S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ትማሊ ፈላሲ፡ ሎሚ ፈላሲ!

ብምኽንያት 6ይ ዓመት ስሜት ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤክ ኤርትራ ዝወጸ ስነ-ጽሑፍ

ሎሚ 25 ሚያዝያ 2010 . (17 ሚያዝያ 2002) መበል 6 ዓመተ-ሲመት ናይ 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ‘’ትማሊ ፈላሲ ሎሚ ፈላሲ’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ መንፈሳዊ ቃሎም ክንዝክሮ ከሎና፡ ውሽጣዊ ሓጎስን ከቢድ ሕድርን ሓላፍነትን ይስምዓና። ምኽንያቱ እዛ ቃል እዚአ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብሓይሊ ዓመጽቲ ሰብ ጊዜ፡ ሓላፍነቶምን ክብሮምን ተሓዲጎም፡ ብጳጳሳት ተጠሊሞም፡ ካብ ቤተ ክርስቲያንን ቅዱስ ቍርባንን ተኸልኪሎም፡ ኣብ ጽኑዕ ማሕዩር ከለዉ፡ ብፍሉይ ኣጋጣሚ ሓደ ሰብ ኣቦና! ከመይ ትኾኑ ኣሎኹም? ኢሉ ምስ ሓተቶም፡ ‘’ትማሊ ፈላሲ ሎሚ ፈላሲ እግዚኣብሔር ይመስገን! ሠናይ ኣሎኹ’’ ክብሉ መልሶም ሂቦም። እዚ ቃል እዚ ምስቲ መምህር ትዕግሥቲ ዝኾነ ኣቦና ኢዮብ ጻድቕ ብጊዜ መከራኡ ‘’እግዚኣብሔር ሃበ እግዚኣብሔር ድማ ወሰደ፡ ስም እግዚኣብሔር ይባረኽ’’ ኢሉ ዝተዛረቦ ቃል ዝመሳሰል እዩ። መሠረት ትሕዝቶ ናይ ክልቲኡ ቃላት ከኣ ሓዋርያ ጳውሎስ ‘’ነቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ከም መደቡውን ዝተጸውዑ ግና ዅሉ ንሠናይ ከም ዝድግፎም ንፈልጥ ኢና’’ (ሮሜ 828) ክብል ኣነጺርዎ ኣሎ።

ኣብ ቅዱሳት መጽሕፍቲ ከም ንረኽቦ፡ እታ ብክቡር ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ‘’ሓደ ጎይታ፥ ሓንቲ እምነት፥ ሓንቲ ጥምቀት’’ ኣብ ዝብል ጥንታዊ ከውሒ ዝተሃንጸት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንና፡ ሓዋርያትን ኩሎም ቅዱሳን ሰማዕታትን ብሕይወት ስለ ዝሓለፉላ እንሆ ሎሚ ሕድሪ እምነት ክርስትና ናብ ኩሉ ዓለም ኣስፋሕፊሑ ሕያው ፍረ ጽድቂ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። እዛ ብጊዜ መከራ መመሊሳ እትጸንዕ፥ ብጊዜ ስደት ድማ መመሊሳ ተስፋሕፍሕወልድ ዋህድእትብል ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብዚ ዓለማዊ ረብሓ ገኒኑ፡ ሥጋዊ ስስዕቲ ዓብሊሉ እምነት ብዙሓት ሰባት ዝቕህመሉ ዘሎ ፈታኒ ጊዜ እንተኾነውን ሰማያዊ ዕላማ ሒዛ ዜና ወንጌል ይደምቕ እዩ ዘሎ። ከም በዓል ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ኩሎም ናይ ዘመንና ሰማዕታትን ኣሰር ጎይታ እናሰዓቡ ምእንቲ ስም ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ጸርፍን ስደትን ዝቕበሉ፥ ማእሰርትን ሞትን ዝጾሩ፡ ምእንቲ ሕድሪ መጓሰኦም ሕይወቶም መኒኖም በጃ ዝሓልፉ፡ እሙናት መራሕቲ ከም ዘለዉ ምርኣይና ከኣ ዘየቋርጽ መንፈሳዊ ሓጎስ ይስምዕና። ‘’እቲ ተዋሂቡኩም ዘሎ ጸጋ፥ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራይ ዘይኮነስ ምእንትኡውን መከራ ኽትቅበሉ እዩ’’(ፊሊ 129) ንዝብል ቃል ከኣ የዘኻኽረና።

