S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንጹሕ ሕሊና ይሃልኹም!

ሕሊና ማለት እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብመለኮታዊ ጥበቡ ጌሩ ኣብ ሕይወትና ዘቐመጦ: ሕማቕ ስርሓትን ዘይሕጋዊ ነገራትን ክንፍጽም ከሎና ኣንጻርና ኮይኑ ዝቃወመናን ናብ ኣምላኽ ዝጠርዕን ድምጺ ውሽጣዊ ነፍስና እዩ። ኣምላኽ ክፈጥረና ከሎ ጽሩይ ኣእምሮን ዘይተበላሸወ ሕይወትን ሂቡ፡ ብቕንዕና ሠናይ ክንገብርን ሠናይ ድማ ክንረክብን ኢሉ ፈጠረና። ንሕና ግና ዓመታት እንዳወሰኽና ክንዓቢ ከሎና ብተንኮል ሰይጣን ተታሊልና ብዙሕ ጌጋታት ብምፍጻም ንፈጣሪና ነሕዝኖ ኢና። ስለዝኾነ ድማ እዩ ብዙሕ ግዜ ዘይግባእ ስራሕ እንተ ገበርና ሚዛን ሕሊናና ዝነቕፈናን፡ ውሽጣዊ ልብና ከኣ ጣዕሳ ዝስምዓናን።1 ጴጥ 3፡16.

ልዑል ኣምላኽ ንኣቦና ኣዳም ብገዛእ ፍቓዱ ስሙ ክውድስን መንግሥተ ሰማያት ክወርስን ኢሉ ካብ ሸውዓተ ባሕርያት ማለት ኣርባዕተ ባሕርያት ሥጋ (ማይ፤ መሬት፤ ንፋስ፤ እሳት፤) ሰለስተ ድማ ባህርያት ነፍሲ (ለባዊት፤ ነባቢትን ሕያዊትን) እዩ ፈጢርዎ። ስለዚ ሕሊና ደቂ ሰባት ካብ ባሕርያት ነፍሲ ኮይኑ ነቲ መንፈሳዊ ኣእምሮና ምስ ሰማያዊ ኣምላኽና ዘራኽብ መተሓላለፊ መልእኽቲ ናይ ጽቡቕ ነገራትን መጻርርቲ ሕማቕ ስርሓትን እዩ። በዚ መሠረት ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ‘’ደጊም ምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሢእኩም ኢኹም እሞ ቀልብኹም ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፡ ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቕሚጥዎ ዘሎ ግበሩ’’ ኢሉ ይምዕደና። ቆሎ 3፡1።

ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣንበብና ንጉሥ ሳኦል ሕሊንኡ ኣጥፊኡ: ብሥጋዊ ቕንኢ ተመሊኡ: ኣብ ጽላለ በጺሑ ስለዝነበረ ንዳዊት ክቐትሎ ኢሉ ክልተ ግዜ ብዅናት ሰሓቶ። ካብዚ ሓሊፉ’ውን ካብ ቤተ መንግሥቱ ወጺኡ ሰለስተ ሺሕ ሰብኣይ ኣኸቲሉ: ንዳዊት ክረኽቦ ኣብ በዓትታትን ኣኻውሕን ክደልዮ ኮለል ይብል ነበረ። እቲ ክቡር ዳዊት ግና ኣንጻር ንጉሥ ሳኦል ከይተላዕለ ካብ መገዲ ኣምላኹ ከይወጸ: ቅንዕቲ ስርሑ ብግብሪ የርኢ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ሳኦል ኣብ በዓቲ ኣትዩ ደገ ክወጽእ ከሎ ዳዊት ኣብኡ ጸኒሑ ካብ ጫፍ ክዳኑ ቆሪጹ ኣትረፈ። ብድሕሪዚ ግና ጫፍ ክዳን ናይቲ ቅቡእ እግዚኣብሔር ዝኾነ ንጉሥ ሳኦል ስለ ምንታይ ቖረጽኩ ኢሉ ብልቡ ተጣዕሰ፡ ሕሊንኡ’ውን ወቐሶ። እዚ ዓይነት ሕሊና ኣብቶም ቅኑዓት መራሕትን ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባትን ጥራይ እዩ ዝርከብ። 1 ሳሙ 24፡6።

