S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ” 1ቆሮ 111

ዋና ባዕሉ ይበላከም ዝተባህለ ነዚ ጽሑፍ እዚ ካብ ቅዱስ ጽሑፍ፡ 2ቆሮ፡ 1122 1210 እንተ ተመልከትና እዚ ሓዋርያ እዚ ብዛዕባ ዓሌቱን ብዛዕባ እቲ ጸረ ክርስቶስ ኰይኑ ዘሕሎፎ ጉጉይ እዋንን፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ተመልሰ ምእንቲ

ስም ክርስቶስ ክብል ዘሕለፎ መከራን ሽግርን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብዛዕባ እቲ ክረኽቦ ዝተጸበዮ ክቡር ኣኽሊል ዓወትን ባዕሉ ክብሎ ኣዝዩ ብሉጽ ዝዀነ ምስክርነት እዩ። እዚ ምስክርነት እዚ ድማ ንኽልተ ሽሕ ዓመታት ዝኣክል ንቢልዮናት ዝኣኽሉ ሰባት ከነቓቕሕን ከበራትዕን ኣብ ሓቂ ከጸናንዑ ምእንቲ፡ ነቲ ክንዮው ሞት ዘሎ ኣኽሊል ዓውት ክብህጉ ኢሉ፡ ኣብ ጉድጓዱ ከሎከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉክምዕድ ይነብር ኣሎ። እሞኸ እቲ ጎይታኣብዛ ምድሪ እዚኣ ሚኢቲ ካዕበት ኣብ ሰማይ ከኣ ናይ ዘለዓለም ሕይወትዝበሎ ኣብዚ ሓዋርያ እዚ ተፈጺሙዶ፧ እወ ስብሓት ንእግዚኣብሔር ይኹን ብርግጽ ተፈጺሙ።

ብመሰረቱ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ናብ ደቂ ቆረንቶስ ዝጸሓፈ ሓዋርያ ጳውሎስ ባዕሉ ኣብ መቅዶንያ ኰይኑ 55 .. እዩ ዝጸሓፋ። ብፍላይ ብዛዕባ እቶም ኣብ ልዕሊ ክርስትናን ሓዋርያነቱን ክመጻደቁ ዝደልዩ ዝነበሩ ጸረ ሓቂ ዝዀኑ ክርስቲያናት ዝመስሉ ኣይሁዳውያንን፡ ናስቲክን፡ ብዛዕባ መንነቱ ክምድር ምስ ኣድለዮ ካብ ምዕራፍ 11 ጥቅሲ 22 ክሳብ 29 መሊሱ ኣብ ምዕራፍ 12 ካብ ጥቅሲ 1 ክሳብ 10 ዘሎ ንገዛእ ርእሱ ከምዚ ገይሩ ይገልጻ።

እብራውያን ድዮም፧ ኣነ ኸኣ። እስራኤላውያን ድዮም፧ ኣነ ኸኣ። ዘርኢ ኣብርሃም ድዮም፧ ኣነውን እየ። 23- ኣገልገልቲ ክርስቶስ ድዮም፧ ከም ጽሉል እየ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ -ኣነ እበልጾም እየ። ብጻዕሪ ሕልፊ ዘሎኒ፡ ብማእሰርቲ ሕልፊ ዘሎኒ፡ ብመውቃዕቲ ጸብለል ዝበልኩ፡ ብዙሕ ጊዜ ኣብ ሞት ዝበጻሕኩ እየ። 24- ብኣይሁድ ሓሙሽተ ጊዜ ነርብዓስ ሓደ ጐደል ተገሪፈ። 25- ሰለስተ ሳዕ ብሽመል ተዘቢጠ፡ ሓደ ሳዕ በእማን ቀጥቀጡኒ፡ ሰለስተ ሳዕ እታ ዝነበርክዋ መርከብ ተሰብረት፡ ለይትን መዓልትን ኣብቲ መዓሙቝ ባሕሪ ሐዲረ ወዐልኩ። 26- ብዙሕ ጊዜ ኣብ መገሻታት ነይረ፡ ኣብ ርባታት ብፍርሃት፡ ካብ ደቂ ዓደይ ብፍርሃት፡ ካብ ኣህዛብ ብፍርሃት፡ ኣብ ከተማ ብፍርሃት፡ ኣብ በረኻ ብፍርሃት፡ ኣብ ባሕሪ ብፍርሃት፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ሓሶት ብፍርሃት እየ ዝነበርኩ። 27- ብዕዮን ብጻዕርን፡ ብዙሕ ጊዜ ብምንቃሕ፡ ብጥሜትን ብጽምእን፡ ብዙሕ ጊዜ ብጾም፡ ብቚርን ብዕርቃንን ነይረ። 28- ኣብ ልዕሊ እዚ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ዂሉ ነገር እቲ ኣብ ጸጽባህ ዚጸበኒ፡ ማለት ብዛዕባ እቲ ንዂላተን ማሕበራት ዝሐልዮ ዘሎኹ ሓልዮት እዩ። 29- መን እዩ ዚደክም፡ ኣነ ኸኣ ዘይደኽመሉ፧ መን እዩ ዚዕንቀፍ፡ ኣነ ኸኣ ዘይነድድ፧

