S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እግዚኣብሔር በደል ሓውኻ/ሓፍትኻ ክትሓድግ ይሓተካ ኣሎ

“ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ከሕልፍ፡ ካብዚ ዝዓቢ ፍቕሪ የልቦን” (ዮሃ 15፡13)

ቅድሚ ነዊሕ ጊዜ ኣብ ሓንቲ ከተማ ሓደ ብገበን ኣዝዩ ተደላዪ ሰብ ነበረ። ብሰንኪ እዚ ሰብ እዚ ኣብታ ከተማ ዕግርግርን፡ ህውከትን፡ ዓመጻን፡ ስርቂን፡ ክትራን... ኣዝዩ ጐልሐ። ካብ ብዝሒ ምረት እቲ ህዝቢ ዝተላዕለ ኵሉ ጊዜ እዚ ገበነኛ ሓደ መዓልቲ ፍርዱ ክቐበል ኵሉ ሰብ ዝጽበዮ ነገር ኮነ። ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ እዚ ገበነኛ እዚ ተታሕዘሞ እዚ ነገርዚ ነቲ ህዝቢ ዓብዪ ሓጐስ ኣምጽኣሉ፡ ኣብ ቅድሚ’ቲ ህዝቢ ድማ ንፍርዲ ቀረበ። ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ሞት ክፍረድ ኣለዎ ሞት እዩ ዝግብኦ እንዳበለ ኣዝዩ ጨደረ። እቲ ፈራዲ ኣብ ቦትኡ ምስ ተቐመጠ እቲ ዝፍረድ ሰብ ኣብ ቅድሚኡ ምስ ቆመ ኣዝዩ ሰንበደ ምኽንያቱ ኣዝዩ ዘፍቅሮ ሰብ ኮይኑ ጸንሐ። ሰንበደ ዝገብሮ ነገር ግና ኣይነበሮን ብሓቂውን ገበኑ ንሞት ዘቕጽዕ እዩ ኔሩ ስለዚ ንሞት ፈሪድዎ። ኣዝዩ ጐሃየ። ሃንደበት እቲ ህዝቢ ብሕሽዅሽኽ ድምጹ ወጸ። ዘይተጸበይዎ ነገር ገበረ፡ ኵሉ እቲ ክቡር ክዳውንቲ-መዓርጉ በብሓደ ኣውጽኦ፡ ህዝቢ ኣዝዩ ተገረመ፡ እንታይ ይገብር ከም ዘሎውን ምርዳእ ሓርበቶ። ዓው ብዝበለ ድምጺ ድማ ብርግጽ ገበኑ ንሞት ዘብጽሕ እዩ ንሞትውን ፈረድክዎ፡ ነገር ግና እቲ ፍርዱ ኣነ ባዕለይ ክፍረደሉ እየ፡ ሞቱ ከኣ ኣነ ክሞተሉ እየ እንዳበለ ኵሉ ነገሩ ደርበዮ። እቲ ገበነኛ ድማ ኣዝዩ ተገረመ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ተበይንሉ ዝነበረ መቅጻዕቲ ብምልዓሉ ድማ ዓብዪ ሩፍታ ተሰምዖ፡ ካብቲ መጋባእያ ፍርዲ ድማ እንዳ ተሓጐሰ ወጸ። ናበይ ኢኻ ወይ ገለ ዝብሎ ሰብ ኣይረኸበን።

እዚ ሰብ እዚ ክንደይ ዕድለኛ'ዩ ትብል ትህሉ፡ ብርግጽ እምበር ዕድለኛ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ሞቱ ዝሞተሉ ስለዝረኸበ። ዘገርም እዩ እዚ ሰብዚ ንስኻ ኢኻ። ንስኻ ነዚ ታሪኽ ህይወትካ ባዕልኻ ተንብቦ ዘለኻ'ዩ። ጐይታ ነዚ ነገርዚ ገይሩልካ፡ ክንደይ ደስ ዘብል ነገር እዩ። ስለዚ ሎሚ ንስኻውን ክሳብ ክንድዚ ክትገብር ኣይኮንካን ትጽዋዕ ዘለኻ። እግዚኣብሔር ዓቕምኻ ኣዝዩ ሒደት ከም ዝኾነ ይፈልጥ፡ ስለዚ ከኣ ክትገብሮ ዘይትኽእል ነገር ኣይሓተተካን።

እንተኾነ ግና እግዚኣብሔር እዚ ነገርዚ ይሓተካ ኣሎ፡ በደል ሓውኻ ሓፍትኻ ክትሓድግ፡ ከምታ ዘለውዋ ክትቅበሎምን ከምቲ ጐይታ ዘፍቀረኻ ከተፍቅሮምን። ሎሚ ሓውኻ ብዙሕ ዝዓይነቱ በደል በዲሉኻ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ግናኸ ምስቲ ንስኻ ንኣምላኽ ኣብ መዓልቲ ትብድሎ ዘሎኻ እሞ ዝሓድገልካ ዘሎ ኣነጻጽሮ። ስለዚ ሎሚ መጠን’ቲ ኣምላኽ ዝሓደገልኻ ክትሓድግ እንተ ዘይኪኢልኻ መጠኑ በደልካ ይቑጸረልካ ከምዘሎ ኣይትዘንግዕ። (ማቴ 6፡14፣ 1ቈረ 13፡3፣ ዮሃ 10፡11፣ ሮሜ 5፡7,8)

ኣስተንትን

1. ሎሚ እቲ ጐይታ ዝሓደገልካ በደል ማዕረ ክንደይ ምዃኑ ኣስተውዒልካ ወይ ሓሲብካ ትፈልጥዶ?

2. እስኪ እቲ ንስኻ ክትገድፎ ትሕተቶ ዘለኻ ምስቲ ኣምላኽ ዝሓደገልካን ዝሓድገልካ ዘሎን ኣነጻጺርካ ኣስተንትን?

3. እቲ ዝኸብደካ ነገር ክትሓድጎ ወይ ይቕረ ክትብለሉ ማዕረ ኽንደይ ድሉው ኢኻ? ንሰባት'ከ ብጸሎት ክድግፉኻ ትሓትትዶ?

4. ኣብ መወዳእታ ሰዓት ጐይታ ይቕረ ብምባል ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝኣተው መን ትዝክር?

ስለቲ ኣምላኽ ዝገበረልና ዓብዪ ምሕረት እናመስገንና፡ ንኻልኦት ይቕረ ዝብል ልቢ ክህልወና ኣምላኽ ግድግፈና ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መካነ-ህይወት 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div