S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሰብ ብዝመስሎ፡ እግዚኣብሔር ብዝፈልጦ!

ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ መጺኡ፡ ወንጌል መንግሥቱ ከምዝመሃረን ዓበይቲ ተኣምራት ከምዝገበረን ቅዱሳት ጽሑፋት ኣደልዲሎምን ኣነጺሮምን ይነግሩና እዮም። ካብ መንጎ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ
ዝገበሮ ብዙኅን ዓበይትን ናይ ምሕረት ተኣምራት ድማ፡ ናይቲ ብዕውሩ ዝተወልደ እሞ ኣዕንቱ ከምዝርእያ ዝገበረን ንረክብ። ታሪኽ ናይዚ ብዕውሩ ተወሊዱ ብምሕረት ጎይታ ከምዝርኢ ዝኾነ፡ ዓይነስዉር፡ ብእተፈልየ ኣብዚ ክንዝክሮ ዝደሌናሉ ምኽንያት ኣሎ። ከመይሲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብመገዲ ክሓልፍ ከሎ፡ ነቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ሰብ ረኣዮ። ክምኡውን ደቀ መዛሙርቱ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ነቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ሰብ ምስ ረኣይዎ ‘’መምህር እዚ ሰብ እዚ ዕውር ኮይኑ ክውለድሲ መን ዝበደለ? ንሱ ድዩ ወይስ ወለዱ?‘’ ኢሎም ሓተትዎ። ኢየሱስ ከኣ ነቲ ሕቶኦም፡ ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኪገሃድ ደኣ እዩ እምበር፡ ንሱ ኮነ ወለዱ ኣይበደሉን’’ ኢሉ መለሰሎም (ዮሓ 91-3)

ሰብ ዝመስሎ ደኣ እምበር ብሓቂ ዝተረድኦ ይዛረብ እዩ ኢልካ ደፊርካ ከይትዛረብ ዝገብረካ ኵነታት የጋጥም እዩ። ነዚ ርዱእ ኣብነት ዝኾነና ድማ ታሪኽ ናይ ብዕውሩ ዝተወልደ ሰብን ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ዝሓደረ ስምዒትን እዩ። ኣብ ዝኾነ ይኹን ጊዜን ቦታን እትህቦ ርእይቶ ይኹን ፍርዲ፡ ብቐሊል ክርኤ ዘይግብኦ ጥንቃቐ፡ ክምዘድልዮ ብዙኅ ኣብነታት ምጥቃስ ይከኣል እዩ። ነዚ መበልየይ ደጋፊት ኣብነት ትኸውን እያ ኢለ ዝሓሰብኩዋ ኣብ ጊዜ ሕፃንነተይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘንበብኩዋ ኣቕርበልኩም።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ጥቓ ሓደ ባሕታዊ ዝነብረላ በዓቲ፡ ወሓዚ ማይ ዘለዋ ሩባ ነበረት። እታ ሩባ ኣብ ደረት መገዲ ስለዝነበረት ድማ ብእኣ ዝሓልፍ ዘበለ፡ ገለ ማይ ከይሰተየ ገለ ከኣ መፋኾሲ ድኻሙ ገጹ ወይ እግሩ ከይተሓጽበ ዳርጋ ኣይሓልፍን ነበረ። እቲ ኣብ ጥቓ እዛ ሩባ ዝነብር ዝነበረ ባሕታዊ እምብኣርከስ፡ በቶም ሓላፍቲ መገዲ ዝፍጸም ናይ ምርኣይ ወይ ናይ ምዕዛብ ዕድል የጋጥሞ ነበረ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፡ ቁጻር ከረጺት ወርቂ ዝኃዘ፡ ሓላፍ መገዲ ኣብታ ሩባ ተኣልዩ፡ ማይ ሰትዩ፡ ቁሩብ ዕረፍቲ ድሕሪ ምግባር፡ ነታ ቁጻር ከረጺቱ ረሲዕዋ መገዱ ቀጸለ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ካልእ ሓላፍ መገዲ ብኣንጻር እቲ ከረጺት ረሲዑ ዝኸደላ ዝነበረ መገዲ ዝመጸ፡ ኣብታ ሩባ ማይ ሰትዩ ቁሩብ ድሕሪ ምዕራፍ፡ ነታ ዝተረስዐት ቁጻር ከረጺት ረኺቡ ኂዝዋ መገዱ ቀጸለ። እቲ ዋና እታ ቁጻር ከረጺት ወርቂ፡ ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ከምዝረስዓ ትዝ ይብሎሞ፡ ጉዕዝኡ ኣቍሪጹ እንዳተሃንፈፈ ኣብታ ሩባ በጽሐ። ብኡ ንብኡ ከኣ ሓደ ገያሻይ ማይ ሰትዩ ከዕርፍ ኣብ ጽላል ኮፍ ኢሉ ይጸንሖሞ፡ ቁጻር ከረጺት ከምዝጠፍኣቶ ሓቢሩ ረኺቡዋ እንተኾይኑ ክህቦ ሓተቶ። እቲ ሓንቲ ዘይረኸበ ሰብኣይ ድማ ‘’ካልእ ቅድመይ መጺኡ ደኣ ወሲዱዋ ከይከውን እምበር ኣነስ ኣይረኸብኩን’’ ክብል መለሸሉ። እቲ በዚ መልሲ ዘይዓገበን ሓቢኡዋ ይኸውን እዩ ኢሉ ዝጠርጠረን ዋና እታ ከረጺት ግን፡ ‘’ንስኻ ረኺብካ ሓቢእካያ ኣሎኻ’’ ኢሉ ከምጽኣ ግድን ይብሎ። ከምዘይረኸባ እኳ ከረድኦ እንተፈተነ በቲ መልሱ ስለ ዘይዓገበ ባእሲ ይገጥሙ እሞ፡ እቲ ከረጺት ዘጥፍኤ ነቲ ሰብኣይ ኣበርቲዑ ብዘይንሕስያ ስለዝሃረሞ ሞተ።

