S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክህነት መልከጼዴቅ

ክህነት ኣብ ምድሪ ንመጀመርያ ጊዜ በቲ ኣብ ከተማ ሳሌም ሃገር ከንኣን ነጊሱ ዝነበረ መልከጼዴቅ ዝተባህለ ከንኣናዊ (ጸሊም) ንጉሥ ተጀመረ (ዘፍ፡1418) እዚ ካህን እዚ ድማ ምሳሌ ናይቲ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ዘለኣለማዊ ካህን ኢየሱስ ክርስቶስ ነበረ። (መዝ፡109-110) (እብ፡ 620 71-3)

ትርጉም ስም መልከጼዴቅ።መልከማለት መልኣኽ፡ጸዲቅድማ ጽድቂ ማለት እዩ። ብሓጺሩመልኣኽ ጽድቂማለት እዩ። ንሱ ኣብታ ሳሌም ወይ ሰላም ተባሂላ እትፍለጥ ዝነበረት ከተማ ነጊሱ ነበረ። ዳሕራይ ግና ንጉሥ ዳዊት ምስ ነገሠ ምስታ ጐረቤታ ዝነበረት ኢየሩ ተባሂላ እትፍለጥ ዝነበረት ከተማ ሃገረ ከንኣን ብሓደ ኣሕቢሩኢየሩ + ሳሌምኢሉ ጸውዔን እሞ ሓንቲ ከተማ ኰነት። ኢየሩ ማለት ዝናም ማለት ክኸውን ከሎ፡ ሳሌም ማለት ድማ ሰላም ማለት እዩ፡ ክልቲኡ ብሓደ ሰላም ዝዘንባ ከተማ ማለት እዩ።

መልከጼዴቅ ንጉሥ ስላም ሰለስተ መዓርጋት ነበሮ።

1. ንግሥነትን፡

2. ክህነትን፡

3. ነብይነትን።

ብንግሥነቱ ንጉሥ ሰላም ነበረ፡ ብነቢይነቱ ድማ ንኣብርሃም ጻውዒት እግዚኣብሔር ከም ዘለዎ ተመልኪቱ፡ ብክህነቱ ባረኾ። በዚ ምኽንያት ክህነት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ክህነት መልከጼዴቅ እምበር ካብቲ ብዘርኢ ወለዶታት ዝመጸ ክህነት ኣሮን ከም ዘይዀነ ሓዋርያ ጳውሎስ ክምህረና ከሎ፡እዚ መልከጼዴቅ እዚ፡ ንጉስ ሳሌም፡ ካህን ልዑል ኣምላኽ፡ ንኣብርሃም፡ ነቶም ነገስታት ስዒሩ ኺምለስ ከሎ፡ እተቐበሎ እሞ ዝባረኾ፡ ኣብርሃም ድማ ካብ ኲሉ ዕሽር ዝመቐሎ፡ ቀዳማይ ትርጒም ስሙ፡ ንጉስ ጽድቂ፡ ደሓር ከኣ፡ ንጉስ ሳሌም፡ ማለት ንጉስ ሰላም እዩ። ብዘይ ኣቦ፡ ብዘይ ኣደ፡ ብዘይ ቊጽሪ ወለዶ፡ መጀመርታ መዓልትታት ወይስ መወዳእታ ህይወት ዜብሉ፡ ግናኸ ንወዲ ኣምላኽ ተመሲሉ ንሓዋሩ ኻህን ኰይኑ ይነብር ኣሎኢሉ ክሳብ እታ ሓዋርያ ጳውሎስ ነዛ ጽሕፍቲ እቲኣ ዝጸሓፈላ ግዜ፡ ኣሎ ብምባሉ ንክህነት መልከጼዴቅ ነባሪ ገይሩ ገለጾ (እብ፡71-3) እስራኤላውያ ክህነት መልከጼዴቅ ከም ክህነት ልዑል ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንክህነቱ ዘልዓለማዊ ክህነት ገይሮም ይሓስብዎ ነበሩ። ስለዚ እዩ ንጉሥ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ንክህነት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብመንፈስ ተገሊጽሉእግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኸም ሥርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ መሓለ ኣይጠዓስን ከኣ ዝበለ (መዝ፡ 1104) ሓዋርያ ጳውሎስውንከምኡ ድማ ኢየሱስ መድሕን ዝሔሸ ኺዳን ኰነመበሊኡ ነዚ ምስ ረኣየ እዩ (እብ፡722)

