S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3
ክቡራት ህዝበ ክርስቲያን ኣብ ቅዱስ ወንጌል ወትሩ ከምእነንብቦ ኢየሱስ ክርስቶስ ‘’ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ኵሉ ቓል እምበር ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ’’ብዝበሎ ሰማያዊ ቃል መሰረት ዝኾነ መንፈሳዊ ሥነ-ጽሑፍ ኣብ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎትን ዕቤት ደቂ ሰባትን ኣገዳሲ ተራ ከምዘለዎ ዘየካትዕ ሓቂ እዩ። ስለዝኾነ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ብ1951 ዓ.ም (1944 ዓ.ም ግእዝ) ዝጀመረት እንኮ ወግዓዊት ልሳን ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ከምዝነበረታ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ህዝበ ክርስቲያን ዝህሉ ናይ ትማሊ ተዘክሮ እዩ። እዛ ኣሽሓት ኣንበብትን ተሳተፍትን ዝነበርዋ ወግዓዊት ጋዜጣ ብዙሕ መንፈሳዊ ዜናታትን ጠቓሚ ጽሑፋትን ንምእመናን ተቕርብ ስለዝነበረት ዝርጋሐ ኣገልግሎታ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ሓሊፉ ኣብ ወጻኢ ሃገራት’ውን ብመጠኑ ከተስፋሕፍሕ ጀሚራስ ሓያሎ ህዝበ ክርስቲያን ብሃንቀውታ ይጽበይዋ ነይሮም ኢዮም። እሞኸ ደኣ እታ ንልዕሊ 50 ዓመታት ዘገልገለት መንፈሳዊት ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ከመይ ኢላ ሃንደበት ተሰወረት?

ፍኖተ ብርሃን ማለት መገዲ ብርሃን ማለት እዩ። ስለዚ ከምቲ ብርሃን መዓልቲ እንተ ሓሊፉ ጸልማት ለይቲ ዝትካእ፥ ፍኖተ ብርሃን ምስ ተሰወረት ድማ ፍኖተ ጽልመት (ስራሕ ጸልማት) ገኒኑ ከምዘሎ ንምግማቱ ኣየጸግምን እዩ። ንሕና’ውን ንፍኖተ ብርሃን እንተ ረሲዕናያ ኣብ ቔናን መገዲ ጸልማት ሰሚርና ኣሎና ማለት እዩ። ሓደ መዓልቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክምህር ከሎ ‘’እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፣ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ ደቂ ሰብ ግና ግብሮም ክፉእ ስለዝኾነ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዩ እሞ እቲ ግብሩ ምእንቲ ከይፍለጥ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን እዩ። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ ግብሩ ምእንቲ ክግለጽ ናብ ብርሃን እዩ  ዝመጽእ’’ ኢሉ ከም ዝመሃረ፡ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ንሸሞንተ ዓመታት ዝኣክል ካብ ሕትመትን ኣዕይንቲ ምእመናንን ተሰዊራ ምጥፍኣ ርኡይ ዕንወት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና እዩ። ዮሓ 3፡19።

ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ንዅሉ ህዝበ ክርስቲያን በጀካ መንፈሳዊ ማዕዳን ኣገልግሎትን ምሃብ እንተ ዘይኮይኑ ካልእ ዝኾነ ምስ ፓለቲካዊ፡ ውልቃዊ ይኹን ማሕበራዊ ጉዳይ ዝጻረር ወይ ዝነቅፍ ጽሑፋት ብፍጹም ኣይነበራን። ከም እንኮ ወግዓዊት ልሳን ቤተ ክርስቲያን መጠን ድማ ኣገደስቲ ኣዋጃት፡ ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ውሳኔታት፡ ሃይማኖታዊ ስብከታትን ዜናታትን ዝዝርግሓላ ጠቓሚት ጋዜጣ እያ ነይራ። ካብ ወርሓዊት ናብ ሰሙናዊ ሕትመት ክትሰጋገር ምሉእ ህዝቢ ብተስፋ እናተጸበየ ኸኣ ሃንደበት ብዘይ ሓደ ሕጋዊ ትእዛዝን ፍሉጥ ምኽንያትን ካብ መስከረም 2001 ዓ.ም.ፈ ክሳብ ሎሚ ንሸሞንተ (8) ዓመታት ዝኣክል ብመንግሥቲ ኤርትራ ከይትሕተም ብምዕጻዋ ብሓቂ ዘሕዝንን መመሊሱ ዘተሓሳስብን ጉዳይ እዩ። ገለ ጳጳሳት ብሠናይ ተበግሶ ጻዕሪ እንተገበሩ’ውን መን እዩ ተሓታቲ? መን’ዩኸ ዘፍቕድ ኣካል? ንጹር ኣይነበረን፡ ከም ‘’ንፋስ ዘይብሉ ዓውዲ’’ ኸኣ ድኻም ጥራይ እዮም ወሲኾም።

