S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅዱስ መውስቦ - Holy Marriage

መደብ እግዚኣብሔር፡ መውስቦ ቅዱስን ሰናይን ኪኸውን እዩ

እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከኣሰብኣይ በይኑ ኺነብር ጽቡቕ ኣይኮነን። ንእኡ እትሰማማዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየበለ።ኣዳምእዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ ስጋ ኸኣካብ ስጋይ እያ፡ ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ እያ እሞ፡ ሰበይቲ ትብሃልበለ። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይውሓድ። ሓደ ኣካል ድማ ይኾኑ። (ዘፍ 218,21-23)

ሰበይቲ ምርካብ ሰናይ ምርካብ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኻብ እግዚኣብሔር ሞጎስ ምርካብ እዩምሳሌ 1822

“He who finds a wife finds what is good and receives favor from the Lord..” Proverb 18:22.

እቲ ኣምላኽ ሓደ ዚገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ።

“For this reason a man shall leave his father and mother and be joined to his wife and the two shall become one flesh. So then, they are no longer two but one flesh. Therefore what God has joined together, let not man separate” (Matthew 19:5-6).

እቲ ኣምላኽ ሓደ ዚገበሮ ሰብ ብኸመይ የፍርሶ?

መውስቦ  ካብ ኣምላኽ  ምዃኑ ብዘይምፍላጡ

ቤትን ሃብትን ካብ ወላዲ ይውረስ፡ ለባም ሰበይቲ ግና ካብ እግዚኣብሔር እያ።ምሳሌ 1914 (ንኽልቲኦም ጾታ ዝምልከት እዩ)

ምሥጢረ-ተክሊል ዘይምርዳእ (1+1 = 1 mathematically wrong)

ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ሓደ ይኸውን። ክልቴኦም ከኣ ሓደ ኣካል ይኾኑ።እዚ ምስጢርዚ ዓብይ እዩ። ኣነ ግና ብክርስቶስን ብቤተክርስትያንን ይምስሎ ኣሎኹ። ኤፌ 525-33

ቃል ኪዳን ምፍራስ እግዚኣብሔር ዝጽየፎ ምዃኑ ብዘይምፍላጡ

ምፍታሕ እጸልእ እየ። እወ ኣብ ልዕሊ ሰበይቲ ኺዳኑ ከምዚ ዝበለ ዓመጽ ንዜምጽእ ሰብ እጸልኦ እየ። ስለዚ ንበዓልቲ ቓል ኪዳንኩም ከይትጠልምዋ ገዛእ ርእስኹምሓልዉይብል እግዚኣብሔር …” ሚልክያስ 216

ሰብኣይን ሰበይትን ተርኦም ዘይምፍላጥ 

“…ስለዚ ነፍስ ወከፍኩም ንሰበይቱ ከም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፡ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ተኽብሮ።ኤፌ 525-33

ንኣምላኽ ቀዳምነት ዘይምሃብ

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቑን ድለዩ፡ እዚ ኩሉ ድማ ይውሰኸልኩም።ማቴ 633

000,000,001 (ንኣምላኽ ድሕሪት ዝሰርዕ ሰብ)

100,000,000 (ንኣምላኽ ቅድሚት ዝሰርዕ ሰብ)

መርዓ ኪብሃል ከሎ ብዙሕ ግዜ ኣብ ህዝብና እንዕዘቦ፡ ናይ ምግቢ ክዳን ሽልማትን ምድላዋት ምስተወድአመጨረሻ እያ ቤተክርስትያን ትዝከር።

ሎሚ ናይ ኣሕዋትና መርዓ ፍሉይ ዚገብሮ እምበኣር ንኣምላኽ መጀመርያ ስለዝሰርዕዎ እዩ። ብቅዱስ ቁርባን ዝፍጸም ዘሎ ተክሊል ስለዝኾነ ንብዙሓት ኣርኣያን ትምህርትን እዩ።

ቤተሰብ ምምስራት ንእሽተይ ቤተክርስትያን ምምስራት ምዃኑ ዘይምርዳእ (እቲ ኣብ ቤተክርስትያን ዘሎ ፍቕሪ፡ ጸሎት፡ ቃል እግዚኣብሔር … ኣካል እታ ትምስረት ቤት እዩ)

ክንደይ ሳዕ ኢናህድግ ለነ ኣበሳነ  ንህድግ ለዘኣበሰ ለነ…” ንጽሊ።

. ጴጥሮስ ንሓወይ ክንደይ ሳዕ እየ ይቕረ ዝብለሉ? (ማቴ 1822) ኢሉ ምስ ሓተተ 7 x 70 = 490

ይቕረታ ዝፈልጡ ሰብኣይን ሰበይትን ጽኑዕ ሓዳር ኣለዎም።

ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተተመላለስና ግና ኣብ ንሓድሕድና ሕብረት ኣሎና ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኩሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ” 1 ዮሃ17

ኣብ ጸልማት ዘሎ ሰብ ጌጋ ናይ ብጻዩ እምበር ናይ ገዛእ ርእሱ ኣይርኣዮን እዩ።

ከምቲ ምስ መድሓኒና ክርስቶስ ዕለተ-ዕለት መሰል ውልድነትና ነሐድስ፡ ቃል ኪዳን ከኣ ዕለት ዕለት ኪሕደስ ይግብኦ።

ኣቦታት ቤተክርስትያን ብዛዕባ መውስቦ ዝበልዎ

Orthodox View The Orthodox believe that in marital relations, lustful Eros is transfigured into self-sacrificial Agape, a love modelled on the love of Christ and the Church: “Husbands, love your wives, even as Christ also loved the church, and gave himself for it.” (Eph 5:25) It is the self giving in this relationship that raises it above worldly love.

ንሕናስ መውስቦ ንጹህ ከምዝኾነ፣ ምውላድውን ርኽሰት ዘይብሉ ከም ዝኾነ ንምህር። እግዚኣብሔር ንኣዳምን ንሔዋንን ሕዝቢ ኪበዝሑ ኢሉ ፈርይዎም እዩ።ኣመክንዮ ዘሓዋርያት።

ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ማለት ኣብታ ናይ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝኾነት ቤተክርስትያን ህያው ኣምላኽ፡ ከመይ ጌርና ክንነብር ከም ዝግብኣና ክትፈልጥ ጽሒፈልካኣሎኹ።” 1 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ብመንፈስ ወዱ ዝኾነ ጢሞቴዎስ 315

 

ንብፁእ ውቅዱስ ሣልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብጥዕናን ሰላምን ይሓልወልና!

ንቤተክርስትያንናን ሃገርናን ድማ ሰላሙ ይሃብ።

 

ቅድስት ማርያም ኤርትራ ../ በይ ኤርያ ካሊፎርንያ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div