” እናበለት፡ ብመንፈስ ቅዱስ እናተመርሔት፡ ሞቱን ትንሣኤኡን እናዘከረት፡ ለይትን መዓልትን ክትጽውዖ ክትነብር እያ። እምብኣር ነዛ ሒዝናያ ዘሎና ሓረግ፡ ኣብዘን ዝስዕባ ሓረጋት ከፋፊልና ክንርእያ ጽቡቅ ኮይኑ ይረኣየኒ።
እምበኣር ነዞም ዝስዕቡ ኣርእስቲ ሓቢርና ክንርእዮም ንዳሎ:
ቀዳማይ፡ ክርስቶስ ስለ ኃጢኣትና ክብል፡ ሕማምን ሞትን ብምቕባሉ፡
ካልኣይ፡ ክርስቶስ ብኣካለ ነፍሲ ናብ ሲኦል ወሪዱ ንነፍሳት ከም ዘድሓነ፡
ሳልሳይ፡ ብዛዕባ ትንሣኤ ክርስቶስ ካብ መቃብር ምትንስኡ፡
ራብዓይ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብዛዕባ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ክኸውን እዩ።
1. ጐይታ በጃ ኃጢኣትና ብሥጋዊ ሞት ሞተ፡
ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጸሎተ ሃይማኖታ፡ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል “ሓመመ: ሞተ” ክትብል ከላ፡ ብሥጋዊ ሞት ሓሚሙ ሞተ ማለታ ድኣምበር፡ ብመለኮት ሞተ ማለታ ከም ዘይኮነ ርዱእ ክኸውን ይግባእ። ከመይሲ መለኮት መንፈስ ስለ ዝኾነ፡ ክርስቶስ ብሥጋ እምበር፡ ብመለኮት ኣይሞተን (1ጴጥ፡3፡18)። እቲ ቀንዲ ዕላማ ተበጃውነት ጐይታ ንኣዳም፡ ሥጋና ለቢሱ ሰብ ኰይኑ፡ ሞትን ትንሣኤ ዝፈጸመሉ ምኽንያት፡ ነቲ ብሰሪ ኃጢኣት ብሥጋን ብነፍስን ዝሞተ ኣዳም፡ ካብ መዋቲ ናብ ዘይመውት ህይወት ከውርሶ ስለ ዝደለየ ድኣምበር ካልእ ምኽንያት የብሉን። ቅዱስ ጽሑፍ ምኽንያት ትስብእትነት ጐይታ ክምህረና ከሎ፡ ከምዚ ኢሉ ይጅምር፡ “ንጽብሒቱ ዮሃስን ንኢየሱስ፡ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ረኣዮ እሞ፡ እንሆ፡ ኃጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ፡” ኢሉ ብምስክርነት ዮሃንስ መጥምቕ ይጅምር (ዮሃ፡1፡29)። እቲ ዘገርም፡ ኣብ ልቢ እስራኤል - ንእስራኤል ከድሕን ዝመጽእ መሲሕ ድኣምበር፡ ንዓለም ከድሕን ዝመጽእ መሲሕ ኣይነበረን። ዮሃንስ ግና ኃጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ደኣ በለ እምበር፡ ኃጢኣት እስራኤል ዘርሕቅ ኣይበለን። እስራኤል ነቲ ኣብ ከርሳ ዝነበረ ጽሑፍ ኣይተመልከተቶንዶ ክብሃል ይከኣል ይኸውን፧ ንሕና ደቂ ኣዳም ብሰሪ ኣበሳና ሞት ክንመውት ዝግብኣና ዝነበረ ክርስቶስ ግና ሞት ክስዕር ክብል፡ ንኣበሳ ደቂ ኣዳም፡ኣብ ገዛእ ርእሱ ተሰኪሙ፡ በጃ ኣዳም ኣብ መስቀል ከም ኣማውታ ሓጥእ ሰብ ሞተ።