መልከጼዴቅ ኣቦን ኣደን የብሉን፡ ዝተወልደሉ ዕለታትን መዋእልን ዕድመን ኣይፍለጥን እዩ። ንወዲ እግዚኣብሔር መሲሉ ንዘለዓለም ካህን ኰይኑ ግና ይነብር። ደቂ ሌዊ እቶም ብሕጊ ኦሪት ካህናት ክዀኑ ካብ ማእከል ሕዝቢ ዝተመዘዙ፡ ካብቶም ዓሌት ኣብራሃም ብፍላይ ድማ ካብ ደቂ ያዕቆብ፡ ኣሕዋቶም ዕሽር ከዋጽኡ ተፈቒድሎም ነበረ። መልከጼድቅ ግና ካብ ዓሌት ሌዊ ዘይኰነ ክነሱ፡ ካብ ኣብራሃም ዕሽር ተቐበለ። ነቲ ካብ እግዚኣብሔር ተስፋ ዝተቐበለ ኣብርሃም ኸኣ ባረኾ። ካብቲ ዝባርኽ እቲ ባርኾት ዚቕበል ከም ዝንእስ ጥርጥር የልቦን (እብ፡ 75-9) እሞ መኖም ይዓቢ፧ ክርስቶስዶ ኣሮን፧

ሕጂ ኸኣ ዝበለጸ ግሉጽ እዩ፡ ብተምሳል መልከጼዴቅ ካልእ ካህን ካብ ዚትንስእሲ፡ ንስኻ ኸም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ ተመስኪሩሉ እዩ እሞ፡ ብዘይሐልፍ ሓይሊ ህይወት እምበር፡ ከም ስጋዊ ትእዛዝሲ ኻህን ኣይኰነን። እቲ ዝሐለፈ ትእዛዝ ድኹምን ዘይጠቅምን ስለ ዝዀነ እዩ እተሳዕረ፡ እዚ ግና ንዘለኣለም ዚነብር ስለ ዝዀነስ፡ ዘይሐልፍ ክህነት ኣለዎ ክብል፡ ሓዋርያ ጳውሎስ ክህነቱ ዘይሓልፍን ዘለኣለማውን ከም ዝዀነ ኣስፊሑ ገለጸልና (እብ፡ 71-21)

 

