S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እግዚኣብሔር ዚጸልአን ሾብዓተ ነገራት!

እግዚኣብሔር ማለት ፍቕሪ ማለት ምዃኑ ዝኾነ ሰብ ክፈልጦ ዝግባእ መባእታዊ ትምህርቲ ክርስትና እዩ። ‘’ፍቅር ሰሓቦ ለወልደ ኣምላኽ እመንበሩ ወኣብጽሖ እስከ
ለሞት’’ ትርጉሙ ‘’ንወዲ ኣምላኽ ካብ መንበሩ ፍቕሪ ሰሓቦ፥ ክሳብ ሞት ከኣ ኣብጽሖ’’ ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ልዑል ኣምላኽ ፍቕሪ ወዲ ኣዳም ስለ ዝገደዶ ካብ ቅድስት ማርያም ተወሊዱ፡ ብስቕለቱን ሞቱን በጃ ኮይኑ ሕይወት ሃበና። ስለዚ ኣምላኽ ንዓና  ንህዝቡ ብሓቂ ከም ዘፍቅረና ዘካትዕ የብሉን። እግዚኣብሔር ዝጸልኦ ነገር ክንብል ከሎና ከኣ ኣምላኽ ቅዱስ እየ እሞ ቅዱሳት ኩኑ፥ ከም ዝበለ ንጽህናን መገዲ ቅድስናን እንተ ዘይሒዝና ምሳና ሕብረት የብሉን ማለት እዩ። እዚ ከኣ ምስ ሕዝቡ ጽልኢ ኣለዎ ማለት ዘይኮነስ ነቲ ሕማቕ ግብርና ዝጸልኦ። ብዛዕባ እዚ ነቢይ ኢሳይያስ ‘’እቲ ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም  ኮይኑ ዝፈላልየኩምሲ ኣበሳኹም እዩ። ከይሰምዓኩም ኣብ ቅድሜኹም ኮይኑ ገጽ እግዚኣብሔር ዚሓብኣልኩም ዘሎ ድማ ኃጢኣትኩም እዩ’’ ይብል ኢሳ 582 ስለዚ ብሠናይ ግብርና ምስ ኣምላኽ ክንሠምር፥ በቲ ሕማቕ ስራሕና ድማ ምስ ሰይጣን ክንተሓባበር ነጻ ምርጫ ኣብ ቅድሜና ተነቢሩልና ኣሎ።

እምበኣር እግዚኣብሔር ዝጸልአን ሾብዓተ ነገራት ብዝብል ኣርእስቲ ኣሕጺርና ክንዝርዘር ከሎና ንርኹስ ናይ ኃጢኣት ስራሕ ንምግላጽ ደኣ እምበር፥ ኣምላኽ ንደቂ ኣዳም ገና ኃጥኣን ከሎና ከም ዝሞተልና ንፈልጥ ኢና። ይኹን እምበር ንቖልዓ ምስ ኩሉ ርስሓቱ ከሎ ተፍቅሮን ትሓቝፎን ምስ ዓበየ ግና ምስ ሽንቱን ርስሓቱን ክመጸካ ኣይትደልዮን ኢኻ። ስለ ዝኾነ ከኣ ኣምላኽ ጻድቕ እዩ እቲ ጽድቂ ዝገብር ድማ ወዲ ኣምላኽ እዩ። ዝኾነ ሰብ ድማ ንጌጋታቱ ብንስሓ ክሓጽቦ ሥሩዕ ትእዛዝ ኣምላኽ እዩ። እቲ ባርያ ሰይጣን ኮይኑ ብኃጢኣት ዝነብር ግና ንኣምላኽ ገና ኣይፈለጦን ማለት እዩ። እወ ብርሃን ምስ ጸልማት፥ ሓቂ ምስ ሓሶት፥ ጽድቂ ምስ ኃጢኣት፥ ስምምዕ ስለ ዘይብሉ፥ እቲ ጻድቕ እግዚኣብሔር ድማ ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ሡር ናይ ኃጢኣት ዝኾኑ ሕማቕ ስርሓት ብሓቂ ዝፍንፍኖም ምዃኑ ተረዲእና ብንስሓ ክንምለስ ብማለት ኣቕሪብናዮም ኣሎና። እተን እግዚኣብሔር ዝጸልአን 7 ነገራት ድማ፡-

