S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"ክሳብ ሰማይ፥ ንብላዕ ሥርናይ" ዶ በለት ህበይ !

ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ክምህሮም ከሎ ብዙሕ ግዜ ብምስላ ጌሩ የረድኦም ከም ዝነበረ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ተጻሒፉ ንረኽቦ። ከምኡውን እቶም ለባማትን ክቡራትን ወለድና ኣብ ዘረብኦም ምስላ እናሓወሱ እዮም ዘውግዑ። “መሲለ ዝነግሮ፥ ንኽመስሎ” ድማ ይብሉ። ኣነውን ነዛ ትስዕብ ናይ ምስላ-ዛንታ ኣቕሪበ፡ ናብ ሓጺር ጽሑፈይ ክሓልፍ ባህ ይብለኒ።

“ክሳብ ሰማይ፥ ንብላዕ ሥርናይ” በለት ህበይ ይበሃል። ሓደ መዓልቲ እዩ፥ ሓደ ንፉዕ ሓረስታይ ንግራቱ ጸጊኡ፥ ዘሪኡ፥ ይጽህዮ፥ ይሕልዎን ብግቡእ ይከናኸኖን ነበረ። እቲ ዘራእቱ ድማ ብጽቡቕ ቦቝሉ፥ ዓንቢቡ ንዝርእዮ ሓላፍ መገዲውን ከይተረፈ ዘሐጉስ ኮነ። እዚ ሸዊቱ ፈርዩ ዘሎ እኽለይ (ሥርናይ እዩ ነይሩ) እንተ ደኣ ብሰላም ተዓጺዱ፡ ኣብ ዓውዲ በጺሑ፥ ክንድዚ ኽሻ (ክንድዚ ኩንታል) ክኾነለይ ኢዩ እናበለ ሓረስታይ ሆየ! ብዓቢይ ተስፋ ይጽበ ነበረ። ግናኸ ከምቲ “ሓላዊ ሰብን፥ ሓላዊ ጓል በረኻን (ህበይ) ንሓደ መዓልቲ” ኢሎም ወለድና ዝምስሉ፡ ጸያቒ ኸሎ ከኣ፥ መብዝሕትኡ ግዜ ዝሓሰብካዮ ክሠምር፥ ቀሲንካ ክትሓድር ኣጸጋሚ እዩ። በዚ ምኽንያት ናይዚ ንፉዕ ሓረስታይ ግራት ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፥ ሓደ መዓልቲ ህበይ ስለ ዘዘንግዓቶ፥ ነቲ ካብ ግራቱ ዝጽበዮ ዝነበረ ፍረ-ተስፋ ከም ሃፋ በኒኑ ክጠፍእ ደኣ ገበረቶ። ካብ ከምዚ የድሕነና። ብድሕሪ እዚ ሓደ ካብ ኣራዊት መሮር ንህበይ፥ “ነዚ ግራት እዚ ሰብኣይሲ ብጭፍራኹም ኣቲኹም ብሓንቲ ሰዓት ኣጥፊእኩሞ፥ ብሓደ ወሰን እኳ ቁሩብ ድራር ሓንቲ ለይቲ ዘይትገድፉሉ!  ኣበየናይ ሰማይ ክትኣትዉ ኢኹም! ክብል ነቐፋ። እታ ህበይ ድማ ‘ደሓን ኣብ ሰማይ ዝኸውንሲ’ ሕጂ ደኣ “ክሳብ ሰማይ ንብላዕ ሥርናይ! በለት ይበሃል።

ክቡራን ኣንበብቲ እዚ ዘሎናዮ ወለዶን ዘሎናዮ ዘመንውን፥ ከምቲ ህበይ ዘበለቶ ክሳብ ሰማይ ንብላዕ ሥርናይ ብዝብል ምድራዊ ሓሳብ ተዋሒጡ ዝጓዓዝ ዘሎ ወለዶ እዩ ዝመስል። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ቅኑዕ ሃይማኖት ሓላፊ ንብረት ዝመርጽ፥ ክንዲ ፍቕሪ፡ ጽልኢ ምብዝሑ ፥ ኣብ ክንዲ ሓቂ፡ ሓሶት ምንጋሡ፥ ኣብ ክንዲ ፍርሓት ኣምላኽ፡ ንሰብ ምፍራሕ ምግናኑ፥ ብሓፈሻ ናይ መብዝሕትኡ ሰብ ድሌትን ሓሳባትን ብኸመይ ኣብ ምድሪ ይጥዕመኒ፥ ይሰልጠኒ፥ የሀብትመኒ፥ ንብጻየይ ጠሊመ፥ ስም ሰብውን ኣጸሊመ ብኸመይ ይቐንዓኒ ዝብል ድኹምን ድኻን ኣተሓሳስባ ዓለም ደኣ እምበር፥ ብዛዕባ ጽቡቕ ስምን ሠናይ ግብርን ብዛዕባ እምነትን ሰማያዊ ነገራትን ብዙሕ ዝግደስን ዝብህግን ዘሎ ኣይመስልን። በዚ ምኽንያት ድማ እዩ ክፉእ ግብሪ ሰይጣን ማለት ዝሙት፥ ቅትለት፥ ጣኦት፥ ኵናትን ዕንወትን በብቦታኡ እናበዝሐ ህዝቢ ዓለም ሰላምን ቅሳነትን ዝስእን ዘሎ። እቲ ቅዱስ ወንጌል ግና “ንሰብከ ብዅሉ ረቢሑስ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ እንታይ ይጠቕሞ? ሰብከ በጃ ነፍሱ እንታይ ዘይምሃበ”? እናበለ ካብ ምድራዊ ረብሓ፥ ብዝያዳ ሰማያዊ ሕይወትን በረኸትን ከም ዝበልጽ ኣነጺሩ የብርሃልና። ማቴ 16፡26።