ክርስቶስ ንክህነቱ ብተግባር መስዋእቱ ፈጸሞ

ክርስቶስ እቲ ብመዓርግ ክህነት መልከጼዴቅ ክመጽእ እዩ ተባሂሉ ብትንቢት ዝተነግረሉ ካህን ንሱ ምዃኑ ከርኢ ምእንቲ፡ ብስራሕ ክህነቱ ጀመረ። ቅድም ቃል እግዚኣብሔር ኣበሰረ። ንህዝቢ ባረኸ፡ ኣመሓደረ፡ ብተኣምራቱ ሕሙማት ኣሕወየ፡ ለምጻማት ኣንጽሐ፡ ምዉታት ኣተንሥአ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ደብረ ታቦር ብግርማ ተገልጸ። መስዋእቲ ሓድሽ  ኪዳን መስዋእቲ ድሕነት ብደሙ ጥራይ ከም ዝኰነ ብክህነቱ ድማ ከም ዝባረኽ ከርእየና ከሎ፡ ንኻልኦት ዘይኰነ ገዛእ ርእሱ ኣብ ዕንጨይቲ መስቀል ተንጠልጢሉ መስዋእቲ ገዛእ ርእሱ ኣቕረበ። እቲ ዝኸውን ዝነበረ ብሃንደበት ዘይኰነ ብዕላማ ይኸውን ከም ዝነበረ ንሓዋርያቱ ከፍልጡም ከሎ ድማ ኣቐዲሙእዚ ምእንቲ ብዙሓት ዚፈስስ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ” (ማር፡1424) ብምባሉ ብዕለት ሓሙስ ንዝሰርዖ ሥጋኡን ደሙን ብዓርቢ ስቕለት ኣብ መስቀል ተሠዊኡ ፈጸሞ። እዚ ነቲ ሓደ ጊዜ ንሓዋሩ ዘፍሰሶ ደሙ፡ ብምዝካር ተግባራዊ ይገብሮ። ቀጺሉ ብኣገልግሎቶም ንዕኡ ክመስሉ፡ ክምህሮም ከሎወዲ ሰብ ድማ ኬገልግል ህይወቱውን በጃ ብዙሓት ኪህብ እምበር፡ ኬግልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን፡ በሎም” (ማር፡ 1045) እንተዀነ መስዋእቱ ንጸላእቱ ቅጽዓትን መቕዘፍትን መሲሉ ተራእዮም፡ ንዓና ንንድሕን ግና፡ ድሕነትን ምሕረትን ዘውህብ ኰይኑ ተራእየና። ሓዋርያ ጳውሎስውንገንሸል ፋስጋና፡ ማለት ክርስቶስ፡ ተሰዊኡ እዩ” (1ቆሮ፡57) ብምባሉ ነቲ ኣይሁድ ምእንቲ ኃጢኣቶም ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ በጊዕ ፋሲካ ዝሥውኡሉ ዝነበሩ ምኽንያት፡ ሕጂ ከኣ ክርስቶስ ሠዋእን ተሠዋእን ኰይኑ ምእንቲ ኃጢኣት ሕዝቢ ዓለም በጃ ኰይኑ ከም ተሠውአ “..ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ ኣሎክብል ሓዋርያ ጳውሎስ ጸሓፈ (ሮሜ 58) ቀጺሉ ከኣ ከምቲ ሙሴ ተመን ዝተነኽሰ ዘበለ፡ ካብ መንከስቱ ክድሕን ምስሊ ተመን ኣስራዚ ኣብ ባላ ዝሰቐለ፡ ሕጂ ድማ ምሕረት ደልዩ ናብ መስቀሉ ዝጠመተ ዘበለ ኩሉ፡ ክድሕን ምእንቲ፡ ክርስቶስ ኣብ ዕንጸይቲ ተሰቕለብእኡ ብደም መስቀሉ ገይሩ ሰላም ምስ ገበረ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዂሉ ንርእሱ ተዓሪቕዎ እዩይብል (ቄለሴ 120) ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቂውን ምስ ሓዋርያ ጳውሎስ ክሰማማዕ ከሎፍቕሪ ኣዳም ንወዲ ኣምላኽ ክሳብ ሞት ሰሓቦበለ። እቲ ኵሉ ዝረአን ዘይረአን ዝፈጥረ፡ በቲ ስራሕ ኢዱ ዝዀነ ኣዳም ክሳዕ ክንድዚ ስለ ኣተሳሕበ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ካህናት ኦሪት እግዚኣብሔር ምዝራብ ጥራይ ዘይኰነ፡ ነቲ ዝተዋህቦ ዕዮ ንኣብኡ ብዘሕጉሶ መገዱ ተልእኾ ሊቀ ክህነቱ ብተግባር ፈጸመ።

ሓቀኛ ክህነት ብሕርያ

ብውህደት መለኮቱን ትስብእቱን ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ኰይኑ፡ ንኣምላኽን ንሰብን ድማ ኣተዓረቐ።

ገዛእ ርእሱ ንሞት ኣሕሊፉ ብምሃቡ፡ ንኣባጊዑ ተበጀወን፡ ንኣምላኽ ዝበቅዕ ፍጹም መስዋእቲ ገይሩ ገዛእ ርእሱ ብምቕራቡ፡ ፍጹም ሊቀ ካህናት ኰነ።

ክርስቶስ፡ ንሰብን ንኣምላኽ ከተዓርቖም ምእንቲ ካብ ሰማየ ሰማያት ወረደ። ብመለኮቱ ካብ ኣብ ተወልደ፡ ብሥጋ ድማ ካብ ድንግል ማርያም ተወልደ፡ ስለዚ ወልደኣብ ወልደ ማርያም ተባህለ። ወልደኣብ ስለ ዝዀነ መላእኽቱ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እናበሉ የገልግልዎ። ወልደ ማርያም ስለ ዝዀነ ድማ፡ እቶም ካብ ደቂ ኣዳም ዝተወልዱ፡ ካብ ክህነቱ ክህነት፡ ካብ ቅድስናኡ ቅድስና ዝተቐበሉ ካህናቱን ኣመንቱን ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እናበሉ የገልግልዎ።