ክቡራን ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን፡ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብመደብ ኣምላኽን፡ ጳጳሳት ብዝሃብዎ ምስክርነትን ብሕጋዊ ምርጫ 3 ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኮይኖም ብዕለት 25 ሚያዝያ 2004 . ኣብ ቅድሚ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ቅድሚ ቤት መቕደስ እግዚኣብሔርን ምሒሎም ብወግዒ ከምዝተሾሙ ብማዕከናት ዜና ዓለም ተዘርጊሑ እዩ። ሕጋዊ መራሒና ብሕይወቶም ከለዉ፡ ስም ቅድስት ሥላሴ ረጊጽካ፡ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ኣፍሪስካ፡ ንሥልጣን ቅዱስ ፓትርያርክ ብድፍረት መንዚዕካ፡ ኣቶ ዮፍታሄ ‘’ዋና ኣማሓዳሪ እየ’’ ኣባ ዲዮስቆሮስ ድማ ‘’ኣነ ፓትርያርክ እየ’’ እንተ በሉ፡ ውርደትን ውድቀትን ደኣ እምበር ዓስብን ዓወትን ክረኽቡ ብፍጹም ዘይሕሰብ እዩ። ካብዚ ቀጺልና እምበኣር እተን ኣብ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተፈጺመን ዘለዋ 3 ዓበይቲ ግህሰት ሕግታት ማለት፡-

  1. ምፍራስ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን
  2. ምውራድ ቅዱስ ፓትርያርክ
  3. ዘይሕጋዊ ሥልጣን ዮፍታሄ

ዝብላ ንኡስ ኣርእስታት ክንዝርዝረን ኢና። በዚ ኣጋጣሚ ነፍሲ ወከፍ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ነቲ ኣብ ተዋህዶ ሃይማኖትና ኣጋጢሙ ዘሎ ዕንወት ተረዲእኩም፡ ምእንቲ ሓቅን መንፈሳዊ ሕግን ሓቢርና ክንጣበቕ እዋናዊ ጻውዒትና ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነመሓላልፍ።

ምፍራስ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን

ቤተ ክርስቲያን ናይ ባዕላ መመሓደሪ መንፈሳዊ ሕጊ ኣለዋ። ነዚ ጥንታዊ ሕጊ ድማ ማንም ሰብ ብሓይሊ ክቕይሮን ክስዕሮን ኣይክእልን እዩ። ንሓቀኛ መምርሒ ሕጊ ክርስቶስ ዘይትኽተል ቤተ ክርስቲያን ከኣ ብመገዲ ሓቂ ትጎዓዝ ኣላ ምባል ፍጹም ምትላል እዩ። ከምቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ‘’ቤተይ ንዅሎም ኣሕዛብ ቤት ጸሎት እዩ ዝስመ፡ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓሉት ገበርክምዎ’’ ዝበሎም፡ ቅኑዕ ሕጊ ቤት ኣምላኽ እንተ ፈሪሱ በዓቲ ጎሓሉን ዓመጽትን ከም ትኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን (ማር 1117) እቲ ሎሚ ኣብ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ኣጋጢሙ ዘሎ ዕንወት ድማ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ብምፍራሱ ዝመጸ ጸገም ምዃኑ ንኹሉ ሰብ ብሩህ እዩ። ብፍላይ ኣብ ኣንቀጽ 32, 37 እተን ንምሉእ ሥልጣን ቅዱስ ሲኖዶስን ሓላፍነት ቅዱስ ፓትርያርክን ዘነጽራ ዝነበራ ብምሉአን ፈሪሰን፡ ናይ ኩሉ ጉዳይ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ‘’ፈጻምን ኣፈጻምን ዋና ኣማሓዳሪ እዩ’’ ብዝብል ተተኪኡ ኣሎ።

ይኹን እምበር ከምቲ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ‘’ንሕጊ እንተ ረጊጽካዮ፡ ተመሊሱ እዩ ዝረግጸካ’’ ዝበልዎ፡ እቶም ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ረጊጾም ድሌቶም ክፍጽሙ ዝሓሰቡ ንባዕሎም ብሕጊ ተረጊጾም ካብ ኣምላኽን ሰብን ርሒቖም ብዝገብርዎ ከቢድ ጌጋ ውርደት ተጎልቢቦም፡ ብሕልናዊ ወቐሳ ወትሩ እናተሳቐዩ ይርከቡ ኣለዉ። ‘’ሕጊ ዝተሰርዐ ከኣ ንመፍረስቲ ሕጊ እዩ’’ (1ጢሞ 19) እቲ ብሓይሊ ጎነጽ ዝመጸ ውጉዝ ሕጊ ዮፍታሄ ግና ሰዓቱ ኣኺሉ መሪሕነት ዮፍታሄ ምስ ፈረሰ፡ ናብ ሓዊ ምድርባዩ ዘይተርፍ ታሪኻዊ ግዴታ ክኸውን እዩ። ስለዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ገበርቲ ሕጊ እዮም ዝጸድቁ እምበር፥ ሰማዕቲ ሕጊ ኣይኮኑን ዝጸድቁ (ሮሜ 213) 

. ተራ ጳጳሳት ‘’እንተ ዘይትደፍኣኒ መን መጽደፈኒ’’ ዝብል ምስላ ለባማት ነቲ ጳጳሳት ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ፓትርያርክ ፈጺሞሞ ዘለዉ ግህሰት ሕግን መሠረት ዘይብሉ ክስን ዘብርህ እዩ። ምኽንያቱ እቶም ንኣምላኽ ንምግልጋል ኢሎም ሞይቶም ዝተገነዙ ጳጳሳት (መነኮሳት) ፍርሕን ጥልመትን ሒዞም፡ ንሕጊ ኣምላኽን ሽመት መራሒኦምን ኣፍሪሶም፡ ንትእዛዝ ጭዋ ሰብ ክግዝኡ ምርኣይ ብሓቂ ዘሕዝን ፍጻመ እዩ። ይኹን እምበር ካብ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ምዃን ኣገልጋሊ ሰብ ምዃን ዓቢ ክሳራ ከም ዝኾነ ድሮ ተረዲእዎም ኣሎ። ከምቲ ‘’ዘኣበያ ለበረከት ትርሕቅ እምኔሁ’’ ማለት ‘’በረኸት ንዝኣበየ ብዙሕ እያ ትርሕቆ’’ ከም ዝበሃል፡ ዝነበሮም መንፈሳዊ ጸጋን ክብርን ከኣ ካብኦም ስለ ዝረሓቐ፡ ተመሊሶምውን ከም ዘይረኽብዎ ክፈልጡ ይግብኦም።

