S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ነውሪ ዘርዓ-ያዕቆብ

ናይዙ እሞ ዝገደደ

ዝበለ ንተርትረ ንቅደደ

ከም ዓለባ ንቀዳድደ

ንሓቂ ንተርትረ ንቅደደ

ካባኡ ዝኸፍአ ዝገደደ

ካህናት ክቕበልዎ ገደደ

እናበሉኻዶ ትጋገ!

እዙስ እምብዛ የስገድግደ፥

ንቅዱስ ቊርባን ዘሳድደ

ንናይ ዘርዓ-ያዕቆብ ዘራጒደ

ንናይ ዘርዓ-ያዕቆብ ዘራጒደ

ንኡነት ወንጌል ዚቀራድደ

ከም ኣሕምልቲ ዚቀራድደ

ከም ኣስሓይታ ዚቈራፍደ

ብኸመይ ይገብረካ ነገደ፧

ናይ ክርስቲያን ነገደ፥

 

ዘርዓ-ያዕቆብ ቢሉኩመ

ንባብ ተኣምረ-ማርያመ

ምስ ሰሚዕካ ወዲ-ኣዳመ

ክንዲ ሥጋኡ-ወደመ

ማዕረ ሥጋኡ-ወደመ፡

ይሕሰበልካ ቢሉ ጉዳመ

ኣንታ ጉድ መስደምመ

ዘሪእካ እሾኽ መርገመ። 

 

ክርስቶስ ዚበለ ቊርባን

ትረክብ ሕይወት ብቊርባን

ንሓዋሩ ሕይወት ብቊርባን፥

ዘርዓ-ያዕቆብ ንወንጌል ዘምክን

ይብል ሕይወት ብዘይቊርባን

ክንዲ ቅዱስ ቊርባን

ምስማዕያ ናየይ ድርሳን

ኢያኣይ ክንዲ ቊርባን፥

 

ወይ እንዳብሻይ ጉዳመ

ወይ እንዳብሻይ ጉዳመ

ማዕረ ሥጋኡ ወደመ

ንክርስቶስ ሥጋኡ ወደመ

የቀድሙ ናይ ዓለመ

ንኡነት ብምሽማመ

ንቅዱስ ብምሽማመ

ንናይ ዓለም ብምሽልላመ።

 

ማዕረ እቱ ቅዱስ መና

ማዕረ እቱ ቅዱስ መና፡

ሕዝበይ እዙስ ኣይዳኅና

ንእግዚእያ ተረኺብዎ መዘና፧

ንክርስቶስያ ተረኺብዎ መዘና፧

ዘይሓፍሩ ጐረቤትና

ንወንጌል ገዲፍካስ ንጓና

መዘዝ መሃዘባ ሰረይና፥

 

እኒሆ ድምፂ ገርማዕማዐ

ንናይ ብሕቱያ ሥሥዐ

እሳትወ ወለዐ ወላልዐ፡

ንቃል ወንጌል ዚምንዘዐ

ንቃል ወንጌል ዚምንዘዐ

ንሓቂ ዘብል ገማዕማዐ

ይቀላዕ ኡነት ኣይትመጣላዕዐ

ይቀላዕ ኣይትበል ዘርባዕባዐ፥

 

ደረባኻ ነፊሕካ በለ

ኣይትበል ውልውለ

ሓቂዩ ቅዱስ ወንጌለ

ስበኽ ቅዱስ ወንጌለ፥

ካባኡ ወፃኢ ወንጀለ

ንዘርዓ-ያዕቆብ ምቕባለ

ኣቦኡ ዘኣመረሉ ወንጀለ

ጭው ዝበለ ገፈልመፈለ።

 

ገሊኣቶም ኣቦታት ቀሳውስቲ

ጓሶት ዘመርቲ ወደስቲ

እናኣመሩ ወዮ ትምህርቲ

ናይ ካሕዳይ ትምህርቲ

ናይ ስሕታን ትምህርቲ

ከይብለና ሰብያ ፈተውቲ

የንጐድጒድዎ ለይቲ መዓልቲ

ንናይ ዘርዓ-ያዕቆብ ምህርቲ።

 

ሰብና፡ ካንዶ ኣኺሉና፧

ሰብና፡ ካንዶ ኣኺሉና፧

ንሓቂ ጸሊእናስ፡ ክርስትና

ኣበይ ኮንዩ ምቅዳውና፧

ወንጌል ገዲፍካ ክርስትና

ናየሎጎስ ገዲፍካስ ክርስትና

እዙስዶ ኣይኮነን ደሮና፧

ደር! በሎ ንዕሻሽ ደሮና።

 

ቀንጅቦ ቀናጅቦ ሸዀና

ቀንጅቦ ቀናጅቦ ሰዀና

ናይ ሓሶት ሸዀና

ንናይ ወንጌል ጓና፡

ኣይትኹን መስሓቅ ጓና

ቅዱስ ወንጌልዩ ጋርና

መዓር ዘንጠብጥብ ጋርና

ከቶ ዘይርከቦ መዘና።

 