ክርስቶስ ነቶም ብምስሊ ዓሰርተው ክልተ ነገደ እስራኤል፡ ዓሰርተው ክልተ ሰብኡት ዝሓረዮም፡ ሓዋርያት ኢሉ ሰየሞም። ሓዋርያ ማለት ጥዑም ዜና ከብጽሕ ዝተላእኸ መልእኽተኛ ማለት እዩ። ጐይታ ቅድሚ ነዞም ሓደሽቲ ራባያት እዚኣቶም ምምራጹ፡ ምልእቲ ለይቲ ኣብ ጸሎት ሓደረ (ሉቃ፡ 612-13) ምስ ወግሐ ድማ ነቶም ዝሓረዮም ስሞም እናጸውዐ ሓዋርያት በሎም። ነቲ ካህናት ኦሪትን ነብያትን ዝሰብክዎ ዝነበሩ ምምጻእ ክርስቶስ፡ ብእኡ ከም ዝተፈጸመ ነገሮም። ብስራቱ ድማ ንዓለም ተሰብከ። ከምኡውን ስራሕ ቀዳሞት ነብያትን ካህናትን ከም ዝዛዘሞ ከርኢ ከሎንሕጊ ዀነ ወይስ ንነብያት ክፍጽሞም እምበር፡ ክስዕሮም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም ብምባሉ፡ እቲ ኹሉ ነብያት ዀነ ካህናት ዝተዛረብዎን ዝተነበይዎን፡ ብዛዕባኡ ስለ ዝነበረ፡ ብምምጽኡ ከም ዝፈጸሞ ድሕሪዚ ብዛዕባ ቀዳማይ ምጽኣቱ ነብያት ኦሪት ከም ዘይንበዩ፡ ካህናት ኦሪት ከም ዘይክህኑ፡ ንሓደሽቲ ካህናቱን ነብያቱን ገለጸሎም፡ ከምኡ ድማ ኰነ (ማቴ፡517)

እዚ ዓብይ ሊቀ ካህናት ሓድሽ ኪዳን ዝዀነ ክርስቶስ፡ ካህናቱ ከም ሕጊ ኦሪት ዘይኰነስ ከም ሕጊ ሓድሽ ኪዳን፡ ብምጥማቕን ብምቑራብን ብስርየት ኃጢኣትን ከገለልግልዎ ሥልጣን ሃቦም። ነቶም ሥልጣን ዝሃቦም ዓሰርተው ክልተ ድሕሪ ምሕራዩ፡ ዋና መልእኽቶም እንታይ ከም ዝዀነ ከፍልጦም ከሎ፡ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ኣሎ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕውራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ከበስር፡ ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሔር ክሰብኽ ለኣኸኒ” (ሉቃ፡418) ስለዚኬድኩም፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ፡ ኢልኩም ስበኹ። ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ምውታት ኣተንስኡ፡ ለምጻማት ኣንጽሁ፡ ኣጋንንቲ ኣውጽኡ። ብኸምኡ ተቐበልኩም፡ ብኸምኡ ሀቡ ኢሉ ኣዘዞም (ማቴ፡105-8) እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዘንበሮ ሥልጣን፡ ሥልጣን ክርስቶስ እምበር ሥልጣን ገዛእ ርእሶም ከይመስሎም፡ኣነ ሓሬኹኹም እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይሓሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኸውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም” (ዮሃ፡1516) ኢሉ ሓርዩ ብምሻም ድኣ ንማሕበሩ ኣብ ልዕሌኦም መስረታ እምበር፡ ከም ማእሰር ዘየብሉ ማእዶ፡ ኩሉኹም ኣሕዋት ኢኹም እንታይ መራሒ ኣድለየኩም ኪዱ ድኣ ወንጌል ጥራይ መሃሩ ኢሉ ኣየፋነዎምን። እቲ ንሱ ዝገበሮስ፡ ብመጀመርታ ነቲ ስምኦን ዝተባህለ ወዲ ዮና ክመርጾ ከሎ፡ ንስኻ ከውሒ ኢኻ ማለት ሓያል መሰረት መራሕ ሃይማኖት ኢኻ፡ ስምካ ጰጥሮስ ክብሃል እዩ ኢሉ ዝሰየሞ ጐይታ ባዕሉ እዩ። ጰጥሮስ ዝብል ቓል ብግሪኸኛ ከውሒ ማለት እዩ፡ ብእብራይስጢ ድማ ኬፋ ይብሃል (ዮሃ፡ 143) ጰጥሮስ ብሕርያ መራሒ ከም ዝተባህለን፡ ቤተ ክርስቲያንውን ብመሪሕነቱ ክትካየድ ከም ዝተመስረተትን፡ መፍትሕ መንግሥተ ሰማያት ኣብ ኢዱ ከም ዝተዋህበን፡ ጐይታ ተዛረበ (ምቴ፡ 1616-20)

