S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"ቅድስቲ"

ንእግዚኣብሄር ዝተፈልዩ ነገራት ቅዱስ ወይ ድማ ቅድስቲ ዝብል ስያሜ ይወሃቦም። ናይ ቅድስና መሰረታዊ ሕጉ ድማ ንእግዚኣብሄር ምፍላይ፣ ምስኡ ፍጹም ምውጋን፣ ንኻልእ ክሳብ ዘይኮኑ ንዕኡ ብቓል ኪዳን ምፍላይ ብማሕተም ደም ንእግዚኣብሄር ምቑጻር እዩ።

ንእግዚኣብሄር ዝተፈልየ ሰብ፣ንእግዚኣብሄር ዝተፈልየ ንብረት፣ንእግዚኣብሄር ዝተፈልየ መዓልትን ንእግዚኣብሄር ዝተፈልየ ገንዘብን ዝተቐደሰ ይበሃል። ንእግዚኣብሄር ድሕሪ ምቕዳሱ ድማ ንምድራዊ  ኣገልግሎት ዳግማይ ኣይውዕልን። ብናይ ቅዱስ ያሬድ ስያሜ መሰረት ናይ ዓቢይ ጾም ካልኣይ ሰንበት ቅድስት ብምባል ይጽዋዕ። ጾመ ኢየሱስ 40 መዓልቲ ድማ ካብ ቅድስት ሰንበት ይጅምር። ዓቢይ ጾም ካብ ካልእ ግዜ ዝዓበየ ዝኾነሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ኣገልግሎቱን ዝዝከረሉ ወርሒ እዩ።

እዚ ድማ፥-

ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ምውራዱ ዝዝከረሉ እዩ። ንሕና ንመጀመርያ ግዜ ናብ ጠፈር ስለ ዝኸዱ ሳይንቲስት ብዙሕ ንዛረብ።ናይ ጠፈር ማእከላት ድማ ነዞም ወገናት ዕለት ዕለት ይዝክሩ። ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ዝወረደ እንኮ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕለት ዕለት ክዝከር ይግብኦ።ንሱ ባዕሉ ብቓሉ፥-"ብጀካ እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ወዲ ናብ ሰማይ'ውን  ዝዓረገ  ሓደ' የልቦን" ኢሉ /ዮሃ 313/። ግእዝ፡ ኣብ ሰማይ'ውን ዘሎ ይውስኽ።

ናይ እግዚኣብሄር ንእግዚኣብሄር ስለ ምሃብ ዝንገረሉ። ንእግዚኣብሄር እንህቦ ኣስራት መባእ ጥራሕ ኣይኮነን ግዜና፣ ህይወትና፣ ኣገግሎትና ክንህብ ከምዝግብኣና ጐይታና ምምሃሩ ንዝክር።

ቤት እግዚኣብሄር ንዕኡ ዘይመጣጠኑ ሸፋቱ ክነብርዎ ይኽእሉ።ጐይታ ግን ፍርዲ ዝጅምሮ ካብ ቤቱ ምዃኑ እንዝክረሉ ወርሒ እዩ።ንብዙሕ ዘመናት ንእግዚኣብሄር ዝጽበዩ ሕሙማት  እግዚኣብሄር ከምዝዝክሮም እንእውጀሉ ሰሙን እንተ ሃልዩ ዓቢይ ጾም እዩ።

ጐይታና ናብ ሰማይ ዝዓረገ ጥራሕ ዘይኮነ ዳግማይ'ውን ክመጽእ እዩ።ምምጽኡ ድማ ንቤተ ክርስቲያን ናይ ተስፋኣ ምልኣት እዩ።ኣማንያን ንናይ ጐይታ ምምጻእ ዘወትር ክዳለዉ እንተ ተገብአ' ብፍሉይ ኩነት ኣብ ደብረ ዘይቲ ሰንበት ብምዝካር ናይ ጐይታ ትንቢት ንሰብኽ።

ፍርዲ እግዚኣብሄር ንሓጢኣት ዋጋ ዝህብ ዘይኮነ ንኣገልግሎት ድማ ሰናይ ዋጋ ዝህብ እዩ።እዚ ወርሓት ናይ ኣገልግሎት ሽልማት ካብ ላዕሊ ምዃኑ እንትርኸሉ ወርሒ እዩ።