ብርግጽ ኣዳም፡ ብፈቃዱ ትእዛዝ ዝፈጠሮን ዝፈትዎን ኣምላኹ ብምጥሓሱ፡ ኣብ ውድቀትን ሞትን ገዛእ ርእሱ በጽሔ። ኣብ መንጐ ሰብን ኣብ ሞንጐ እግዚኣብሔርን ድማ ዓራቂ ዘይብሉ ዓቢ ጋግ ተፈጥረ። ክሳብ እቲ ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ሰብን ዝነበረ ጽልኢ፡ ኪዓርቕ ዝመጽእ መሲሕ፡ ንሰብ ጸጋን ረዲኤትን እግዚኣብሔር ተፈልዮ። ካብታ ኣዳም ዝኣበሰላ ሰዓት ኣትሒዙ ንደቂ ኣዳም ሞት ሥጋን ነፍስን እናሞቱ ክጸንሑ ተፈርዶም። ምድሪ ድማ ኣብ ክንዲ በረኸት እግዚኣብሔር፡ ብመርገምን ብቁጥዓን እግዚኣብሔር መልኤት። ጌጋ ኣዳም እዚ ካብ ኣምጽኤ፡ ሕጂ ድኣሞ በየናይ መሳልል ጌርካ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ምምላስ ይከኣል፧ መንከ የተዓርቐና፧ ወይስ ነቲ ዘይልወጥ ፍርዲ እግዚኣብሔርከ መን ይለውጦ፧
2. ቅድስና እግዚኣብሔርን፡ ባህርያት ኃጢኣት ሰብን፡
ባህርይ እግዚኣብሔር ፍጹም ቅድስና ዝመልኦ ዘይቅረብ ብርሃን ስለ ዝዀነ፡ ኣዝዩ ዘፍርሕ ባህርይ እዩ። ዝኰነ ይኩን ሰብ፡ ነቲ ኣብ ጸልማት ዘሎ ባህርያት ኃጢኣቱ ተሰኪሙ፡ ናብቲ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዘሎ እግዚኣብሔር ክቐርብ ዝኽእል የልቦን። ድሩት ስለዝኾነ ዓቕሚውን የብሉን። ከመይሲ ካብ ወገን ሰብ ይኹን ወይስ ካብ ወገን መላእኽቲ፡ ምስ ኃጢኣቱ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ቅዱስ ዝፋን እግዚኣብሔር ክቐውም ዝኽእል ዋላ ሓደ እኳ የልቦን። እቲ ሥልጡን እናተባህለ ዝጽዋዕ ዝነበረ ሳጥናኤል እኳ፡ ንገዛእ ርእሱ ብርኽሰት ኃጢኣቱ ገይሩ ምስ ለወሳ፡ እቲ ቅዱስ ስም “ሳጥና - ኤል” ዝብል፡ ምስ ኣርከሶ፡ እታ “ሳጥና” እትብል ስም ሒዙ ድኣ ተረፈ እምበር፡ እታ ኤል እትብል ቅጽል ስም እግዚኣብሔር ክጽውዓላ ዘይበቅዕ ኮይኑ ስለ ዝተረኽበ ተሓድገ። ኣብ ቅድሚ ቅድስና እግዚኣብሔር ምቛም ተሳኢንዎምስ፡ ንሱን ሰራዊቱን ካብ ቅድሚ ቅድስና እግዚኣብሔር ተሰጕጉ፡ ክሳብ መዓልቲ ፍርዱ ዝኣክል ንገዛእ ርእሱ ኣብ ካልኣይ ሰማይ፡ ንገለ ሰራዊቱ ኣብ ምድሪ ክጸንሕ ክፍቀደሎም ከሎ፡ እቶም ሓያላት ዝብሃሉ ዝሰዓብዎ ርኹሳት መላእኽቲ ድማ ናብ እንጦርጦስ ድኣ ወረዱ እምበር፡ ኣብቲ ዝተዋህቦም ቦታ ቅድስና ክነብሩ ኣይከኣሉን (2ጰጥ፡ 2፡4 ይሁዳ 6)።