ነቶም ካልኦት ዝመረጾም ሓዋርያት ድማ መፍትሕ መንግሥተ ሰማያት ኣብ ኢዶም ክህቦም ከሎ፡ኣብ ምድሪ ዝአሰርኩምዎ ዂሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዂሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዚኸውን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹኢሉ ምሉእ ሥልጣን ኣብ ኢዶም ሃቦም (ማቴ፡1818) ብፍላይ ድማ ምሥጢር ክቡር ደሙን ሥግኡን ክሰርዑ ክህቦም ከሎ፡እንጌራ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፡ እዚ ምእንታኹም ዚወሃብ ዘሎ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ ኢሉ ሃቦም። ከምኡ ድማ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዒሉ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያኢሉ ኣብ ምድሪ ንዕኡ ወኪሎም ንቤተ ክርስቲያን ከመሓድሩ ምሉእ ሥልጣን ሃቦም (ሉቃ፡2219)

ድሕሪዚ ድማ ጐይታ እንደገና ብምስሊ ሽማምንቲ ደቂ እስራኤል ሰብዓ በብኽልተ ገይሩ ኣርድእቲ (ቀሳውስቲ) ሓርዩ ሾሞም (ሉቃ፡ 101-4) እዚ ድማ ጐይታ ንሥልጣነ ክህነት በብደረጃኡ ከም ዝሰርዖ የርእየና።

ነቶም ኣብ መወዳእታ ዘመናቱ ደቀ መዛምርቱ ክዀኑ ዝሰርዖም። ብኹሉ ተግባራቱ ካብ ካህናት ቡሉይ ኪዳን ዝፈልዮም ኩሉ ኣርኣያ ገዛእ ርእሱ ገይሩ ኣብ ርእሲ ምምሃሩ፡ ብዛዕባ ትምህርቲ ብጽእና ኣስፊሑ መሃሮም።እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን፡ ብጹኣን ኢኹም። ከምኡ ኸኣ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጒጎምዎም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሓጐሱ ባህውን ይበልኩም”  ካብዚ ቀጺሉ በቲ ሰብ ዝመዝኖም ዘይኰነስ በቲ ኣምላኽ ዝመዝነሉ ሚዛን ክምዘኑ ከለዉ፡ ጨው ምድርን ብርሃን ዓለምን ከምዝዀኑ ክገልጸሎም ከሎንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም፡ ጨው መቐረቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ይመቅር፧ ብሰብ ኪርገጽ ንግዳም ምድርባዩ እንተ ዘይኰይኑ እምበር፡ ዚጠቅም የብሉን። ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ። መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ዂሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁን እዮም። ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ በሎም (ማቴ፡ 51-14)

