S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ማዕተብና ናይ ልቢ’ዶ ወይስ ናይ ክሳድ?

ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ዝጸንሐ ሕግን ሥርዓት ብዝእዝዞ መሠረት ሕፃናት ወዲ ኣብ 40 መዓልቲ፡ ጓል ድማ ኣብ 80 መዓልቲ ጸጋ ጥምቀት ክቕበሉ ግቡእ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ሕፃናት ኣብ ዕለተ ጥምቀቶም ብቅብኣት

 

ሜሮንን ብቅዱስ ቁርባንን ተባሪኾም፡ ብጥምቀት ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ዳግም ተወሊዶም፡ ደቂ እግዚኣብሔር ዝኾንሉ መገዲ ድሕነት ምዃኑ ኩሉ ኣማኒ ክፈልጦ ዝግባእ ዓቢይ ክርስቲያናዊ ምሥጢር እዩ። እቶም ሕጻናት ምስ ተጠመቑ ብጻዕዳ ወይ ሰማያዊ ፈትሊ ምልክት ማዕተብ ኣብ ክሳዶም ይእሰረሎም። ኣብ ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን ድማ ቀይሕ ጨርቂ (ሪቦን መሳሊ) ኣብ ፍርቂ ማዓንጣኦም የዕጥቕዎም። እዚ ድማ ንቅኑዕ ሃይማኖትካ ክሳብ ሰማዕትነት ዕጡቕ ክትክወን ከምዘሎካ ዝሕብር ምልክት እዩ። እምበኣር እስከ ንሎሚ ብዛዕባ እዚ ዓቢይ ትርጉምን መልእኽትን ዘለዎ ማዕተብ-እምነት ዝምልከት ነዚ ቀጺሉ ዘሎ ጽሑፍ ንከታተል።


ማዕተብ ክንብል ከሎና ጸጋ ጥምቀት ብድሕሪ ምቕባልና ኣብ ክሳድና ንዝእሰረልና ጻዕዳ ፈትሊ (ምልክት ሕድገት ኃጢኣት) ወይ ድማ ሰማያዊ ፈትሊ (ምልክት ዳግም ልደት) ዝወሃብ ስም እዩ። እዚ ድማ ደጋዊ-ምልክት ናይ ክርስቲያዊ እምነትናን መግለጺ መንነትናን መጸውዒ እኳ እንተ ኾነ: መንፈሳዊ ትርጉሙ ግና ነቲ ኣብ ውሽጢ ልብናን ሕልናን ዝተቐመጠ ሓቀኛ እምነት እግዚኣብሔር ዘንጸባርቕ፡ ማዕተብ ንጽህናን ቅድስናን፡ ማዕተብ ሕድርን ፍቕርን፡ ማዕተብ ሃይማኖትን ተግባርን ዝገልጽ ሰፊሕ ትርጉም ዘለዎ እዩ። በዚ መሠረት ኣብ ምእመናን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ማዕተብ  ክቡር መልእኽትን ረዚን ዕላማን ሒዙ ንረኽቦ። ብሓቂ ድማ ማዕተብ-እምነት ክኸብርን ክዕቀብን ዝግብኦ መዘኻኸሪ ናይ ማሕተም መንፈስ ቅዱስ ስለዝኾነ ካብ ፈትሊ፡ ነሓስ፡ ብሩርን ወርቅን ዝተሰርሐ ሰንሰለት መስቀል ኣብ ክሳድና ምጻር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣሰር ኢየሱስ ክርስቶስን ሓዋርያትን ተኸቲልና ብግዜ ራህዋ ይኹን ብጊዜ ጸበባ ኣብ ሃይማኖትና እሙናት ጽኑዓትን ኮንና ክነብር ግዴታና እዩ።


ሓዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ‘’ኣነስ ስምብራት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰብነተይ እፀውር ኣሎኹ እሞ ድሕሪ ሕጂ ሓደ እኳ ላሕ ኣየብለኒ’’ እናበለ ኣብ እምነቱ ዘለዎ ጽንዓት ይገልጽ። እወ ኣብ ሰብነት ሓዋርያ ጳውሎስ ዝነበረ ዕላመትን ማዕተብ እምነትን፡ ወርቂ ብሩርን ነሓስን ዘይኮነስ፡ ስምብራት ማህረምቲ ኣብ ዝባኑ፡ ሰንሰለት ማእሰርቲ ኣብ ኣእዳዉ፥ ኣብ ልዕሊ ድማ ዝወግኦ ግራጭን በሰላ ኩርማጅን ከም ምልክት ሃይማኖቱ እናጾረ ንኽብሪ ኣምላኹ ክሳብ ሞት ዝተወፈየ ጅግና ናይ እምነት ሰብ እዩ ዝነበረ። ኣቐዲሙ ኢየሱስ ክርስቶስውን ‘’እቲ መስቀሉ ፀይሩ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ’’ ክብል ንእምነትና ክሳብ ቀራንዮ እንተ ኾነውን መስቀል ተሰኪምና ብተስፋ ክንጎዓዝ ከም ዝግብኣና ኣነጺሩልና ኣሎ። ስለዚ እምበኣር ንኽብሪ ክርስቶስ ኢልና መስቀል ምስዓምውን ኣኻሊ ኣይኮነን። ናብቲ ምእንታና ዝተሰቕለ ጎይታና እናጠመትና ንቃል መስቀል ዝበቕዕ ሕይወት ክህልወና ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ነገር ምዃኑ ከነዘኻኽር ንደሊ። ገላ 617


ኣብ ታሪኽን ባህልን ሕብረተሰብና ሕድሪ ምትግባርን ኣብ ቃልካ ምጽናዕን ዝጸንሐ ልሙድ ተርእዮ ምዃኑ መስክሩልና ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። ነዚ ዘረጋግጽ ድማ ኣብ ምስላ ዓደቦና ‘’ካብ ዝተዛረብናዮ ዝጥለም ዝወለድናዮ ይጠለም’’ ብምባል ንቃሎም ምእንቲ ከይጠልሙ ክሳብ ውሉዶም ክገድፉ ከም ዝቐርቦም፡ ኣብ ውዕሎምውን ክሳብ ሞት ጽኑዓት ከም ዝነበሩ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። እወ እዚ ብጽኑዕ ሃይማኖቱን ክቡር ባህሉን ዝፍለጥ ህዝብና ንቃል ኣምላኽስ ይትረፍ ነቲ ኣስተውዒሉ ባዕሉ ዝተዛረቦ ቃሉን ውዕልን እንተኾነውን ኣብ ምትግባሩ ኣዝዮም ጥንቁቓት ከም ዝነበሩ ንዅልና ብሩህ እዩ። እሞኸ ደኣ ሎሚ ኣብ ማዕተብ-እምነትና ክንጸንዕ፡ ሕድርና ክንትግብር፡ መብጽዓና ክንፍጽምን ዘይንኽእለሉ ምኽንያት እንታይ ስለ ዝተረኽበ እዩ? እዚ ዘሎናዮ እዋን ከምቲ ኣቦና ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ‘’ዘተናገሩ በነግህ ኢይደግሙ በሰርክ’’ እዚ ማለት ‘’ንግሆ ዝተዛረብዎ ምሸት ኣይደግምዎን እዮም’’ ክብል ዝተነበዮ ዝፍጸም ዘሎ ኮይኑ ይስምዓካ። ምኽንያቱ ብዙሓት ሰባት ቃል ኪዳኖም ክጠልሙ፡ መብጽዓኦም ክርሳዑ፡ እምነቶም ክጎድል ብተደጋጋሚ ንርእዮ ዘሎና ፍጻመ ምዃኑ ኵልና ንስሕቶ ኣይመስለናን። እወ ኣብ ዘመንናውን ማዕተብ ኣብ ክሳድካ ተሰኪምካ ምኻድ ገና ዝቕጽል ዘሎ ልሙድ ባህልን ስርዓትን ክርስቲያናት እኳ እንተ ኾነ፡ ከምቲ ሃይማኖታዊ መምርሒና ዝእዝዞ ንዕዮ ወንጌል ውፉያትን ጽኑዓትን ኮይኖም ዝነብሩ ዘለዉስ ኣዝዮም ውሑዳት እዮም።

 

ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መልእኽቱ፡ ‘’እስመ ክርስቶስኒ ብእንቲኣክሙ ሓመ ይኅድግ ለክሙ ማዕተቦ ከመ ትትልዉ ኣሰረ ዚኣሁ’’ እዚ ማለት ‘’ክርስቶስ ድማ ኣሰር ኣሰሩ ምእንቲ ክትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ ኣርኣያውን ኃደገልኩም’’ ይብል። እወ ጎይታስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ንዓና ዝኸውን ኣርኣያ ብቃልን ብግብርን ሓዲጉልና እዩ። እሞኸ ደኣ ንሕና ህዝበ ክርስቲያንከ ከም ፍቓድ ኣምላኽን ትእዛዝ ቤተ ክርስቲያንዶ ንመላለስ ኣሎና? እዚ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝምልከት ሕቶ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኣፍ ልብና ማዕተብ ካብ ፈትሊ፡ ብሩርን ወርቅን ዝተሰርሐ ኣብ ክሳድና ንኣስር ኢና። ይኹን እምበር እቲ ቅኑዕ ዕላምኡ እንዳ ረሳዕና፡ ትርጉሙ እንዳጥፋእና ከም መመልክዒ ጌጽን ስልማትን ኮይኑ ዝስምዓና ውሑዳት ኣይኮናን። ስለዚ ኢና ድማ ንጽሑፍና ‘’ማዕተብና ናይ ልቢ ወይስ ናይ ክሳድ? ዝብል ኣርእስቲ ዝሃብናዮ። መንፈሳዊ መልእኽትን ሕድርን ናይታ ኣብ ክሳድና እንኣስራ ማዕተብሲ፡ ኣመንቲ ካብ ዘይኣመንቲ መፍለዪ፡ ከምኡውን ካብ ንጹህ ልቢ፡ ካብ ጽሩይ ሕሊና፡ ካብ ሓቀኛ ፍቕሪ ኣምላኽ፡ እትርከብ ንክርስቲያናዊ እምነትና እትገልጽ ኣርማ ድሕነት እያ። 1ጴጥ 221


ሓደ ትጉህ ኣበ-ነብሲ ካህን ናብ ዝጓስዩወን ስድራ ቤታት ምብጻሕ ክገብሩ መደብ ኣውጽኡ እሞ፡ ብሓንቲ ስድራ ቤት ንኽጅምሩ ኢሎም ማዕጾ ኳሕኳሕ ኣበሉ። ኣባል እታ ስድራ ቤት ዝኾነ መንእሰይ ወዲ ድማ ማዕጾ ከፈተሎም። ብድሕሪ እዚ መስቀል ተሳሊሙ ቃል ሰላምታ ምስ ተለዋወጡ፡ እቶም ካህን፡ በልስከ ዝወደይ እታ ናይ ቀደም ማዕተብካ ደኣ ኣበይ ከደት? ክብሉ ሓተትዎ። ንሱ ከኣ እታ ኣብ ክሳደይ ዝነበረት ፈትሊ ሕጂ ምሳይ የላን። ግናኸ እምነትኮ ኣብ ልብኻ እዩ እምበር ኣብ ማዕተብ ክሳድካ ኣይኮነን ዘሎ፡ ክብል ህዉኽ መልሲ- መንእሰይ መለሰሎም። ንሶም ድማ ‘’ኣየ ዝወደይ ነታ ማዕተብካ፡ ልብኻ እንተ ዘይትንዕቃስ ክሳድካ ኣይጸረክን ኣይምበለታን ኔራ! በልዎ ይበሃል። እዚ ዘሎናዮ ወለዶ ድማ ጾም እንተ ኣወጅካ፡ ኣምላኽ ግብርኻ እምበር ጾምካ ኣይኮነን ዝርኢ ይብሉ። ብዛዕባ ማዕተብ እንተ ተዛረብካ፡ ማዕተብ ኣብ ልብኻ እምበር ኣብ ክሳድካ ኣይኮነን ይብሉ። ብዛዕባ ኣገባብ ኣከዳድና እንተ መዓድካዮም ከኣ፡ ኣምላኻ ክዳንካ ዘይኮነስ ሥራሕካ እዩ ዘገድሶ ዝብል ከንቱ ሞጎተ የልዕሉ። እቲ ሓቂ ግና ማዕተብ ካብ ልብና፡ ሠናይ ግብሪ ካብ ሕልናና፡ ጾምን ጸሎትን ካብ ሕይወትና በብቑሩብ ይርሕቕ ከምዘሎ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ዝርድኦ ኣሻቓሊ ጉዳይ እዩ። ማዕተብና ክንድርቢ፡ ኣጽዋማት ክንሕሰም፡ ኣከዳድናና ከነኽፍእ ዝድርኸና ዘሎ ዓለማዊ ሓሳባትን ሸለልትነት ከኣ ብጣዕሚ ጎዳኢ ምዃኑ ከስተውዕሎ ይግባእ።


