S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እንሆ ድማ ድምፂ ብሃንደበት እንካብ ሰማይ መጽአ። እቱ ምልክቱስ ተገንዚብኩሞዶ፧ እዙ ጴንጠ-ቈስጠኸ እንታይ ኢዩ፧ እቱ ማዕጺድ ኣብ ዓጺድ ዚስደደሉን፥ ዚእከበሉን ጊዜ ኢዩ። እቱ ክውንነቱ ርኣዩ፥ እቱ ቃል ማዕጺድ እተሰደሉ ጊዜ ምስ መጽአ: ናብዙ፥ ከመዮ ማዕጺድ ዚብልኁ መንፈስ ቅዱስ ወረደ። ንቃላት ክርስቶስ ጽን በሉ: በለ እውን፥ እንሆ ኣዕይንቲኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ግራትውቲ ንዓጺድ ድሮ ከም ዚፃዕደወ ርኣዩ።

[ዮሓንስ 4:35] ከም ብሓድሽ ድማ፥ ብእማን እቱ ዓጺድ ብዙኅ ኢዩ፥ ዓየይቲ ግና ውሑዳት ኢዮም።[ማቴዎስ 9:37] ግናኸ ልክዕ ከመዮ በዅሪ-ፍረታት እዙ ዓጺድ እዙይ፥ የሱስ ብገዛእ-ርእሱ ናትና ባሕርይ ወሰደ፥ እሞ ድማ ንላዕሊ ክብ ኣበሎ። ብገዛእ-ርእሱ ነቱ ማዕጺድ ኣቀዲሙ ሰደደ። ስለዙ ድማ ነቱ ቃል/ሎጎስ ዘርኢ ጸወዖ። ደጊም መዓልቲ ጴንጠ-ቈስጠ ብምልኣት ምስ መጽአ፥ ኪብል እንከሎ [ሉቃስ 8:5 11] ማለት ኣብ ጴንጠ-ቈስጠ፥ ብኃጺሩ ኣብቱ እዋን እቱይ። እዙ ናይ ሕጂ ፍጻመታት ኣብ ጊዜ እቱ በዓል ንኺፍጸም ኣድላዪ ኮነ፥ ማለት እቶም ስቅለት ክርስቶስ ዚመስከሩ፥ ነዙ እውን ምእንቲ ኪርእይዎ። እንሆ ድማ ድምፂ ብሃንደበት እንካብ ሰማይ መጽአ። [. ሓዋርያት 2:2] ስለምንታይ ግና እዙስ ብዘይካ ጠቓሚ ምልክታት ኪኃልፍ ኣይመጽአን፧ ነዙ ምኽንያት ኢዩ። ሽሕኳ እቱ ፍጻማ ከምዙ ይኹን፥ ሰባት ግና በሉ፥ ጉዕሽ ወይኒ ሰትዮም ሰኺሮም ኢዮም፥ ካልእ ነቢሩ እንተ ዚኽውንስ፥ እንታይ እሞ ዘይምስ በሉ፧ ከማኡ ጥራኅ ኣይኮነን፥ ድምፂ መጽአ፥ እሞ ኸዓ እንካብ ሰማይ። እቱ ሃንደበትነት ኣሰንበዶም፥ ንኵላቶም ኸዓ ብኃባር ኣብ ሓንቲ ሥፍራ ኣከቦም። ከመዮ ህቦብላ ኃያል ንፋስ: እዙ ድማ ምሒር ኃያልነት መንፈስ ቅዱስ የመልክት። ከማኡ ድማ ንቢቤታ መልኣ፥ ደጊም ኵላቶም እቶም ኣባኡ እተረኸቡ ድማ ኣመኑ፥ በዙ ኸዓኒ ክቡር ምዃኑ የርኢ። እዙ ጥራኅ ኣይኮነን፤ ግናኸ እሞ ኸዓ ገና ኣዝዩ ዘፍርሕ፥ ይብል እውን፥ ዚተፈግአ ልሳናት ሓዊ ዚመስል ንኣታቶም ድማ ተራእዮም [. ሓዋርያት 2:3] ኣስተውዕሉ ወርትግ ከመይ ኢዩ፥ ልክዕ፤ እሞ ድማ ብትኽክል፥ ንስኻትኩም ናይ መንፈስ ቅዱስ ዘይተኣረመ መርኣያ ሓስቦታት እንከይህልወኩም። ከማኡ ድማ ልክዕ ከም ጸፍዒ ይንበር ደኣ፥ ህጃይ ግናስ ንፋስ ኣይነበረን። ልክዕ ከም እሳት ደኣ። ከመዮ መንፈስ ቅዱስ ንዮሓንስ እተገሃደሉ፥ ሻቡ ከም ኣምሳል ርግቢ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ክርስቶስ መጽአ፥ ሕጂ ግና፥ ወዮ ብመላኡ ሕዝቢ እምነቱ ኣብ ዚቕይረሉ ግዳስ ልክዕ ከም ሓዊ ደኣ። እነሆ ኣብ ኵላቶም ዓለበ። እዙ ማለት ኣብኣቶም ተረፈን ዓረፈን። እቱ ምንባር/ምቕማጥ ኸስ ኣገዳሲ ነጥቢ ናይ ርግኣትን ቐጻልነትን ኢዩ።

