S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቁርባንን ምሥጢረ ቁርባንን ፍልልዩ እንታይዩ?

1.ቁርባን
ቁርባን ማለት ሰብ ንኣምላኹ ዘቕርቦ መስዋእቲ (ሓጢኣት/ምስጋና/መብጽዓ) ማለትዩ።
  • ንኣብነት እግዚኣብሔር ተሓጊሱ ዝተቐበሎ ቁርባን፡-
  • ኣቤል ዘቕረቦ ምስዋእቲ ኣባጊዕ (ዘፍ 44)
  • ኖህ ዘቕረቦ ዝሓርር መስዋእቲ ንጹህ እንስሳን ኣዕዋፍን (ዘፍ820-22)
  • ኣቦና ኣብርሃም ኣብ ክንዲ ይስሃቕ ወዱ ንዝሓርር መውስዋእቲ ዝሰውኦ ድዑል (ዘፍ 229-14)
  • እሳራኤላውያን ዝስውእዎ ናይ ፋሲካ መስዋእቲ (ዘጸ 121-28)
  • ከምኡውን መልከጸደቕ፡ ካህን ልዑሉ ኣምላኽ ናይ እንጌራን ወይንን መስዋእቲ ሒዙ ንኣብርሃም ከምዝተቐበሎ (ዘፍ123-8)
  1. ኣብ ኦሪት እቶም ዝበደሉ ኣብ ስጋን ናይቲ ዝስዋእ እንስሳን ኣእዳዎም የንብሩ፤ እቲ ነንፍሲ ዘተዓርቓ ደም ግን እቲ ዝተቐብአ ካህን ሒዝዎ ናብ መቕደስ ይኣቱ (ዘለ 11-9,1711
  2. ብመስዋእቲ ዘይዕረቕ ሓጢኣት ነይሩዶ? እወ ብሞትን (ብዳርባ እምንን) ዘቕጽዕ ብልዕልቲ ኢድ ዝተፈጸመ ሓጢኣት ነይሩ (ዘለ 20)
  3. መስዋእቲ እንስሳ ሓጢኣት ኩሉ ዓለም ከርሕቕ (ከጥፍእ) ይኽእልዶ? ኣይክእልን። “…ደም ኣብዑርን ድቤላታትን ሓጢኣት ከርሕቕ ኣይከኣሎን እዩ።” (እብ 104)

2. ምሥጢረ ቁርባን

“…ኢየሱስ እንጌራ ኣልዓለ ባሪኹ ቆሪሱእዚ ስጋይ እዩ፡ ውሰዱ ብልዑ በሎም። ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሃቦም፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፡ ካብዚ ኩሉኹም ስተዩ።

ክርስቶስንሓዋሩ እትኸውን ሓንቲ መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበእምበኣርሲ ኣብቲ ናይ እዚ ይቕረታ እዚ ዘለዎስ፡ ደጊም መስዋእቲ ስለሓጢኣት ኣየድልን እዩ።” (እብ 1012, 18)

ምሥጢር ዝተባህለሉ ምኽንያት እቲ ጽሩይ ስርናይን ወይንን ብኸመይ ናብ ስጋን ደምን ወልደ እግዚኣብሔር ከምዝልወጥ ክንርድኦን ከነስተውእሎን ስለዘይንኽእል እዩ። ስለዚ ቅዳሴ ብመሰረቱ ዚስራዕ ስጋን ደምን ክርስቶስ ንምድላው እዩ።

ቅዱስ ቁርባን ንምንታይ ንወስድ?

  • ህይወት ኪንረክብ (ዮሃ 657)
  • ሕድገት ሓጢኣት ኪንረክብ (ማቴ 2626-27)
  • ምግቢ ሓቅን መስተ ሓቅን ስለዝኾነ ብመንፈስ ክንዓቢ (ዮሃ 635)
  • ንሕና ኣብ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ከኣ ኣባና ምእንቲ ክነብር (ዮሃ 656)
  • ስሌና ዝሞተ ክርስቶስ ክንዝክርን ቃል ኪዳንና ከነጽንዕን (1 ቆረ1128)

ብሓጺሩ ክርስትያን መንገደኛ’ዩ፡ እምነት ክርስትና ከኣ ናይ ሓደ ህያው ሰብ ናብራ እዩ። ካብ ምግቢ ዝፍለ ሰብ ሓይልን ጥዕናን ከምዘይረክብ ኩሉ፤ ካብ መኣዲ ኣምላኽ ዝተፈለየት ነፍሲ ድማ ድኽምቲ ንዓለምን ሰይጣንን ዝተቓልዐትያ።

ቅዱስ ቁርባን ንመን መኣስን?

“…ኢየሱስ እንጌራ ኣልዓለ ባሪኹ ቆሪሱእዚ ስጋይ እዩ፡ ውሰዱ ብልዑ በሎም። ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሃቦም፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፡ ካብዚ ኩሉኹም ስተዩ።

ርእሱ መርሚሩ፡ ተናሲሑ፡ ስጋን ደምን ናይ ኣምላኽ ኪቕበል ፍቓደኛ ንዝኾነ ኩሉ ወዲ ቤተክርስትያን።ከይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዚበልዕ ወይስ ጽዋእ ጎይታ ዚሰቲ ንሱ ኣብ ናይ ጎይታ ስጋን ደምን እዩ ዚዕግብ።እንተዘየለለየ ንርእሱ ፍርዲ ዚበልዕን ዚሰትን” (1 ቆረ 1127-28)

መኣስ? ኩሉ ግዜኣብ ንእስነት፡ ማእከላይ ዕድመ፡ ክሳብ ሞት።

ኣብ ክንደይ እዋን? (ከም ስርዓትና፡ እንተ ነውሐ ኣብ 40 መዓልቲ)

ስለምንታይ’ዩ መኣዲ ኣምላኽ ብህጻናትን ዓበይቲን ጥራሕ ዝውሰድ?

(ክፉት ዘተ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div