S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ተስፋ (2ይ ክፋልን መወዳእታን)

ንተስፋ ዘዕን ነገራት

 ኣንጻር ተስፋ፡ ተስፋ ምቑራጽ ይበሃል፡ ኣብ ከምዚ ኩነታት ዘብጽሓና ቀንዲ ድማ ውዲት ሰይጣን እዩ። እቲ እትትስፈዎ ነገራት ዘይከውን ዘይብጻሕ ኢልካ ምስ እትጠራጠር እምነት ምስ እተጎድል ሳዕቤኑ ተስፋ ምቑራጽ ይበሃል። ከም ነዳዲ ዝወድኤት መኪና ኣብቲ ክትበጽሖ ዝግብኣ ቦታ ዘይትበጽሕ እምነት ምስ እተጎድል ድማ ኣብቲ ቦታ-ተስፋ ኣይትበጽሕን። ዕላማ ናይ ሓደ ክርስትያን እምበኣር ናይ ዘልዓለም ህይወት ምውራስ እንድዩ፡ ተስፋ እንተቖሪጹ ግን ካብኡ ይተርፍ ማለት እዩ። እቲ ዕላማ እምበኣር ከምቲ ኣብ 1 ቈረ 29 ዘሎ  እቲ ዓይኒ ዘይረኣየቶ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ  ሰብ  ድማ  ዘይተሐስበ፡  ኣምላኽ  ነቶም  ዜፍቅርዎ (ዝኣመንዎ) ኣዳለወሎም፡…” ዝብሎ፣ ነዚ ኣኽሊል ዓወት' ንምርካብ እዩ።

ካብቲ ቀንዲ ተስፋ ዘቑርጸና ነገራት እምበኣር ብሓጥያትና ዘይምንሳሕ እዩ። ሰይጣን ብሓጥያትና ጌሩ ክገዝኣና ይደሊ። ብመቑሕ ሓጥያት ኣሲሩ መውጽኢ ከምዘየብልና ሕልናና ኣዕሪቡ ደጊም ኣኺሉካ እዩ ይብለና። እንበዓል እከለ እንታይ ክብሉኻ ወይ ከኣ ጊዜ ኣሎካ ተርክበሉ እናበለ የታልለናን የዕብደናን። ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ዝኾነ ምስጢራት / ቅዱስ ቑርባን እዩ። ብምትላል ናይ ሰይጣን ክንደይ ኢና ካብኡ ሪሒቅና ዘሎና? ዋእ! ንእሽተይ እንዲኻ! ተርክበሉ!  እናተባህለ ካብ መኣዲ ኣምላኽ ርሒቑ ዝርከብ ብዙሕ ህዝቢ እዩ። ካብ / ምርሓቕን ኣብ ምሥጢራት ዘይምስታፍን  ማለት ናይ ቀቢጸ ተስፋ መንገዲ ምውሳድ ማለት እዩ። ቤተ ክርስትያን ንኣማኒ ብምክፋል ቅዱስ ምሥጢራት እያ ተደልድሎን ኣብ ናይ ዘልዓለም ተስፋ እተብጽሖን።

ብእምነት ኣብ ናይ ዘልዓለም ህይወት ንኽንኣቱ ተስፋ ንገብር፡ በቲ እንትስፈዎ ዓስቢ ድማ እናሓለንናን እናስተንተንናን እምነትና ነጸንዕ። ብምዕቓብ እምነት ድማ ናብ ዝተተስፎናዮ ቦታን ተቐሪቡልና ዘሎን ዓስቢ ንበጽሕ። ኣብ 1 ቆረ 910  ወይስ ብሱሩምእንታናዶ ኣይኰነን ዚብሎ ዘሎ፧ እቲ ዚሓርስ ብተስፋ ኺሓርስ፡ እቲ ዜኽይድ ከኣግዲኡ ኺረክብ ብተስፋ ኬኽይድ ዚግብኦ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታና እዩ እዚ ተጽሒፉዘሎ።