ኣብዚ ዘሎናዮ ግዜ ኣብ ኤርትራ ሃገርና ይኹን ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ይትርፍ ጫፍ ክዳን ቆሪጽና ክንጠዓስ’ሲ ክብርቲ ሕይወት ወለድናን ኣሕዋትናን ቀቲልና ወይ ኣእሲርናውን ብሕልናዊ ወቐሳ ናብ ንስሓን ይቕሬታን ንምለስ ኣይንመስልን። ምኽንያቱ እምነት ደኺሙ፡ ፍትሒ ተደፊኑ፡ ሕጊ ፈሪሱ፡ ሕሊና ጠፊኡ፡ ብዙሕ ሰብ ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ብምባል ናብ ዝጎድኣና ሕሱር ሓሳብን ዘጥፍኣና ሕማቕ ተግባራትን ገጽና ምኻድ እንተ ዘይኮይኑ፡ ዓገብ ዝብልን ናብ መገዲ-ኣምላኽ ብዕርቕን ሓቅን ዝተግህ ካብ ዓቢይ ይኹን ንእሽቶይ፡ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣይተረኸበን ዘሎ። እዚ ድማ በጀካ መርገምን ተለኻኺምካ ምጥፋእን ካልእ ዘስዕቦ መንፈሳዊ ረብሓ ስለዘየለ፡ ሕሊናና ጸልሚቱ ኣብ ህውከትን ድንገተ-ሞትን ንነብር ኣሎና።

ናይ ዝኾነ ሰብ ሕሊና ክጽልምትን ክመውትን ዝከኣል ነገር እዩ። ቅዱሳን ሓዋርያት ‘’እቲ ሓሳብ ሥጋ ምስ ሓሳብ ነፍሲ መጻርርቲ እዩ’’ ኢሎም ከም ዝመዓዱና ኣእምሮናን ስራሕናን ኣምላኽ ዝኽብረሉን ንሕና ንረብሓሉን እንተ ዘይኮይኑ፡ ዲያብሎስ ይጥቀመሉን ሰባት ይጉድእሉን ከም ዘሎዉ ምፍላጥ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ማለትና እቶም ብስም ጥራይ ክርስቲያን ኢና እናበሉ ኣብ ሓሶት፡ ጽልኢ፡ ስርቂ፡ ዓመጽ፡ ዝሙት፡ ኣምልኾ ጣኦትን ቕትለትን ዘለዉ ኵሎም ካብቲ ቅኑዕ መገዲ ኢየሱስ ክርስቶስ ወጺኦም ናብ መገዲ ሓጢኣት ስለ ዝኣተዉ ንነፍሶም ዘምልኹ፡ ሕሊናኦም ዘጥፍኡ፡ ኣምላኾም ዝኸሓዱ፡ ምዃኖም ምክታዕ ዘየድልዮ እሙን ነገር እዩ። በዚ ምኽንያት ገሊኦም ሰባት ንሕሊናኦም ብዘይምእዛዝ ንእምነቶም ከምታ ብማዕበል እትጠፍእ መርከብ እጥፊኦምዋ እዮም። 1ጢሞ 1፡19