1- ክምካሕ ዘይጠቕመኒ ኽነሱስ፡ ብግዲ የድልየኒ እዩ፡ ሕጂ ግና ናብ ራእይን ናብ ምግላጽ ጐይታን እሐልፍ ኣሎኹ። 2- ቅድሚ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ሰብኣይ ብክርስቶስ፡  እዚ ኸምዚ ዝበለ ኽሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ከም እተዘረፈ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፡ - ኣብ ሥጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣብ ወጻኢ ሥጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣምላኽ ይፈልጥ።- 3- ብናይ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰብኣይ፡ - ኣብ ሥጋ ምንባሩ ወይስ ኣብ ወጻኢ ሥጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን እየ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ፡ - 4- ናብ ገነት ከም እተዘረፈ እሞ፡ ሰብ ኪዛረቦ ዘይተፈቕደሉ፡ ዘይንገር ዘረባውን ከም ዝሰምዔ፡ እፈልጥ እየ። 5- በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብኣይ ክምካሕ እየ፡ ብናይ ርእሰይ ግና፡ ብድኻመይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣይክምካሕን እየ። 6- ክምካሕ እንተ ዝደልስ፡ ሓቂ ምተዛረብኩ እሞ፡ ኣይምዐሾኹን ነይረ፡ ግናኸ ሓደ እኳ ሓለፋ እቲ ዚርእየለይ ዘሎን ወይስ ሓለፋ እቲ ኻባይ ዚሰምዖን ከይሐስበኒ፡ ሸለል ኢለ እሐድጎ ኣሎኹ። 7- ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ራእይ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸኣ፡ ኣብ ሥጋይ ግራጭ ተዋህበኒ፡ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ፡ መልኣኽ ሰይጣን ኪስቅየኒ ተዋህበኒ። 8- እዚ ኻባይ ኪርሕቕ፡ ብዛዕባኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ፡ 9- ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ። 10- እምብኣርከ ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፡ ብጸርፊ፡ ብሓሳር፡ ብምስጓጒ፡ ብጸበባ እሕጐስ እየ።

ብመጀመርያ ሓዋርያ ጳውሎስ መን ከም ዝነበረ፡ ካበይ ከም ዝመጸ ኩሉ ባዕሉ ተንቲንዎ ስለ ዘሎ፡ ብዙሕ ምትንታን ዘድልዮ ኣይመስለንን። ንምብራህ ዝኣክል ግና፡ ቁሩብ ክትንትን ፍቐዱለይ።

1.ሓዋርያ ጳውሎስ ድሕሪ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምላዱ 3 . ከም ዝተወልደ ታሪኹ ይምስክር።

2.ካብ 18 ክሳብ 30 . ድማ ኣብ ኢዮሩሳሌም ተማህረ።

3.33-34 . ድማ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝተገልጸሉ፡ ካብ እምነት ኣይሁድነት ናብ እምነት ክርስትና ኣተወ።

