S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መሠረተ-እምነት ቤተክርስትያን, ጸሎተ ኃይማኖት

ትምህርቲ መሠረተ-እምነት ቤተክርስትያን-ጸሎተ ኃይማኖት
ብቀሺ ዲበክሉ ላይነን ዲ. ቴድሮስ ተስፋይን
ቅድስት ማርያም ኤርትራ ኦ.ተ.ቤ/ክ በይ ኤርያ ካሊፎርንያ

ትሕዝቶ ሰሚናር

መእተዊ

ዶግማ፡ ጸሎተ ኃይማኖትን ታሪኻዊ ባይታኡን።
ክፍልታት ጸሎተ ኃይማኖት
  1. ሓድነት ኣምላኽ (ብሓቂ ብሓደ ኣምላኽ ንኣምን)
  2. እምነት ቅ. ሥላሴ
  3. ተሠጋውነት፡ ተበጃውነትን ድሕነትን
  4. ጥምቀትን ሕድገት ሓጢኣትን
  5. ትንሣኤ ምዉታትን ዘለኣለማዊ ህይወትን
  6. ካልኣይ ምጽኣት ክርስቶስን ፍርድን
  7. ሓንትን ቅድስትን ጉባኤ ኃዋርያት (ቤተክርስትያን)
  8. ሰሚናር ንምድላው ዝተወከስናሎም መጻሕፍቲ

መእተዊ

ትምህርቲ ቤተክርስትያን (መጽሓፍ ቅዱስ)፡ ዶግማን ቀኖናን ይሓቁፍ።

ዶግማ፡ እምነት ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን’ዩ ንዘልኣለም ዘይቕየርዩ፡ መሠረቱ መጽሓፍ ቅዱስ’ዩ። ምስ ድሕነት ወዲ ሰብ ዝተተሓሓዘ እዩ። ንኣብነት ጸሎተ ኃይማኖት።

Dogmas represents our faith in God i.e. our communion with God the Father in Jesus Christ, the incarnate Word of God, by His Holy Spirit. E.g. the Creed.

ቀኖና፡ ስርዓት ቤተክርስትያን’ዩ፡ ሃዋርያትን ተኸተልቶምን ዘቆምዎ እዩ። (ንኣብነት ናይ መጀመርያ ቀኖና ግብ. ሃዋ 15፡23-29) ኣብ ክልተ ከኣ ይኽፈል፡-

Church Canon: Universal vs. National Canons 

1. ዓለም ለኻዊ ቀኖና፡ ብቅ. ሲኖዶስ ናይ ኩለን ኦርየንታል ተዋሕዶ ቤተክርስትያናት ጥራሕ ኪቕየር ይከኣል። (ንኣብነት ፓትርያርክ ብህይወት ከሎ ኣብ ርእሴኡ ካልእ ኣይሽየምን። እምነት ሥላሴ ክሒዱ እንተተረኽበውን ንኣተኣላልያ እቲ ጉዳይ ዝምልከት ብ325 ዓ.ም. ዝቖመ ሕጊ ቤተክርስትያን ኣሎ። ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ቅድሚ ምፍልላዮም ዝቖመ ሕጊ እዩ።)

2. ሃገራዊ ቀኖና፡ በቲ ናይታ ሃገር ቅ. ሲኖዶስ ኪቕየር ይከኣል። (ንኣብነት ቤተክርስትያን እትጥቀመሉ ቛንቛ ግእዝ፡ ትግርኛ….)

ጸሎተ ኃይማኖት (The Creed)

መሠረት ናይ ክርስትና እዩ። ኩለን ናይ ክርስትያን ማሕበራት ከኣ ይኣምናሉ። ንጸሎተ ኃይማኖት ዘይኣምኑ ክርስትያን ተብሂሎም ኣይጽውዑን።(ንኣብነት መሰኻኽር ጅሆቫ፡ ሰዓብቲ ኣድቨንቲስት)

1ይ ክፋላ ኣብ 325 ዓ.ም. ጉባኤ ንቅያ ተደርሰት። ኣምላኽነት ናይ ክርስቶስ ንዝኸሓደ “ካህን ኣርዮስ” ዝተዋህበ መልሲ (ተራ ፖፕ ኣሌክሳንድሮስን (መበል19 ፓትርያርክ) ዲያቆን ኣትናቴዎስን ዕዙዝ ኔሩ)።

2ይን መወዳእታን ክፋላ ከኣ ኣምላኽነት ናይ መንፈስ ቅዱስ ንዝኸሓደ “መቅደንዮስ” ምልሲ ንምሃብ ኣብ ኤፌሶን (381 ዓ.ም.) ኣብ ዝተገብረ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ተደርሰት።

ኣብ ቤ/ክ መምዘኒ ናይ ንኡሰ ክርስትያን ኮይኑ የገልግል ኔሩ።

ኣብ ዓለም ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያናት ብዝተፈላለየ ስርዓት ኣምልኾ እኳ እንተተፈላለያ ኣብ ጸሎተ ኃይማኖት ሕቡራት እየን። (ንኣብነት ኣብ ውሽጢ ዓለም ለኻዊ (ወይ ሃገራዊ) ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጠርነፋ ኣብያተ ክርስትያናት)

ኣቦታት ቤተክርስትያን፡ ጸሎተ ኃይማኖት መግለጺ ኣምነትና ስለዝኾነ ኣብ መዓልታዊ ጸሎትና ኪንደግሞን፡ ኣካል ጸሎትናን ቅዳሴናን ጌሮም ሰሪዖምልና።

1ይ. ብሓቂ ብሓደ ኣምላኽ ንኣምን

እምነት እንታይ እዩ? መልሲ ሓዋርያ ጳውሎስ…

“እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዝግበሮ ነገር፡ ርግጽ ብምግባርን ናይቲ ዘይርአ ነገር ምርዳእን እያ።” እብ 11፡10

ንኣብነት ኣብ ዓለም ብዙሓት ክንርድኦም ዘይንኽእል ግን ንኣምኖምን ንግልገለሎምን ነገራት ኣሎዉ። ኤየርፕሌን፡ ኮምፒተር፡ ኤለትሪክ ቴለፎን…ውሽጣዊ ኣካላትናን ኣሰራርሕኡን።

ክርስትያን ከኣ ዋላ ብኣእምሮና ኣይንብጽሓዮ እግዚኣብሔር ዝብሃል ሓደ ኣምላኽ ከምዘሎን ብሓቂ (ብልቢ) እንተሲዕብናዮ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ከምእንረብሕ ንኣምን። (እብ 11፡6)። እምነት ምስ ኣእምሮ ኣይጋጮን እዩ፡ ግን ልዕሊ ኣእምሮ እዩ።

እምነት ልባዊ ዕግበትን፡ ኣእምሮዊ (ቃላዊ ምስክርነት) ተቐባልነትን የድልዮ። “…ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን…” ሮሜ 10፡11

ንኣብነት እንዳተጠራጠርካ ኣየርፕሌን ተሰቒልካ ኣብ ዝደለኻዮ ትበጽሕ። ንኣምላኽ እንዳተጠረጠርካዮ ግን ክርስትያን ኣይትኸውንን ኢኻ።