ኩልና ከም ንፈልጦ ሰይጣን ንእሽቶይ ቀዳድ እንተ ረኺቡልካ ባዕሉ እዩ ዘግፍሖ። ስለዚ ጳጳሳትና’ውን ንረብሓ ዓለማውያን ክብሉ፡ ንዘይበደሉ ኣቦኦም ወረቐት ናይ ክሲ   ብኢዶም ፈሪሞም ሂቦሞም። ብተወሳኺ ከኣ 4 ፓትርያርክ ክኾኑ ንኣባ ዲዮስቆሮስ ቀቢእናዮም ኣሎና ኢሎም፡ ካብ ኦሬንታልን ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለምን ዘርሕቖም፡ ካብ ጥንታዊ ዶግማን ሕጊ ቀኖናን ዝፈልዮም ከቢድ መገዲ ዕንወት ሒዞም ይነብሩ ኣለዉ። ኣብ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ውልቃዊ መሪሕነት ዮፍታሄ ነጊሡ ከሎ፡ ንውሉደ ክህነትን ምእመናንን ንሕና ጳጳሳት ነመሓድር ኣሎና ምባሎም ከኣ ንዓለም ምሉእ ኣገሪሙዎ ይርከብ። ንዝተጋገየ ንስሓ፡ ንዝበደለ ይቕሬታ፡ ንዝተበኣሰ ዕርቒ ከሎ እቲ ፈውሲ፡ ንመገዲ ንስሓን ጣዕሳን ተሓሲስሞም ይጎዓዙ ኣለዉ። ከምቲ ‘’ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣሕዛብ ይጽረፍ ኣሎ’’ (ሮሜ 224) ዚብል ተጻሒፉ ዘሎ እዞም ጳጳሳትውን ሕጊ ብምፍራሶም ንኣምላኽ የሕስርዎ ኣሎዉ።

. ተራ ውሉደ ክህነት፡- ‘’ ካህናት ኣዕይንተ እግዚኣብሔር’’ ዝብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ ውሉደ-ክህነት ኣብ ክንዲ እግዚኣብሔር ኮይኖም ብምስትውዓል ዝርእዩ ኣዕይንቲ፡ ኣፍ ኣምላኽ ዝኾኑ ሰበኽቲ፡ መጓሰኦም ብእምነት ዘመሓድሩ ኣገልገልቲ ክኾኑ ይግብኦም። ኩሉ ሰብ ይዕዘቦም ከም ዘሎ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘለዉ ውሉደ ክህነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ኣብዚ ናይ ፈተና እዋን ኣብ ክልተ ተመቒሎም ንረኽቦም። ገሊኦም ኣብ ሓቂ ጸኒዖም ንኣምላኽ ዘገልግሉ እዮም። ብኣንጻሩ ገለ ከኣ ንውጉዝ መሪሕነት ዮፍታሄ ተቐቢሎም ንመገዲ ዓመጽ ዝድግፉ ኮይኖም ኣለዉ። እቲ ጊዜ ይንዋሕ ወይ ይሕጸር ብዘየገድስ፡ መገዲ ሓቂ ኣብ ልዕሊ መገዲ ሓሶት ከም ትዕወት ከኣ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዚመርሑ ኸኣ ከም ከዋኽብቲ ንዘለዓልም ክበርሁ እዮም (ዳን 123)

እቲ ዘገርም ሓቂ ግና ንኢየሱስ ክርስቶስ ‘’ሓንቲ ኃጢኣት እኳ ከይገበረ፡ ኣብ ኣፉውን ሓሶት ከይተረኽበ ንበርባን ፈቲሖም ኣብ መስቀል ሰቐልዎ’’ ዝብል ጽሑፍ እንዳ ኣንበቡ ንባዕሎም ‘’ንዮፍታሄ ፈሪሖም ሰቀልቲ ፓትርያርክን ሓሰውቲ መሰኻክርንኣብ ቤት ኣምላኽ ምህላዎም እዩ። ሓዋርያ ጳውሎስካህናት ንቓል ሓቂ ትኽንትኽ ዚምህሩ ዜሐፍር ዘይብሎም፡ ብኹሉ ዝተመስከረሎም፡ ገዛእ ርእሶም ንኣምላኽ ዘወፈዩ ጽኑዓት ኪኾኑ ይግብኦም’’ (2ጢሞ 215) ዝበሎ መልእኽቲ ሕድሪ ግና ብብዙሓት ተረሲዑ ኣሎ።