  1. ዕቡይ ዓይኒ፡- ትዕቢት ኣቐዲሙ ንሳጥናኤል ዘውደቐ ሡርን መሠረትን ናይ ኃጢኣት ምዃኑ ኩልና ክንፈልጦ የድሊ። ኣብ ቅዱስ ወንጌል ተገሊጹ ከም ዘሎ፡ ናይ ሰብነትካ መብራህቲ ዓይንኻ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ኾነት ኵሉ ሰብነትካ ብሩህ ይኸውን፣ ዓይንኻ ሕሙም እንተኾነ ግና ሰብነትካ ጸልማት ይኸውን። ሉቃ 1134 ስለዚ ብትዕቢት ዓይኑ ዝጸልመተ ሰብ ኹሉ ኣካላቱ ሕማም ትዕቢት ኣጥቂዕዎ ከምዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ ከኣ ሕይወቱ ይኹን ባሕርያቱ ብትዕቢት ዝተመልአ ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን። ዕቡይ ዓይኒ ክበሃል ከሎ ድማ ብኣንነትካ ንልዑል ኣምላኽን ንከማኻ ክቡር ወዲ ሰብን ምስትንዓቕን ንዝረኣኻዮ ሥራሕ ምንእኣስን ምውቃስን የጠቓልል። እዚውን ዓቢ ኃጢኣት ምዃኑ ንርዳእ። ምኽንያቱ ዕቡይ ዓይኒ ዝሓዘ ሰብ ኃጢኣትን ጌጋታትን ናይ ካልኦት ሰባት ደኣ እምበር ናይ ገዛእ ርእሱ ጉድለትን ርኽሰትን ብፍጹም ኣይረኣዮን እዩ። እቲ ብሃብቱ፥ ብንብረቱ ብሥልጣኑን ደረጃ ትምህርቱን ዝተነፍሐ ሰብ ከኣ ኣብ ገምገም ውድቀት ከም ዘሎ ክርዳእ ይግብኦ። ዕቡይ ዓይኒ ንዘለዎ ሰብውን እግዚኣብሔር ይፍንፍኖ እዩ።
  2. ሓሳዊት መልሓስ፡- ኣቦታትና ‘’ሓሶት ርእሰ ዓመጻ እያ’’ ይብሉ። ብሓቂ ድማ ብሰንኪ ሓሶት ዝጠፍአ ሕይወትን ዝዓነወ ንብረትን መቑጸሪ ዝርከቦን ኣይኮነን። እቲ ‘’ኣፉን መልሓሱን ዚሕሉ ሰብ ካብ ጸበባ ይድሕን’’  ከም ዝበለ ጠበበኛ ሰሎሞን ንመልሓሱ ክቆጻጸር ዝኽእል ሰብ ብቑዕ ሰብኣይ እዩ። ምሳ 2123 ብሓቂ ከኣ ሓሶት ከቢድ ሓጢኣት እዩ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንባሕርይ ሰይጣን ኪገልጾ ከሎ ‘’ንሱ ካብ መጀመርታ ሓሳዊ እዩ። ንሓሶትውን ኣቦኣ ስለዝኾነ ኪዛረብ ከሎ ካብ ርእሱ እዩ ዝዛረብ’’ ይብለና። ዮሓ 844 ንሕና ግና ኣቦና ክርስቶስ እዩ። ክርስቶስ ድማ መገድን ሓቅን ሕይወትን ምዃኑ ብሰፊሑ ተገሊጹልና እዩ። ስለዚ እምበኣር እግዚኣብሔር ነታ ሰይጣን ዝጥቀመላ ሓሳዊት መልሓስ ብሓቂ ይጸልኣ እዩ። ሓዋርያ ያእቆብ ከኣ ‘’ካብ ሓደ ኣፍሲ ምስጋናን መርገምን ይወጽእ። ኣኅዋተየ እዚ ከምዚ ክኸውን ኣይግባእን እዩ። ዔላዶ ካብ ሓንቲ ዓይኒ ጥዑም ማይን መሪር ማይን ትፍልፍል እያ? ካብ ሓደ ኣፍ ድማ ሓቅን ሓሶትን ክወጽእ ፍጹም ኣይግባእን እዩ’’ ይብል።  ስለዚ እግዚኣብሔር ንሓሳዊት መልሓስ ይፍንፍና እዩ።
  3. ንጹህ ደም ዘፍስሳ ኣእዳው፡- ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እቶም ‘’ሰይፊ ዘልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ እዮም ዚጠፍኡ’’ ማቴ 2652 ብዝበሎ ቃል መሠረት መንግሥቲ እግዚኣብሔር ብእምነትን ምሕረትን ዝቖመት ደኣ እምበር ብኵናትን ቅትለትን እትሰፍን ኣይኮነትን። ስለዚ ካብቲ ኣነ ክርስቲያን እየ እናበለስ ኣብ ዓመጽን ደም ምፍሳስን ዝሳተፍ ሰብ እቲ ዘይኣምን ሰብ ብዝያዳ ይሓይሽ። ምኽንያቱ ወዲ ከልቢ እንተ ተናኸሰ ባህርያዊ ሥርሑ እዩ። ወዲ በጊዕ እንተ ተናኸሰ ግና ብጣዕሚ ዘገርምን ዘስደምምን እዩ። ንሕና ክርስቲያን