S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጻድቅ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣቦ ኩሎም መነኮሳት

"ናይ ጻድቅ መከራ ብዙሕ እዩ እግዚኣብሔር ግና ካብ ኩሉ የናግፎ"(መዝ 34.19)። 
ናይ ኣቡነ እንጦንዮስ ገድሊ ብቅዱስ ኣትናቴዎስ ሃዋርያ እዪ ተጻሒፉ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ሃዋርያ ድማ መበል 20 ሊቃነ ጳጳሳት ናይ እስክንድርያ ክኸዉን ኮሎ፡ ሓደ ካብቶም ናይ ኣቡነ እንጦንዮስ ደቂ መዛሙርቲ እዩ ነይሩ። ህጻንነቱ 
ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 251 / ኣብ ግብጺ ተወልደ። ስድርኡ ድማ ብሃብቶም ኣጸቢ ዝተፈልጡ ነበሩ። ካብ ህጻንነቱ ጀሚሩ ድማ እዙዝን ስድርኡ ዘኽብርን ነበረ። ንስድርኡ ድማ ወይ ሕማቅ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን። ምስ ወለዱ ድማ ናብ ቤት ክርስትያን ይማላለስ ነበረ።
ወለዱ መንእሰይ ኮሎ ዓረ ምስ ንእሽተይ ሓፍቱ ዕድሚኣ ካብ 18-20 ተረፈ። ኩሉ ሃብቲ ናይ ስድርኡን ናይ ንእሽተይ ሓፍቱን ሓላፍነትን ድማ ናብኡ ወደ

ንብረቱ ከም ዝሸጠ

መንእሰይ እንጦንዮስ ሃዋርያት ከመይ ጌሮም ንክርስቶስ መድሓኒና ከም ዝስዓብዋን ከሙኡ ዉን ከመይ ጌሮም እቶም ቀዳሞት ክርስትያን ንብሮቶም ኣብ ቅድሚ ሃዋርያት ከምዘረክቡ ዝነበሩን ኣብ ሰማያት ድማ ከመይ ዝበለ ተስፋ ተነቢርሎም ከም ዘሎን የስተንትን ነበረ። (ግብ 432-35)
ሓደ መዓልቲ መንእሰይ እንጦንዮስ ኣብ ቤት ክርስትያን ኮሎ ወንጌል ካብ ማቴዎስ ምዕራፍ 19 ይንበብ ነበረ ክትከዉን እንተ ደሊኻ ዘሎካ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ ኣብ ሰማይ ድማ ዓስቢ ክትረክብ ኢኻ ንዓ ሰዓበኒእትብል ቃል ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ሰመዐ ድማ ሹዑ ንሹዑ ካብ ቤት ክርስትያን ወጸ፤ ዘሎዎ ኹሉ ንብረት ሸይጡ ድማ ንድኻታት ሃበ። ኣብኡ ሃብታም ስለ ዝነበረ ብዙሕ ንብረትን ገንዘብን ነቦሮ መንእሰይ እንጦንዮስ ግና ንዑኡ ኸነ ንሓብቱ ወላ ቅያር ጫማ ከይትረፈ ንድኻታት ሃበ።