. ተራ ምእመናን፡-  ከምቲ ‘’ቀላይ ካብ ዓይኒ ማይዝበሃል እቶም ሕድሪ ሃይማኖት ዝተቐበሉ ጳጳሳትን ውሉደ-ክህነትን እኳ ሓቢሮም ንመስቀሎም ጸኒዖም ደው ዘይበሉስ ካብቶም ንጹር ኣፍልጦ ናይቲ ዘጋጠመ ኵነታት ብዙሕ ዘይነበሮም ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ክገብርዎ ዝኽእሉ ውሱን እዩ። ወላኳ ብዙሓት ደቂ ቅድስት ቤተክርስቲያን በዚ ዘጋጠመ ኵነታትን ሃይማኖታዊ ዕንወትን ብልቢ ሓዚኖም ብንብዓት ወትሩ ይጽልዩ እንተ ኣለዉ፡ ሓደ ሓደ ምእመናን ግና ነታ ሓቂ እናፈለጥዋ ንእዋናዊ ረብሓ ክብሉ ኣብ ዘይምልከቶም ቦታ ኮይኖም ኣንጻር ቤተ ክርስቲያኖምን ኣንጻር ሕጊ እግዚኣብሔርን ደው ኢሎም ዝማጎቱ ኣይተሳእኑን። ይኹን እምበር ኩሉ ሰብ ገግብሩ ስለ ዝጸውር ‘’ዘኣማሰነ ቤትየ ኣነሂ ኣማስኖ! ማለት ‘’እቲ ንቤተይ ዘዕኑስ ዕንወት ክወርዶ እዩ’’ ከም ዝተበህለ፡ ምስ መለኮታዊ ኃይሊ እግዚብሔር ክማጎት ዝኽእል ፍጡር ብፍጹም የሎን። ኣብ ዕንወት ቤት ኣምላኽ ኢድካ ምሕዋስ ድማ ዘለዓለማዊ ጥፍኣት እዩ።

እምበኣርከስ ኩሎም ምእመናን ተዋህዶ ኣብዚ ናይ ፈተና እዋን ተስፋ ከይቆረጹን እምነት ከየጉደሉን ‘’ሕማቕ መዓልቲ መተዓዛዘቢት’’ ከም ዝብልዎ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ እምነት ፈተና ናብ ሰማያዊ ዓስብን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ንሰጋገረሉ ሚዛን ቕድስና ምዃኑ ክበርሃልና ይግብኦ። ኣብ ቅዱስ ወንጌልውን ‘’ስለ ስመይ ብኹሉ ሰብ ዝተጸላእኩም ክትኮኑ ኢኹም፥ እቲ ክሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ከኣ ንሱ ኪድሕን እዩ’’ ዝብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ ኣሰር ሓቅን ጽድቅን ሰላምን ሒዞም ክጸንዑ ነዘኻኽር (ማቴ 1022)