እምነት ፈጣሪ ካብ ወለድና ስለዝወረስናዮ ጥራይ ሓቀኛ ኣመንቲ ኣይገብረናን እዩ። ብልቢ ክንዓግብ፡ ብኣእምሮና ክንቅበሎ ይግባእ። ብድሔሩኡ ኢና ክርስትያን ጌሮም ስለዘዕበዩና ንወለድና ነመስግኖምን ነኽብሮምን። ምስላ ኣቦታትና፡ “ኃይማኖት/እምነት ፈጣሪ፡ ዘይብሉ ሰብን ልጓም ዘይብሉ ፈረስን ሓደ እዮም”

ኣብ ዓለም ብዙሕ ምህዞታትን ኣበርክቶን ዝገበሩ ክርስትያናት ብዙሓት እዮም። 

ብኣብ ወልድን መንፈስ ቅዱስን፡ ብሓደ ኣምላኽ፡ ንኣምን።

ቀዳማይ ትእዛዝ “ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ እየ…ካልኦት ኣማልኽቲ (ኣምላኻት) ኣብ ቅድመይ ኣይሃልዉኻ (ዘጽ 20፡2-3)

“…ኣነ እየ እግዚኣሔር፡ ብጀካይ ካልእ መድሓኒ የልቦን።” ኢሳ 43፡10-11

“እቶም ኣብ ሰማይ ዝምስክሩ፡ ሠለስተ እዮም። ኣቦ፡ ቃል፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ሠለስቲኦም ከኣ ሓደ እዮም።” 1ዮሃ 5፡7።

ኣጋንንቲ ብሓደ ኣምላኽ ይኣምኑ (ያዕ 2፡19)።

ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ምሃሩን ኣጥምቑን” በለ እምበር “ብኣስማት” ኣይበለን። ማቴ 28፡19-20።

እምብኣር ክርስትያን ብሓደ ኣምላኽ እምበር፡ ብቡዙሓት ኣማልኽቲ ኣይንኣምንን ኢና።

“ኣነ ኣብ ኣቦይ ከምዘሎኹ፡ ኣቦውን ኣባይ…” ዮሃ 14፡10… “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” ዮሃ 10፡30

ኣቦታት ቤ/ክ ንሠለስትነትን ሓድነትን ከስተምህሩ እዘን ዝስዕባ ምሳሌታት ሂቦምና ኣሎዉ። ጸሓይ፡ ካብኣ ዝምንጩ ሙቐትን ብርሃንን፡ ሰለስተ ጸሓያት ኣየብለንን።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰብ፡ ልቢ፡ ቃልን እስትንፋስን ኣሎ፤ እዚ ሰለስተ ሰባት ኣየብልን።

ንኹሉ ፍጥረት ዝመልኽ ኣምላኽ ኢና ንኣምን

ህይወት ዘሎዎን ዘይብሉን ኩሉ ኣብ ትሕቲ ምልኪ ኣምላኽ እዩ።

ንደቂ ሰብ ግን ካብ ፍጥረት ኣዳም ጀሚሩ ነጻ ፍቓድ ሂቡ እዩ። ስለዚ ደቂ ሰባት ነጻ ፍቓድና ብኸመይ ከምዝተጠቐምናሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸብጻብ እንህበሉ ናይ ፍርዲ እዋን ይጽበየና።

ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ሥልጣን እንተልይዎ “ሰይጣንን ክፉኣት ሰባት ዝገብርዎ ድኣ ብኸመይ ኪግለጽ እዩ?” ሰይጣን ፍጡርን ኣብ ትሕቲ ምልኪ ኣምላኽ ዝነብር እዩ። ሰይጣን ኣብ ደቂ ኣምላኽ ስልጣኑ ድሩት ምዃኑ ካብቲ ኣምላኽ ዝፈቐዶ ወጻኢ ክንቀሳቀስ ከምዘይክእልን ኣብ ልዕሊ ኣቦና ኢዮብ ዝተፈጸመ ነገራት መሃሪ እዩ (ኢዮብ 1)።

ኣብ ሓሰማታት ኪሰፍሩ ፍቓድ ካብ ክርስቶስ ዝለመኑ “ሌጌዎን” ኣጋንንቲ ነንብብ (ማቴ 5፡12-13)

ንሓዋርያት ክርስቶስ ብዝሃቦም ስልጣን ኣጋንንቲ ይእዘዝዎም ኔሮም፡ ሃዋርያት ከኣ ስለዚ ፍሉይ ስልጣን ሓጎስ ተሰመዖም። (ሉቃ 10.17)

ስለዚ ክርስትያን ንሰይጣንን ኩሉ ክፍኣቱን ኣይፈርህዎን እዮም። (ንኣብነት ጦንቖልቲ ብኸመይ እምነት ፈጣሪ ንዘጉደለ ሰብ ከም ዘታልልዎ ንዘክር…። ሓቀኛ ክርስትያን ብተንኮል ጠንቖልቲ ኣይታለልን። ግብ 16፡16-18)

ሓይሊ ክፉኣት ሰባትውን ድሩት እዩ። ሓደ ሓደ እዋን ከምቲ ጊደዎን ዝበሎ “ኣምላኽ ምሳና እንተዝህሉ ደኣ ስለምንታይ እዚ ኹሉ ሕማቕ የጋጥመና?” ኢልና ንማረረሉ እዋን ኣሎ። (መሳፍንቲ 6፡13)

እቲ መልሲ ኣምላኽ እምነትና ንኸዐቢ ዝገብሮ ነገራት እዩ። ስለዚ ድልየት ኣምላኽ ኣብ ልዕሌና ኩሉ ግዜ ሰናይ እዩ። እቲ ኩሉ ሰናይ ብሰንክና ንኸይቦኩር ግን ብዝተፈላለየ ነገር ክንሓልፍ ኣምላኽ ይፈቕድ።

ከም ክርስትያን ዋላ ብኣእምሮና ኣይንብጽሓዮ፡ ኣምላኽ ዘይቖጻጸሮ ነገር ኣይጋጥመናን እዩ። ኣምላኽ ይኣክል ምስዝብል ዕዮ እኩያት ሰባት የብቕዕ።

እቶም እኩያት ሰባት ነቲ ዝተዋህቦም ነጻ ፍቓድ (መድረኽ፡ ስልጣን ኪኸውን ይኽእል) ብኸመይ ከምዝተጠቕምሉ ኣምላኽ ኪጻባጸቦም እዩ።

ኣብ ከምዚ እዋን ክርስትያን ከምቲ ንጉስ ዳዊት ዝጸለዮ ብልቢ ክንደግም ይግባእ “ኦ እግዚኣሔር ንምኽሪ ኣሒቶፌል ናብ ዕሽነት ክትልውጦ እልምነካ ኣሎኹ…ኣምላኽ ከኣ ንምኽሪ ኣሒቶፌል ከንቱ ገበሮ።” 2 ሳሙ 15፡31

ብድሕሬኡ እዩ ቅ. ዳዊት “ኣምላኽ ምሳና እንተዘይነብር …ሰባት ብሓርቖቶም መጥፍኡና ፡ ብህይወትና ከሎና ምውሓጡና…” እናበለ ዝዘመረ። መዝ 124፡2-8