መጀመርታ መንፈሳዊ ኣገልግሎቱ

ብድሕርዚ ንሓፍቱ ኣብ እንዳ ደናግል ሚጡ ካብ ዓዱ ቅርብተይ ዉጽእ ኢሉ ናብራ ብሕትዉና ጀመረ። ኣብቲ ኸባቢ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ናብራ ብሕትዉና ዝነበረ ሽማግለ ሰብኣይ ነበረ። ብተወሳኺ ኣብቲ ኸባቢ ብዛዕባ ዝኸነ ሰብ ጽቡቅ ባህያት ዘለዎ ወይ ቅዱስ ሰብ እንተሰሚዑ ናይ ግድን ይበጽሖን ካብኡ ድማ ይማሃር ነበረ። ንህቢ ካብ ብዝ ዕንባባትት እዩ ዝምገብ መንእስይ እንጦንዮስ ድማ ከም መስተዉዓሊ ንህቢ፣ ካብቲ ሓደ ትሕትና፣ ካብቲ ሓደ ትዕግስቲ፣ካብቲ ሓደ ጾሎት፣ካብቲ ሓደ ፍቅሪ፣ካብቲ ሓደ ምድንጋጽ፣ካብቲ ሓደ ጾም፣ካብቲ ሓደ ኣብ ምድሪ ምድቃስ ይመሃር ነበረ።
ነቲ ተጻሒፉ ዘሎ ብዝሕ ኣቃልቦ ሂቡ፣ ካብቲ ዘንቦቦ ወይ ዝሰሞዖ ዝነበረ ሹዑ ንሹዑ ክገብሮ ኣሎዎ። ካብቲ ተጻሒፉ ዝነበረ ድማ ወላ ሓደ ኣብ ምድሪ ኣይዉድቅን ነበረ።
እዚ ባህርያት ናይ መንእሰይ እንጦንዮስ ድማ ንኹሉ ሰብ የገርሞን ልቦም ይዎቅዖምን ነበረ። ብተግባራቱ ድማ ኩሎም ደቂ ዓዱ ይሕጎሱ ነበሩ። ገሊኦም ከም ወዶም ገሊኦም ከም ሓዎም ድማ ይርእይዎ ነበሩ። ፍትዊ ኣምላኽ ወይ ፍቱው ናይ ኣምላኽ ኢሎም ይጽዉዕዎ ነበሩ።
እዚ ኹሉ ባህርያት እዚ እንጦንዮስ ኣብ ንእስነቱ ወዲ ከባቢ ዕስራ ዓመቱ ኸሎ እዩ ኣጥርይዎ።

ቀዳማይ ቃልሲ ምስ ሰይጣን

ሰይጣን እቲ ጸላኢ ጽቡቅ ግና እዚ ኽሉ ተግባራት ኣብ መንእሰይ እንጦንዮስ ክርኢ ዓይኑ ኣይገበረሉን።ስለዚ ድማ ክዕነቅፎ ተበገሰ።
መጀመርታ ኸሉ ሃብቲ ናይ ኣቡኡ ዝነበረ በብሓደ የዘክሮ ነበረ። ካልኣይ ድማ ብሕትዉና ክሳዕ ክንደይ ሓያልን ከቢድን ከም ዝኸነን፣ ክሳዕ ክንደይ ሰብነትካ ከም ዝምህምንን፣ መንእሰይ እንጦንዮስ ድማ ቡዝሕ ግዜ ተሪፍዎ ኸም ዘሎ እንዳዘከረን ሕሹኽ እንዳበለን ጥርጥር ከእትወሉ ፈተነ።እቲ ጻድቅ መንእሰይ ግና ብኣንጻሩ ድኣ ኩሉ ኣጽዋር ክርስቶስ ተዓጢቁ መንፈሳዊ ኣገልግሎቱ ወስኸሉ።ሰይጣን ድማ ንነፍሱ ድኹም ከይኑ ረኸባ።