ዓመጻዊ ምውራድ ቅዱስ ፓትርያርክ፥

‘’ነቶም ሕሩያት ኣምላኽ ዝኸሶምከ መን እዩ? (ሮሜ 833) ዝብል ጽሑፍ ከም ዘሎ ብዘይጠቅም ምኽንያታት ንቅዱስ ፓትርያርክ ብዕልዋ ከተውርድ ምፍታን ሳዕቤኑ ቀሊል ነገር ኬርካ ምርኣይ ግቡእ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ላዕለዋይ መራሒ ቤት እግዚኣብሔርሲ ይትረፍ ላዕለዋይ መራሒ ቤተ መንግሥቲውን እንተኾነ ብቐሊሉ ከተውርዶ ዝከኣል ከም ዘይኮነ ንኹሉ ሰብ ብሩህ ይመስለና። እተን ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝወረዳ ሽዱሽተ ናይ ተንኮል ክስታት ድማ መሠረት ይኹን ጠንቂ ምውራድ ክኾና ብፍጹም ኣይክእላን እየን። እኳ ደኣ ኣብ ሓዋርያዊ ሥርሖም ብሓቂ ዘንእዶም ስጉምቲ ከም ዝወሰኑ ዘረጋግጻልና ዝተፈላለያ ጉዳያት እየን። ኣቦና ዳዊት ‘’ንሱ ቕቡእ እግዚኣብሔር እዩ እሞ፥ ኢደይ ንጎይታይ ክቐትል ኢለ ኣየልዕልን እየ’’ ከምዝበለ፡ ኣብ ልዕሊቲ ቅቡእ እግዚኣብሔር ብድፍረት ኢድካ ምልዓል ከኣ ፍርድን ኵነኔ ኣለዎ (1ሳሙ 2410)

ቀዳሞት መንፈሳውያን ኣበው ኣነ ብቑዕ ኣይኮንኩን እናበሉ ካብ ሽመት ሓላፍነት ሃዲሞም ይስወሩ ከም ዝነበሩ ማንም ሰብ ዝፈልጦ ቅዱስ ታሪኽ እዩ። እዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ግና ‘’እስመ ፍቅረ ሲመት ደዌ ሰይጣናዊት’’ ከምዝበለ ፍትሓ ነገሥት ’’ቤት ኣምላኽ ንኽመርሑ ዝተቐብኡን ብሕጊ ዝተሾሙን 3 ቅዱስ ፓትርያርክ ብዘይ ሕጊ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ከሲስካ ከተውርዶ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድፍረትን ኃጢኣትን እዩ። እቶም ሰይፊ ዘልዕሉ ብሰይፊ እዮም ዝጠፍኡ ዝብል ጥቕሲ ከምዘሎ ‘’ዓመጽ ዝገብሩ ድማ ኣብ ኢድ ዓመጽቲ ሰባት’’ እዮም ዝወድቁ። ስለዚ ‘’ገባሪ ጽቡቕ ክንደይ ከይሓስሞ፥ እንተ ገባሪ ክፉእ ግና ክንደይ ከይጥዕሞ’’ ከም ዝበሃል፡ እቲ ተፈጺሙ ዘሎ ዘይመንፈሳዊ ስነ-ምግባር ፍርዲ ሰብ ስለ ዝኾነ፡ ንፍትሓዊ ኣምላኽ ብትዕግሥትን ጸሎትን ሃዲእካ ምጽባይ የድሊ። ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ግና ‘’ትማሊ ፈላሲ ሎሚ ፈላሲ’’ ብዝብል ሕያው ቃል-ተስፋ ተጸናኒዕም ብብሕትውናን ምናኔን ምስ ኣምላኾም ብቕሳነት ይነብሩ ኣለዉ።

3.ዘይሕጋዊ ሥልጣን ዮፍታሄን ዘስዓቦ ዕንወትን

እዋኑ ዝሃቦ ሓምሓም ከውሒ ይሰብር’’ ከም ዝበሃል፡ ጊዜኡ ዝሃቦ ዮፍታሄ ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ጳጳሳትን ውሉደ ክህነትን፥ ገዳማትን ኣብያተ ክርስቲያናትን፥ ሃብትን ንብረትን ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራዋና ኣማሓዳሪብምዃን፡ ገባርን ሓዳግን ፈጻምን ኣፈጻምን ኮይኑ ብሕጊ ኣልቦነት ሥልጣን ጨቢጡ ይርከብ። ይኹን እምበር ኣብ መጽሓፈ ብሉይ ኪዳን 2 ዜና 2616-23 ተገሊጹ ከም ዘሎ፡ እቶም ካህናት ንዖዝያን ‘’ ዖዝያን ንእግዚኣብሔር ዕጣን ምዕጣንሲ ናይቶም ኪዓጥኑ ዝተቐደሱ ካህናት ደቂ ኣሮን እምበር ናትካ ኣይኮነን’’ እናበልዎ ምስማዕ ኣብዩ ብድፍረት ናብ ቤት እግዚኣብሔር ዕጣን ኪዓጥን ዝኣተወ እሞ ብሕማም ቆርበት ዝተቐዝፈ ሰብ፡ ዘይግብኣካ ሥልጣን ቅዱስ ፓትርያርክ ምምንዛዕ ከኣ መቕዘፍቲ ዘስዕብ ድፍረት እዩ። ስለዚ ሥልጣንን ክብርን ፓትርያርክ ‘’ከም ኣሮን ብኣምላኽ ዝተጸውዐ እምበር፥ ነዚ ኽብርዚ ባዕሉ ኪወስዶ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን’’ (ዕብ 54)