ከኣ ደቂ ክርስቶስ ብምዃንና ብሠናይ ግብርን ልባዊ ፍቕርን ኣብነት ክንከውን ደኣ እምበር ኣእምሮና ብጽልኢ ኣእዳውና ብደም ምፍሳስ ክረክስ ግቡእ ኣይኮነን። እወ ሰይጣን በጀካ ከዕኑን ክቐትልን ጥራይ እንተ ዘይኮይኑ፥  ሰላም ክገብር ኣይመጽእን እዩ። እቶም ሰዓብቲ ሰይጣን ኮይኖም ከም ቃየል ንጹህ ደም ኣሕዋቶም ዘፍስሱ ድማ ብምድርን ብሰማይን ፍርዲ ከም ዘለዎምን ብእግዚኣብሔር ድማ ፍንፉን ስራሕ ከምዝኾነን ፍሉጥዩ።
  4. እኩይ ምኽሪ ዝፍሕስ ኣእምሮ፡- ሠናይ ምኽሪ ካብ መንፈስ ቅዱስ እዩ ዝምንጩ። እኩይ ምኽሪ ድማ ካብቲ ምንጪ ኩሉ ኃጢኣት ዝኾነ ዲያብሎስ እዩ ዝብገስ። ኣብ ቅዱስ ጽሑፋትውን ‘’ክፉእ ካብ ክፉኣት እዩ ዝወጽእ’’ ዝብል ትንቢት ስለ ዘሎ ክፉእ ምኽሪ ዝፍሕስ ኣእምሮ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብጣዕሚ ጽዩፍ እዩ። ኣብ ልሙድ ኣዛራርባ ሕብረተ-ሰብናውን ንሥራሕ ዘይተዓደለ ኣእምሮ ኽፍኣት ንክፍሕስ መወዳድርቲ የብሉን ይበሃል። ስለዚ ኣእምሮና ንኽብሪ ኣምላኽን ንረብሓ ደቂ ሰባትን እንተ ዘይኣውዒልናዮ ሰይጣን ንኸንቱ ዝኾነ ሕማቕ ስራሕ ክጥቀመሉ ከም ዝኽእል ክንፈልጥ የድሊ። ብዛዕባ ምኽሪ ክለዓል ከሎ ክልተ ዓይነት ምኽሪ ከም ዘለዉ ምፍላጥ ጠቓሚ እዩ። ንሱ ድማ ጎዳኢ ምኽርን ጠቓሚ ምኽርን ኢልና ኣብ ክልተ ክንምድቦ ንኽእል። እምበኣር ነዚ ተረዲእና ናይቶም እኩይ ምኽሪ ዝፍሕስ ኣእምሮን ሓሳባትን ተቐቢልና ንገዛእ ርእስና ከይንጎድእሲ፡ በቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝወሃበና ሠናይ ምኽሪ ክንመላለስ ንጽዓር። 1ጴጥ 21
  5. እኩይ ንምግባር ዝቕልጥፋ ኣእጋር፡- ኣቦና ዳዊት ናብ ቤት እግዚኣብሔር ንኺድ ምስ በሉኒ ተሓጎስኩ ይብል። መዝ 1221 ንሕናኸ ሎሚ ኣእጋርና ናበይ ንኽንከይድ ኢና ነቐልጥፈን ዘሎና? ናብ መገዲ ጽድቂዶ ወይስ ናብ መገዲ ጸይቂ? እስከ ኣጸቢቕና ንሕሰብ። ብዛዕባዚ ንጉሥ ሰሎሞን ናብ ቤት መስተ ካብ ምኻድ ናብ እንዳ ሓዘን ምኻድ ዓቢይ ረብሓ ኣለዎ ይብል። መክ 74 እወ ከምቲ ‘’ኣእጋር እቶም ሠናይ ዜና ዜበሥሩ ክንደይ ጽቡቕ እዩ’’ ዝተባህለ ኣእጋር እቶም እኩይ ንምግባር ዝቕልጥፉ ድማ ከቢድ መዓት እዩ። ሮሜ 1015 ስለዚ ኣእጋርና ኣብ መገዲ ዓመጻ ይመላለሳ ከይህልዋ ንጠንቀቕ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ከኣ ነተን ኣኩይ ንምግባር ዝቕልጥፋ ኣእጋር ብሓቂ ይፍንፍነን እዩ።
