S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጥዑም ዜና ኣስሚዕኩምና!

ዝኸበርኩም ኣዳለውቲ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን:

ዝሓለፈ ሰሙን ‘’ዓብይ ብስራት’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣብ መርበብ ሓበሬታ ተዋህዶ ኣዝዩ ዘሕጉስን ባህ ዘብልን ጥዑም ዜና ኣስሚዕኩሙና። ንሱ ከኣ ነታ ዓቢ ስምን ጽቡቕ ታሪኽን ዘለዋ ልሳን ተዋህዶ ዝነበረት ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ዳግማይ ክትጅምርን ክትበራበርን ምዃና ኣበሲርኩሙና። እዚ ንኣመንቲ ተዋህዶ ተስፋ ዘስንቕን መንፈሳዊ ረብሓ ዘለዎን ሰፊሕ ኣገልግሎት ስብከት-ወንጌል ብምዃኑ፡ ነዚ ክትገብሩ ልብኹም ዘነቓቕሐን ሓሳብኩም ዘስመረን እግዚኣብሔር ስብሓት ይኹኖ!

ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፥ ኣዳራሽ ፍኖተ ብርሃን፡ ማሕበር መንእሰይ ፍኖተ ብርሃን... ዝብሉ ኣስማት ክዝከርን ክልዓልን ከሎ ነዊሕ ዓመታት ንድሕሪት ተመሊስካ፡ ብዛዕባ ሽዑ ዝነበረ ኦርቶዶክሳዊ ምንቕቓሕ፡ መንፈሳዊ ተዋስኦታትን ሃዋርያዊ ስብከታትን እናዘከርካ ምስቲ ሕጂ ቤተ ክርስትያንና ዘላቶ ከቢድ ፈተና ኣነጻጺርካ ወይ ጸገም ‘’ጥዑም እምበር ጥዑም ከይበልናዮ ሓሊፉ’’ እናበልካ ዝያዳ ጸሎት ዘድልዮ ፈታኒ እዋን ከም ዝበጻሕና ይስወጠካ እሞ ‘’ ጎይታ ከም ምሕረትካ እምበር ከም ኣበሳና ኣይኹን!’’ ኢልካ ክትጽሊ ድማ ይግድደካ። ምኽንያቱ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ብኣቶ ትምርሓሉ ዘስደምም እዋን ስለ ዝበጻሕና።

  

ከምቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ-መዛሙርቱ ‘’ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ብዙሓት ነቢያትን ነገስታትን ኪርእይዎ ደለዩ ግናኸ ኣይረኣዩን፡ ነዚ ንስኻትኩም ትሰምዕዎ ዘሎኹም ኪሰምዑ ደለዩ ግናኸ ኣይሰምዑን፡ ናታትኩም ግና ዚርእያ ዘለዋ ኣዕይንትኹም ዚሰምዓ ዘለዋ ኣእዛንኩም ብፁዓት እየን’’ ከም ዝበሎም፡ ንሕና ኣመንቲ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ድማ ሎሚ ምስታ እንፈትዋ ወግዓዊት ልሳንና ዝኾነት ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ዳግማይ ክንራኸብ ብሃረርታ ንጽበዮ ስለዝኾነ፡ ብሓቂ ጥዑም ዜናን ሰናይ ብስራትን ኣስሚዕኩምና። ኣብ ኩሉ ዕዮኹም ኣምላኽ ክድግፈኩም ከኣ ጸሎትና ኢዩ። ከምቲ ኣብ ዘመን ኦሪት ካህን ኤሊን ደቁን ነቲ መንፈሳዊ  ኣገልግሎት ገዲፎም ኣብ ሕማቕ ስራሕ ምስ ተዋፈሩ ‘’ኣነስ ነቶም ዘኽብሩኒ የኽብሮም፡ ነቶም ዝንዕቁኒ ከኣ የሕስሮም’’(1 ሳሙ 230) ኢሉ እግዚኣብሔር እሙን ካህን ነቢይ ሳሙኤል ዘተንስአ፡ ንዓና ድማ ርህሩህ ኣምላኽ እሙናት ጓሶት ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ስደት ዘተንስኣልና ጊዜ ከም ዝበጽሐ ዝሕብር እዩ።  ስለዚ ነቲ ኣበጊስኩሞ ዘሎኹም ሃዋርያዊ ዕላማ ምዝርጋሕ ቃል እግዚኣብሔር ዝያዳ ክትብርትዑ ተስፋ እናገበርኩ፡ ሰናይ ምጅማር ንጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን እብል!!

 

ምክኤል ሃ.

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div