ኩልና ከምንፈልጦ እቲ ብምኽንያት ዘይሕጋዊ ሥልጣን ዮፍታሄን ኣባ ዲዮስቆሮስን ኣብ ልዕሊ ጥንታውያን ገዳማትና፥ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናትን ብዝያዳ ድማ ኣብቶም ውፉያት መራሕትን እሙናት ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ወሪዱ ዘሎን፡ ገና ድማ ዝቕጽል ዘሎን ዕንወታት ቆጺርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ሓዋርያ ጳውሎስ ‘’ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ’’? ክብል ከም ዝገለጾ ካብቲ ሓቀኛ ሰማያዊ ዕላማ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንና ስደት ይኹን ጥሜት፥ ማእሰርቲ ይኹን ሞት ብሓይሊ ክፈልዩና ከም ዘይክእሉ እቶም ዳንጋ ሰብ ዝሓዙ ጠለምቲ ክፈልጡ ይግባእ። ሰይጣን ከኣ ነቶም ሃይማኖቶም ዝጠለሙ እናኣቀባጠረ ኬስሕቶም እዩ። እቶም ብሓቂ ንኣምልኾም እሙናት ዝኾኑ ግና ኪብርትዑን ኪቃወሙን እዮም (ዳን 1132)

መጠቓለሊ

ክቡራን ምእመናን ሕዝበ ክርስቲያንን ውሉደ ክህነትን፡ ቅዱሳን ናይ እምነት ኣቦታትና ከም ዝመሃሩና፡ ብጊዜ ጸበባ ይኹን ብጊዜ ራህዋ ‘’ኣብ ኢድ ሰብ ካብ ምውዳቕሲ ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ምውዳቕ ይሕሸና! እዩ (2ሳሙ 2414) ስለዚ እቶም ጸርፍን ውርደትን እናተቐበልኩም ኣብ ቅኑዕ መገዲ ኣምላኽ ዘሎኹም ጽንዑ። ነቶም ካብ እግዚኣብሔር ሸፊቶም ዘለዉ ድማ፡ ንሕና ከም ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልገልቲ መጠን ‘’ ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ እናበልና ንልምነኩም ኣሎና’’ (2ቆሮ 520) ምኽንያቱ ‘’ሰብ ንሰብ እንተ በደሎስ ኣምላኽ የተዓርቖ፥ ሰብ ንእግዚኣብሔር እንተ በደሎ ግና መን የማልደሉ? ንዝብል ቃል ምእዛዝ ሠናይ ነገር እዩ (1ሳሙ 225) ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝተኣመነኒ ኹሉ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ። ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሓደኒ ግና፥ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ’’ ከም ዝበለ እዚ እሙን ቃል ሕይወት ንኹሉ ሰብ ከነዘኻኽር ንደሊ (ማቴ 1032)

መከራና ኣብ ምድሪ ዓስብና ኣብ ሰማይ!

ደቂቀ-እንጦንዮስ ተመሃሮ መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ቴክሳስ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ

ምሉእ ጥዕናን ረድኤትን ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ!

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div