ሊቅነት ንጐይታ ከም ዘየርክብ ብእምነት ምድላይ ዝርከብ ኣምላኽ ምዃኑ እነብርሃሉ ሰሙን እዩ።ዘመስገነት ዓለም እንተ ተራገመት ጐይታ ግን ካብ ዝተቐበርናሉ የተንስእ ኢልና እንሰብከሉ ግዜ እንተ ሃልዩ ጾም ኣርብዓ እዩ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ዘወትር ኣርእስቲ እኳ እንተ ኾነ ኣብ ዓቢይ ጾም ግን ብፍሉይ ኩነት ይስበኽ። ናብ ምድሪ ካብ ምውራዱ ክሳብ ትንሳኤኡ ብፍሉይ ይዝከር። ፍቕሩ፣ መጓሴኡ /ምድላዩ/፣ ትምህርቱ፣ ተኣምራቱ፣ ንደቂ ሰባት ዝኸፈሎ ዋጋ ይዝከር።

ኣብ' ውስጢ  ዓቢይ ጾም  ዝውዕሉ ሰናብቲ ስያሜኦም ምስ እንርኢ ወንጌል ክንዝክር ይገብሩና፥-

መጀመርያ ሰንበት ዘወረደ ይባሃል።ጐይታ ካብ ሰማይ ምውራዱን ካብ ድንግል ምውላዱን እንዝክረሉ። ልደቱ ንምድሓን ዝተኸፍለ ናይ መጀመርያ ዋጋ እዩ። እግዚኣብሄር ተብሂሉ ዝምለኽ ወዲ ሰብ ተብሂሉ ኣብ መብልዒ ማል ምውላዱ፣ መላእኽቲ ከቢቦሞ ዝነብር ዝነበረ ብኸብቲ ተኸቢቡ ኣብ ደምበ ምርካቡ፣ንኹሉ ዝምግብ ካብ ኣዲኡ ድንግልናዊ ጸባ ምልማኑ፣ናይ ዘለኣለም ኣቦ ህጻን ኮይኑ ምላዱ እዚ ሰቢኸዮ እየ ኢልካ ዘይሕለፍ ናይ ዘወትር ኣርእስቲ /ድንቂ/ እዩ። ሓደ ንጉሥ ካብ ዙፋኑ ብፍቓዱ ትሕት ኢሉ ምስ ለማኒ ነበረ እንተተባህለ ኣብ ውሽጢ ስርዓተ ትምህርቲ ቆጺርና ንትውልዲ እነስተምህረሉ ኔርና። ዕራቑ ዝተወልደ ንጉሥ ኣብ ማእከል ለመንቲ እንተ ተረኽበ ኣየደነቕን። መሰረቱ ጐይትነት ዝኾነ ጐይታ ክብሩ ሓዲጉ ምሳና ምስ ለመንቲ ኣብ ማእከል ምርካቡ ብጣዕሚ የደንቕ!

ናይ ዘወረደ ሰሙን ናይ ምድላው ሰሙን እዩ። ቀጺሉ ዘሎ ናይ ቅድስት ሰሙን ድማ ናይ ጽሞና ሰሙን እዩ። ጐይታ ካብ ሰማይ ድሕሪ ምውራዱ 30 ዓመታት  ብኣዲኡ ጥራሕ ሰማያውነቱ እናተፈልጠ ብስውር ነበረ። ኣብ 30 ዓመቱ ምስ ተገልጸ ግን ብቕጥታ ዝኸደ ናብ ገዳመ ቆሮንቶስ  ንጽሞና እዩ። ናይ ዓቢይ ምግባር መበገሲ /መሰረት/ ጽሞና እዩ። ብዓቢኡ ድማ ናይ ቅድስቲ ሰሙን ስለ ቅድስና ኣድላይነት ዝስበኸሉ ሰሙን ብምዃኑ ቅድሚ ኣገልግሎት ናይ ቅድስና ምድላው ወሳኒ ከም ዝኾነ ንርኢ።

"ቅድሚ ኣገልግሎት ንዓኻ ክፈልጠካ፣ ቅድሚ መስዋእቲ ምቕራብ ክእዘዘካ"

ሳልሳይ ሰንበት ምኩራብ ተብሂሉ ይጽዋዕ። ምኩራብ ቃሉ ዝስበኸሉ ናይ መንፈሳዊ ኣዋጅ ኣደባባይ እዩ። ቅድሚ ምስክርነት ጽሞና እንተ ሃልዩ ሓይሊ ዘለዎ ይኸውን። ራብዓይ ሰንበት መጻጉእ እዩ። 38 ዓመት ምስ ዓራት ተጣቢቑ ዝነበረ ሕሙም ምድሓኑ እንዝክረሉ እዩ። እዚ ዘርእየና ድማ ናይ ሰናይ ምስክርነት ፍረኡ ወይ ድማ ሰናይ ምስክርነት ዝኽተሎ ፈውሲ ምዃኑ እዩ።ፈውሲ ክልተ ዓይነት እዩ። ናይ ስጋን ነፍስን ኢልና ንጽውዖ።ምስክርነት ካብ ፈውሲ ነጻ ስለ ዘይኮነ ወይ ብስጋ ወይ ብነፍሲ ፈውሲ ምምጻኡ ዘይተርፍ እዩ።