እምበኣርከስ ሎሚ ኣብ ዓለምና ብዙሕ ሰብ ሕሊናኡ ኣዕሪቡ ብስስዐ ሥጋ ጥራይ ስለ ዝተገዝአ ኵናት፡ ዕንወትን ሞትን ኣብ ምድሪ ይገንን ኣሎ። ከምኡውን ገሊኡ ሰብ ትርጉም ሕይወት፡ ዕላማ ምፍጣሩን ህላዌ ኣምላኽን ጠፊእዎ ኣብ መዓልታዊ ስርሑ ሓጎስን ዕጋበትን ስኢኑ ብስንፍላል ሕይወት ይነብር ኣሎ። እቶም ብጽቡቕ ኣብነት ናይ ሕሊና ግዙኣት ክንከውን ዝግብአና መንፈሳውያን መራሕቲ እንተ ኾንናውን ብመፈንጠራ ሓሳዊ ሰይጣን ተታሊልና ኣብ ምፍልላይን ኣንነትን ስለ ዝወደቕና ነቲ ‘’ጾር ሕድሕድ ጹሩ፡ በዚ ኸኣ ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙ’’ ዝብል ክቡር መልእኽቲ ወንጌል ገዲፍና ኣብ መገዲ ዓመጽን ሕልናዊ ወቐሳን ብምብጻሕና ጾር ከነኽብድ ደኣ’ምበር ጾር ሰባት ከነቃልል ኣይከኣልናን ዘሎና። ገላ 6፡2።

ይኹን እምበር ሕጂ’ውን ንሕልናና ከነብርሆን ክንሕድሶን ንኽእል ኢና። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ‘’ቅዱስ እየ እሞ ቅዱሳን ኩኑ’’ ብዝበሎ ቃል መሠረት፡ እቶም እምነቶም ኣጽኒዖም፡ ነፍሶም ኣንጺሆም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ሰሚሮም፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዝመላለሱ ሰባት ቅኑዕ ሕሊና ስለ ዘለዎም፡ ብሠናይ ስራሖምን ክቡር ሓሳቦምን ንሕሊና ብዙሓት ሰባት ክልውጡን ክሕድሱን ይኽእሉ እዮም። ስለዚ እቲ ብኣምላኽ ይኣምንየ ኢሉ ኣብ እምነት ክርስትና ዝነብር ሰብ፡ ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝበሎ ‘’ጨው ኮይኑ እንተ ዘይመቀረ፡ ብርሃን ኮይኑ ንግብሪ ጸልማት እንተዘይሰዓረ ንኣምላኽን ብጻዩን እንተ ዘየፍቀረ’’ ሕያው እየ ምባሉ ረብሓ ዘምጽእ ኣይኮነን። ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ‘’ከምቲ ከዋኽብቲ ኣብ ዓለም ዜብርሁ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ማእከልዛ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚኣ ኢንታ ዘይብሎም ንጹሃትን ኣበር ዘይብሎም ውሉድ ኣምላኽን ኴንኩም ኣብርሁ’’ ዝብል ትእዛዝ ምፍጻም እዩ። ፊሉ 2፡15።

እምበኣር ክቡር ኣንባቢ መንፈሳዊ ሚዛን ሕሊናኻ/ኺ ከመይ ኣሎ? ናብራኻ/ኺ እንታይ ይመስል? እስከ ገዛእ ርእስና ብጸሎት ንመርምር። ኣብዛ ሓጻር ናይ ስደት ዓለምና ምርቓ ክንወርስ ኢና ዝተጸዋዕና እሞ ንመርቕ ደኣ’ምበር ኣይንርገም። ገለ ሕሊናና እንተነቐፈና ድማ ኣምላኽ ካብ ኵሉ ዝዓብን ኵሉ ዚፈልጥን ስለ ዝኾነ ብንስሓ እንተ ተመለስና ካብ ሞትን ኵነኔን ከነምልጥ ኢና። ስለዚ በዲለ ካብ ዝብል ሕሊና ልብና ኣንጺሕና፥ ሰብነትና ብንጹሕ ማይ ሓጺብና፥ ብቕኑዕ ልብን ብምሉእ እምነትን ናብ ኣምላኽ ንቕረብ። ዕብ 10፡22።

ናይ ሕሊና ግዙኣት ክንከውን ኣምላኽ ይደግፈና!

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div