4.ድሕሪ ናብ ክርስትና ምእታዉ፡ እቲ ዝተጸውዓሉ ጸውዓ ኣገልግሎት ወንጌል ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ሓዱሽ እምነቱ ከመይ ገይሩ ከም ዝምህሮ ክፈልጥ ምእንቲ፡ 34 ክሳብ 36 .. ኣብ ሃገር ዓረብ ብመንፈስ ቅዱስ ተማህረ።

5.ድሕሪ ትምህርቱ ምውዳእ 36 . ናብ ኢዮሩሳሌም መጸ።

6.46 ክሳዕ 47 .. ድማ ቀዳማይ ጉዕዞኡ ናብ ንእሽቶ ኤስያ ገበረ።

7.ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ዓብይ ጉዕዞን ብዛዕባ ኣህዛብ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምቅባሎምን ክገልጽ 48-49 .. ኣብቲ ቀዳማይ ሲኖዶሳዊ ጉባኤ ሓዋርያት ቀረበ።

8.እንደገና ነተን ኣብ ንእሽቶይ ኤስያ ወንጌል ዝሰበኸለን ከበራትዔንን ከጸናንዔንን፡ ካልኦት ቤተ ክርስቲያናት ከቕዉምን 49-52 .. ካልኣይ ጉዕዞ ገበረ።

9.እንደገና ነተን ኣቐዲሙ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ጉዕዞኡ ዘቖመንን ካልኦት ሓደስቲ ቤተ ክርስቲያናት ክተክልን 53-57 ካልእ ሳልሳይ ጉዕዞ ናብ ንእሽቶይ ኤስያ ገበረ።

10.እዚ ኹሉ ጉዕዞኡ ክገብር ጽቡቕ ስራሕ ምስ ሰርሔ ግና፡ 58-60 . ደጊሙ ስም ክርስቶስ ከይሰብኽ ኣብ ቀሳርያ ተኣስረ።

11.ካብ 60-61 . ብመቁሕ ተኣሲሩ ናብ ሮማ ተጓዕዘ።

12.ካብ 61-63 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሮማ ተኣስረ።

13.ካብ 63-66 .. ኣብ ኤውሮፓ ክሳብ እስፓኛ ወንጌል መሃረ።

14.ካብ 66-67 ብዓቢ ጽንዓት ኣብ መትከል ክርስትና ንክርስቶስ ደወ ስለ ዝበለ፡ እንደገና ኣብ ሮማ ምስ ተኣስረ እሞ፡ ብኢድ ሃጸይ ሮሜ ክሳዱ ንሴፍ ስለ ዝሃበ ብኽብሪ ተሰውኤ። እምብኣብርከስ ነዚ ሓዋርያ እዚ፡ ሓዋርያን ቅዱስን ዝብል ክብ ዝበለ ክብሪን መዓርግን ከውህቦ ዘኽኣሎ፡ እዚ ጽንዓት እዚ ኣብ መትከል፡ ክሳዕ ጸላኢ ዝንቀል፡ ካብ ኰነ፡ ሎሚውን እዚ ጽንዓት እዚ ዝጥለብ ግዜ ዘርከብና ንመስል ኣሎና። እሞኸ ናይዚ ዘመን እዚ ጳውሎስ ኣበይ ኣሎኻ። ኣብ ውሽጢ ሃገርዶ፡፧ ኣብ ቤት ማእሰርቲዶ፧ ኣብ ስደት፧ ጳውሎስ ሎሚ ተበራበር፡ ኣይትሕደጋ ቤትካ ብጸላኢ ክትብርበር። 