ሓዋርያ ጳውሎስውን ኣብ መልእኽቱ “ደጊም ምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሢእኩም ኢኹም እሞ ቀልብኹም ኣብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፥ ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ግበሩ። ኣእምሮኹም ናብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኮነስ፥ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ” ዝብል ግሩም ምኽሪ ሓደገልና። ቆላ 3፡1-2። እሞኸ ናይ ምድሪ ነገር ምሕሳብ ሞት ዘምጽእ፥ ናይ ሰማይ ነገር ምሕሳብ ድማ ካብ ሞት ኣውጺኡ ናብ ሕይወት ዘብጽሕ ካብ ኮነ፥ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ሓሳብን ምርጫን ድማ ሓሳብ ክርስቶስን ኣሰር ሓዋርያት ምስዓብ ግቡእን ቅቡል ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ከምቲ ብልዒ ንኸብዲ፥ ከብዲ ድማ ንደገ፥ ዝተባህለ ከም ኤሳው ንሓንቲ ብልዒ ክብሉ፥ ብዅርነት፥ ክብረት፥ ሃይማኖት፥ ፍቕሪ ዕርክነትን ሕይወት ሰባትን፥ ዘጥፍኡ ዓመጽቲ ኣብዛ ዓለምና ስፍርን ቁጽርን የብሎምን። ሕሉፍ ሓሊፎም’ውን ገሊኦምሲ ነቲ ሓሶትን ጥልመትን ከም መንፍዓትን ናይ ኣእምሮ ብልሓትን ጌሮም ዝቖጽርዎ ዓያሹ ኣይተሳእኑን። ይኹን እምበር ኣብዛ ምድሪ እንተ ብድኽነት፥ ስእነት፥ እንተ ብሃብቲ ምስ ንብረት፥ ቝንጣሮ ዓመታትና ከም ንፋስ ቀልጢፈን ክሓልፋ እየን። ስለዚ ልብና ብጸጋ-ኣምላኽ እንተ ጸንዐ ሠናይን ዝጠቅምን ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ምኽንያቱ “ሰብ ድማ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ኩሉ ቃል ደኣ እምበር ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ” ማቴ 4፥4።

ስለዚ እምበኣር ሓሳብ ሥጋን ሓሳብ መንፈስን መጻርርቲ እዮም እሞ፥ ከምቲ “ዒራ ጽባሕ ክንመውት ኢና፥ ንብላዕ ንሥተ” 1 ቆሮ 15፡32 ብዝብል ናይ ስስዕቲ ምድራዊ ሓሳብ ከይንወሓጥ ንጠንቀቕ ሓደራ። ምኽንያቱ “በልዑን ኣዝዮም ጸገቡን፥ ከምቲ ዝተመነይዎ በሊዖም ከይጸገቡ ገና ኪበልዑ ኸለዉ፥ ኣምላኽ መዓቱ ኣውረደሎም” መዝ 78፡30 ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ፥ ኣብቲ ኣምላኽ ዘይባረኾ መኣዲ በሊዕካ ኣይትጸግብ፥ ሰቲኻ ኣይትረዊ፥ ምዃኑ ከብዚ ዝተጠቕሰ መዝሙር ክንርዳእ ንኽእል። ብተወሳኺ ብዛዕባ እዚ ነቢይ ሃጌ “እንታይ ወሪዱኩም ከም ዘሎ እስከ ኣስተውዕሉ፥ ብዙሕ ዘራእኩም፥ ሒደት ኣእቶኹም። በላዕኩም ኣይጸገብኩምን፥ ሰቴኹም ኣይረዌኹምን፥ ተኸደንኩም ኣይሞቕኩምን፥ እቲ ውዕለቱ ዜእቱ ንመነባብሮኡ ዚኣክል ኣየዋህልልን” ክብል ብስስዕቲ ሥጋ፥ ንዝጎዓዙ ግሩም መብርሂ ሓደገልና። ጎይታ ክርስቶስ ዝባረኾ መኣዲ፥ ንብረት፥ ሃብቲ ግና ብ5ተ ሕምባሻ ንልዕሊ ሓሙሽተ ሺሕ ሰባት ከጽግብ ይኽእል እዩ። እቲ ንህዝቢ እስራኤል ካብ ሰማይ መና እናውረደ ዝመገበ፥ እቲ ካብ ንቑጽ ከውሒ ጽሩይ ማይ እናኣፈልፈለ ብምድረ-በዳ ንኣርብዓ ዓመት ክዳኖም ከይበለየ ዝጓሰየን ዝመርሐን ርህሩህ እግዚኣብሔር፥ ናይ በረኸት ኢዱ ከም ዘይዓጽፍ፥ ትማልን፥ ሎምን፥ ንዘለዓለም ሕያው ከም ዝኾነ ኣይንዘንግዕ። ከምቲ ናይ ህበይ “ክሳብ ሰማይ፥ ንብላዕ ሥርናይ” ዝዕላምኡ ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዝብል ስስዕቲ ኃጢኣት ምዃኑ ተረዲእና፥ ልብና ብጸጋ-በረኸት እንተ ጸንዐ ሠናይ እዩ። ስለዚ ብእምነት፥ ብጸሎት፥ ብፍቕሪ፥ ብትዕግሥቲ፥ ብሠናይ ግብሪ ዘበለ ሰሚርና ንኣምላኽናን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንናን ብትሕትና ነገልግል። ብሩኽ ኣምላኽ ድማ መሳዅቲ ሰማይ ከፊቱ በረኸቱ ከፍስሰልና እዩ።

በሰማይ የሃሉ ልብክሙ!!!

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም

ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ሻርሎት ሰሜን ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div