ኣዳም ምስ በደለ’ውን ነታ ዝነብረላ ዝነበረ፡ ስም እግዚኣብሔር ዝሓደረላ ቅድስቲ ገነት ዝተባህለት ቦታ፡ ከየርክሳ ምእንቲ፡ ካብኣ ወጺኡ፡ ገዛእ ርእሱን፡ ደቁን፡ ደቂ ደቁን፡ ብሥግኦም ናብታ ዝተፈጥሩላ ምድሪ፡ ብነፍሶም ድማ ናብታ ንሳጥናኤል እምበር ንዓኣቶም ዘይተዳለውት ሲኦል ዝወርዱ ኮኑ እሞ፡ ካብ ቅድስና እግዚኣብሔር ተፈልዩ። እምበኣር እቲ ንወዲ ሰብ፡ ካብ መሰረታዊ ቅድስና እግዚኣብሔር ንዘኣለም ዝፈልዮ “ኃጢኣት” ካብ ኮነ፡ ወዲ ሰብ ናብቲ ቀንዲ ባህርያቱ ዝኾነ ቅድስና ከይምለስ ዝኽልክሎ ዘሎ፡ እቲ ጸረ ነፍሱን ሥግኡን ዝዀነ ኃጢኣት ከም ዝኾነ ከለልዮ ግድን እዩ።
ኃጢኣት ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ከም ዝዀነ ዝረስዑ ወይ ዘይፈልጡ ደቂ ኣዳም’ውን ቁጽሪ የብሎምን። ኣብ ቅድሚ ቅድስና እግዚኣብሔር ግና ምርሳዕ ወይ ኣይፈለጥኩን ምባል ዘዋጻጽእ ኣይኰነን። ከመይሲ ነዞም ኣብ ምድሪ እንነብር ዘሎና፡ እቲ ክንፈልጦ ዝግብኣና ኃጢኣት ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ምስ እግዚኣብሔር ዘባተኸትና ዋና ጸላኢና ከም ዝዀነ፡ ብምሕረት እግዚኣብሔር ዝተዋህቡና ቅዱሳት መጻሕፍቲ ይምስክሩልና ኣለዉ። ገለ ሃይማኖተኛታት ኢና ዝብሉ ሰባት፡ ንህልዊ ሓቒ ምቅባል ተሳኢንዎምሲ፡ ካብ ግላዊ ኣተሓሳስባኦም ተላዒሎም፡ ካብ ኃጢኣትና ዘናግፈና የልቦን፡ ምስ እግዚኣብሔር ዘተዓርቐና ኣየድልየናን ኢሎም ይኣምኑ። ከምቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝምስክርዎ እንተ ዀይኑ ግና፡ ስርየት ኃጢኣት ከይረኸበ ዋላ ሓደ እኳ፡ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ እግዚኣብሔር ዝቐርብ የልቦን ይብል። ሓቀኛ ኣምልኾ ድማ፡ ኣብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰለ ጽሑፋት ዝተመስረተ እዩ። ሕጋዊ መስዋእትን ቁርባንን ሥርዓተ ኦሪት ከይተረፈ ዝምህረና፡ ብዛዕባ ስርየት ኃጢኣት ጥራይ እዩ “ደም ከይፈሰሰ ስርየት ሓጢኣት ዝብሃል የልቦን” ከም ዝተባህለ፡ ብሥርዓተ ኦሪት ሓጢኣተኛታት ደም እንስሳ ኣብ ስፍራ መሰውኢ እንዳ ኣፍሰሱ፡ ንኣማናዊ መስዋእቲ ምሳሌ ብምግባር ሓጢኣቶም ይስረየሎም ከም ዝነበረ ነንብብ (እብ፡ 9፡6-22 ሌዋ፡ 17፡11)።
እቲ ገንሸል እግዚኣብሔር ዝዀነ መስዋእቲ ሓቂ መጺኡ ኣብ ስፍራ መሰወኢ ክሳዕ ደሙ ዝፈስስ፡ ብግዚያውነት እቲ ኣብ ኦሪት ዝፈስስ ዝነበረ ደም እንስሳታት ብምሳሌን ትንቢትን ይፈስስ ነበረ። እቲ ሓቀኛ ምስ እግዚኣብሔር ዘተዓርቐና ኃጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ቅዱስ ገንሸል ዝዀነ ክርስቶስ ምስ መጸ ግና፡ ንሕድገት ኃጢኣት ኩላ ዓለም ክብል ኣብቲ ሓቀኛ መሰዊኢኡ ዝኰነት መስቀል፡ ደሙ ኣፍሲሱ ምስ እግዚኣብሔር ዘተዓርቕን ዳግማይ ኣብ ቅድስና እግዚኣብሔር ዘሳትፍን ስርየት ኃጢኣት ኣምጽኣልና። እምብኣርከስ እቲ ንኣዳምን ንደቁን ምስቲ ፍጽምናን ቅድስናን ዝመልኤ እግዚኣብሔር ክዕረቁ ኢሎም፡ ብዘይ እቲ ብገዛእ ፍቓዱ ንገዛእ ርእሱ መስዋእቲ ኃጢኣት ዝገበረ ክርስቶስ እንተዘይ ኰይኑ፡ ካልእ ንስርየት ሓጢኣቶም ዝበቅዕ መገዲ ቅድስና ኣይተረኽበን። ስለዚ ድማ እቲ ጽሑፍ “ክርስቶስ ኢየሱስ ነቶም ኣነ ዝቐዳማዮም ሓጥኣን ኬድሕን ከም ዝመጸ፡ እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ምቕባሉውን ብዂሉ ግቡእ እዩ” ክብል ዝመስከረልና (1ጢሞ፡ 1፡15)። ንሕና ድማ ነቲ በጃና ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ “ስሌና ተሰቅለ፡ ሓመመ፡ ሞተ፡ ተቐብረ፡ ብሣልሰይቲ መዓልቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ተንሥኤ” ኢልና ብምእማን ጥራይ ዘይኮነ፡ እንደገና ብግብሪ ካብ ቅድስንኡ ቅድስና፡ ካብ ጸግኡ ጸጋ ተቕቢልና ኣብ ምሕረቱ ክንነብር ተዓደምና። እዚ ማለት እንደገና እታ ዝተዓጽወትና ገነት ክንኣትዋ ማዕጾኣ ተኸፍተትልና። ምእዛዝን ዘይምእዛዝን ግና፡ ሕጂ’ውን ከምቲ ቀዳማይ ኣዳም ኣባና ተረፈ።
እምብኣርከስ እቲ ሓደ ካብ ቅድስት ሥላሴ ዝዀነ ዘለኣለማዊ ቓል (ወልድ)፡ ኣብ መንጐ ሰብን እግዚኣብሔር ኣብን ኰይኑ ከተዓርቅ ክብል፡ ባህርያትና ወሲዱ ብሥጋ መጺኡ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ሥግኡ ቆሪሱ ደሙ ኣፍሲሱ መንጐኛ ዘተዓርቐና ካብ ረኸብና፡ ብተግባር ኣሚና ምንባርና፡ ረብሓና ከም ዝዀነ ዘጠራጥር የልቦን። እሞ ኣሚና ብግብሪ ከይንነብር፡ ናብ ቅድስና እግዚኣብሔር ከይንበጽሕ ዝኽልክለና ድኣ እንታይ እዩ፧ እወ! ጌሌና ንፍልስፍና ሰባት ብምስዓብ፡ ጌሌና ድማ፡ ብንገዛእ ርእሶም ከድሕኑ ዘይክእሉ ሰባት፡ ሃይማኖት ፈጢርም ስለ ዘታለሉና ወይ ሃይማኖተይ ተቐበሉ ኢሎም ዘገደዱና፡ ንሓቀኛ ቅድስና ከይንረኽባ ክሳዕ ሞት ኰለል እናበልና፡ ኾብለልቲ ኰይና ተረፍና። ኣብ መወዳእታ ድማ እቶም ዘታለሉናን ንሕናን፡ በቲ ዘይተርፍ ሞት ተወጊእና ንመውት እሞ፡ ሲኢል ክንወርድ ጸላእቲ ነፍስና ፈረዱና። ብርግጽ እቲ ዝፈላሰፍ እናተፈላሰፈ ንሓቂ ከይረኸባ ይመውት። እቲ ኣገዲዱ ሃይማኖተይ ተቐበሉ ዝብል’ውን ንሓቂ ጋሪድዋ ይመውት። ንጹሃት ሰባት ነቲ ሓቀኛ ቅድስና ኣግዚኣብሔር ከይርእይዎ እሞ ከይድሕኑ፡ ኃጢኣት ኣብ ሞንጐና ኰይና ንቅድስና እግዚኣብሔር ከይንርእዮ ጋረደትና። ሓዋርያ ጳውሎስ ክምዕደና ከሎ “እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ መድሓኒና ዝኾነ ኣምላኽ ሠናይን ዜሐጕስን እዩ። ንሱ ኵሉ ሰብ ኪድሕንን ናብ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን እዩ ዚፈቱ” ድሕሪ ምባሉ ቀጺሉ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጐ ሰብን ኣምላኽ ዘሎ ሓደን በይኑን ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ ክዛረብ ከሎ “ኣምላኽ ሓደ እዩ፡ እቲ ኣብ መንጐ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ መተዓረቒ ድማ ሓደ እዩ፡ ንሱ ኸኣ እቲ ሰብ ዝኾነ ክርስቶስ ኢየሱስ እዩ። ንሱ ኣብ ክንዲ ዅሉ ሰብ ገዛእ ርእሱ በጃ ኣሕሊፉ ሃበ፡ እዚ ኸኣ ጊዜኡ ምስ በጽሐ፡ ኣምላኽ ኵሉ ኺድሕን ከም ዚደሊ ምስክር እዩ” ይብል (1ጢሞ፡2፡3-6)። ኣምብኣር ኩሉ ተበጃውነት ኣብ ክርስቶስ ዝተመስረተ ከም ዝዀነ፡ ካብ ትምህርቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ካብ ተገንዘብናዮ ካልእ ብስሙ ዝመጽእ ወይ ብሓይሉ ዝመጽእ ካብ ሓጢኣት ዘናግፈና የልቦን።
ኣብ ወንጌል ብዘይ እቲ ኃጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ተባሂሉ ዝተነግረሉ ክርስቶስ ካልእ፡ ናብ ቅድስና ኣግዚኣብሔር ዘቕርበና ዋላ ሓደ ከም ዘየለ ተጻሒፉ ኣሎ። ብዘይ ደም ክርስቶስ ንመንደቕ ኃጢኣተኛ ባህርይ ሰብ ከፍርስ ዝኽእል የልቦን። በቲ ብእኡ እንረኽቦ ስርየት ኃጢኣት ግና መንደቕ ሓጢኣተኛ ባህሪና ስለ ዝፈረሰ፡ ናብ ቅድስና እግዚኣብሔር ዘብጽሓና መገዲ ንሱ በይኑ ከፈተልና። ስለዚ ድማ እዩ ክርስቶስ ባዕሉ፡ “ኣነ መገድን ሓቅን ህይወትን እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” ኢሉ ዝመስከረልና (ዮሃ፡ 14፡6)። ንሕናስ ብሰሪ ሓጢኣተኛ ባህሪና ኣብ ጸልማት ስለ ንነበር ከነለልዮ ኣይከኣልናን፡ ንሱ ግና ነቲ መገዲ ዝኾነ ሓቂ ብርሃን፡ ምእንቲ ክንርእዮ “ኣነ ብርሃን ዓለም እየ” በለ። እምብኣር በቲ ንሱ ዘርሓወልና ብርሃን ዘለዎ ማዕጾ ጽድቂ ኣቲና፡ ብብርሃኑ ክንመላለስ፡ ተዓደምና። ኣብ መወዳእታ ድማ ከምቲ ንሱ ካብ ማእከል ሙታን ዝተንስኤ ክንትስእ “...ኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ” ብምባሉ ተስፋ ትንሳኤ ኣበሰረና (ዮሃ፡6፡44)።
ይቅጽል…
ዶ/ር ሽሞንዲ ኃይለ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