ይኹን እምበር ክፉት ኣፍ-ደገ ብሰብ እንተ ተዓጽወ፥ ማንም ሰብ ክዓጽዎ ዘይክእል ክፉት ኣፍ-ደገ ዝህብ ርህሩህ ኣምላኽ ስለዝኾነ ኽብሪ ንልዑል እግዚኣብሔር ይኹን! መንፈሳዊ ቅንኢ ዝደረኾም ሰባት ብድሕሪ ምዕጻው ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ካብ 2002  www.tewahdo.org ብሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ወግዓዊ ኣገልግሎት ምሃብ ስለ ዝጀመረ፡ ሎሚ ብዘመናዊ ቴክኖሎጂ ተወሃሂዱ ናብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኣሜሪካ ኤውሮጳ፡ እስያን ኣፍሪካን ብሳተላይት ሰፊሕ ዝርጋሐ ረኺቡስ ኵሉ ስብከታቱ ብድምጺ፡ ቪድዮን ጽሑፋትን ንኣሽሓት ምእመናን መንፈሳዊ መግቢ ይህብ ኣሎ።

ኣዳለውቲ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን በብእዋኑ ዝተፈላለዩ ውሉደ ክህነት እዮም ነይሮም። እዞም ስእሎም ተዘርጊሑ ዘሎ ድማ ገለ ካብቶም ብዙሓት ኣሰናዳእትን ኣብ ምምሕያሽ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ጥራይ ከይተወሰኑ ንመንፈሳዊ ዕቤትን ምዕባለን ቤተ ክርስቲያንና ክቡር ዋጋ ዝኸፈሉ ኣቦታትና እዮም።


 

 
ነፍስሄር መም. ዓምደብርሃን ገ/ማርያም       ዲያቆን ተኽለማርያም ምርካጽዮን         መሪጌታ ይትባረክ በርሀ              

ኣብ ሓቂ ስለ ዝጸንዑ ሞት፥ ማእሰርትን ስደትን ዝበጽሖም ዘሎ እሙናት ሊቃውትና ስለ ዝኾኑ ከኣ ኵልና ብጸሎት ክንዝክሮም ግቡእና እዩ። ምኽንያቱ ‘’ክቡር ሰብ ክቡር ሓሳብ ይሓስብ’’ ከም ዝበሃል ብሩህ ራእይን ቅኑዕ ዕላማን ስለ ዝነበሮም ብናቶም ዘይሕለል ጻዕርን ኣበርክቶን ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር መንበረ ፓትርያርክ ለውጢ ኣርእዩ፥ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ሰፊሓ፡ ብ1996 ዓ.ም.ፈ መጽሔት ብሥራተ ግዕዛን ጀሚራ፡ ካልእ’ውን ኣገደስቲ መጻሕፍቲ ብምጽሓፍን ብምትርጓምን ሓያል ኣበርክቶ ጌሮም እዮም።

ሓዋርያ ጳውሎስ "እምነት ካብ ምስማዕ እያ፥ እቲ ዝስማዕ’ውን ቓል ክርስቶስ እዩ" እኳ እንተበለ ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያና ዝስማዕ ሠናይ ነገር የሎን። ካብ ተጽዕኖ ነጻ ኾይና ንቓል ክርስቶስ ክትምህርን ክትሰብኽ’ውን ኣይከኣለትን ዘላ። ምኽንያቱ ብጽሑፋት ከይትሰብኽ ጋዜጣኣን መጽሔታን ተኣጊዳ፥ ብሕጊ ከይትመሓደር ቅዱስ መራሒኣ 3ይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ገዛ ተኣሲሮም፥ ኩሎም ሊቃውንትን ኣገልገልቲ ደቃ  ተሰዲዶም፥ ምእመናን ባእስን ምትህልላኽን ኣትይዎም፥ ገዳማት ባዲሞም፥ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓንዮም፡ ሃብታን መጻሕፍታን ተዘሚቶም፥ ብሓፈሻ ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባት ተቖጻጺሮማ ከም ዝኸሰረት ንግዳዊት ኩባንያ ብጭዋ ሰብ ተጎቲታ ኣብ ኣፍ ደገ መቓብር በጺሓ ከምዘላ ካብ ኣእምሮ ማንም ሰብ ዝተሰወረ ኮይኑ ኣይስምዓናን።