ንሥጋ ክርስቶስያ ትካአ

ንደም ክርስቶስያ ትካአ፡

ፈቲኻ ጸሊእካ ተኪአ

እዚኣስ ዘይክርስትናያ ተኪአ

ተዛረብ ሓቂ ዝመጽአ-ተመጽአ

ሓቂ ጥራኅ ኢያ መዋፅአ

ካልእሲያ ኃላፊዩ ተኪአ

ኣይትበል ሰጋእ-መጋአ።

 

እምበኣር ኣሎ ገረንገረ

ንቅዱስ ወንጌል ዚመዓራረ፧

ታዮ ኣነስ ሓፊረ እምበረ

ንቅዱስ ወንጌልያ ዚመዓራረ፡

የማን ገዲፍካስ ሰዓረ

ንጸጋም ገጽካ ትመጣጠረ

ትፈቱ ንሓቂ ዚዓማጥረ

ከም ልብሲ ምቅይያረ።

 

ቅድስቲ ድንግል ዝበለተ

ዚበለኩም ስሙዑዋተ፡

ንኣይኳ ኣኽብረኒ ዘይበለተ

ከቶኳ ኣኽብረኒ ዘይበለተ

ዝያዳ እግዚእ ዘየቀደመተ

ንኻልእ ገጻ ዘይኣመተተ

ግዳኸ ንክርስቶስ ኣከባበረተ

ንወልድ ደኣ ኣከባበረተ።

 

ከቶ ዘይብሉ ፈሪሓ

ናየኣምላኽ ፈሪሓ

እኒሆ ሕማቕ ስሓ፥

ኣይትኹን ኃወይ ቀባሕብሓ

ኣይትኹኒ ኃውተይ ቈላሕላሓ

ንናይ ዘርዓ-ያዕቆብ ረብሓ

ንቅዱስ ዘንኰራሩ መረጋሕ

ንቅዱስ ዘንኰራሩ መደርጋሕ።

 

ናይ ድንግል ተኣምራታ

ኮታ ዘይብሉ መወዳእታ

እማን ነይብሉ መወዳእታ

ታሪኽ ድኅሪ ሞታ

ንምዝናይ ክቡር ዛንታ

ኣይገብሮን ማዕረ ናየጐይታ

ኣይገብሮን ማዕረ ናየጐይታ

ኣይገብሮን ማዕረ ናየጐይታ።

 

ይገበሮ ግዳ መዀታእታ

ንናይ ዘርዓ-ያዕቆብ ሓተታ፡

ሓጐሳ ገዲፊኪ ሸንቦባዕታ

ሓጐስ ገዲፍካ ሸምቦባዕታ፡

ናይኪ ይኹን ባህታ

ናይካ ይኹን ደስታ

እወ ዘይበርስ ደስታ

ትምህርቲ ናይ ጐይታ።

 

እኳ ዘይሕሰብ ሳሕቲ

ኪቚጸረ ንባብ ጽሕፍቲ

ማዕረ ቅዱስ መሥዋዕቲ፡

ዘሰሓሒ ኸም ሽጒርቲ

ዘንብዕ ኸም ሽጒርቲ

ኣይንሃቦ ዋላውን ሳምንቲ

ንስመምሕረት እኳ ሓንቲ

ወንጌል ኣየድልዮን መላፍንቲ።

 

ቅዱስ ወንጌልዩ መዓረ

ማንም ዘይብሉ ዚመዓራረ

ንስመምሕረት ዚመዓራረ

ሰዓረ፡ ኣይትበል ቀብጠርጠረ

ኣይትፍቶ ጒርዲ ሓሰረ፥

ኣይትደንሶ ንቅዱስ ደብተረ

ዘንጐርጐረ እንተ ኣንጐርጐረ

ወንጌል ጥራኅ ኣስተምህረ።

 

እቱ ሓቀይና መንገዲ

ዘምርሕ ንዘለዓለማዊ ዓዲ

ከቶ ዘይድልዮ መውረዲ

ንናይ ሰማይ መውሰዲ፥

ክርዳድዶ ይምረጽ ጒርዲ፧

ካብ ሥርናይሲ ጒርዲ

ኣይትፍቶ ናይ ከብዲ

ንናይ ዓለም መራጐዲ።

 

ኣሻሪውካ ምስዳብሻይ

ዚገብር ቈራይመራይ

ዕሻሽዶ ይኸውን ቀላይ፧

ገዲፍካ ንናይ ሰማይ

ንቅዱስ ወንጌል፡ ሲሳይ

መረጽካዶ ንናይ ሳሕዳይ፧

እዚኣስ ኣይግዲን ካሕሳይ

ደር! በሎ ኣይትኹን ጓጒናይ።

 

ንቅዱስ ወንጌል ዘዀደረ

ንቅዱስ ወንጌል ዘዀደረ

ክትገብሮ ማዕረ-ማዕረ፡

ንናይ ዘርዓ-ያዕቆብ ከተመዓዕረ

ከም ጋርና ዘንጠብጠብ መዓረ

ምስ ወንጌል ገረንገረ

ንፍጡረ ምስቱ ዝፈጠረ

እዚኣስያ ንሓቂ ምቅርቃረ።

 

ተሰናድአት

ሰዓት 12:25 . .

10-10-2020 ፈረንጂ

02 ጥቅምቲ 2013 . .

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div