ንማርዶካይውን ካብቲ ናይ ሓማ ምስጢራዊ ውዲት ኣድሓኖ (ኣስ 7፡9-10)

ታሪኽ ቤተክርስትያን ከምዝምህረና፡ ንዘመነ ሰማዕታት ይኣክል ኢሉ ንቤተክርስትያን ካብቲ ኩሉ ግፍዒ ናይ ንጉስ ኔሮ (ሮም) ብምምጻእ ንጉስ ቆስጦንጢኖስ ኣዕረፋ (ንኣብነት፡ ኣብ 10ይ ዓመት ንግስነት ኔሮ ጳውሎስን ጴጥሮስን ሰማእትነት ብ61 ዓ.ም ተቐበሉ)    ስለዚ ዋላ እኳ እግዚኣብሔር ንገፋዒ ከጋፍዕ እንተፈቐደሉ፡ ዝኾነ ገፋዒ ግን ካብ ኢድ ኣምላኽ ኣየምልጥን እዩ። (ንኣብነት፡ ሳዖል ንቅ. ዳዊት ገፍዖ፡ ዳዊት ብሰንኪዚ ብዙሕ ከርተት በለ። ሳዖል ግን ካብ መቕጻዕቲ ኣይምለጠን 1ሳሙ 31፡ 1-8። ኣቤሰሎም ንኣብኡ ዳዊት ብዙሕ ገፍዖ ኣብ መጨረሻ ግን ብኣሰቓቒ ሞት ሞተ። ቃየል ንኣቤል ክቐትሎ ስቕ ኢሉ ርኣዮ ካብ መቕጻዕቲ ግን ኣይምለጠን፡ ቀባሕባሕ እንዳበለን እንዳኾብለለን ዘመኑ ብራድን ፍርህን ኣሕለፈ ዘፍ 4፡8-14)።

እምበኣር ኣምላኽ መላኺ ኩሉ እዩ። ዝፍጸሙ ዘበሉ ነገራት ከኣ ካብ ቑጽጽሩ ወጻእቲ ኣይኮኑን።

እግዚኣብሔር ጥራይ ዝፈልጦ ንሕና በዚ ውሱን ኣእምሮና ክንበጽሖ ካብ ዘይንኽእል ሓደጋታት ከምዝሕልወና ከነስተውዕል ይግባእ።

ከምኡውን ምልስ ኢልና ንነብስና ክንርእያ ይግብኣና። ኣምላኽ መላኺ ኩሉ እዩ። ናትና መላኺን ገዛእን ኣምላኽ እዩ።

ከም ክርስትያን ብኣምላኽ ዘይምለኽ (ካብ ኣምላኽ እንሓብኦ) ነገር ኪህልወና የብሉን። እንተዘይኮይኑ ኣብ ኣተኣማምናና ጉድለት ኣሎ።

ጸሎት ናይ ቤተክርስትያን ንዘክር። (ንኣኩተከ እግዚኦ ወንሴብሃከ፡ ንባርከከ ወንትኣምነከ….)

በቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽ ንኣምን   

ሳይንትስት ሕቡእ ዝነበረ ብመጽናዕቲ ይረኽቡ። ዘይነበረ ነገር ግን ኣይፈጥሩን እዮም። (ንኣብነት እቲ ዝደቐቐ ንጥረ ነገር ኣተም ካብ ፍጥረት ኣምላኽ ኣትሒዙ ዝነበረ እዩ ብሰባት ዝተፈልጠ ግን ድሒሩ እዩ)

ፈጣሪ ዝብል ስም ንኣምላኽ ጥራይ እዩ ዝውሃብ። ሰብ በቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ኣእምሮ ጌሩ ይሰርሕ እምበር ኣይፈጥርን እዩ።

“ኩሉ ብእኡ (ብክርስቶስ) ተፈጢሩ ኣሎ እሞ ኩሉ ብእኡን ንዕኡን እዩ ዝተፈጥረ”ቆሌ 1፡16

ኣምላኽ ብመጀመርያ ምድርን ሰማያትን ፈጠረ (ዘፍ 1፡1)። ኣብ ሰማያት ትነብር ኣቦና… (ማቴ 6፡9)።

ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሣልሳይ ሰማይ ተመጥቀ (2 ቆረ 12፡2)።

ሰማያት ብዙሓት ምዃኖምን ንዕኣቶም ዝፈጠረ ከኣ እዚ ንኣምኖ ኣምላኽ ምዃኑ ምርዳእ። ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዝነብሩ ኩላቶም መላእኽትን ሰብን እንስሳንውን ብኣምላኽ ተፈጥሩ።

ዝርአን ዘይርአን ዝፈጠረ። ካብቶም ዘይርኣዩ “መንፈስ” ረቐቕቲ መላእክቲ ይርከብዎም። ኣብዚ ቅዱስ ቤት ብዙሓት ንዓና ዝሕልዉ መላእኽቲ ኣሎዉ።

ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ናብ ኣምላኽ ከይንቐርብ (ከይንጽሊ፡ ከይንጸውም ቃል ክርስቶስ ከይነንብብ) ዝቓለሱና ረቐቕቱ ርኹሳት መናፍስትውን ካብቶም ዘይርኣዩ እዮም።

ብሓደ ጎይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ ንኣምን

ወንኣምን በኣሓዱ እግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ ኣብ ዋሕድ ዘህሉው ምስሌሁ።

ጎይታ ዝብል ናይ ትግርኛ ቃል፡ “ረቡኒ” ዝብል ናይ እብራይስጢ ቃል (ዮሃ 20፡16) ይውክል ትርጉሙ “መምህር”፡ “ኣምላኽ” የመልክት (ሃዋርያ ቶማስ “ጎይታየይን ኣምላኸይን” በለ (ዮሃ 20፡28)።

ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት ጎይታ፡ ኣምላኽነት ወልድ ንገልጸሉ ቃል እዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ “…ኩሉ ብእኡ ዝኾነ፡ ንሕና ከኣ ብእኡ ዝኾንና፡ ሓደ ጎይታውን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሎና” (1 ቆረ 8፡6)

ቅ. እስጢፋኖስ ሰማዕትነት ኪቕበል ከሎ “ዎ ጎይታይ ኢየሱስ ነፍሰይ ተቐበል” በለ (ግብ 7፡59)

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ጎይታ ዝብል ቃል ብዙሕ ግዜ ተደጋጊሙ ኣሎ። ‘ጎይታይ ጎይታይ ዝብሉኒ …ዘይኮኑስ ፍቓደይ ዝጎብሩ…’ ጎይታ ኽብሪ፡ ጎይታ ሰንበት ….