ገዳማውያን ኣቦታትና መነኮሳት እቲ ኣብ ክሳዶም ዝጾርዎ ማዕተብ ምስ መቑጸርያኡ ስለዝኾነ ካብ ክሳዶም እናውጽኡ ኣብ መዓልቲ 7 ግዜ ጸሎት ብመቝጸርያ ከብጽሑን እግዚኦ መሓረነ ክርስቶስ! ኪርያላሶን፡ ኣቡነ ዘበሰማያት እናበሉ ኩሉሳዕ ብምህለላ ናብ እግዚኣብሔር ክልምኑን ከመስግኑን እዮም ዝነብሩ። ከምኡውን ኣቦታት ጳጳሳትን ውሉደ ክህነትን ኣብ ክሳውዶም ዝተፈላለየ ሰንሰለትን ማዕተብ-እምነትን ኣሲሮም፡ ኣብ ኢዶም ከኣ መስቀል ክርስቶስ ተሰኪሞም ንህዝቢ ክባርኹ ንርእዮም ኢና። እንተኾነ ገሊኦምሲ ንሕድሪ ኣምላኾምን መጓሰ ህዝቦምን ዕሽሽ ብምባል ምስ ማዕርጎምን ማዕተቦምን ዘይሳነ ተግባር ክፍጽሙ ክትርኢ ከሎና ብጣዕሚ ዘሕዝን ዘተሓሳስብን ጉዳይ እዩ። ንመስቀል ክትስከሞ ጥራይ ዘይኮነስ ክሳብ ሞት ክትስቀለሉ ድልው ምዃን ድማ ክርስቲያናዊ ትእዛዝ እዩ። እቲ ቅዱስ ጽሑፍውን፡ ‘’ወእግዚኣብሔር ውእቱ ዘያጸንዓነ ምስሌክሙ ለኣሚን በክርስቶስ ዘቦቱ ቀብኣነ ወኣተበነ፡ ወወሃበነ ኣረቦነ መንፈስ ቅዱስ ውስተ ልብነ’’ ትርጉሙ ‘’እቲ ንኣናን ንኣኻትኩምን ኣብ ክርስቶስ ዘጽንዓና ኣምላኽ እዩ። ዝቐብኣናውን ንሱ እዩ። ናቱ ከምዝኾንና ማኅተም መፈለጥታ ዝገበረልና ኣብ ልብና ዕርቡን መንፈስ ቅዱስ ዝሃበናውን ንሱ እዩ’’ ይብል። 2ቆሮ 121-22


እምበኣር ልብና ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ኮይኑ መንፈሳዊ ፍረ ምእንቲ ክንፈሪ ነቲ ኣብ ሕይወትና ማኅተም መፈለጥታ ዝገብረልና ሕያው ኣምላኽ ብትሕትና ነገልግል። ከምቲ ‘’ነታ ዝተጸዋዕካላ ኣብ ቅድሚ ብዙኃት ምስክርውን ጽቡቕ ምእማን ዝተኣመንካላ ሕይወት ዘለዓልም ሓዛ’’ ዝብል ማዕዳ ዘሎ፡ ንሕናውን ኣብዛ ስደትን ፈተናን ዝበዝሓ ዓለም ሓዋርያዊ ጻውዒትና ኣኽቢርና፡ ንማዕተብና እሙናት ኮንና ክንነብር ሰማያዊ ዓስቢ ዘለዎ ሠናይ ስራሕ እዩ። ስለዚ ምእመናን ሃይማኖቶም፡ ውሉደ ካህነት ኣገልግሎቶም፡ ፈላሲ ደብሩ፡ ጳጳስ መንበሩ ብቅንዕናን ፍርሓት እግዚኣብሔርን ነቒሑ ከማሓድር ሓላፍነት ናይ ንፍሲ ወከፍ ዝምልከቶ ኣካል እዩ። እዚ እንተ ገበርና ኢና ድማ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ብሕድሪ ዝኣሰረትልና ደጋዊ ማዕተብ ኣብ ማዕሙቕ ልብና ዝተሰረተ ሓቀኛ ማዕተብ ዓቅልን ፍቕርን ምዃኑ ከነንጸባርቖ እንኽእል። ሃይማኖትና ኣጽኒዕና ሕድርና ክንፍጽም ኣምላኽ ጸጋኡ የብዝሓልና። 1ጢሞ 612


ክፍሊ ትምህርትን ስብከትን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div