ፈተነታት ሰይጣን ከም ዝቀጸለ

ካብዚ ንድሓር ቃልሲ ናይ አንጦንዮስን ሰይጣንን ብጋህዲ ኮነ። ብመዓልቲ እንዳሃወኸ ብለይቲ እንዳረበሸን ድማ መጥቃዕቱ ቀጸለ። ኣቡነ እንጦንዮስ ግና ብጾምን ብጸሎትን የፍሽሎ ነበረ።
ሓደ ለይቲ ሰይጣን ቅርጺ ሰበይቲ ሒዙ ናብ መንእይ ኣንጦንዮስ መጸ።እታ ሰበይቲ ድማ ኽሉ ኽፍእ ባህርያታን ቅርጺ ኣካላታን እንዳጣዋወየት መንእሰይ ኣንጦንዮስ ክትማርኽን ከተስሕትን ፈተነት። እቲ መንእሰይ ግና ሓሳባቱ ብኽርስቶሰ ተመሊኡ ስለ ዝነበረ፣ እታ ሰበይቲ ወላሓንቲ ኽትገብር ኣይካኣለትን። 
ብተወሳኺ ሰይጣን መታን ንመንእይ አነጦንዮስ ከፍርሖን ከርዕዶን ቅርጺ ናይ ሰብ፣ ኣንበሳ: ነብሪ: ብዕራይ: ተመን:ድቢወዘተ ወሲዱ ይመጽእ ነበረ። እቲ ጅግና ተዋጋኣይ ግና ካብቲ ዉዲት ሰይጣን ብዝሕ እዩ ዝብል ተማሂሩ ንሰይጣን ይንዕቆ ነበረ። ኩሉ ግዜ ድማንስኻ ከም ቆልዓ ድኹም ኢኻ ልብኻ ድማ ድፍን እዩይብሎ ነበረ። 
ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብኣንጻሩ መንፈሳዊ ኣጎልግሎቱ ወሰኸሉ ጾሎቱ ኣጸቢቁ ኣናዉሖ። መብዛሕትኡ ግዜ ኸማነይ ሙሉእ ለይቲ ኣብ ጾሎት ይጽመድ ነበረ፡መግቡ ድማ ሓደ ግዜ ጥራይ ይበልዕ ነበረ እተን ዝርካበን። መብዛሕቱኡ ግዜ ኸማነይ፡ 2 መዓልቲ፡ 3 መዓልቲ፡ 4 መዓልቲ ጸይሙ ይቅኒ ነበረ።

እዚ ኹሉ መንእሰይ ኣንጦንዮስ ኣብ ከባቢ ዓዱ ይነብር ነበረ። ሓደ ግዜ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ነብሳ ትሕጸብ ነበረት። ኣቡነ ኣንጦንዮስ ድማ ብምግራምኣንቲ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ ፈላሲ ነብስኺ ኽትሕጸብስ ኣይትሓፍርን በላንሳ ድማ እንተድኣ ፈላሲ ኽንካ፣ ተደሊኻ ኻብዚ ሪሕቅካ ኣብ ዉሽጢ ምድረ በዳ ተቀመጥ፣ እዚ ንፈለስቲ ዝኸዉን ሙችእ ቦታ ኣይኮነንኢላ መለሰትሉ።
ኣቡነ ኣንጦንዮስ እዚ ዘረባ ካብ ኣምላኽ እንበር ካብ ሰበይቲ ኣይኮነን ኢሉ ኣመነ። አምላኽ እዪ ንዓይ ካብዚ ቦታ ክርሕቅ ዝነግረኒ ዘሎ ኢሉ፣ ነቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ቦታ ገዲፊ ኣማኢት ኪሎ ምትር ተጋዒዙ ናብ ዉሽጢ ምድረ በዳ ኣተወ፣ ኣብኡ ድማ ተቀመጠ።
ኣቡነ ኣንጦንዮስ ከምዚ ጌሩ ንነፍሱ ምስ እግዚኣብሄር ዓጸዋ፣ ሓደ ዝፈልጦ ሰብ ድማ ኣብ ብዝሕ ማዓልታት መግቢ የምጻኣሉ ነበረ።

መጥቃዕትታት ሰይጣን

ሓደ ለይቲ ሰይጣን ምስ ኣእላፋት ኣጋንንቱ ናብ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ መጹ፣ ክሳብ ምዝራብ ዝስእንን ኣብ ምድሪ ወዲቁ ኣይምዉት ኣይህሉዉ ክሳዕ ዝኸዉን ድማ ቀጥቀጥዎ እንጦንዮስ ድማ ካብቲ መግረፍቶም ብብርትዕ ቃንዛ ይቅንዞ ነበረ። 
ንጽባሕቱ እቲ መግቢ ዘምጻኣሉ መጸ። ኣቡነ እንጦንዮስ ምስ ረኣዮ ድማ ዝሞተ መሰሎ እሞ ናብ ዓዱ ዘሎ ቤት ክርስትያን ጸይርይዎ ኸደ። ኣብ ቤት ክርስትያን ድማ ኣብ ምድሪ ኣንቦሮ፣ ኩሎም ደቂ ዓዱን ቤተ ሰቡን ድማ ከም ሬሳ ኸበብዎ።
ኣቡነ እንጦንዮስ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ተንሰአ ኩላቶም ድማ ደቂሶም ነበሩ፣ ብጀካ እቲ መግቢ ዘምጽኣሉ ሰብ። ኣቡነ ኣንጦንዮስ ድማ ናብ በዓቱ ንወልሓደ ሰብ ከይተንስእ ክወስዶ ኣዘዞ። ንሱ ድማ ከምቲ ዝኣዞዞ ገበረ።
ብድሕሪ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ናብ ቦትኡ ተመልሰ በቲ ማህረምቲ ናይ ሰይጣን ድማ ይቅንዞ ነበረ። ደዉ ክብል ስለ ዘይካኣለ ድማ ኣብኡ ኸሎ ነዚ ጾሎት ጸለየ፦