ኣምላኽነት ክርስቶስ ክንገልጽ ከሎናን ካብ ናይ ሰባት ጎይነትን ንምፍላይን… “ጎይታ ጎይቶትውን” (ራእ 19፡16፣ 17፡14) ዝብል ቃልውን ኣሎ።

“ኢየሱስ” ማለት መድሓኒ ማለት እዩ። ደቂ ሰብ እንድሕነሉ ካልእ ስም ኣብ ምድሪ ኣይተዋህበን።

“እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ንሱ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ ጎይታ ጎይቶት፡ እቲ ዓብዪ፡ እቲ ሓያል፡ እቲ ዜፍርህ ኣምላኽ፡ ገጽ ርእዩ ዘየዳሉ፡ መማለዲ ከኣ ዘይቕበል እዩ።” (ዘዳ 10፡17)

እቲ ጎይታ ዝብል ቃል ንእግዚኣሔር ኣቦውን ተዋሂቡ “…ኦ ጎይታ በቲ በእዛንና ዝሰማዕናዮ ኩሉ ከማኻ የልቦን፡ ብዘይካኻውን ኣምላኽ የልቦን” ንጉስ ዳዊት ዝበሎ ቃል (1 ዜና 17፡1, 19, 20)።

ጎይታ ዝብል ቃል ንእግዚኣሔር መንፈስ ቅዱስውን ተዋሂቡ ኣሎ “ጎይታን መሕወይን ብዝኾነ መንፈስ ቅዱስውን ንኣምን”።

ኢየሱስ ማለት መድሓኒ ማለት እዩ። “…ንህዝቡ ካብ ሓጢኣቶም ከድሕኖም እዩ እሞ፡ ስሙ ኢየሱስ ክትሰምዮ ኢኺ።” ቅ. ገብርኤል መልኣኽ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝበላ ቃል (ማቴ 1፡21)። 

ክርስቶስ ዝብል ቃል ከኣ ንክህነቱ፡ ንግስነቱን ነብዪነቱን ዘመልክት ቃል እዩ። “ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሔር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ፡ ንስቡራት ልቢ ክዝንን፡ ንምሩኻት ሓርነት፡ ንእሱራት ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ።” (ኢሳ 61፡1)

እታ ማራዊት ሰበይቲ “ክርስቶስ ዝብሃል መሲሕ ከምዝመጽእ…” ዮሃ 4

ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ሓደ ወዱ ንኣምላኽ

ካብ ኣንደበትና ዝወጽእ ቃል ምስቲ እንኣምኖ ኪሳነ ይግባእ “ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ” ክንብል ከሎና ኣምላኽነቱ፡ ንግስነቱ፡ ክህነቱ፡ ነብዪነቱን ኢና ንገልጽ ዘሎና። (ንኣብነት ንሰባት ማዕርጎም ቐንጢጥና ብስሞም ኣይንጽውዖምን ኢና።)

 “እቲ ሓደ ወዱ” ዝብል ቃል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ሓደ በይኑ፡ ካብቲ ሓደ ኣምላኻዊ ባህሪን፡ ካብ ቀንድን ኣምላኽነቱን፡ ወዲ ኣምላኽ ከምዝኾነ ዘመልክት እዩ። እዚ ካብቲ ኩላትና እንረኽቦ መሰል ውልድነት ፍሉይ ምዃኑ ይምህረና (ዮሃ 1፡12)።

 “ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቑፊ ኣብኡ ዘሎ ሓደ ወዱ፡ ንሱ ኣግሃዶ” (ዮሃ 1፡18)። “እቲ ንዓይ ዝርኣየ፡ ነቦ ረኣየ” (ዮሃ 14፡9)። ናይ ኣምላኽነቱ፡ ባህርያቱን ክውንነቱን ወዱ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። “እቲ ወዲ ዘሎዎ ህይወት ኣላቶ፡ ወዲ ኣምላኽ ዘይብሉ ህይወት የብሉን” (1ዮሃ 5፡12)።

ንክርስቶስ ብምእማንና ኢና ንሕና መሰል ውልድነት ዝረኸብና “ነቶም ዝተቐበልዎ ዘበሉ ብስሙ ንዝኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪኾኑ መሰል ሃቦም” (ዮሃ 1፡12) ። ናይ ኣምላኽነትን ባህርን ኣምላኽ ውሉድ ኣይኮንናን። (ንኣብነት ንሕና ከም ክርስቶስ ንኣሽቱ ኣማልኽቲ ኢና ኢሎም ዝኣምኑ ናይ ስሕተት ትምህርቲ ዝምህሩ ኣሎዉ። ሓደ ካብኣቶም ናይ ሬማ ማሕበር እዮም።) 

ብጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእማን፡ መሠረት እምነት ክርስትና እዩ።

…ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰባት መን እዩ ይብሉኒ? ኢሉ ጽንሕ ኢሉውን ንስኻትኩምመ (ንሃዋርያት) መን እዩ ትብሉኒ? ኢሉ ምስ ሓተቶም፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ “…ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ ኢሉ መለሰሉ” ክርስቶስ ጎይታ ኸኣ “ኣምላኽ እምበር ሰብ ኣይገለጸልካን እሞ ብጹእ ኢኻ” (ማቴ 16፡13-19)።

ሰይጣን ንክርስቶስ ኪፍትኖ ከሎ “ወዲ ኣምላኽ እንተዄካስ …” እናበለ ይፍትኖ ነበረ። (ማቴ 4፡1-7)

እቲ ሊቀ ካህናት ንክርስቶስ “ወዲ ኣምላኽ እንተዄንካ ንገረና?” ኢሉ ምስ ሓተቶ ጎይታ “..ንስኻ እኳ በልካ” ኢሉ ምስ መለሰሉ ኪዳኑ ቀደደ (ኣብ ባህሊ ኣይሁድ፡ ናይ መጨረሻ ቁጥዓ ዝገልጽ ተግባር’ዩ) (ማቴ 26፡64-66)።

እቶም ንክርስቶስ ዝሰቐሉዎውን “ወዲ ኣምላኽ እንተዄንካ ደኣ ሕጂ ካብ መስቀል ዘይትወርድ” እናበሉ የላግጽሉ ነበሩ (ማቴ 27፡40)።

ኣብ ግዜ ስቕለቱ፡ ትንፋሱ ምስ ሓለፈት ብዙሕ ተኣምራት ተራእዩ…እቲ ዝሕልዎ ዝነበረ ሓለቓ ምእቲ ከኣ “…እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እዩ ኔሩ…” ኢሉ መስከረ (ማቴ 27፡51-54)።

እዚ ኩሉዚ እቲ ኣምላኻዊ ውልድነት መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ፡ መሰረት ናይ ድሕነትን መሰረት ናይ እምነት ክርስትናን ምዃኑ ይምህረና።  

ቅድሚ ኩሉ ዘመናት  (ዘህልው ምስሌሁ እምቅድመ ይትፈጠር ዓለም)

ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት፡ ዘርኢ ኣብርሃም ተባሂሉ እንተተጸውዐ፡ መጀመርያን መወዳእታን ግን የብሉን። “…ኣነ ኣብርሃም ከይተወልደ ከም ዘሎኹ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።” ዮሃ 8፡ 58።

 “ኣነ ሡር ዳዊትን ዘርኡን” (ራእ 22፡16) እየ ኪብል ከሎ፡ ብኣምላኽነቱ ንዳዊት ሡሩ፡ ብሰብኣውነቱ ካብ ዘርኢ ዳዊት ምዃኑ የስተምህር።

ንሰማይን ምድርን ባዕሉ ስለዝፈጠረ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ህሉው እዩ (ዮሃ 17፡5፤ ዮሃ 1፡10፤ ዕብ 1፡2)።