ካብ መጻጉእ ቀጺሉ እንረኽቦ ሓሙሻይ ሰንበት ደብረ ዘይቲ ተብሂሉ ዝተሰየመ እዩ።በዚ ዕለት ጐይታና ዳግማይ ከምዝመጽእ በታ መዓልቲ ድማ ናይ እምነትን ናይ ምእዛዝ ዋጋን ከም ዝህብ ካልኣይ ድማ ናይ መወዳእታ ምልክታት ከመይ ከም ዝኾኑ ይትርኽ። ብወንጌል ኣሚኑ ዝደሓነ ሰብ ዝጽበዮም ብዙሓት ናይ ጸሎት  መልስታት እንተ ሃለዉ' ብዋንነት ዝጽበዮ ግን ናይ ክርስቶስ ምምጻእ እዩ። ካብ መጻጉእ ቀጺሉ ደብረ ዘይቲ ምባሉ ትኽክል እዩ። ዝደሓነ ሰብ ምጽኣት ክርስቶስ ይናፍቕ እዩ'ሞ። ንቤተ ክርስቲያን ዝተረፋ ተስፋኣ ናይ ክርስቶስ ምምጻእ እዩ። ዕለታዊ ጸሎታ ድማ ማራናታ ጐይታ ኢየሱስ ንዓ ዝብል እዩ /ራእ 2220/

ድሕሪ ደብረ ዘይቲ ዘሎ ሻዱሻይ ሰንበት ገብር ኄር እዩ። እሙን ኣገልጋሊ ካብ ጐይታኡ ዝጽበዮ ምስጋና ዝትንተነሉ መዓልቲ እዩ። ጐይታና ምስ መጸ ክተግሁ ዝረኸቦም ኣገልገልቲ ብፍሉይ ይሽልሞም። ስለዚ ካብ ደብረ ዘይቲ ቀጺሉ ገብር ኄር ምባሉ ታርታኡ ዝሓለወ እዩ።

ካብ ገብር ኄር ቀጺሉ ዘሎ ሻብዓይ ሰንበት ኒቆዲሞስ እዩ።ኒቆዲሞስ ናይ ምሸት ተማሃራይ እዩ። ብዙሕ' እንተ ፈለጠ ንዝፈለጦ ነገር ዋጋ ክኸፍል ዘይደሊ ፈራሕ ሊቅ ነበረ። ጐይታ ግን ኣይነቐፎን።ከም ሓዱሽ ኣማኒ ብፍቕሪ ተቐበሎ። ዝግለጸሉ ናይ ኣደባባይ ዋጋ ዝኸፍለሉ መዓልቲ ከም ዘሎ ጐይታ ሓሰበ /ዮሃ 31-5፡ዮሃ 1939/። እምነቱ ብትዕግስቲ ኣዕበየሉ። ናይ ዘመናት ፈተና ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ኩሉ ግዜ ሕማም ናይ ምሸት ተማሃሮ ምብዛሕ እዩ። ብዓቢኡ ሊቃውንቲ ናይ ምሸት ተማሃሮ እዮም። ናይ ሃገርና ነገስታት ብዘይ ሞያኦም እናኣተዉ ንጉስ ወካህን እየ እናበሉ ንሊቃውንቲ የሳቕዩ ስለ ዝነበሩ ሊቃውንቲ ኩሎም ብስውር ዝኣምኑ ኮይኖም። ነዞም ኒቆዲሞሳታት ከነበርትዕ ሻብዓይ ሰንበት ተሰይሙ። እግዚኣብሄር ንምእመናን ጥራሕ ዘይኮነ ንሊቃውንቲ'ውን ይርህርህ እዩ።ሊቃውንቲ ከገልግሉ ከም ዘለዎም የዘክረና።

ካብ ኒቆዲሞስ ቀጺሉ ዘሎ ሰንበት ሆሳእና እዩ።ጐይታ ዝኸበረሉን ንጉሳዊ ኣኽብሮት ዝተቐበለሉን ዕለት እዩ /ማቴ 211-13/። ካብ ሆሳእና ቀጺሉ ግን ሰሙነ ሕማማት ኣሎ። እዚ ድማ ናይ ዓለም ጠባይ እንፈልጠሉ እዩ። ይንገስ ዝበለት ዓለም ይሰቐል ትብልያ'ሞ። ነዚ ክንሓስብ ናይ ዜማን ስነ መለኮትን ሊቅ ቅዱስ ያሬድ ስርዓቱ ምስርዑ የደንቕ።