መግለጺ

1.ቀዳማይ መርመራ

ሓዋርያ ጳውሎስ ንገዛእ ርእሱ ብሰለስተ ኣብነታት ጌይሩ፡ ማዕረ እቶም ቀዳሞት ሓዋርያት ከም ዝዀነ ገይሩ የረድኣና። ሓዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምግባሩ ምእንቲ ነታ ማሕበር ክሕግዛ ወይ ሓይሊ ክትረክብ ጥራይ ኢሉ ኣይኰነን። ከምኡ ዘበሎ ምኽንያትሲ፡ ዘይብገር ሓቅነት ወንጌል ዝምዘነሉ እዋን ስለ ዝነበረ፡ ወንጌል ልዕሊ ኹሉ ነጺሩ ክረኤ ስለ ዝመረጸ እዩ። እቲ ቐዳማይ መርመራ ሓዋርያ ጳውሎስ ምእንቲ ወንጌል ድሕነት ኣብ ኩሉ ህዝቢ ኪስበኽ ኢሉ፡ ዘሕለፎ ብብዓይነቱ ዝዀነ መሪር ስቓይ እዩ (2ቆሮ፡ 111-33) ንሓደ ሰብ ከመይ ከም እተፍቅሮ በቲ ምእንታኡ ኢልካ እትስውኦ ወይ እትገብሮ ነገር እዩ ዝፍለጥ። ሓደ ሰብ ጅግና ምኳኑ ዝፍለጥ ድማ፡ በቲ ብርታዔ ናይቲ ብተጻዋርነት ዘሕሎፎ ጭንቒ እዩ ዝፍለጥ። ስለዚ ሓዋርያ ጳውሎስ ስለቶም ዝሰጉዎ ደኸመ፡ ስለቶም ዝኣሰርዎ ክድሕኑ ገዛእ ርእሱ ንክርስቶስ ኣምሰላ።

መከራ ብመትከል፡ ክሳዕ ጸላኢ ዝንቀል፡

ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ፡ እቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ስለ ወንጌል ክርስቶስ ዘሕለፎ ዘይተኣደነ ጭንቒ ኢና ካብ መዛግብቱ ገለ መሺትና ኢና እነንብብ ዘሎና እምበር ኩሉ ዝገበሮስ ኣይኰናን። እዚ ሓዋርያ እዚ ርግጽነት ናይቲ ዘጋጠሞ ሓሳረ መከራን ዓቅሊ ዘጽጽ ጭንቀታትን ብመዛግብቱ ገይሩ ክነግረና ከሎ፡ ብቓላት ጥራይ ዘኰነስ ብግብራውነቱ ድማ ኣስፊሑ ይገልጸልና። ቅድሚ እዚ እዋን ኣብ ዛንታ ዓለም ስለ ሓቂ ብኸምዚ ዝኣመሰለ መከራ ክትሓልፍ ተነጊሩ ዘይፈልጥ መስዋእቲ ነበረ። ምእንቲ ሃገርካ ኢልካ ንቑሩብ እዋናት ዝኸውን ራህዋ ክትረክብ ኢልካ፡ ገዛእ ርእስኻ ብብርቱዕ ጭንቅን መከራን ክሳዕ ሞት ከተሕልፍን ብዙሕ ግዜ ተራእዩ እዩ። ብሓጺሩ ነዊሕ ከይከድና ኣብ ገዛእ ሃገርና ኤርትራ እኳ ቁጽሪ ዘየብሎም ብስቓይን መከራን ሞትን ክሓልፉ ርኢናዮ ኣሎና። እዚ ስቅያት እዚ ግና፡ ንግዝያዊ ራህዋ ስለ ዝዀነ፡ ተስኡ ክፍጸመን ዘይክፍጸምን ኣብ ኢድ ሰብ እዩ። እቲ ኣምላኽ ዝተስፋኡ ድርብ ዝዀነ ትሕዝቶ ዘለዎ፡ ኣብ ምድርን ኣብ ሰማይን ራህዋ ክረክቡ ኢልካ፡ ምእንቲ ዘትፈልጦምን ምእንቲ ጸላእትኻን ምእንቲ ኹሉ ሰብ ኢልካ፡ ምሉእ ሕይወትካ ብኸምዚ ናይ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝበለ መገዲ ሕይወትካ ከተሕልፎ፡ ንገዛእ ርእስኻ ከምቲ ናቱ ጌርካ ክትስውእ፡ ቅድሚ እዋን ብዘይካ እቲ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተፈጸመ፡ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ነበረ። እቲ ኹሉ ሓዋርያ ጳውሎስ ዘሕለፎ ጭንቅን መከራን፡ ካብ ኩሉ መስዋእትታት ጸብለል ዝበለን ጅግንነት ነበረ። እቲ ብጽምዋን ብጸርፍን ብንዕቀትን ብሓያልን ብትዕግስትን ዝመጽእ ጅግንነት፡ ካብቲ ብድንጋጸን ብጣቒዕት ሰባትን፡ ካብቲ ብርቱዕ ውግእ ምስ ወጻኻ ዝርከብ ጅግንነት፡ ዝዓበየ እዩ። እዚ ሓዋርያ እዚ ምእንቲ ስም ክርስቶስ ኢሉ ብጭንቅን ብመከራን ኪሓልፍ፡ ከሎ፡ ኣዝዩ ውሑድ ዝዀነ ናይ ሰባት ደገፍ ነበሮ። እዚ ሓዋርያ እዚ ሰባት ክርእይዎ ዘይክእሉሉ ውግእ ይዋጋእ ነበረ። ነዚ ስራሕ እዚ ብቐሊሉ ክጥንጥኖ ይኽእል ነይሩ እዩ፡ እንተዀነ ምእንቲ እቲ ዘፍቅሮ ጐይታኡን ምእንቲ ምድሓን ደቂ ሰባትን ኢሉ ብቐሊሉ ክጥንጥኖ ኣይከኣለን። ክሳብ ጸላኢ ዝንቀል፡ ንመከራ ተጸሚሙ ተጻውረ ጸንዔ ኣብ መትከል። ሎሚ ስለቶም ዝምቁሑኻን ስለቶም ስለ ግዝያዊ ረብሓ ክብሉ ብመከራ ዝሓልፉ፡ ሓልዩ ብመትከት መከራ ዝጻወር ጳውሎስ ኣበይ ኣሎ።