ህላውነቱ እምበኣር ካብ ዘልኣለም ክሳብ ዘልኣለም እዩ። ዘልኣለማውነቱን ልደቱ ካብ ቅ. ድንግል ማርያምን ኣብ ቤትልሄም ዘነጻጽር ትንቢታዊ ቃል መጽሓፍ ቅዱስ እንሆ “ግናኸ ኣንቲ ካብ ማእከል ኣሽሓት ይሁዳ ዝነኣስኪ ቤተልሄም ናይ ኤፍራታ እቲ ምውጻኡ ካብ ጥንቲ ካብ ዘልኣለም ዝኾነ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዝኸውን ካባኺ ኪወጸለይ እዩ።” ሚክ 5፡2። ትንቢት ዳንኤል 7፡14)

እዚ ምስቲ ናይ ኣርዮስ ስሑት ትምህርቲ ነገናዝቦ። ካህን ኣርዮስ ‘ወዲ ዘይነበረሉ ግዜ ነይሩ እዩ’ ዝብል ትምህርቲ ይምህር ኔሩ። ሎሚውን መሰኻኽር ጅሆቫ ከምኡ ዝብል ትምህርቲ ይምህሩ። ስለዚ እዮም ኣባላት ማሕበር ክርስትያን ኪኾኑ ዘይክእሉ።     

ብርሃን ካብ ብርሃን (ብርሃን ዘእምብርሃን)

መንፈሳዊ ብርሃን እምበር ግኡዛዊ ብርሃን ኣይኮነን። “ኣነ ብርሃን ዓለም እየ እቲ ዝስዕበኒ ብርሃን ህይወት ክረክብ እምበር ብጸልማት ኣይክኸይድን እዩ።” ዮሃ 8፡12።

“…ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዝነብር፡ ንዕኡ ክብርን ናይ ዘልኣለም ሥልጣንን ይኹን።” 1 ጢሞ 6፡15-16። 

ንኹላህና ሰዓብቱ ዝሃበና ተስፋ፡ ንሕናውን ካብ ብርሃኑ ብርሃን ዓለም ከምእንኸውን እዩ።

እቲ ናትናን ናይ ኣምላኽና ክርስቶስን ዝፈልዮ ግን ኣሎ፤ ንሕና ክንድቲ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልናዮ ብርሃን ኢና ነብርህ። ንሱ ግን ብርሃን ናይ ባህርዩ እዩ። ከም ወርሕን ጸሓይን ኪምሰል ይኽእል።

ብዛዕባቲ ካብ ኩሉ ሰብ ንላዕሊ ትሑት ብምንባሩ፡ ብኣምላኽ ከኣ ፍሉይ ዕብየት ዝረኸበ፡ ነብዪ ዮሃንስ መጥመቕ ዝተባህለ ቃል ዓቢ ትምህርቲ ሓዘልዩ።

“ኩሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኪበጽሑ ብዛዕባ ብርሃን ክምስክር መጸ እምበር ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን።” ዮሃ 1፡7-8።

ካብዚ ተበጊስና አና ኣብቲ ናይ ጸሎተ ዘዘውትር (ንግሆ) ከምዚ ኢልና ንጽሊ፡- ኦ ንኹሉ ሰብ እተብርህ ሓቀኛ ብርሃን…ኩሉ ኣእምሮናን ልብናን ምርዳእናን ኣብርሃልና…” 

ሓቀኛ ኣምላኽ ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ (ኣምላክ ዘእምኣምላክ ዘበኣማን)

ኣምላኽ ዝብል ቃል ብዝተፈላለየ መልክዕ ከም መጸውዒ ንደቂ ሰባት ከምዝተዋህበ ነንብብ።

ንኣብነት፡- ነብዪ ሙሴ ንኣሮን፡ ነብዪ ሙሴ ንፈርዖን ኣምላኾም ኪትከውን ኢኻ ዝብል ቃላት ኣሎ (ዘጽኣት 7፡1 ፤ 4፡15-16)።

እቲ ከምኡ ዝብል ዘሎ ኣምላኽ እዩ፡- ኣምላኽ ከኣ ኣነ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ ኣብ ቅድመይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ ዝበለ ባዕሉ እዩ። ስለዚ እቲ ቃላት ዝተጋጨወዶ ይመስል? ኣይፋሉን።

ኣምላኽ ዝብል ንሰባት ዝተዋህበ ሕልቅነት/መሪሕነት ንምግላጽ እዩ እምበር ኣምላኽነት ንምግላጽ ኣይኮነን። “…ኪኸውን ከኣ እዩ ንሱ ኣፍ ክኾነካ፡ ንስኻ ድማ ኣምላኽ ክትከኖ፡ ንሱ ኣብ ክንዳኻ ንህዝቢ ይዛረብ።” ዘጽ 4፡15-16። (ተመሳሳሊ ጥቅሲ መዝ 82፡1, 6-7)  

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ኩሉ ኣምላኻዊ ባህርይ ዘለዎ፡ ሓቀኛ ኣምላኽ እዩ። ንሱ ዘልኣለማዊ፡ ፈጣሪ፡ ኣልቦ ዘይሰኣኖ፡ ብቦታ፡ ግዜን ኩነታትን ዘይውሰን ልብን ኩላሊትን ዚምርምር፡ ቅዱስ ጎይታ ጎይቶት፡ ኣምላኽ ኣማልኽቲ …እዩ። 

“ …ንሱ ንዘልኣለም ብሩኽ ኣምላኽ ልዕሊ ኩሉ እዩ። ኣሜን።” ሮሜ 9፡5። (ተመሳሳሊ ጥቅስታት ዮሃ 1፡1, 1 ጢሞ 3፡16፤ ግብ 20፡28)

ዝተወልደ እምበር ዘይተፈጥረ (ዘተወልደ ወኣኮ ዘተገብረ)

ቅ. ኣጎስጢኖስ ብዛዕባ ክልተ ልደት ጎይታ ዝበሎ ቃል “ዘልኣለማዊ ልደት ቅድሚ ዓለም ካብ እግዚኣብሔር ኣቦ ብዘይ ኣደ፥ እቲ ካልኣይ ደቱ ከኣ ግዜኡ ምስ በጸ ካብ ኣደ ብዘይ ኣቦ እዩ። ንሱ ዘልኣለማዊ ልደት ዘለዎ፡ ካብ ኣቦ ተወሊዱ እምበር ኣይተፈጥረን።”

ብዛዕባ ተምሳል ክህነት ናይ ክርስቶስ ኮይኑዝተዘርበሉካህን መልከጸደቕ መጻሓፍ ቅዱስ ከምዚ “መጀመርታ መዓልትታት የብሉን፡ መወዳእታ ሕይወትውን የብሉን።” (ዕብራ 7፡3,15)

እዚ እምነትዚ ነቲ ካህን ኣርዮስ ኣብ ዘመኑ፡ መሰኻኽር ጅሆቫ ከኣ ኣብዚ ዘመንዚ “ክርስቶስ ፍጡር እዩ እናበሉ” ዝምህርዎ ብቑዕ መልሲ ይህብ። 

ብኣምላኽነቱ ምስ ኣቦ ማዕረ ዝኾነ (ዘእሩይ ምስለ ኣብ በመለኮቱ)

