S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ተስፋ (1ይ ክፋል)

ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል ኣሎኹ። ንሱ ርእስኻ ክጭፍልቕ ኢዩ፡ ንስኻ ድማ ሸኾናኡ ኽትነክስ ኢኻ በሎ።” (ዘፍ 315) እታ ቀዳመይቲ ተስፋና

ምሥጢረ ሥጋዌ ሓንቲ ካብተን ሓሙሽተ ኣዕማደ ምሥጢራት እያ: ንሳ ከኣ ነዘን ዝስዕባ ሓሙሽተ ነገራት ተጠቓልል። 1) ተስፋ 2) ትንቢት 3) ትጽቢት 4) ብስራት 5) ልደት፡እቲ ቓል ሥጋ ኮነ ጸጋን ሓቅን መሊኡዎ ድማ ኣባና ሓደረ።” (ዮሓ 114)

እሞ ነታ ቀዳመይቲ ዓንቀጽ ተስፋ እትብል እምበኣር ንርአ። ኣብ ዓለም ብተስፋ እንጽበዮ ብዙሕ ነገራት ኣሎና። ንኣብነት ደቅና ዓብዮምን ተማሂሮምን ኣብ ቁምነገር ክበጽሑ ብተስፋ ንጽበ። ኣብ ስራሕና ዶሞዝ ክንውሰኽ ብተስፋ ንጽበ፥ ጥዕና ረኺብና ክንድቅስ ክንትንስእ ብተስፋ ንጽበ ወዘተ…. ኣብ ዓለም ኩሉ እንገብሮን እንሰርሖን ብተስፋ ዝተሰነየ ኢዩ። ተስፋ እንተዘየብልካ ትርጉም ህይወትውን ይጠፍኣካ፡ ተስፋ ዘየብሉ ስጉምቲ ድማ ትስጉም። መወዳእታኡ ድማ ጥፍኣት ይኸውን። ንምዃኑ ተስፋ ማለትሲ እንታይ ማለት እያ፧ እታ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብባህርያታ ተሰሪታ ዘላ ተስፋ እንብላ፡ ኣቐዲሙ ሓዋርያ ጳውሎስ ነቲ ዚርእዮስ ተስፋ ዚገብሮኸ መን ኣሎ፧  ከም ዝበለ፡ነቲ በዒንትና ዝረኤናዮ፡ ኣብ ኢድና ዝጨበጥናዮ ዘይኰነስ፡ ነቲ ብእዝንና እንሰምዖ፡ ወይ ኣብ ጽሑፍ እነንብቦ፡ ሰናይ ነገር፡ ሓደ መዓልቲ ክፍጸመለይ ይኽእል እዩ ኢልና፡ ብልብና ኣሚንና እንጽበዮ ነገራት ኢና ተስፋ እንብሎ። ሮሜ 824

ብርግጽ እቲ ኩሉ ተስፋ እንገብሮ ክፍጸም ይኽእል እዩ ኣይንብልን። ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ልብና ዘብቆልናዮ ተስፋታት ክዀነልና እንምነዮ ባይታ ዘየብሉ ተስፋታትና ኣብ ሕይወትና ስለ ዘሎ። ንኣብነት:ንሕና ከም ሕብረተሰብ ሃገራዊ ቃልሲ ክንጅምር ከሎና፡ ኣብ ልብና ብተስፋ እተጸበናዮን ዝሃረፍናዮን፡ ድሕሪ ነዊሕ ቃልስን ሽግርን መግዛእቲ ምስ ኣጥፋእና፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ቅሳነትን ክንረክብ ኢና ዝብል ብዙሕ ተስፋ ነበረና። ብርግጽ ተፋና ገሊኡ ተፈጺሙ፡ ገሊኡ ድማ ብሕጂ ክፍጸም፡ ጌና ሃረር ንብሎ ኣሎና።

ብፍላይ ድማ ወለድና እዛ ተስፋ እትብል ቓል ኣዝያ ስለ እተገድሶም፡ ንዝተወልደ ውላዶምተስፋይዝብል ናይ ቅብጥሮት ስም እዮም ዝህቡ። ከመይሲ ተስፋ ኣብ ናይ ሕይወት ቀመም ስለ ዝዀነት። ተስፋ ኣብ ዘየብሉ እዋን፡ ተስፋ ደሊኻ ተስፋይ ዝበሃል ስም መጸውዒ ንውላድካ ምሃብ ብተስፋ ክትነብር ስለ ዝሕግዘካ ቅኑዕ እዩ። ስለዚ ድማ እዮም ኣቦታትናስም ይመርሕ፡ ጥዋፍ የብርህኢሎም ዝምስሉ። ቀንዲ ጽሑፈይ ተስፋና ካብ መን ከም ዝዀነ ንምግላጽ ስለ ዝዀነ፡ ናብ ኣርእስተይ ክምለስ።