ከይተሓለልካ ኣብ መትከል፡ ክሳዕ ጸላኢ ዝንቀል፡

ብዙሕ ካብዚ ኣብዚ ኣብ ገድሊ ሓዋርያ ጳውሎስ ተጻሒፉ ዘሎ ገድሊ፡ ኣብ ግብሪ ሓዋርያት እኳ ኣይተሰምየን። ሓዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ቀንዲ መራሕትን ሓዋርያትን ኪዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል፡እብራውያን ድዮም፧እዚ ማለት ብዓሌቶምን ብቛንቛኦም ጽሩያት ኣይሁድ ዝዀኑ ማለቱ እዩ።ኣነ ኸኣ እስራኤላውያን ድዮም፧ማለት ከኣ ናይ ሓቂ ሃይማኖታውያን፡ ንሓደ ኣምላኽ ዝሰግዱ፡ኣነ ኸኣዘርኢ ኣብርሃም ድዮም፧እዚ ማለት ወረስቲ ተስፋታቱን ተስፋታት ናይቲ መሲሕን መንግሥቲ ኣምላኽን፡ኣነውን እየ

ኣገልገልቲ ክርስቶስ ድዮም፧ ማለት ናይቲ መሲሕ፡ ንኹሎም ሰባት ናብ መንግሥቱ ከምጽኡ ዝጋደሉ፧ኣነ እበልጾም እየ እቶም ካልኦት ኣገልገልቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶሲ ምስቲ ኣነ ዝገበርኩዎ ዝነጻጸር እንታይ ገበሩ፧ እቲ መርመራ ኣብዚ ዝስዕብ ኣሎ።ብጻዕሪ ሕልፊ ዘሎኒ ኣነ ኣብ ቡዙሕ ኩርናዓት ዓለም ንጐይታ ኢለ ብምዕያየይ፡ ብዙሓት ሰባት ከኣ ናብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክመልስ ኢለ ብዝገበርክዎ ድካም፡ብመውቓዕቲ ሕልፊ ዘሎኒ ኣብ ሕጊ ኣይሁድ ብዝሒ እቲ ንሓደ ክትወቕዖ እትኽእል ደረት ነበሮ። ኣብ ኣህዛብ ግና ስብ ብዘይ ደረት እዩ ዝውቓዕ። ሓደ ከምዚ ዝበለ መውቃዕቲ ኣብ ግብሪ ሓዋርያት 1623 ተመዝጊቡ ንረኽቦ።ብማእሰርቲ ሕልፊ ዘሎኒ እብ ግብሪ 1623 ሓንቲ ማእሰርቲ ተሰምያ ንርኢ።ብዙሕ ግዜ ኣብ ሞት ዝበጻሕኩ እየ ሓደ ጊዜ ኣብ ልስጥራ ክሳዕ ንሞት ዝቐርብ ብዳርባ እምኒ ተጨፍጪፉ ከም ዝነበረ ነንብብ። ብዙሕ ጌዜ ከኣ ብሰረቕትን ብማዕበል ባሕርን ኣብ ሞት ቀሩቡ ከም ዝነበረ ነንብብ።ብኣይሁድ ሓሙሽተ ጊዜ ነርብዓስ ሓደ ጐደል ተገረፍኩ፡ኣብ ግብረ ሓዋርያት ገለ ካብዚ እኳ ኣይተሰምየን። ኣይሁድ ካብ ኣርብዓ ንላዕሊ ኪገርፉ ኣይፍቀደሎምን ነበረ። (ዘዳ፡ 253) ስለዚ ምእንቲ ብጌጋ ነቲ ሕጊ ከየፍርስዎ ኢሎም ሰላሳን ትሽዓተን ግዜ ጥራይ ይገርፉ ነበሩ።