S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣነ መን እየ

ሓደ ክርስቲያን ጸሓፋይ ንገዛእ ርእሱ መን ምኳኑ ክመዝና ምስ ፈተነ፡ ካብ  ኣምላኽ ጥቅስታታ እናመረጸ ንገዛእ ርእሱ ከምዚ ገይሩ ይገልጻ። ኣነን ንስኻትኩምንከ ነዚ ጸሓፋይ እዚ፡ እወ ረኸብካያ ልበይ፡ ኣነውን ንነፍሰይ ብኸምኡ እያ ዝፈልጣ ንብልዶ ንኸውን።

  1. ኣነ ውሉድ ኣምላኽ እየ (1ዮሃ፡ 31 ዮሃ፡112)
  2. ኣነ ጨንፈር ናይቲ ሓቀኛ ጉንዲ ወይኒ እየ። ሕይወት ክርስቶስ ኣባይ ይዛሪ (ዮሃ፡ 155)
  3. ኣነ ጨው ምድሪ እየ (ማቴ፡ 513)
  4. ኣነ ብርሃን ዓለም እየ (ማቴ፡514)
  5. ኣነ ፍረ መታን ክፈሪ ብክርስቶስ ዝተሓረኹ እየ (ዮሃ፡1516)
  6. ኣነ ንብዘላ ምድሪ ምስክር ክርስቶስ እየ (ግብ፡ 18)
  7. ኣነ ባርያ ጽድቒ እየ (ሮሜ 618)
  8. ኣነ ባርያ እግዚኣብሔር እየ፡ ንሱ ንነፍስይ ይቅድሳ ሕይወት ድማ ይህበኒ (ሮሜ 622)
  9. ኣነ ውሉድ እግዚኣብሔር እየ፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣቦይ እዩ (ሮሜ 814-15 ገላ፡326)
  10. ኣነ ንክርስቶስ መዋርስቱ እየ፡ ተማቓሊ እቲ ብሉጽ ክብሩ ድማ እየ (ሮሜ 817)
  11. ኣነ ዓርኪ ክርስቶስ እየ (ዮሃ፡ 155)
  12. ኣነ ቤት መቕደስ እቲ ህያው ኣምላኽ እየ፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣባይ ይሓድር (1ቆረ፡ 316 619)
  13. ኣነ ምስ ጐይታ ዝለገብኩ እየ፡ ምስኡ ድማ ሓደ መንፈስ እየ (1ቆረ፡ 617)
  14. ኣነ ክፋል ኣካል ክርስቶስ እየ (1ቆረ፡ 1227)
  15. ኣነ ሓድሽ ፍጥረት እየ፡ ሕሉፍ ታሪኸይ ተለዊጡ እዩ።  (2ቆረ፡ 517)
  16. ኣነ ምስ ኣምላኽ ሰላም ኣሎኒ፡ ንሱ ድማ ንካልኦት ምኽንያት ሰላም ክኸውን ሽይሙኒ (2ቆረ 518-19)
  17. ኣነ ንክርስቶስ ዝተፈለኹ እየ (ኤፈ፡ 11 ፊሊ፡ 11 ቆሎሴ 12)
  18. ኣነ ንክርስቶስ ክመስል ዝተጸዋዕኩ ፍጥረት እቲ ልዑል እየ (ኤፈ፡210)
  19. ኣነ ኣባል ስድራ ቤት ኣምላኽ እየ (ኤፈ፡ 219)
  20. ኣነ ምቕማጠይ ኣብ ሰማይ እዩ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ሰማያት ኣሎኹ (ፍሊ፡320 ኤፌ፡26 )
  21. ኣነ ንኻልኦት ክረብሕ እሱር ብጐይታ እየ (ኤፈ፡ 31 41)
  22. ኣነ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊረ ኣለኹ (ቆሎ 33)
  23. ኣነ ነጸብራቕ ሕይወት ክርስቶስ እየ፡ ምኽንያቱ ክርስቶስ ሕይወተይ እዩ (ቆሎሴ 34)
  24. ኣነ ወዲ ብርሃንን ወዲ መዓልቲን እምበር፡ ወዲ ጸልማትን ወዲ ለይትን ኣይኰንኩን (1ተሰ፡55)
  25. ኣነ ሓደ ካብቶም ህያዋን ኣእማን እየ፡ ብክርስቶስ ድማ ንቅዱስ ክህነት ዝኸውን መንፈሳዊ ቤተ ይሃንጽ ኣለኹ (1ጰጥ፡ 25)
  26. ኣነ ኣባል ናይታ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግሥቲ ካህን ቅዱስ ሰብ፡ ጥሪት ኣምላኽ እየ (1ጰጥ፡19-10)
  27. ኣነ ኣብዛ ዓለም ጋሻን መጻእተኛን እየ (1ጰጥ፡ 211)
  28. ኣነ ጸላኢ ሰይጣን እየ (1ጰጥ፡ 58)
  29. ኣነ ክርስቶስ ምስ ተመልሰ ንእኡ ዝመስል እየ (1ዮሃ፡ 31-2)
  30. ኣነ ዳግም ዝተወለድኩ እየ፡ እቲ እኩይውን ኣይትንክየንን፡ ሓጢኣት ድማ ኣይገብርን እየ፡ ምኽንያቱ ዘርኢ ኣምላኽ ኣባይ ስለ ዝነብር (1ዮሃ፡ 39,5,18)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div