‘’ንዅሉ ዘዘመኑ ኣለዎ። እትተኽለሉ ጊዜ ኣሎ፥ ንዝተተኽለ እትምንቍሰሉ ጊዜ ድማ ኣሎ’ ከም ዝበለ ቅዱስ ጽሑፍ ሕማቕ እዋን ግዜ በሊዑ ግድን ክሓልፍ እዩ። ሰላምን ሠናይን ዝበዝሖ እዋን ከኣ ግዜ ተኸቲሉ ብርግጽ ክመጽእ እዩ። ቤተ ክርስቲያንና ድማ ብድሕሪ እዚ ከቢድ ፈተና ብሓይሊ መድሃኔ ዓለም ናይ በረኸትን ህንጸትን ግዜ ክመጻ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ንኣልኣዛር ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ካብ ሞት ዘተንስኦ ተኣምራታዊ ኣምላኽ ወላ ሓንቲ ዝሰኣኖ ነገር ስለዘየለ ተዋህዶና’ውን ካብ ማዕሙቕ ውድቀት ኣብ ዝበለጸ ዕቤት ከምትበጽሕ ምሉእ ተስፋ ኣሎና። ግና ጽባሕ ታሪኽ ከይወቕሰና፥ ሰማያዊ ዓስብና’ውን ምእንቲ ከይጎድለና፥ ብግዜ ጸበባ ይኹን ራህዋ፡ ኣብ ቅድሚ ነገሥታት ይኹን ተራ ሰባት፥ ነታ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስን ኵሎም ሰማዕታትን ብኽብሪ ዝሞቱላ እምነት ክርስትና እሙናት ብምዃን ቃል ኣምላኽ ክንምህርን ሓቂ ክነግርን መንፈሳዊ ግዴታና ምዃኑ ክንዝንግዖ የብልናን።

ብዝተረፈ ሓንቲ ልሳንና ዝነበረት ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን መበል ሓምሳ (50) ዓመታ ማለት ወርቃዊ-ኢዮቤልዩ ካብ 1951 ክሳብ 2001 ዓ.ም (1944 - 1994 ዓ.ም ግእዝ) ከተብዕል ኣብ ምቅርራብ እንኮላ ብመስከረም  2001 .ም.ፈ (1994 ዓ.ም ግእ) ስለ ዝተሰወረት ብርቱዕ ሓዘን ተሰሚዑና እዩ። ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ጥንታዊት ኣደ፡ ማዕከን ግእዛዊ ሥነ ጽሑፍን ታሪኻዊ ቅርስታትን ብምዃና፡ ንሕዝቢ ኤርትራ ኣብ መንፈሳዊ፡ ሃገራውን ማሕበራዊ ሕይወትን ኣበርክቶኣ ብቐሊሉ ዝግመት ኣይነበረን። ድሕሪ ነጻነት ከምዚ ዓይነት ምድኻም ከጋጥማ ድማ ብጣዕሚ ዘገርም ነገር እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎና ህዝበ ክርስቲያን ኢየሱስ ክርስቶስ ‘’በጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም’’ (ዮሓ 15፡5) ኢሉ ከምዝመሃረ፡ ንሕናውን ሃይማኖትና ከየጽናዕና ዘለዓለማዊ ሕይወት ይኹን ሰብኣዊ ክብረት ከምዘይብልና ተረዲእና ነዚ ብበቑሩብ ካብ ቤተ ክርስቲያንና ዝጠፍእ ዘሎ ቅርስታትን ጽሑፋትን ነቒሕና ክንሕሉ መንፈሳዊ ሓላፍነትና ምዃኑ ከነዘኻክር ንፈቱ።

መከራና ኣብ ምድሪ ዓስብና ኣብ ሰማይ!

“ደቂቀ እንጦንዮስ” ተማሃሮ ስነ-መለኮት ቅ. ኣትናቴዎስ መንፈሳዊ ኮሌጅ
ኮርፖስ ክርስቲ, ቴክሳስ, ሕ.መ. ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div