ዘለዓለማውያን ምኳንና ዘይምፍላጥና

ካብተን ኣብ 1 ቆረንጦስ 13 ተጠቒሰን ዘለዋ ሰለስተ ዓበይቲ ነገራት፡ ሓንቲ ተስፋ እያ። ተስፋ እንተ ዘይትነብር፡ ኣብ ዓለምና ቀሲኑ ዝነብር ሰብ ኣይምተረኸበን። ተስፋ ስለ ዘላ ግና  ካብ ሎሚ፡ ጽባሕ ክሓይሽ እዩ እናበለ፡ ነቲ ዝሓለፈ እናሓለፉ፡ ነቲ ዝመጽእ ብተስፋ ጭቡጥ እናገብሩ እዮም ዝነብሩ። እቶም ተስፋ ዝቖረጹ ግና፡ ብዝሓለፈ የስተንትኑ፡ ብዝመጽእ ከኣ ይጭነቑ፡ ሰናይ እንተረኸቡ እኳ፡ እቲ ሰናይ ብተስፋ ስለ ዘይመጸሎም፡ ኣብ ሕይወቶም ትርጉም የብሉን። ስለዚዶ ኣይኰነን እቲ ጽሑፍ፡

ንኹሉ በብጊዜኡ ጽቡቕ ገበሮ። ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ እኳ ስኢኑ ኽነሱስ፡ ኣምላኽ ንዘለዓለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮዝበለ። (መክብብ 311)

እምብኣርከስ ነቲ ምድራዊ ክፍጸመልና ብተስፋ ንጽበዮ ካብ ኰንና፡ ከመይ ድኣ ነቲ ሰማያዊ ብልዑል ተስፋ ዘይንጽበዮ፧ እቲ ሰማያዊ ተስፋዶ ልዕሊ ኹሉ ተስፋታ ኣይኰነን፧ እታ ጠፊኣ ዘላ እምበኣር እታ ናይ ሓቂ ተስፋ ክግበረላ ዘለዋ እታ እግዚኣብሔር ኣብ ልብና ዘንበራ ጊዝያዊት ዘይኮነትስ እታ ዘልዓለማዊት እያ። ንሕና ደቂ ሰባት ዘልዓለማውያን ምዃንና ዘይምፍላጥና ድማ፡ ብምርጫና ዘይተኣደነ ክሳራታት ንስከም ኣሎና። እዚ ማለት ከኣ ናይ ኣርሒቕካ ዘይምርኣይን ብዘልዓለምነት ዘይምሕሳብን ብግዚያዊ ነገራት ንገዛእ ርእስካ ምትላልን ስለ ዝመረጽና እዩ። ክርስቲያናዊት ተስፋ ግና ኩሉ ግዜ ኣብ ቦታኣ ስለዘላ። ከም ክርስቲያን ክንፈልጣን ከነለልያን ይግብና።

ብተስፋ ዝተጸበዩ እሞ ዝተፈጸመሎም ኣብ ቅዱስ ጹሑፍ፡ ኣብ ወንጌል ሉቃስ 2 ሞዕራፍ ጥቕሲ 25-38 ስምኦን እቲ ጻድቕን፡ ሃና ጓል ፋኑኤልን ዝበሃሉ ክልተ ቅዱሳት ሰባት፡ ክርስቶስ ክውለድ እዩ እሞ ከድሕነና እዩ ኢሎም፡ ንምምጻእ ክርስቶስ ንነዊሕ መዋእል፡ ብተስፋ ይጽበዩ ከም ዝነበሩ እሞ እቲ ዝተጸበይዎ ተስፋ ኣብ ዕድሜኦም ተፈጸመሎም። ወረ ስምኦንሲ ነቲ ተስፋ ዝገበሮ በዒንቱ ምስ ረኣዮ፡ ብኢዱ ምስ ዳህሰሶ፡ ጎይታይ ሎሚ ንባርያኽ ብሰላም ኣሳናብቶ ኢሉ ድኣ ለመነ። መርዓ ደቆም ክፍጸመሎም ንዓመታ ብተስፋ ዝጽበዩ ዝነበሩ ወለዲ፡ ደቆም ምስ ኣመርዓዉ፡ ሞት ከም ኣዳምዶ ይብሉ ኣይነበሩን። እምብኣከርስ ተስፋ ክፍጸመልካ ሕልምኻ ክገሃደልካ ኰሎ ማለት እዩ።