ኣብቶም ዓሰርተው ክልተ ጥራኅ ዲዩ ዚመጽአ፧ ኣይፋል፤ ግዳስ ኣብ ልዕሊ ሚእቲን ዕስራን ደኣኒ። ጴጥሮስሲ ንምስክርነት እቱይ ነቢይ ንኸንቱ ኣይምስጠቐሶን ነቢሩ፥ በለውን፥ ብድኅርዙ ኪኸውን ኢዩ ድማ በለ እግዚኣሔር እግዚእ፥ መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ዅሉ ስብ ክዅዑ ኢየ፥ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፥ ኣጕባዝኩም ከዓ ራእይ ኪርእዩ እዮም፥ ኣረገውትኹም ሕልሚ ኪሐልሙ።[ዮኤል 2:28] ንዅሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም።[. ሓዋርያት 2:4] ምእንቲ እቱ ውጽኢት ዘፍርህ ጥራኅ ንኸይከውን፥ እነሆ ኸስ ብክልቲኡ ብመንፈስ ቅዱስን ሓዊን ደኣ ኮነ። ደጊም መንፈስ ቅዱስ ኣንደበት ምስ ሃቦም፥ ብኻልእ ልሳናት ኪዛረቡ ፈለሙ።[ማቴዎስ 3:11] ካልእ ምልክት ኣይተወሃቡን፥ ግዳስ እዙ ደኣ መጀመርታ፤ እዙስ ንኣታቶም ሓድሽ ነበረ፥ ንኻልእ ምልክት ድማ ኣድላዪነት ኣይነበረን። ወዮ ጸሓፊ ድማ በለ፥ ኣብ ነፍሲ-ወከፎም ድማ ዓለበ። ኣስተውዕሉ ሕጂ፥ እቱ ሰብ ከም ማትያስ ብዘይምምራጹ ዋላኳ ምኽንያት ምጕሃይ ከም ዘይነበሮን፥ ኵላቶም ተመሊኦም፥ ድማ በለ፤ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም ጥራኅ ዘይኮነስ፥ እንታይ ደኣ ተመሊኦም። እነሆ ብኻልእ ቛንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ፥ ከመዮ መንፈስ ቅዱስ ኣንደበት ዚዓደሎም። ከምዙ ኣይምስተበሃለን ድማ ነቢሩ፥ ኵላቶም ሓዋርያት ኣባኡ ነበሩ፥ እቶም ዚተረፉ ተኻፈልቲ እንተዘይነቢሮም። ምእንቲዙ እንተ ዘይኮይኑ ነቢሩ፥ ንሓዋርያት ብፍሉይነትን ብስምን ኣብ ላዕሊ ኣይምስሮቕሖምን፥ ንሱስ ምስቶም ዚተረፉ ብኃባር ኣይመስኣስፍሮምን ነበረ። እንተ ደኣ ምእንቲ ኪርቑሑ ጥራኅ ኮይኖም እተረኽቡስ፥ ኣስማት ሓዋርያት ንበይኖም ምስ ሮቕሖም ነበረ፥ ኣብዙ ምኽንያት ተሓሲቡ ዘሎስ ምሒር ብዙኅ ምስ ተገብረ ነቢሩ። ኣስተውዕሉ፥ ብኸመይ ሓደ ከየባተኸ ብጸሎት ብምቕጻሉ፥ ካልእ እውን ኣብ ልግሲ፥ ሻቡ ኢዩ መንፈስ ቅዱስ ናባኡ ዚቐርብ። ስለ ኻልእ ራእይ ኸዓ ኣዘኻኸሮም፥ ንሱ ከም ሓዊ ኮይኑ ኣብ ቈጥቋጥ ተራእዮም። ክመዮ መንፈስ ቅዱስ ኣንደበት ዚሃቦም [ዘፀኣት 3:2] እቶም ብኣታቶም ዚተዘርቡ ግዛዓትስ ዓሚቝ ኣንደበት ነበሩ። ከማኡ ድማ ኣብ ዮርሳሌም  እግዚኣብሔር ዚፈርሁ ኣይሁድ ነበሩ ይብል። [. ሓዋርያት 2:5] እቱ ናብኡ ምንባሮም ርግጽ ነገሩስ ትእምርቲ ቅድስና ኢዩ፥ እንካብ ብዙኃት ሕዝቢ ዓለም ብምዃኖም፥