ቅድሚ ዕርገቱ ድማ ነቲ ቅድም ዝሃቦም ትእዛዝ መሊሱ ንሓዋርያቱ ከጽድቐሎም ከሎ፡ ቅድም ርእሱ ገለጸሎም፡ መሊሱ ሥልጣነ ክህነት ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ክህቦም ከሎ “.. ከም ብሓድሽ፥ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዝለኣኸኒ፥ ኣነውን ከምኡ እልእኸኩም ኣሎኹ፥ በሎም። እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ፥ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ፥ ሓጢኣቶም ንዝሓደግኩምሎም ይሕደገሎም፥ ንዝሓዝኩምሎም ከኣ ይተሓዘሎም እዩ፥ በሎም” (ዮሃ፡2021-23) ኣስተውዕል ኣንባቢ፡ ነዛ ኡፍ በለሎም እሞ፥ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ፥ እትብል ሓረግ እሞ ኣድህበላ፡ ቅድሚ መንፈስ ቅዱስ ብበዓላት ሓምሳ ምራዱ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ ክብል ከሎ፡ እንታይ ማለቱ እዩ፧ እወ እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ እትብሎ ዘላ፡ ንሓዋርያት ንበይኖም ንሥልጣነ ክህነት ዘውህብ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝሃቦም እያ እተመልክት። ሎሚ ኣብታ ትውፊት ሓዋርያት እትቅበል ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን፡ ጳጳስ ምስሊ ሓዋርያ ስለ ዝኾነ፡ ነቶም ንዲቁና ይኹን ክህነት ዝቐብኦም፡ንሳእ መንፈስ ቅዱስማለትመንፈስ ቅዱስ ተቐበል” እናበለ ኡፍ ዝብለሎም ካብዚ ብምብጋስ እምበር፡ ካብ ባይታ ኣይኰነን ክህነት ዝውሃብ። እዚ መንፈስ እዚ ድማ እዩ ንሓዋርያዊ ክህነት ካብ ወለዶ ንወለዶ ከይተለወጠ ክነብር ዝገበሮ። እዚ መንፈስ እዚ ዘይብሉ ካህን እየ ጳጳስ እየ፡ ፓስቶር እየ እንተበለካ፡ ካበየይ መንፈስ ከም ዝኾነ ከመይ ጌርካ ትፈልጦ፧ እምብኣርከስ ንመናፍስቲ ኣለልይዎም ዝተባህለናስ ንኸንቱ ኣይኮነን።

ሥልጣኖም ካብኡ ከም ዝዀነ፡ ንዓኣቶም ዝቅበል ንጐይታ ከም ዝቕበል፡ ንዓኣቶም ዘይቅበል፡ ንጐይታ ከም ዘይቅበል ምስኡ ምሉእ ሓድነት ከም ዘለዎም ከረድኦም ከሎንኣኻትኩም ዚሰምዕ ንኣይ ይሰምዕ፡ ንኣኻትኩም ዚንዕቕ ድማ ንኣይ ይንዕቕ፡ እቲ ንኣይ ዚንዕቕ ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚንዕቆበሎም (ሉቃ፡1016)

ጐይታ ንሰይጣን ኣሲሩ ካብ ማእከል ሙታን ምስ ተንስአ ነቶም ብኣምሳል ዓሰርተው ክልተ ነገደ እስራኤል ዝሰርዖም ሓደስቲ ሓዋርያቱን፡ ካብቲ ዘይሓልፍ ዓብይ ሥልጣኑ ክሥልጥኑ፡ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞምሥልጣን ሰማይን ምድርን ኵሉ ተዋሂቡኒ ኣሎ። እምብኣርከ ኪዱ እሞ፡ ንኹሎም ኣሕዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም። ከምኡውን ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ምሃርዎም። እንሆ ኣነ ድማ ኽሳዕ መውዳእታ ዓለም፡ ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየእናበለ ነቲ ሓደ እኳ ክልውጦ ወይ ክስዕሮ ወይ ክስርዞ ዘይከኣሎ ሥልጣነ ክህነት ሂቡ፡ ናብ ኹላ ዓለም ዝንበቡ ደብዳቤ ክዀኑ ልኢኹ፡ ናብ ሰማይ ዓረገ። (ማቴ፡ 2816-20 ማር፡1614-18 ሉቃ፡ 2436-49 ዮሃ፡2019-23 ግብ፡16-8)።  ንሳቶም ከኣ ናብ ዓለም ወጺኦምብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦንኢሎም ወንጌል ሰበኹ (ግብ፡4:12)