ከምኡውን ታሪኽ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ ኣብ (ዮሓ 4) ከም እተገልጸ፡ ሓሙሽተ ሰብኡት ፈቲሓ መበል ሻድሻይ ኢያ ሒዛ ዝነበረት። ከመይሲ ተስፋ ሕይወትን ሓጐሳን ካብኦም ይመስላ ስለ ዝነበረ። ተስፋኣ ከንቱ ናይ ኮንትነት ከም ዝነበረ ግና መድኃኔ ዓለም ባዕሉ ገለጸላ።

እሞኸ ንሕና ደቂ ተስፋ እንበሃል ክርስቲያናት ግዳ፡ ካብቲ ቀደም ብቐዳማይ ኣዳም ዝተፈጸመ ዓቢ ውድቀት እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብምሕረቱ፡ ንድሕነትና ክብል፡ ንሓደ ወዱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ሥጋና ለቢሱ፡ ንዓና መሲሉ ብምላዱ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተነግረልና ተስፋ ብምፍጻሙ፡ ነቲ ዝመጽእ ዓቢ ተስፋ ተጸበይቲ ስለ ዝገበረና ክንሕጎስን ባህ ክብለናንዶ ኣይግባእን፧ ብርግጽ ወዲ ሰብ ኣብ ሕይወቱ ብዙሕ ተስፋ ዝገብሮ ነገራት እኳ እንተለዎ፡ እታ ልዕሊ ኹሉ ተስፋታት ዝዀነት ተስፋኡስ፡ ነታ እንኮ ዝዀነት ነባሪት ነፍሱ፡ ኣብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ኣትያ ክርእያ ጥራይ እዩ ዝምነ። እሞዀ ክርስቲያንዶ ነዛ ካብ ክቡር ዕንቊ እትበልጽ ሕይወቱ ሸለል ክብላ ይግብኦ እዩ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ተስፋ ሸለል እንተበልና ግና፡ ኩሉ ኣብ ምድሪ እንሰርሖ ዘበለ፡ ግዝያዊ እዩ እሞ፡ ኣብ መወዳእታኡስ ኩሉ ከንቱ ክዀነና ግድን እዩ።

ተስፋና ኣብ መን እዩ፧

ቅዱስ ጽሑፍ፡ልብኹም ኣይሸበር። ብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑስፍራኸዳልወልኩም እኸይድ ኣሎኹ፡ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየይብል። (ዮሓ 14) እዚ ድማ እዩ እምበኣር መሰረት እቲ ዓቢ ተስፋና። ተስፋና ኣብ ባዶ ዝተመስረተ ኣይኮነን። ውሕስነት ተስፋና፥ ኣብ ቅዱስ ቃላቱ ዝተመስረተ እዩ። እወ! ንሕና ዘሸግረና ዘሎ ደቂ ሰብ ስለ ዝዀና፡ ግዝያዊ ናይ ዓለም ፈተና ዘይ ምሕላፍና እዩ።ደቂ ሰብ ድኹማት ስለ ዝዀና፡ ካብ ኣፍንጫና ኣርሒቕና ኣይንሓስብን ኢና። ንናይ ምንባር ሕቶ ኩሉ ጊዜ ኢና እንጭነቐሉ፡ ኣብዚ ግዝያዊን ሓላፍን ኣቕልቦናን ጉልበትናን ንገብር።

ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ  ኣብ ትንቢት ኤርምያስ እንተ ተመልከትና፡ እቲ ክንገብሮ ዘሎና ተግባር ይገልጽ። ኣምላኽ ንደቂ እስራኤል ኣብ ስደትን ምርኮ ባቢሎን ከለዉ ተስፋ ኣብ ዝቖረጹሉ እዋን ከምዚ በሎምቤት ስርሑ ንበሩላ...ኣንስቲ ኣእትዉ ብዝሑን ተፋረዩን እምበር ኣይትውሓዱብሰላም ንበሩ በሎም። (ኤር 29 5-7) እዝስ ከመይ ድኣ እዩ ክንብል ንኽእል ንኽውን፧ ቀጺሉ ከኣ ኣብ ጥቅሲ 11 ኣነ ዝሓስበልኩም ዘለኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን ይብል እግዚኣብሔር። እዚ መፈጸምታን ተስፋን ብኣምላኽ ንኽከውን ግና ዝሃበና ኣገባብ ድማ ኣብተን ዝስዕባ ጥቅስታት 12-13 ንርኤ፡ ክትጽውዑኒ፡ መጺእኩም ድማ ክትልምኑኒ ኢኹም እሞ ክሰምዓኩም እየ። ብምሉእ ልብኹም እንተደለኹምኒስ፡ ክትደልዩኒ ኽትረኽቡኒውን ኢኹም።ኣብ ጥቅሲ 20 ድማ ኣብ ምድሪ ስደት ቃል እግዚኣብሔር ስምዑ ብህይወት ክትነብሩ በሎም። ከምኡውን ተስፋና እንውከሎን ኣብ መን ክኸውን ከምዘለዎ ኣብ .ኤርምያስ ምዕራፍ 175 7 ተጠቂሱ ንርአ።  ኣብ ጥቅሲ 5 “ እግዚኣብሔር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ ሰብ ዝውከል፡ ቅልጽሙ ኸኣ ስጋ ዚገብር፡ብልቡውን ካብ እግዚኣብሔር ዚርሕቕ ሰብ ርጉም እዩ።ብኣንጻሩ ግን ኣብ ጥቅሲ 7 ድማ ይብልኣብ እግዚኣብሔር ዝውከል ትጽቢቱ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሔር ዚገብር ብሩኽ እዩ። ስለዚ እተን ክልተ ምርጫ ኣብ ቅድሜና ኣሎዋ ማለት እዩ። ብሰብዶ ብእግዚኣብሔር ምትስፋው? ሓንቲኤን ክንመርጽ ናይ ግድን እዩ። እወ! ብኣፍና ንኣምላኽ ኢልና መልሲ ክንህበሉ ንኹልና ቀሊልን ፍሉጥን እዩ። ኮይኑ ግን ኣብ ተግባራዊ ዝኾነ መልሲ እዩ እቲ ሕቶ። ብሕልፊ ከኣ ኣብ ግዜ ፈተና እንወስዶ ምርጫ ሽዑ እዩ እቲ ሓቐኛ እንታይነትናን ምርጫናን ዝገሃድ።

ተስፋ ምስ እንቖርጽን ምስ እንፈርሕን ብቅዱስ ቃላት ንጸናናዕን ንተባባዕን። መጽሓፍ ቅዱስመጽሓፍ ተስፋተባሂሉ ውን ይጽዋዕ እዩ፡ ምኽንያቱ ብዛዕባ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕርን ተስፋን ስለዝዛረብ። ልዕሊ 130  ጥቅስታት ብዛዕባ ተስፋ ዝገልጻ ኣለዋ። ኮይኑ ግን  እዚኤን  ዝስዕባ ጥቅስታት መተባብዒ ይኹናና፡

ኣብ .ኢሳ 4110 “ምሳኻ እየእሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ።ከምኡ ዉን ኣብ .. 271 “እግዚኣብሄር ብርሃነይን ምድሓነይን እዩ፣ ካብ መን ደኣ እየ ዝፈርህ፣ እግዚኣብሄር ሓይሊ ህይወተይ እዩ፣ ካብ መንከ እየ ዝስምብድ፣  ኣብ .እብራውያን 6 1112- ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነታ ተስፋ ዚወርስዋ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር፡ ድንዙዛት ከይትዀኑስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ክሳዕ መወዳእታ ንምምላእ ተስፋኡን ንምጽንዓን እዚትግሃት እዚ ኼርኢ፡ ንደሊ ኣሎና።ይብል። ከምኡ ውን  ገድሊ ቅዱሳን እናኣስተንተ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ።ነቶም ተስፋ ዘይቆረጹ ቅዱሳኑ ንዕኦም ንምሰል። ኩሉ ግዜ ጸሎተ ሃይማኖት ክንድምድም ከሎናትንሣኤ ሙታንን ንዘለዓለም ዚመጽእ ሕይወትን ተስፋ ንገብር።ኢልና ንድምድም። ኣብ 1 ቈረን 29 “እቲ ዓይኒ ዘይረኣየቶ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሐስበ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳለወሎም፡…” ስለዚ እቲ ተስፋና ነቲ ብኣምላኽ ዝተዳለወልና ወረስቲ ክንከውን ንሕሰብ እምበር በዛ ሓላፊት ዓለም ኣይንታለል።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div