ሰለስተ ሳዕ ብሹመል ተዘበጥኩ ብሹመል ከም ዝተዘብጠ፡ ሓንቲ ጊዜ ጥራይ ኣብ ግብሪ ሓዋርያት 1622 ተሰምያ ኣላ።ሓደ ሳዕ በእማን ቀጥቀጡኒ ኣብ ልስጥራ ግብሪ ሓዋርያት 1419 ተሰምያ ኣላ።ሰለስተ ሳዕ እታ ዝነበርኩዋ መርከብ ተሰብረት፡ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ፊጺሙ ኣይተጻሕፈን። እቲ ናብ ሮሜ ኪኸይድ መርከብ ዝተሰብረቶ ድሕሪዚ እዩ ዝነበረ።ለይትን መዓልትን ኣብቲ ማዕሙቕ ባሕሪ ሓዲረ፡ ወዓልኩ።እዚ ኸኣ ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ኣይተጻሕፈን። እዚ ዝሰመናዮን፡ እቲ ዝስዕብ መከራታትን ኹሉ ንሓዋርያ ጳውሎስ ወንጌል ኪሰብኽ ኢሉ ኪኸይድ ከሎ፡ ዝተጋነፎ እዩ። በዚ ጭንቅታት ኸኣ ንኹላቶም እቶም ቅድሜኡ ዝነበሩ ሓዋርያት፡ ጸብለል ይብሎም ነበረ።

ሓዋርያ ጳውሎስ ብድኻሙ ይሕበን። በቲ ኣብ ጠባዩ ዝተራእየ ሳዕቤን ናይ ድኻሙን፡ በቲ ኣብ ስብከቱ ዝተራእየ ምሉእ ተወፋይነቱን ይሕበን። ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብ 2ቆሮ፡ 417 ከምዚ ይብል፡እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና፡ ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለዓለም ምሉእን ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ ኣሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢናይብል።

ካብዚ እንረኽቦ ትምህርቲ፡ እቲ ኹሉ ንኣምላኽ ከነገልግል ከሎና ዝጋጠመና ሽግራር መከራን ዓመጽን፡ ምእንቲ እሙናት ኣገልገልቲ ክንከውን ኢልና እንኸፍሎ ዋጋን፡ ኩሉ ሰማእትነትን፡ ኩሉ ተጻይነትን ከይተሓለልና ክንጻውር ከሎና፡ ኽርዳድ ካብ ስርናይ ምፍላይ ቀሊል ኣይከውን። ስለዚ ኣብ መንጐ ሓቀኛ ክርስቲያንን ኣብ መንጐ ኣምስሉ ክርስቲያናትን ዘሎ መፍለይኡ፡ ከም ናይ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝኣመሰለ ዘይሕለል ጽንዓት ኣብ መትከል፡ ክሳዕ ጸላኢ ዝንቀል ምስ ዝህልወና እዩ።