ድሕረ ባይታ ሕርያ ሓዋርያትን ኣርድእትን

ሙሴ ካብ ማእከል እቶም 12 ነገደ እስራኤል ብምስሊ እቶም 70 ነፍሳት ካብ ከንኣን ናብ ግብጺ ዝኣተዉ ብሓደ ሊቀ ካህናት ኣቦ መንበርነት ዝምራሕ 70 ሳንሕድሪያን (ሽማግሌታት) ከም ዝቖመ ነንብብ። ኣይሁዳዊ ትውፊት ከም ዝምህሮ ድማ፡ ኣብ ግዜ ምብትታን ግንቢ ባቢሎን እቶም ሓደ ስድራቤት ዝነበሩ ደቂ ኖህ ናብ ሰብዓ ሃገራት ከም ዝተበተኑ፡ 70 መላእኽቲ ሰማይ መሳፍንቲ ኰይኖም ዝመርሑ ከም ዘለዉ ይዛረብ። እዞም 70 መላእኽቲ እዚኣቶም ድማ ሰምያውያን ሳንሕድሪያን (ሽማግሌታት) ከም ዝዀኑ ይዛረብ። ብዛዕባ እዞም መሳፍንቲ ሰማይ እዚኣቶም ብቑጽሪ እኳ እንተዘይ ተገልጸ ኣብ ብሉይ ኪዳንን ኣብ ሓድሽ  ኪዳንን ኣፋፉኖት የርኢ (ዳን፡ 1013 ዳኒ፡ 2021 ኤፈ፡ 121 ኤፈ፡310 ኤፈ፡ 612 ቆሌ፡ 116 ቆሌ፡215) ሙሴ 12 ሓወልቲ ብስም ደቂ እስራኤ ኣብ ጐቦ ሲናይ ኣቖመ። ምሳኡ ድማ ካብ ካምቦ እስራኤል ዝሓረዮም 70 ሽማግሌታት ነበሩ (ዘጽ፡24 1-11) ኣብ ዒላም ከለዉ ድማ 12 ዒላታት ማይ ነበራ፡ 70 ኣታኽልቲ ተምሪ ድማ ንእስራኤል ዝባርኻ ነበራ (ዘጽ፡1527) ይብል። እንደገና ንሃገር ኣስራኤል ክሳብ ሕጂ 70 ሳንሕድሪያን (ሽማግሌታ) ኣለዉዋ። እምብኣር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብዚ ድሕረ ባይታ እዚ ተላዒሉ እዩ 12 ሓዋርያት 70 ኣርድእትን ናብ ኣገልግሎት ሓድሽ  ኪዳን ዝመረጸ (ሉቃ፡ 91-2 ሉቃ፡101-1) እንተድኣ እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ሥርዓተ ሽመት ንምስሊ ሰማያዊ ሥርዓት ተኸቲሉ ዝኸይድ ነይሩ፡ እምብኣር ሥርዓተ 12 ሊቃነ መላእኽትን 70 ሳንሕድሪያን ሰማይን ብርግጽ ትውፊት ኣይሁዳውያን ቅኑዕ ኣሎ።

ብርግጽ ቁጽሪ ዘየብሎም መላእኽቲ ሰማይ ከም ዘለው፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብግልጺ ይዛረብ እዩ። (ዳኒ፡ 79-10 ማቴ፡2653 ሉቃ፡ 213 እብ፡ 1222 ራእ፡511)

 ሥርዓተ ሰማያት                      ሥርዓተ እስራኤል                ሥርዓተ ክርስቶስ

1. ኣቦን፡ ወልድን፡ . ቅዱስን   ኣብርሃም፡ ይስሕቅ፡ ያእቆብ     ኣቦን፡ ወልድን፡ . ቅዱስን

1. 12 ሊቀ መላእኽቲ              12 ነገድ እስራኤል                   12 ሓዋርያት

1. 70 ነገደ መላእኽቲ             70 ሽማግለ እስራኤል                  70 ኣርድእቲ

1. ቁጽሪ ዘየብሎም         ቁጽሪ ዘየብሎም እስራኤል      ቁጽሪ ዘየብሎም ክርስቲያናት መላእኽቲ ሰማይ     ካብ ግብጺ ወጹ  ናብ ቤተ ክርስቲያን ተጸምበሩ

ዶ/ር ሽሞንዲ ኃይለ

ይቕጽል…

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div