እዘን ሰናብቲ ናይ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ታርታ ዝገልጻ እየን። ቀጺሉ እንታይ ከም ዝኸውን ንምፍላጥ ንጭነቕ። ጽሙና እንተ ሃልዩ ኣገልግሎት፣ኣገልጎሎት እንተ ሃልዩ ፈውሲ ከም ዝህሉ ስያሜታቱ የረድኡና። እዘን ሰናብቲ ስለ ኣገልገልቲ ብዙሕ ትንታኔ ዝሓዛ እየን እሞ ኣገልገልቲ ብፍሉይ መልክዕ ወርሓቱ ክዳለውለን ይግባእ። ቅዱስ ያሬድ ብሉይ ኪዳን ምስ ሓዱሽ ኪዳን እናኣሰማምዐ፣ ወንጌል ኣብ ልዕሊ ኦሪት እናኽበረ የዝይም። ዱጓ ናይ ስነ መለኮት ቤት ትምህርቲ እምበር ተራ ጩሆት ኣይኮነን። ነዚ ዘስተውዕልሉ ግን ውሑዳት እዮም።

"ቅድስቲ"

ቅድስቲ ዝብላ ንሰንበት ክኸውን ከሎ ሰንበት ናይ ኣምልኾ ናይ ምስትውዓል ናይ ምቕዳስ መዓልቲ ተብሂላ ንእግዚኣብሄር ዝተፈልየት መዓልቲ ስለ ዝኮነት ናይ ጾም  መጀመርያ ስለ ቅድስና ክንሓስብ ኢሉ ቅዱስ ያሬድ ናይ' ሰሙን ስያሜ ቅድስቲ ኢሉ ኣውጺእዎ።ቅድስቲ ዝብል ስም፥-

ኣብ ጾመ ዱጓ፥-

"ዛቲ ዕለት ቅድስት ይእቲ ለውሉደ ሰብእ መድኃኒት ትኩነነ መርሖ በፍኖት በኩሉ ጊዜ ወበኩሉ ሰዓት ቀደሳ እግዚአብሔር ለሰንበት"

ትርጉም፥-

"እዛ ዕለት ዝተፈልየት ዝተቐደሰት እያ። ንወዲ ሰብ ድማ መድሓኒት እያ። ኣብ ኩሉ መገዱ ኣብ ኩሉ ሰዓት መራሒት ክትከውን እግዚኣብሄር ንሰንበት ኣኽበራ።" ኢሉ ካብ ዝተዛረቦ ቃል ዝወጸ እዩ። ሰንበት ሰናይ ስራሕ፣ ዝተቐደሰ ስራሕ ዝስርሓላ መዓልቲ ስለ ዝኮነት መድሃኒት ወይ ቅድስቲ (ሰናይት) ክብል ጸዊዕዋ።

ናይ ዱጓ መዝሙር፥-

"ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውዑ ስሞ፣ወንግርዎሙ ለአሕዛብ ምግባሮ ሀቡ ስብሐተ ለስሙ"

ትርጉም፥-

"ንእግዚኣብሄር ተገዝኡ። ኩሉ ስርሑ ንኣህዛብ ንገሩ። ንስሙ ምስጋና ሃቡ።" እናበለ ቅዱስ ጐይታ እናኽበረ፣ ስርሑ እናድነቐ፣ ብሰናያቱ እናተደመ ኣምልኾ ዘቕርበሉ እዩ። ብቤተ ክርስቲያና ባህረ ሓሳብ መሰረት ናይ ጐይታ ጾም ንእግዚኣብሄር ጥራሕ ምስጋና ዝቐርበሉ ብወዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኽበ ድሕነት ዝዝከረሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ንምድሓን ስለ ናትና ሓጢኣት ዝኸፈሎ መስዋእትነት ዝዝከረሉ ወርሒ እዩ።

ቅዱስ ያሬድ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ቃል "ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኮነን........." እናበለ ኣብ ቅድስቲ ሰሙን ዝበሃል ዝማሬ እናብርሀ ይቕጽል /ቆላ 31/። ናይ 40 መዓልቲ ጾም ናይ ወንጌል ታሪኽ ሒዙ እዩ ዝተሰርዐ። ስለ' 40 መዓልቲ ወንጌል ዝዝከረሉ ወርሒ እዩ።

ክብሪ ንጐይታ ኽብሪ!

ጸሓፊ፡ዲያቆን ኣሸናፊ።

ትርጉም፡ቀሺ ኣፈወርቂ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div