ኣርዮሳውያን ነቲ “…ካባይ ኣቦይ ይዓቢ እዩ።” ዮሓ 14፡28 በይና ነታ ሓሳብ ዝንጥል ብምባል እዮም ናብ ዓቢ ስሕተት ዝወደቑ።

እቲ መልሲ ናይቲ ካባይ ኣቦይ ይዓቢ ዝብል ኣብዚ እዩ ዘሎ “ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ከም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን። መልክዕ ኣርያ ወሲዱ፥ ርእሱ ኣሕሰረ፤ ሰብ እውን መሰለ፤ ብንብረቱ ከም ሰብ ኮይኑ ተረኽበ፤ ርእሱ ክሳብ ሞት ኣትሓተ፤ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ድኣ ተኣዘዘ።” ፊልጲ 2፡6-8።

እቲ ኣምላኻዊ ባህሪ ከምዘሎዎ ምሳይ እንከሎ፥ እቲ መልክዕ ባርያ ወሰድክዎ ማለት እዩ።

እምበኣር እቲ ዝወሰዶ ተስጋውነት ኣምላኽነቱ ከምዘይተንከፎ ንምግላጽውን “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” ዮሓ 10፡30 በለ።

ኣብ ውሽጢ እቲ “ካባይሲ ኣቦይ ይዓቢ” ዝበለሉ ተመሊሱውን

“እቲ ንዓይ ዝርኣየ ነቦ ርኣየ” ዮሓ 14፡9

“ኣነ ኣብ ኣቦ ከም ዘሎኹ፡ ኣቦውን ኣባይ ከምዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ” ዮሓ 14፡10

ብዙሕ ኣምላኽ እንተዘይኮይኑ ካልእ ኪገብሮ ዘይኽእል ግብርታት ገበረ

“ሓጢኣት ሓደገ…” ማር 2፡5, 10

“ነቲ ፈያታዊ ዘየማን ምሳይ ኣብ ገነት ክትኸውን ኢኻ” በሎ ሉቃስ 23፡42-43።

“ኣነ መገዲ፡ ሓቅን ህይወትን እየ”…ብዘይ ብኣይ ከኣ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ኪበጽሕ ዝኽእል የሎን ኢሉ። ዮሓ 14፡6።

ሥላሴ ብመለኮት፡ ብስልጣን፡ ብባህሪ፡ ብህልውና ሓደ እዮም።

ብእኡ ኩሉ ዝኾነ ( ዘቦቱ ኩሉ ኮነ፣ ወዘእንበሌሁሰ ኣልቦ ዘኮነ)

“ብእኡ ኩሉ ኮነ፡ ካብቲ ዝኾነ ዘበለ ድማ፥ ብዘይ ብእኡ ዝኾነ የልቦን።” ዮሓ 1፡3።

“ኩሉ ብእኡን ንእኡን እዩ ዝተፈጥረ” ቆለ 1፡16።

ኣብ ዘፍጥረት ከም እነንብቦ መን’ዩ ዓለምን ኣብኡ ዘሎ ኩሉ ህይወት ዘለዎን ዘይብሉን፡ ዚርአን ዘይርአን ዝፈጠሮ መን’ዩ?

ተራ ናይ እግዚኣብሔር ወልድ ብኸመይ ኪግለጽ ይኽእል?

ወንጌል ዮሓንስ (1፡1-3) በዚ ቃል እዚ እዩ ዝጅምር “ቃል ብቅድሙ ነበረ፡ እቲ ቃል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፥ እቲ ቃልውን ኣምላኽ ነበረ። ንሱ ብቅድሙ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። ብእኡ ኩሉ ተፈጥረ፡ ካብቲ ዝተፈጥረ ዘበለ ድማ ብዘይካ ብእኡ ሓንቲ ዝተፈጥረ የልቦን”

ኣምላኽ “ይኹን በለ” ኮነ ድማ።

ምእንቲ ድሕነትና ካብ ሰማይ ዝወረደ (ወበእንተ መድሃኒትነ ወረደ እምሰማያት)

ንእግዚኣብሔር ወልድ፡ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ኣብ ምስቀል ስሌና ኪመውት ዘገደዶ፡ ሓደ ነገር እዩ፡- ምእንቲ ከድሕነና።

እምበኣር ናይ ተሥጋውነቱ ዕላማ፡ ነታ ብምኽንያት ሓጥያት ኣዳም ዝሰኣንናዮ “ካብዚኣ ምስ እትበልዕ፡ ሞት ኪትመውት ኢኻ ከምእተባህለ” ክብሪ ኪመልሰልና እዩ። (ዘፍ. 1፡26-27)።

ኣብ ርእሲዚ ቀዳማይ ዕላማ ግን ብህይወቱን ናብርኡን ከኣ ኣርኣያ ገዲፉልና።

1.  ንኣዲኡ ቅ. ድንግል ማርያም ምእዛዙ…ንወለድና ክንእዘዝ ምሂሩና

2.  ነቶም ንገዛእ ርእሶም ኣይኣትዉ፡ ንመንግስተ ሰማያት ኪኣትዉ ንዝደልዩ ሰባት ከኣ ጉጉይ ትምህርቲ እንዳመሃሩ ዕንቅፋት ዝኾኑ ዝነበሩ ንምእራምን እቲ ቅኑዕ ትምህርት ንምስትምሃርን እዩ (ማቴ 23፡13)። ብተወሳኺ ኣብ ግዜ ኦሪት “ከምዚ ከምዝተባህለ ሰሚዕኩም ኣሎኹም፡ ኣነ ግና ንዓኻትኩም ከምዚ እብለኩም ኣሎኹ…።” (ማቴ 5፡27-45) እናበለ ዝምሃረና “ናይ ከረን ትምህርቲ ዝብሃል” ኣሎና።

ኣብ ርእሲዚ ቀዳማይ ዕላማ ግን ብህይወቱን ናብርኡን ከኣ ኣርኣያ ገዲፉልና።

3. ጐይታ ዝምሃረና ጸሎት “ኣቡነ ዘበሰማያት” እታ ዝዓበየት ጸሎት ናይ ቤ/ክርስትያንና እያ። ኣብ ሞንጎናን ኣምላኽን ኪህሉ ብዛዕባ ዚግብኦ ናይ ወላድን ውሉድን ጥቡቕ ዝምድና ትምህረና። እዚ ብሓቂ ዓብዪ ነገር እዩ። (ንኣብነት ኣብዚ ንነብረሉ ዘሎና ዓዲ ናይ ኣኽብሮት ብሽም ኣቦና/ኣቦሓጎና ስለንጽዋዕ ብተደጋጋሚ መንነትና ዘዘኻኽር ነገር ኣሎና።…ኣብ አማያት ትነብር ኣሎና ኸኣ ንዓና ከምኡ እያ…ኣብ ምእታውና ምውጻእና፡ ኣብ ምብላዕን ምድቃስን ምትንሳእን፡ ዘይሓሰብናዮ ሓደጋታት ከጋጥመና ከሎ…በይንና ዘይምዃንና ኣምላኽ ምሳና ከምዘሎ ትምህርና ጸሎት እያ።)