  6. ሓሶት ዚዛረብ ሓሳዊ ምስክር፡- ኣብ መጽሓፈ ምሳሌ ‘’ሓቀኛ ምስክር ሕይወት የድኅን፡ ሓሶት ዚዛረብ ግና ሰብ ይኽሕድ’’ ይብል። ምሳ 1425 ኣብ ስቕለት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዙሓት ሓሰውቲ መሰኻኽር ከም ዝቐረቡ፡ እንተ ኾነ ግና ካብኣቶም ክልተ ጥራይ ቃሎም ከም ዝሃቡ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ኣንቢብና እንርድኦ ሓቂ እዩ። ማቴ 2660 ካብቲ ዘሕዝን ነገር እዞም ክልተ ሓሰውቲ መሰኻክር ሰባት፡ ንኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣቕተሉ ንእስቲፋኖስ ሊቀ-ዲያቆናትውን ከምኡ ‘’እዚ ሰብ እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ቅዱስ ስፍራን ኣብ ልዕሊ ሕጊ ሙሴን ቃል ጸርፊ ካብ ምዝራብ ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን’’ ክብሉ ናይ ሓሶት ምስክርነት ኣቕሪቦም ከም ኸሰስዎ ተገሊጹ ኣሎ። ግሓ 613 ብዛዕባ ሓሳዊ ምስክር ከነልዕል ከሎና እቲ ኣብ ልዕሊ ናቡቴ እዝራኤላዊ ዝተፈጸመ ገበንን እቲ ኣብ ልዕሊ ሶስና ዝወረደ ናይ ሓሶት ምስክርን ሕያው ኣብነት ክኾነና ይኽእል እዩ። 2 ነገ 2118 ኣብ ምስላ ሃገርናውን ብላዕ ንኸርስኻ ፍረድ ንነብስኻ ዝብል ግሩም ማዕዳ ኣሎ። ስለዚ በታ ጽባሕ ትዕጸፍ መልሓስ ሓቂ እምበር ሓሶት ክንምስክር ኣይግባእን። እግዚኣብሔር ድማ ንሓሳዊ ምስክር ከም ዝፍንፍኖ ብሰፊሑ ተገሊጹልና ኣሎ።
  7. ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዝዘርእ ሰብ - ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዝዘርእ ሰብ ሞት ይዓጽድ። እቲ ፍቕሪ ዝዘርእ ሰብ ድማ ሕይወት ይረክብ። ቅዱስ ወንጌል ውን ገበርቲ ሰላም ውሉድ ኣምላኽ ክበሃሉ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም ይብል። ማቴ 59 ስለዚ እምበኣር ባእሲ ዝዘርእ ምሳሕ ሰይጣን የዳሉ ኣሎ ማለት እዩ። ኣብ መንጎ ኣሕዋት ፍቕሪ ዘንግሥ ከኣ ንእግዚኣብሔር ድራር ከም ዝቕርበሉ ሰብ ምዃኑ ክንስሕቶ ኣይግባእን። ሓዋርያ ጳውሎስውን ‘’ኣይትጠበሩ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ። ሰብ ነቲ ዝዘርኦ እዩ ዚዓጽድ’’ ይብል። ገላ 67 እወ ዘርእና ጽቡቕ ፍረ ምእንቲ ክፈሪ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ይኹን ኣብ መንጎ ካልኦት ውልቀ ሰባት ወትሩ ሠናይ ፍረን ናይ ሰላም ተኽልን ደኣ ንዝራእ። ከምቲ ‘’ሓዊ ዝሓቖፈ ሰብዶ ኣይነድድን እዩ?’’ ዝብል ጽሑፍ ዘሎ፥ እቶም ባእሲ ዝዘርኡን ጽልኢ ዝቑስቁስን ድማ በቲ ዝኣጎድዎ ጽልኢ ክጉድኡ ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኮነን። እግዚኣብሔር ከኣ ነቶም ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዝዘርኡ ብሓቂ ይጽየፎም እዩ። ካብቲ እግዚኣብሔር ዚጸልኦ ነገራት ርሒቕና ብመገዲ ሕይወት ክንመላለስ ኣምላኽ ብጸግኡ ይደግፈና።

ብእዝራ ጸሓፊ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div