ሃገራቶም፡  ገዛኦም፡ ኣዝማዶም ገደፉ፥ ኣባኡ ድማ ነበሩ። ከማኡ ድማ ኣብ ዮርሳሌም ኣይሁድ፥ ኣብ ትሕቲ ሰማይ እንካብ ዘሎዉ ነፍሲ-ወከፍ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ዚፈርሁ ዚነብሩ፡ ነበሩ ይብል። እዙ ደሃይ ምስ ኮነ፥ ብዙኅ ሕዝቢ ተኣከበን ሐርበቶም ድማ። [. ሓዋርያት 2:6] እቱ ፍጻመ ኣብ ቤት ስለ ዚኾነ ድማ፥ እንካብ ቤት ወፃኢ ተኣከቡ። እቶም ሕዝቢ ድማ ሓርበቶም፥ ዅላቶም ድማ ተሸበሩ። ስለቱ ነፍሲ-ወከፎም በቢቛንቋኦም ኪዛረቡ ምስ ሰምዑ፤ ተደነቑ። ከምዙ ዚስዕብ እናበሉ ከዓ ኵላቶም ተገረሙን ተደነቑን፥  "እዞም ዚዛረቡ ዅሎም ገሊላውያንዶ ኣይኮኑን፧"[. ሓዋርያት 2:7-13] ኣላታቢላ ድማ ናብ ሓዋርያት ጠመቱ። ከመይ ቢልና ደኣ ዅላትና በበቱ ዝተወልድናሉ ቛንቋ ኺዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና፧ ንሕና ሰብ ጰርቴን ሰብ ሜድን ሰብ ኢላምን፥ እቶም ኣብ መሶጶታምያን ኣብ ይሁዳን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ ጳንጦስን ኣብ እስያን ዚነብሩን፥ ኣብ ፍርጊያን ኣብ ጵንፍልያን ግብጽን ኣብ ከባቢ ቀራኔ ዘሎዋ ዓድታት ሊብያን፥ ተገንዘቡ ከመይ ካብ ምሥራቅ ንምዕራብ ይጓዓዙ፥ ካብ ሮማ ዝመጻእና ኣይሁድን፥ ናብ ሃይማኖት ኣይሁድ ዝኣቶናን ወገን ኣሕዛብን፥ ሰብ ቀርጤስን ዓረብን ኢና፥ እንተ ኾነ እነሆ በቢቛንቋና ብዛዕባ እቱ ዓቢዪ ግብሪ ኣምላኽ ኪዛረቡ ንሰምዕ ኣሎና። ኵላቶም ሰምቢዶም ዚብልዎ ጠፊእዎም ኸዓ ንሓድሓዶም "እዙ ግዛዕ እዙይስ እንታይ ኮን ይኸውን፧" ገሊኣቶም ግና እናላገጽሎም "እዚኣቶምስ ጉዕሽ ወይኒ ሰትዮም ሰኺሮም ኢዮም" በሉ። ምሒር ዕሽነት! ኣዝዩ ተንኰል! ስለምንታይ ኮን እዋኑ እውን ኣይነበረን፤ እንታይ ደኣስ ጰንጠ-ቈስጠ ኢዩ። ነዙ ምኽንያት ኢዩ ኸዓ ዚብኣሰ ዚገበሮ፥ ንሳቶም እናተኣመኑ እንክንሶም-ኣይሁድ፥ ሰብ ሮማን፥ ሃይምኖቶም  ዚቐየሩን፥ እወ ምናልባት እውን እቶም ዚሰቀልዎ- ዛጊት ድኅሪ እዙ ዓቢዪ

ትእምርቲታት፥ ጉዕሽ ወይኒ ሰትዮም ሰኺሮም ኢዮም በሉ!„

. ዮሓንስ ኣፈ-ወርቂ (ዮሓንስ ክሪሶስቶሞስ)

ራብዓይ ድርሳን ግብሪ ሓዋርያት።

St. John Chrysostom , Homily 4 on the Acts of the Apostles Acts 2: 1-2

ወልደ ጻዕዳ-እምባ ገዳም ሥላሰ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div