1. ክርስቶስ ንሰበ ስልጣን ዝግብኦም ክብሪ ኣየጉደለን (ንኣብነት፡ ግብሪ ከፈለ)፤ ልዕሊ እግዚኣብሔር ኣቦ ግን ኣይሰርዖምን።

እቲ ቀንዲ ማሕደሩ ሰማይ ምኻኑውን እኳ እንተነጸረ፡ “ካብ ኣቦ ወጺአ ናብ ዓለም መጻእኩ፡ ንዓለም ሓዲገ ድማ ናብ ኣቦ እኸይድ ኣሎኹ።”  ንሱስ ቦታን ግዜን ዘይውስኖ ኣብ ኩሉ ዝነብር ኣምላኽ እዩ።

ንኒቆዲሞስ ከምዝበሎ “ብጀካ እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ እኳ የልቦን” ዮሓ 3፡13።

ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሰብ ኮነ (ተሰብዓ ወተሰገወ እማርያም እምቅድስት ድንግል)

ቅ. ድንግል ማርያም ንቅ. ገብርኤል “…እዚኸ ሰብኣይ ከይፈለጥኩ ከመይ ኢሉ ክኸውን እዩ?” በለቶ ንሱ ከኣ “መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ከጽልለኪ እዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ካባኺ ዝውለድ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ክብሃል እዩ።” ሉቃ 1፡35።

መንፈስ ቅዱስ ናብ ማህፀን ቅ. ማርያም ብኣካሉ እዩ ወሪዱ፡ እዚ ድማ ፍሉይ ኩነት እዩ። ዕላምኡ ከኣ ፡-

1.  ኣብ ማህፀን ቅ. ድንግል ማርያም ብዘይዘርኢ ሰብኣይ ስጋ ከቕውም።

2.   እቲ ካብ. ቅ. ድንግል ማርያም ዝውለድ ህጻን፡ ጐይታ ኢየሱስ ኣዳማዊ ሓጢኣት ምእንቲ ከይወርስ እዩ። መንቅብ ዘይብሉ ቅዱስ መስዋእቲ ኮይኑ ምእንቲ ድሕነት ደቂ ኣዳም ብብቕዓት ክፍጽም እዩ።

ቅዳሴ ጎርጎርዮስ “ብጀካ ብሓጢኣት ጥራይ እንተዘይኮይኑ፡ ብኹሉ ነገር ንዓና መሰለ።” ከምዝበሎ። 

ሰብ ኮነ (ኮነ ብእሴ)

ባህርያት ሰብ ዘለዎ ፍጹም ሰብ ኮነ። “ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ ክርስቶስ ኢየሱስ ሓደ በይኑ እዩ።” (1ጢሞ 2፡5)።

እቲ ፍርዲ ኣንጻር ሰብ (ኣዳምን ዘርኡን) ስለዝነበረ እቲ ንድሕነት ሰብ ኪመውት ዘለዎ፡ ብዘይካ ብሓጢኣት፡ ብባህርያት ሰብ ዝተወልደ ሰብ ኪኸውን ኣለዎ።

ናይ ኣፕሎናርዮስን ካልኦትን መንፋቕነት፡ ሰብኣዊ ባህርይ ክርስቶስ እቲ ካብ ቅ. ድንግል ማርያም ዝተወስደ ኣይኮነን ስለዝበሉ ኣብ ጉባኤ ቁስጥንጥንያ (381 ዓም)፡ ንኽምለሱ ተሓቲቶም ስለዘቕበጹ ተወገዙ።

ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽን ስለዝኾነ፡ ፍጹምን ኣበር ዘይብሉን መስዋእቲ ኮነ።

ብዛዕባ ቅድስት ድንግል ማርያም ግን፡ ወግዓዊ ጽንሲ (ካብ ኣቡኣ እያቄምን ኣዲኣ ሃናን) ስለዝኾነ መድሓኒ ኣድለያ። “ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ፡ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ በቲ መድሓንየይ ባህ ይብሎ” (ጸሎተ እግዚእትነ ማርያም) ሉቃ 1፡46-47 

ምእንታና ተሰቕለ (ወተሰቅለ በእንቲኣነ)

“ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ።” ሮሜ 6፡23። ብኣቦና ኣዳም ዝኣተወ ሞት ከኣ ናብ ኩሎም ዘርኡ ሓለፈ (ሮሜ 5፡12)።

በዚ ምኽንያት እቲ ዋላ ሓንቲ ሓጢኣትን በደልን ዘይብሉ ቅዱስ ኣምላኽ፡ ክርስቶስ፡ ኣብ ክንዲ እቶም ኣብ ትሕቲ ናይ ሞት ፍርዲ ዘሎና ኩላትና ኪመውት ፈቐደ።

እቲ ፈያታዊ ዘየማን ዝበሎ ቃል ንዘክር (ሉቃ 23፡40-41)

እቲ ፈራዲ ብዓል ስልጣን ጲላጦስውን፡ ንሞት ዚበቕዕ ገበን ኣይረአብኩሉን…ካብ ደሙ ኸኣ ነጻ እየ ኢሉ መስከረ (ማቴ 27፡24)

ነብዪ ኢሳያስውን ብዛዕባ ተልእኾ ክርስቶስ ከምዚ ኢሉ ተነብዩ ኔሩ “ኩላትና ከም ኣባጊዕ ተባረርና፡ ነፍሲ ወከፍና ነናብ መገዱ ዝምበለ፡ እግዚኣብሔር ከኣ ኣበሳ ኩላትና ኣብኡ ኣውደቖ።” ኢሳ 53፡6። 

ብሞቱ በጃ ምእንቲ ኪሓልፈልና ሞተ። (ምብጃው፡ ነጻ ሰብ ኣብ ክንዲ በዳሊ ርእሱ ኪውፊ ከሎ እዩ)

ቅ. ገብርኤል መልኣኽ ንቅ. ድንግል ማርያም ዝበላ ቃል “መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ከጽልለኪ እዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ካባኺ ዝውለድ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ክብሃል እዩ።” ሉቃ 1፡35።

“ከምዚ ዝኣመሰለ ክፍኣትን ርኽሰትን ዘይብሉ ካብ ሓጥኣን እተፈልየ ካብ ሰማያት ከኣ ልዕል ዝበለ ቅዱስ ሊቀ-ካህናት ኣድለየና።” እብ 7፡26።

ብ ስቕለቱ ጸዋር ሓጢኣት እምበር ሓጢኣተኛ ኣይነበረን።

ዮሓንስ መጥመቕውን “እንሆ ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ።” (ዮሓ 1፡29) በለ። 

ሃዋርያ ዮሃንስውን ይብል “ኣቱም ደቀየ ሓጢኣት ምእንቲ ከይትገብሩ እዚ እጽሕፈልኩም ኣሎኩ። ኣደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተሎ ጠበቓ ኣብ ኣቦ ኣሎና፡ ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ጻድቕ እዩ። ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩ። ብናይ ሓጢኣት ኩሉ ዓለም ድማ እዩ እምበር ብናይ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኮነን።” 1ዮሃ 2፡1-2።