እነሀልኩ ኣብዚ አንጦንዮስ ካብ ማህረምትኻ ኣይሃድምን ኢየ፣ እንተድኣ ካልእ እንተዉረድካለይ ዉን ካብ ፍቅሪ ክርስቶስ ዝፈሌኒ የለን።ኣስዒቡ ድማ ዘመረ።

ናይቲ ቅዱስ ቃል እዚ ጥራይ እዩ ነይሩ፣ እቲ ጸላኢ ጽቡቅ ግና መሊሱ ዉን ንኽምለስ ኣይሓፈረን። ምስ ብጾቱ ኣጋንንቲ ነዚ ሰብኣይ ብኻልእ መገዲ ወይ ሜላ ጌርና ነጥቃዓዮ ኢሎም ቅርጾም ለዋዊጦም ድማ ናብ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ መጹ። ነታ በዓቲ ናይ ኣቡነ አንጦንዮስ ድማ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ሓፍ ኮፍ ኣበልዋ። ኣብ ርእሲ ድማ ከም ሓያላት ኣራዊት ኮይኖም ነቲ ኸባቢ መልእዎ። ነፍሲ ወከፍ እንስሳ ድማ ባህራዊ አፈራርሓኡ ጌሩ ይንቀሳቀስ ነበረ። ንኣብነት አንበሳ ይግዕር፣ ተመን ሰፋሕፋሕ ይብል፣ ብዕራይ ቅርኑ የልብሕ ነበረ። እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይ ሰይጣን ድማ ኣቡነ እንጦንዮስ ፈሪሑን ተዳሂሉን ንዓዱ መታን ኽምለስ እዩ።
አንጦንዮስ እቲ ጻድቅ ድማ ብማህረምቲ ናይ ሰይጣንን ኣጋንቱን ኣጸቢቁ ተሃስየ ካብ ብርትዕ ቃንዛ ድማ ይግዕር ነበረ። እቲ ዘገርም ግና ብእምነቱ ንጹር ነበረ። ብዘይንቅነቅ ልቢ ድማ ይጽሊ ነበረ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ፈተና ኸሎ ድማ ከምዚ በሎ ንሰይጣንን ሰዓብቱን፦ 
እንተድኣ ሓይሊ ኣሎካ ኸይኑ፣ ሓንሳእ ምምጻእካ ምኣኸለካ ነይሩ፣ ኣምላኽ ግና ድኹም ገይሩ ስለ ዝገበረካ ከተርዕደኒ ብዝሕ ግዜ ትፍትን ኣሎኻ። ናይ ጨካናት ኣራዊት ቅርጺ ሒዝካ ምምጻእካ ድማ ድኹም ምኻንካ እዪ ዘረጋግጽ፣ እንተድኣ ሓይሊ ኣሎካ ኸይኑ ንኸተጥቃዓኒ ኣይትደንጊ፣ እንተድኣ ሓይሊ ዘይብልካ እንተኸይኑ ግና ንምንታይ ዉጽኢት ዘይቡሉ መጥቃዕቲ ተጥቅዓኒ ኣሎኻበሎ። እዚ ምስ በሎ ሰይጣን ምስ ኣጋንንቱ እንዳሓርቀምቀሙ ኸዱ።