ኣብ መትከል ዘጽንዕ ብሉጽ ራእይ የድልየና ኣሎ

2.ካልኣይ መርመራ ምዕራፍ 121-6 ተመልከት

ሕብረት ምስ ኣምላኽ። ምርዳእ መንፈሳዊ ነገራት፡ ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብዚ ነቶም ተጻረርቱ፡ ካልኣይ መልሲ ይህቦም። ንኢየሱስ ብሥጋ ኸሎ እኳ እንተ ዘይረኣዮ፡ በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ብሉጽ ዘለዓለማዊ ነገራት ብራእይ ስለ ዝረኣየ፡ ብስም እግዚኣብሔር ኣምላኽ ተቢዑ ክዛረብ ምሉእ መሰልን ሥልጣንን ነበሮ። ይብል ድማ፡ ሓደ ሰብኣይ ብክርስቶስኽሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ከም እተዘረፈ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፡ ኣብ ሥጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣብ ወጻኢ ሥጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣምላኽ ይፈልጥ።እናበለ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ይዛረብ ከም ዘሎ፡ ካብ ጥቕሲ ሸውዓተ ካብዚ ጽሑፍ ብሓፈሻኡን ክንርዳእ ንኽእል። ከመይሲ ከመይ ገይሩ ከም ዝመጾ ኣይፈልጥን፡ ግናኸ ከም ዝረኣዮ ይፈልጥ።ክሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ከም እተዘረፈእዚ ልዕሊ ኣንርእዮ ሰማያት ዘሎ፡ ኣብቲ ዝፋን ኣምላኽ ዘለዎን፡ ማሕደር ጻድቓናትን መላእኽትን ዝዀነ ሰፈር እዩ። እዚ ኣበይ ከም ዝዀነ ብርግጽ ኣይንፈልጥን፡ ግናኸ ኣብ ውሽጢ ህላውነት እግዚኣብሔር ኣምላኽ ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ርግጽነት ዘለዎ ሰፈር እዩ።

እቲ ኣብ ግብሪ ሓዋርያ ተሰምዩ ዘሎ ራእይታት ናይ ሓዋርያ ጳውሎስ፡ ካብቲ ኣብ መገዲ ደማስቆ ዝረኣዮ ክሳዕ እቲ ናይ ሮማ ኪኸይድ ከሎ ዝረኣዮ ሓደ ብሓደ ጸብጾቦ። ባዕሉ ሓዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ ኪጽሕፈሎም ከሎ ከምዚ ይብል።እምብኣርስ ኣሕዋተይ፡ ኣነ ድማ ብምግላጽ ኢየሱስ ክርስቶስ እየ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይተቐበልክዎን ኣይተመሃርኩዎን እሞ፡ እቲ ብኣይ እተሰብከ ወንጌል ከም ቅዲ ሰብ ዘይምዃኑ ኤፍልጠኩም ኣሎኹ” እናበለ ይገልጸሎም።

ንሕና ኸኣ እንተድኣ ፍረ ዘለዎ ኣገልግሎት ኪህልወና ኰይኑ፡ ራእይ ናይ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ማለት ሕብረት ኣምላኽ ምስ መንፈስና፡ ምርዳእ መንፈሳዊ ሓቅነት ኪህልወና ግዲ እዩ።

ጽንዓት ኣብ ቅዱስ ሕይወት፡ ክሳብ ዓወት

3.ሳልሳይ መርመራ ሓዋርያ ጳውሎስ፡ እቲ ቅዱስ ሕይወቱ ነበረ። . 7-10

እቲኣብ ሥጋይ ግራጭ ተዋህበኒዝበሎ እንታይ ምዃኑ ብርግጽ ኣይንፈልጥን። ግናኸ ስራሑ ብእኡ ከይዕንቀፍ ዝፈርሃሉ ዝነበረ ነገር እዩ። ምናልባሽ ሕማም ኣዒንቲ ይኸውን። ምናልባሽ ከኣ ገለ ዓይነት ሕማም ድኻምን ይኸውን። ዝዀነ ዀይኑ ሓዋርያ ጳውሎስ እዚ ግርጭት እዚ ኪኸደሉ ብዙሕ ጊዜ ጸልዩ ክነሱ፡ ናይቲ ዝጸለዮ ጸሎት መልሲ ኣይረከበን። ክሳዕ መልሲ ዝረክብ ከኣ ከይደኸመ ጸለየ።