ተበጃውነት ናይ መድሓኒና ክርስቶስ ነቲ መስዋእቲ ብሉይ ኪዳን ሓንሳእን ንሓዋሩን ተኪእዎ እዩ። ኣብ ኦሪት መንቅብ ዘይብሉ እንስሳ ተመሪጹ ንመስዋእቲ ይዳሎ፡ እቲ ስርየት ሓጢኣቱ ደልዩ ዝመጸ ከኣ ኢዱ ኣብቲ ዝስዋእ እንስሳ ብምንባር ብካህን ተመሪሑ መስዋእቱ የዕርግ ነበረ። “ደሙ ንሕድገት ሓጢኣት ኣብ መቕደስ፡ ኣብቲ ኣነ እግዚኣብሔር ዝርከበሉ ድንኳን ዚኣቱ ኣብ ክንዲ ሓጢኣት ዚቐርብ መስዋእቲ…” ዘሌ 6፡30።

እቲ መስዋእቲ ከኣ “…ቅዱሰ ቅዱሳን” (ዘሌ 6፡25) ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኣበር ዘይብሉ ቅዱስ መስዋእቲ ኮነ። እግዚኣብሔር ኣቦ ተቐቢልዎ። ደቂ ሰባት ከኣ ተቐቢልናዮን መስኪርናሉን።

ከምቲ እቶም መስዋእቲ ዘቕርቡ ኣብ ወጻኢ ዝፍጽምዎ፡ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ናብታ ብምድራዊት ኢዮርሳሌም እትምሰል ሰማያት ሃገር ከእትወና ኣብ ጎልጎልታ ተሰቕለ።

“ሰብ መሰለ፡ ብንብረቱ ከም ሰብ ኮይኑ ተረኽበ፡ ርእሱ ክሳዕ ሞት ኣትሓተ፡ ክሳዕ ሞት፡ ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ።” ፊል 2፡7-8።

ኣብ ግዜ ጥምቀቱ “ኩሉ ጽድቂ ክንፍጽም ይግብኣና እዩ…” ማቴ 3፡15። ከምዚበሎ ጾሙ ኩሉ ሕግታት ምፍጻሙ ምእንታና እዩ ኔሩ።

ንእግዚኣብሔር ኣቦ “..ኩሉ ሳዕ ባህ ዘብሎ እገብር እየ…” ዮሃ 8፡29። ከምዝበሎ ፍቓድ ኣብኡ ምሉእ ብምሉእ ፈጸመ።

እቲ ልክዕ ዘመን ብርግጽ ምእንቲ ነዞም ዳሕረዎት ወለዶ ኪርድኣና “ምእንታና ኣብ ዘመን ጴንጠናዊ ጲላጦስ ተሰቕለ” ተባሂሉ ኣብ ጸሎት ኃይማኖት ተገሊጹልና ኣሎ።

ስለምንታዩ ብስቕለት ዝሞተ?

እዚ ዓይነት ኣማውታ ስቕያት ዝበዝሖ፡ ንኹሎም መትንታት ዝትንክፍ፡ ደም ናይ ብምሉኡ ሰውነት ዘፍስስ እዩ።

ስቅያቱ፡ ካብ ኩሉ ዓይነት ኣማውታ፡ ዝነውሐ ግዜ ይወስድ (6፡00-9፡00)

ኣብ ብሉይ ኪዳን ኣብ መስቀል ሙማት ከም መርገም እዩ ዝቑጸር ዝነበረ (ዘዳ 21፡22)። “ብስቕለቱ ካብ ናይ መርገም ሕጊ ኣድሓነና” (ገላ 3፡13)

እዚ ከቢድ ስቅያት እምበኣር ገለ ሰባት ውህደት ኣምላኽነትን ትስብእትን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንትስብእቱ ካብ ስቓይ ተኸላኸለሉ ኢሎም ምእንቲ ከይግምቱ እዩ።

ከምኡ እንተኾይኑ ስቕለት ጐ. ኢየሱስ ክርስቶስ ምስሊ እምበር ሓቀኛ ስቕለት ኣየስምዕን። ከምኡ እንተኾይኑ ድማ ጐይታ ነቲ ዓስቢ ዋጋ ሞት፡ ቅኑዕ ኣምላኻዊ ፍርዲ፡ ኣይከፈሎን ማለት ኪኸውን እዩ።

ነብዪ ኢሳያስ ኣቐዲሙ ከምዚ ኢሉ ተነብዩ ኔሩ… “ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን እዩ፡ ብዓል ስቓይ…ንስቓይና ከኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፡ንሕና ግን ከም እተወቕዐን ብእግዚኣብሔር ከምዝተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ቖጺርናዮ። ንሱ ግን ብሰሪ ገበንና ቖሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡…እግዚኣብሔር ግና ብመከራ ኪሕምሽሾ ፈተወ፡ ነፍሱ ንመሥዋእቲ ሓጢኣት ምስ ወፈያ ዘርኢ ከርኢ መዓልትታቱ ከንውሕ እዩ። ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣብ ኢዱ ኸስልጥ እዩ።” ኢሳ 53፡3-10

ስቕያቱ ዝገልጽ “ኤሎሄ ኤሎሄ …” ኢሉ ጨርሐ።

ቤተክርስትያን ከኣ ኣብ ርእሲ እተን ወግዓውያን መዓልታት ጾም…ሕማማት ኢላ ብፍሉይ ንሓደ ሰሙን (ምስ ዓርቢ ስቕለት) ጾም ዝኣወጀት ኣምላኽና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ምድሓን ዝተሳቐዮ ስቅያት ንምዝካርን ንምስትንታንን’ዩ።

ካብ ዝውለድ ክሳብ ዝስቐል ስቕያት፡ ጥሜት፡ ስደት፡ ጸርፍን ውርደትን ኣየቛረጸን እንተኾነ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽነቱ ተጠቒሙ ካብቲ ኩሉ ዘጋጠሞ ከበድቲ ሽግራት ኪወጽእ ይደለየን።

እቶም ስቕያታት ከይተፈጸሙ ከሎዉ ባዕሉ ከመይ ዝኣመሰለ መከራ ይጽበዮ ከምዘሎ ኣቐዲሙ ንደቀመዛሙርቱ ይሕብሮም ነበረ። “ቅድም ግና ብዙሕ ሓሳረ መከራ ክጸግብ በዚ ወለዶ እዚውን ክንዓቕ ብግዲ እዩ” በሎም (ሉቃ 17፡25። ማቴ 16፡21። ማርቆስ 8፡31።

ኣብ ትንሣኤኡ ነቶም ሰብ ኤማሁስ ዘዘከሮም ቃል ነስተውዕል “ንሱ ድማ ኣቱም ነብያት ብዝተዛረብዎ ኩሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጎየ ዓያሱ፡ ክርስቶስ እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ኪጸግብ እሞ፡ ናብ ክብረቱ ክኣቱ ናይ ግዲዶ ኣይኮነን?” (ሉቃ 24፡25-26) 

ንጉስ ዳዊትውን ብዛዕባ ስቓይ ክርስቶስ ከምዚ ኢሉ ተነብዩ ኔሩ (ብምሉኡ ምዕራፍ መዝሙር 22 ኣብዚ ግዜ ሕማማት ደጋጊምና ከነንብቦ ይግባእ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div