ዘይምፍላጥ ድማ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ተስፋ ዘቑርጽ እዩ።ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ” (.ሆሴእ 46) ይብል። ዘይምፍላጥና ንሓሶት-ሰይጣን ከም ቅኑዕ ጌርና ክንቅበሎ ንኽእል ኢና። ናብ መንገዲ ጥፍኣት ይመርሓና። ምስ ጠፋእና ድማ ተስፋ ንቖርጽ፡ እሞ ኣብ ዘየድሊ ስጉምቲ ንኣቱ።

ካብ ባዕላዊ ትምክሕቲ (ኣንነት) ድማ ክንጥንቀቕ ይግባእ ፍልጠትናን ትምኽሕትናን ብኣምላኽ ከኸውን ኣለዎ። ኣብ ሮሜ 52-5 ብእኡ ኸኣ ናብዚ ዘሎናዮ ጸጋብእምነት ምእታው ዝረኸብና፡ ብተስፋ ኽብሪ ኣምላኽውን ንምካሕ ኣሎና።ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡በዚ ጥራይ ኣይኰነን። ትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡ በቲ እተዋህበናመንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርንእያ። ስለዚ ኣብ ኣምላኽ እንተ ኮይኑ ትምክሕትና ኣይክንሓፍርን ኢና።

ልዕሊ ኹሉ ካብተን ቀንዲ ተስፋ እተቁርጽ ድማ ኣምላኻዊ ፍቕሪ እንተዘየብልና እያ። ኣብ 1 ቈረ 1313  ሕጂ ግና እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ እዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን  እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ።ስለዚ ብዘይ ፍቕሪ ክርስትያን ኢና ክንብልውን የብልናን። ብምልእታ ምዕራፍ 13 1 ቈረ.  እንታይነት ፍቕሪ ንኽርድኣና ነንብባ። እዘን ሰለስት እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ ፍረ መንፈስ ቅዱስ እየን። ይብል .ጹሑፍ ኣብ ቆሎሰ 314 “ኣብ ልዕሊ እዚ ዂሉውን ፍቕሪ፡ ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ፡ ልበስዋ።ስለዚ ተስፋ ብዘይ ፍቕሪ ኮንቱ እያ። እምብኣርስ  ከምዚ ዝበለት ተስፋ ስለ ዘላትና፡ ብብዙሕ ትብዓት ንዛረብ ኣሎና፡ 2 ቆረ 312

መደምደምታ

እታ ኣብ .ማር. 425 ንብዙሕ ዓመታት ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ዝነበረት ሰበይቲ እምነት፡ ብተስፋ ብፍቕሪ ክርስቶስ ጌራ ሓወየት። እሞ ንሕና ውን ካብቲ  ብዝተፈላለየ መገዲ ደም ዝነዝዕ ዘሎ ልብና ክንድሕን ህይወት ክንረክብ  ተስፋ ምቑራጽ ንሕደጎ ብፍቅሪ ኣምላኽ ንእመን። ብዝተኻእለና ኣብ ቤት ኣምላኽ ንምጻእ እሞ ምስጢራቱ ንሳተፍ ንኽርስቶስ የፍቅሮ እየ ንመርዓቱ (/) ግን ኣይፈትዋን እየ ምባል ንሕደጎ። ሮሜ 8 35-39 “ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ ከመዮ፡ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣሎና፡ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ ኣሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።ተስፋና ድማ ኣብኡ እዩ።

ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣዚኹም ብተስፋ ምእንቲ ኽትህብትሙስ፡ እቲ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ኲሉ ሓጐስን ሰላምን ዘበለ ብእምነት ይምላእኩም (ሮሜ 1513)

ናይ በረኸት ጾም ይግበረልና።
ኣምላኽ ንዘልዓለም ዝተመስገነ ይኹን!

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div