S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ርሑስ በዓለ ሓዋርያት።

ስድራይ ርሑስ ዓውዲ-ዓመት

እኖታት ኣቦታት እኖሓጎታት

ሓሙታት ከማኡ ሓማታት

ኣኃት ኣኅዋት ኣቦሓጎታት

ኣሞታት ኃውቲኖታት ኣኮታት

ደቂ-ኣኃት ደቂ-ኣኅዋት ጒላማት

ኵሉኹም ፍቁራት ኃወቦታት

ኣዋልድ-እናይ ከማኡ ሓኖታት

መተዓብይቲ ከማኡ ዘማታት

መምህራን መሓዙት ሳንዳታት

እመ-ልገታት ምስ ኣበ-ልገታት

ኣያታት ምስ መዓሮታት

መበለታት ምስ ዘኽታማት፤

መቛርስተይውን ኣብ ማኅበራት

እተን ማኅበራት ማኅበረ-ርክባት

ትስሕሉ እምበለ ፍርሓት፤

ፈቐዶኡ ዘሎኹም ዘርኣ-ክህነት

ዓቀብቲወ፡ ሓለውቲ እምነት

ዓጠንቲ ቀደስቲ ንሃይማኖት

ወደስቲ: ዘመርቲ ማሕሌት

ወግሐ-ጸብሐ: ኣብጻኅቲ ዳዊት።

 

ርሑስ በዓለ ጴጥሮሰ

ከማኡ ቅዱስ ጳውሎሰ

ዚኃረዮም እግዚእና ኢየሱሰ

ኪምህሩ ቅዱስ መንፈሰ

ተጸውዑ ኪሰብኩ ክርስቶሰ

ኪነግሩ ምድኃን ነፍሰ

ከዘንትዉ ሓቂ ኢየሱሰ፤

ስምዖን ዚጽዋዕ ጴጥሮስ

ምስ ኃዉ እንድርያሰ፥

ያዕቆብ ምስ ዮሓንሰ

ክልቲኦም ደቂ ዜብደዎሰ

ፊልጶሰ ምስ በርተሎሜዎሰ

ሌዊ ዚተባህለ ማቴዎሰ

ያዕቆብ ወዲ እልፍዮሰ

ቀናእ ስምዖነ ምስ ቶማሰ

ይሁዳ ወዲ ያዕቆብሰ

ቀዲሞም ተኃርዩ ብኢየሱሰ፤

ድኅሪ ትንሳአ ክርስቶሰ

ተጸወዐ ብርሃን ጳውሎሰ

ምስ ደቁ እኒ ሉቃሰ

ቲቶ ምስ ጢመተዎስ።

 

ኵሉኻትኩም ኣመንቲ ብሓባረ

ደቂ-ኣዳም ኵሉኹም ብሓባረ፣

ምሥራቅ: ሰሜን እትነብረ

ደቡብ: ምዕራብ እትነብረ፥

ሊባ መስዕ ምስ ባሕረ

ኣብ ኣዜብ እትነብረ

ኵሉኻ ውሉደ ኤረ

ኢትዮጵያ ሱዳን ብሓባረ

ጂቡቲ ግብጺ ብሓባረ

ዓለም ኵላ ብጣምረ

አሠይ-አሠና እምብኣ'

ነዙ ዘብጽሓኩም እምብኣ'

ሠናይ ኣልቢሱ ማሕረ

ንዅልኻ ገቢሩ ገረንገረ

እዝገይሰኣሎ ፍቕረ

ብቓላት ዜይግለጽ ዜይንገረ

ትሩፋት ደቂ መዛሙረ

ኪኖ ዓቕምና' ስግረ

ዜይትምዘን ብናትና መነጽረ።

 

ወስብሐት ለእግዚእብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።

ወልደ ጻዕዳ-እምባ ገዳም ሥላሰ.

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div