4.መልሲ ጸሎት ሓዋርያ ጳውሎስ፡ ሓዋርያ ጳውሎስ ጸሎቱ ዝተመለሰሉ ነቲ ግራጭ ካብ ኣካላቱ ብምውሳድ ኣይኰነን። ግናኸ ንእኡ ንምጻር ዘኽእሎ ካብ ጐይታ ጸጋ ተዋህቦ እሞ፡ ነቲ ዕንቅፋት ኰይኑ ዝስምዖ ዝነበረ ስቓዩ፡ ዝዓበየ በረኸት ዘምጽእ ኰነ። ሓደ ሰብ ነቲ ኣብ ልዕሌኡ ዝወርድ ሽግራት ክሽከሞ እንተድኣ ዘይክኣሎ፡ እሞ ምእንቲ ካብኡ ኪናገፍ ኢሉ፡ እንተ ጸለየ፡ ጸሎቱ ክምለሰሉ ከይተሓለለ ናብ ጐይታ ከቕርቦ ይግባእ። 

  • እቲ ጾር ፈጺሙ ይርሕቕ። ግናኸ እቲ ሰብ ካልእ ከምኡ ዝበለ ጾር ኪጸውር እንደገና ኣይክእልን እዩ።
  • በቲ ሓደ መገዲ ኸኣ፡ እቲ ጾር ከም ቀደሙ ከሎ ግናኸ እቲ ሰብ ዝበርትዔ ሓይሊ ይቕበል እሞ፡ እቲ ቅድም ኣዝዩ ከቢድ ጾር ዝነበረ፡ ከም ቀሊል ይስምዖ። ሓጐስ ከኣ ይዀኖ። ከምዚ ዝበለ መልሲ ጸሎት ከኣ እቲ ዝበለጸ እዩ። ስለምንታይ ንኻልእ ከምኡ ዝበለን ካብኡ ዝኸብድ ጾር ንምጻር ዓቕምን ሓይልን ስለ ዝህቦም።
  • ስለዚ ሓዋርያ ጳውሎስ ብምቕባል ዝዓበየ ጸጋን፡ ብሓዱሽ ሓይልን በረኸትን፡ ነቲ ዕንቅፋት ዝነበረ ናይ በረኸት ብምልውዋጥን ጸሎቱ ተመለሰሉ። ጸሎተይን ጾሎትኩምን ብኸመይ ይምለስ ኣሎ።

እዚ ሓዋርያ እዚ፡ ሓቀኛ ሓዋርያ ስለ ዝነበረ፡ እታ ካብ ዓለም ዝሳናበተላ ዕለት፡ ብራእይ ስለ ዝረኣያ፡ ኣብ መትከል ጸኒዑን ኣጽኒዕን ብምቅላሱ፡ ንሓይሊ ጸላኢ ኩላትና ዝኰነ ድያብሎ ከም ዝደምሰሶ ምስ ኣስተውዓለ። ከም ንደቂ ቆረንቶስውን ክምዕዶም ከሎ፡ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንዓይ ምሰሉ ዝበሎም፡ነቲ ወደይ ኢሉ ዝጽውዖ ዝነበረ ጢሞቴዎስውን፡ ንዕኡ ምእንቲ ክመስል፡ ከምዚ ገይሩ ብዛዕባ ዓውቱ ገልጸሉ። ንስኻ ግና ብዂሉ ተጠንቀቕ፡ መክራ ጽገብ፡ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፡ ኣገልግሎትካ መልእ። ኣነስ ካብ ሕጂ እስዋእ ኣሎኹ፡ እታ መዓልቲ ምስንባተይውን በጺሓ እያ እሞ፡ ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጒያ ወዲኤ፡ ነቲ እምነት ሐልየ። ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ። እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዂላቶም ድማ እዩ እምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን እናበሉ ብዛዕባ እቲ ንዓይን ንዓኻትኩምን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ክንቅበላ ተዳልያትልና ዘላ ኣኽሊል ዓውት የተስፍወና።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div