S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ልደት ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ

(ወንጌላዊ ሉቃስ ከም ዝጸሓፎ 21 16) ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፥ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት" ንወንጌል ሉቃስ ጸሓፊኡ፡ እቲ ሓኪምን ወንጌላውን ዝነበረ ግሪኻዊ ዝዓሌቱ ሉቃስ ዝተባህለ ወደ መዝሙር፥ ናብ ሓደ ቴዎፍሎስ ዝተባህለ ግሪኻዊ፥ ታሪኽ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣይሁዳውያንን ንግሪኻውያንን ጥራይ ዘይኰነስ ንምልእቲ ዓለም ከም ዝምልከታ ክፈልጥ ምእንቲ ኢሉ፥ 65 .. ጸሓፈሉ። እዚ፥ እቲ ሕጂ ወንጌል ኢልና ነንብቦን ንመሃረሉን ዘለና ጥዑም ዜና-ወንጌል እዩ።

ወንጌላዊ ሉቃስ ንድንግል ማርያም ብኣካል ረኺቡ፡ ምስኣ ኮፍ ኢሉ፡ ዛንታኣን ዛንታ ምላድ ክርስቶስን ዛንታ ድሕነት ደቂ ሰባትን ክጽሕፍ ከሎ ከምዚ ኢሉ ይጅምር። ኰነ ድማ፥ በቲ ቕነ እቲ ዅሉ ዓለም ኪጸሓፍ፥ ካብ ቄሳር ኣውጉስጦስ ትእዛዝ ወጸ። እዚኣ እታ ቀርኔሎዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ ኸሎ ዝዀነት ቀዳመይቲ ጽሕፈት እያ። ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ኪጸሓፍ፥ ኵሉ ነናብ ዓዱ ኸደ። - ዮሴፍ ድማ፥ ካብ ቤት ዳዊትን ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፥ ካብ ገሊላ ኻብ ዓዲ ናዝሬት ምስታ ጠኒሳ ዘላ ማርያም ሕጽይቱ ናብ ቤትልሄም እትብሃል ዓዲ ዳዊት ናብ ይሁዳ ኺጸሓፉ ደየቡ። ኰነ ድማ፥ ኣብኡ ኸለዉ፥ ጊዜ ሕርሳ በጽሔ። በኹሪ ወዳ ወለደት ብዓለባውን ጠቕለለቶ። ኣብቲ ማሕደር ኣጋይሽ ስፍራ ስለ ዘይነበሮም ድማ፥ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ። ኣብታ ምድሪ እቲኣ፥ ብለይቲ ማሎም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ዝሓድሩ ጓሶት ነበሩ። መልኣኽ እግዚኣብሔር ከኣ ኣብ ጥቓኦም ደው በለ፥ ክብሪ እግዚኣብሔርውን ኣብ ዙርያኦም ኣብርሄ፥ ብዙሕ ፍርሃት ከኣ ፍርሁ። -፲፩ እቲ መልኣኽ ድማ፥ እንሆ፥ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ስለ ዘሎ፥ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጎይታ እዩ፥ ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብይ ሓጎስ ኤበስረኩም ኣሎኹ እሞ፥ ኣይትፍርሁ። ፲፪ ምልክት ድማ እዚ ይኹንኩም፥ ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽትረኽቡ ኢኹም፥ በሎም። ፲፫-፲፬ ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ድማ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ ተጸንቢሮም፥ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፥ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት፥ እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ። ፲፭ ኰነ ድማ፥ እቶም መላእኽቲ ኻባታቶም ናብ ሰማይ ምስ ደየቡ፥ እቶም ጓሶት ንሓድሕዶም፥ እዚ እግዚኣብሔር ዝገለጸልና ኸውን ነገር ክንርኢ ንዑናይ፥ ናብ ቤት- ልሔም ንኺድ፥ ተበሃሃሉ። ፲፮ ቀልጢፎም ከኣ ኸዱ፥ ንማርያምን ንዮሴፍን ነቲ ሕጻንን ከኣ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ረኸቡ። ፲፯ እዚ ምስ ረኣዩ፥ ብዛዕባ እቲ ሕጻን እተነግረሎም ነገር ኣውረዩ፥እናበለ ወንጌላዊ ሉቃስ ጸሓፈሉ።

እዚ ዝተፈጸመሉ ግዜ፥ እዚ ሎሚ ነዘውትሮ ዘሎና ዓውደ ኣዋርሕ፥ ቅድሚ ምጅማሩ ብኣርባዕተ ዓመተ ዓለም፡ 5 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ እዩ ዝነበረ። ዝተፈጸመሉ ቦታ ድማ፥ ኣብ ሓንቲ ካብ ከተማታት ይሁዳ፥ ቤት ልሔም ወይ ድማ ኤፍራታ ተባሂላ እትጽዋዕ፥ ካብ ዮሩሳሌም ሽዱሽተ ማይልስ ኣቢላ ሪሒቓ እትርከብ ክትከውን ከላ፥ እቶም ጓሶት ድማ፥ ካብታ ብስራት ዝተሰምዓላ ከተማ ፍርቂ ማይልስ ኣቢሎም ሪሒቖም ነበሩ። እዛ ቤት ልሔም እዚኣ መበ በኣዝን ሩትን ዳዊትን ድማ እያ። ቤት ልሔም ማለት ብቋንቋ እብራይጢቤት ልሓምቤት እንጀራ ማለት እዩ። ክርስቶስ እቲ እንጀራ ሕይወት ድማ፥ ንኹላትና ዝኣክል ዝብላዕ እንጌራ ሕይወት ክኸውን ምእንቲ ኣብኣ ተወልደ። ቤተ ክርስቲያና ድማ፡ እቲ ንቁርባን ዝብላዕ ሕብስቲ፡ ኣብ ቤት ልሔም ኰይና እያ እተዳልዎ።

ቀንዲ ሓሳባት

ቀዳማይ፡ እቲ ዓብይ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ከመይ ኢሉ ከም ዝተገልጸ እዩ ዘመልክት።
ካልኣይ፡ እቲ ፍጹምን ሓቀኛን መድሓን ዓለም ዝዀነ ክርስቶስ ጥራይ ከም ዝዀነ ክምስክር ስለ ዝደለየ እዩ።
ሳልሳይ፡ እቲ ቀደም ዝተነግረ ዘበለ ናይ ተስፋ ትንቢታት ብትስብእት ክርስቶስ ከም ዝተፈጸመ ከርእየና ዝደለየ እዚ ጽሑፍ እዚ ተጻሕፈ።
ራብዓይ፡ እቲ ነባርን ዘይበርስን ምስክር ህላውነት እግዚኣቢሔር ኣምላኽ፥ ብምምጻእ ክርስቶስ ክንርድኦ ክንክእል ምእንቲ ተጋህደልና። በቲ ሓደ ወገን ድማ፡ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝግደሰልናን፥ ከም ዘቕረበናን እንፈልጠሉ መገዲ ክርስቶስ ብምውላዱ ከም ዝዀነን፡ ምድምሳስ ሓጢኣትና ብሓይሉ ጥራይ ከም ዝዀነ ኣርኣየና።
ሓሙሻይ፡ እቶም መላእኽቲ ኣብ ዕዮ ድሕነት፥ ምሕባሮም ድማ፥ ድሕነት እቲ ዝዓበየ ጉዳይ ኣምላኽ ንሰብ ምዃኑ ስለ ዝረኣዩ፥ ካብዚ ዝዓቢ ጥዑም ዜና ንሰብ ከም ዝየለ ስለ ዘስተውዓሉ ነበረ።

ይቕጽል

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div