S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓጢኣቱ እተሰወረሉ ሰብ ብጹእ እዩ

ኣበሳኡ እተሓድገሉ፡ ሓጢኣቱ እተሰወረሉ ሰብ ብጹእ እዩ። እግዚኣብሔር በደሉ ዘይጽብጽበሉ፡ ኣብ መንፈሱ'ውን ልግሚ ዘይብሉ ሰብ ብጹእ እዩ።” (መዝ 321-2)

ኵላትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድኹማት ስለ ዝኾንና፡ ኣምላኽ ሓንቲ መዓልቲውን ትኹን ብንጽህናናን ብቅድስናናን ኣዕጊብናዮ ከም ዘይንፈልጥ ይፈልጥ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ እዩ ንወዱ ዝሰደደልና፡ ንሱ ንሓጢኣትና ኣብ ዝባኑ ጸይሩ፡ ንጽድቁ ግን ኣባና ብምንባር ዓረቐና። ቀጺሉ'ውን ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ብምባል በቲ ፍጹም ዝኾነ መስዋእቱ ዓሪቑ፡ ንሱ ባዕሉ ይረኣየልና ኣሎ። ንሕና ጐይታ ህይወትናን፡ ጠበቓናን ስለ ዝገበርናዮ፡ ኵሉ ጽድቁን፡ ቅድስናኡን ንኣና ኣብ የማን ኣምላኽ ቅቡላት ጌሩና ኣሎ። ከምቲ እግዚኣብሔር ነቲ ኣብ ልዳት ዝተለኸየ ደም ብምርኣይ ንእስራኤላውያን ዝሓለፎም ዝነበረ፡ ንኣናውን ኣበሳናን ሓጢኣትናን ዘይጽብጽበልናን ዝሓልፈናን፡ ነቲ ኣበር ዘይብሉ ክቡር ደም ወዱ ብምርኣይ እዩ። ናትና ጸገም ኵሉ ጊዜ ነቲ ውድቀትናን፡ ድኻምናን ስለ እንርእይ እዩ። ኣምላኽ ግና ነቲ ብጐይታ ዝረኸብናዮ ጽቡቕን ክቡርን ህይወት ብምርኣይ፡ ንዕኡ ዝበቅዕ ክቡር ህይወት ክንነብር ይደልየና።

እግዚኣብሔር ኣብቶም ንከንኣን ዝጐዓዙ ዝነበሩ እስራኤላውያን፡ ዋላ እኳ ብዙሕ ጉድለትን ዘይምእማንን እንተነበሮም፡ ነቲ ካብኡ ዝኾነሎም ጽቡቕ እምበር፡ ነቲ ናቶም ጉድለት ኣይረኣየን። ስለዚ ድማ ኣብ ያእቆብ ክፍኣት ኣይጠመተን፡ ኣብ እስራኤል ከኣ ሕሰም ኣይረኣየን። እግዚኣብሔር ኣምላኹ ምስኡ እዩ፡ እልልታ ንንጉስ ድማ ኣብ ማእከሉ ኣሎ” (ዘሁ 2321) ዝብለና። (ዘጸ 1213 እብ 725 ሮሜ 423-25 ኤፌ 17)

ኣስተንትን

1. ንስኻ' ብሓቂ ሓጢኣተይ ተሓዲጉለይ ኣበሳይ ኣይጽብጽበለይን' ዝብል ትብዓት ኣለካ'?

2. ነቲ ብጐይታ ዝተገብረልካ ግሩም ዕርቅን ብቑዕ መስዋእትን ክሳዕ ክንደይ ተድንቖን ትዓግበሉን?

ጸሎት፡- ኣምላኽ ኵሉ ኣበሳናን ሓጢኣትናን ይቕረ ከምዝብለልና ፈሊጥና ብሓቀኛ ንስሓ ናብ እግዚኣብሔር ንቕረብ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ

መህ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div