“ንሱ ካብ ስልጣን ጸልማት ዘውጽኣና፡ ናብታ መንግስቲ ፍቁር ወዱ’ውን ኣእተወና” (ቈሎ 1፡13)
ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነዚ ግኡዝ ዓለምን ኣተሓሳስባ ሰባትን ዝጸልዉ ክልተ መንግስታት ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ መንግስቲ ኣምላኽን ስልጣን ጸልማትን እዮም። ግዝኣቶም በበይኑ መምሪሒኦም በበይኑ፡ ኮታ ዘራኽብ ዘይብሎም መወዳእትኦም’ውን ዓብዪ ጋግ ዘለዎ እዩ። ኢየሱስ ኣብ ምድሪ እናተመላለሰ ከሎ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይነግሮም ነበረ። እታ መንግስቲ ካብ ምድሪ ከም ዘይኮነትን ኣሰራርሓኣ’ውን ከም ናይ ዓለም ከም ዘይኮነ ይዛረብ ነይሩ (ዮሃ 18፡36)። ድሕሪ ጐይታ ኵሎም ሃዋርያት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ሰቢኾም (ግብ 8፡12)። ንሕና’ውን ካብታ ንጐይታ ኢየሱስ ዝኣመንናላ ዕለት ጀሚርና ኣባላት ናይታ መንግስቲ ምዃንና ቃል ኣምላኽ ይነግረና እዩ። ከም እንፈልጦ፡ ኵሉ ግዝኣት ነናቱ ዝኾነ መምርሒን ቅዋምን ኣለዎ። ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ’ውን ከምኡ እዩ። ዋላ እኳ ኣብ ምድሪ ንመላለስ እምበር ሃገርና ኣብ ሰማያት እዩ (ፊሊ 3፡20) መምርሒና ድማ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ቃል ሰማያዊ ንጉስ እዩ። (እብ 1፡8፣ ሉቃ 12፡32፣ እብ 12፡28፣ ግብ 28፡31፣ ቈሎ 2፡10,14-15)
ኣስተንትን
1. ምስ ደሓንካ ካብ ስልጣን ጸልማት ወጺእካ ኣባል መንግስቲ ኣምላኽ ምዃንካ ክሳብ ክንደይ ትርድኦ፧
2. ንሓደ ዘይፈልጥ ሰብ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኢልካ ምተዛረብካ፧
3. ናይዛ መንግስቲ መምርሒ ንምስዓብ ድሉው ዲኻ፧
እግዚኣብሄር ናይታ መንግስቱ መምርሕን ስርዓትን ማለት ቃል ኣምላኽ ኵሉ ጊዜ ክገልጸልና ክንገብሮ ክረድኣናን ጸጋ ክህበናን ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።
ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