ነዚ ኵሉ ኵነታት ዝዕዘብ ዝነበረ ባሕታዊ ኣምሪሩ ሓዘነ። ንኩነታት እቲ ባሕታዊ ዝተረድኤ ፈጣሪ ግን ከምዚ ዝስዕብ ገይሩ ኣረድኦ።

1ይ፡ እቲ ኣብታ ገምገም ሩባ ቁጻር ከረጺት ወርቂ ዝረስዐ ሰብ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣቦኡ ቁጻር ከረጺት ወርቂ ረኺቡ ወሲዱ ከምዝነበረ፡

2ይ፡ እቲ ነታ ቁጻር ከረጺት ወርቂ ረኺቡ ዝወሰዳ ሰብ ድማ፡ ኣቦኡ ቅድሚ ገለ ዓመታት ቁጻር ከረጺት ኣጥፊኡ ከምዝነበረ፡

3ይ፡ እቲ ዝረኸበ ዘይብሉ ክነሱ ብኢድ እቲ ከረጺት ወርቂ ዘጥፍአ ዝተቐትለ ሰብ ድማ፡ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣቦኡ ሰብ ቀቲሉ ከምዝነበረ ዘረድእ ረቂቅ ትምህርታዊ መልሲ ሃቦ።

ሰብ መብዝሕትኡ ጊዜ በቲ ዝመስሎ እዩ ዝፈርድ። እግዚኣብሔር ግን እቲ ዝብሎን ዝገብሮን ይፈልጥ እዩ። ምእንትዚ ድማ እዩ፡ ኣብታ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ከነዝውትራ ዝተኣዘዝና ጸሎት፡ ‘’ካብ ክፉእ ኣድኅነናምበር ናብ ፈተና ኣይተእትወና’’ ኢልና ንጽሊ። ክቡራት ኣንበብቲ ሕጂውን እንተኾነ በቲ እግዚኣብሔር ዝፈልጦን ዝደልዮን ደኣ እምበር፡ በቲ ዝመሰለና ከይንኸይድ ኃይሉን ጥበቡን ክህበና ሠናይ ፍቓዱ ይኹን!

.

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div