ንስኻትኩም ንድሕነት ዝተሓሬኹም ኢኹም! ኣቱም ጎይታ ዘፍቅረኩም ኣሕዋትና፥ ኣምላኽ በቲ ቐዳሲ ዝኾነ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሥራሕ ንሓቂ ብምእማንኩምን፥ ካብ ጥንቲ ንድሕነት ስለ ዝሓረየኩም፡ ብዛዕባኹም ንኣምላኽ ኩሉ ሳዕ ከነመስግኖ ግቡእና እዩ።
ንሱ ንኽብሪ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትረኽብዎ ኢሉ፥ በቲ ንሕና ዝሰበኽናዮ ወንጌል ጸውዓኩም። እምበኣር፥ ኣቱም ኣሕዋትና! ጸኒዕኩም ቁሙ፥ ነቲ ብቓል ኮነ ብመልእኽትና ዝመሃርናኩም ከኣ ሓዝዎ። ባዕሉ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ እቲ ዘፍቀረና፥ ብጸጋኡ ኸእ ዘለዓለማዊ ምጽንናዕን ሠናይ ተስፋን ዝሃበና እግዚኣብሔር ኣቦናን፥ ንልብኹም የጸናንዕ፥ ሠናይ ንምግባርን ንምዝራብን ከኣ የበርትዕኩም ( 2 ተሰሊንቄ 2፡13-17)።
ብሩኽ ብርሃነ-ጥምቀት ኣብ ዘዘሎኹሞ ፍቑራት ደቀይ!
ኦ ኣኀዊነ ጸልዩ ለነ። ኣምኁ ኵሎ ኣኀዊነ፡ በኣምኃ ቅድሳት (1 ተሰ 5፡25-26)።
ቅዱስ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ን10 ዓመታት እሱር ረኻብ መከራ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