ክርስቶስ ንኣቡነ ኣንጦንዮስ ከም ዘይረስዖ

ኣምላኽ ንእንጦንዮስ ኣይረስዖን እካ ድኣ ክረድኦ ኢዱ ዘርገሐ፣ ሕጂ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ንላዕሊ እንተርኣየ እቲ ናሕሲ በዓቱ ተኸፊቱ ረኣየ። ጩራ መብራህቲ ድማ ናብኡ ወረደ:እቶም ሰይጣዉንቲ ድማ ብቅጽበት ጠፍኡ፣ ኣቡነ እንጦንዮስ ድማ ትንፋሱ ተመልሰት ካብቲ ዝነበሮ ቃንዛ ድማ ዓረፈ።

ኣቡነ እንጦንዮስ ከምዚ በለ፦
ኣበይ ድኣ ነይርካ ካብዚ ኹሉ ቃነዛይ ከተዕርፈኒ ንምንታይ ካብ መጀመርታ ዘይተረኣኻኒ በሎ
እቲ ድምጺ ድማ ከምዚ በሎ፦ እንጦንዮስ ኣነ ምሳኻ ኔሬ እየ ግን እቲ ቃልስኹም ክርኢ ጸኒሐ።ንስኻ ኸኣ ስለ ዝተጻወርካን ስለ ዘይሓመቅካን ከድሕነካ እየ፣ ሽምካ ድማ ኣብ ኩሉ ቦታ ፍሉጥ ክገብሮ እየበሎ።
እቲ ጻድቅ ድማ እዚ ምስ ሰምዐ ንጾሎት ተንሰአ። ሹዑ ድማ ፍሉይ ሓይሊ፣ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበሮ ከም ዝተቀበለ ተፈለጦ፣ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብዚ ግዜ ወዲ ኸባቢ 35 ዓመት ነበረ።

በጻሕቱ

እቶም ዝፈልጥዎ ድማ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ክበጽሕዎ ይመጹ ነበሩ። ንዑኡ ደልዮም ድማ ንማዕጽኡ ይኽሕኩሑ ነበሩ ንሱ ግና ከእትዎም ወይ ክመጹ ስለ ዘይፍቅደሎም ኣብኡ መዓልታት ይገብሩ ነበሩ።ኣብ ክፍሉ ድማ ሰይጣዉንቲ ክቃለስዎ ኸለዉ ጫዉጫዉታን ዋዕዋዕን ይስምዑ ነበሩ። ኣጸቢቆም ድማ ይፈርሑን ይበኽዩን ነበሩ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ድማ ካብ ክፍሉ ወጽዩ ከይፈረሑ ክኸዱ ሓበሮም። ዝኸነ ነገር እንተ ኣጋጦሞም ድማ ንርእሶም ብትእምርተ መስቀል ከማዕትቡ ነገሮም፣ እቶም በጻሕቱ ድማ ኩሉ ግዜ ኣቡነ እንጦንዮስ ሞይቱ ክጸንሖም ይጽበዪ ነበሩ፣ ንሱ ግና እንዳዘመረ ይጸንሖም ነበረ።

ኣቡነ ኣንጦንዮስ መጀመርታ ማሕበር መነኮሳት ከም ዝመስረቱ

ብድሕሪ ኣቡነ ኣንጦንዮስ መንፈሳዊ ኣጎልግሎቱ ኣብ ብሕትዉና ጥራይ ገበሮ። ብዝሓት ሰባት ድማ ክርእይዎን፣ ካብኡ ክመሃሩን፣ በረኸቱ ክወስዱን ድማ ይመጹ ነበሩ። ኣቡነ ኣንጦንዮስ ግና ኣብ በዓቱ ጥራይ ይዕጾ ስለ ዝነበረ እቶም በጻሕቱ ኒቲ መዓጾ ናይ በዓቱ ብዙሕ ግዜ ይግምግምዎን ይኽክሕዎን ነበሩ። ኣቡነ ኣንጦንዮስ ግና ካብ በዓቱ ክወጽእ ፍቃደኛ ኣይነበረን። ኣብ መወዳእታ ግና ነቲ ዕጾ ናይ በዓቱ ሰይሮም ከም ዝወጽእ ገበርዎ።
ብድሕርዚ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብ ቤት መቅደስ ከም ዝወጽእ መሃሪ ምስጢር ከይኑ ወጸ። ኣምላኽ ንኹሎም ኣብኡ ዝነበሩ ሕሙማት ኣሕወዮም ንርኹሳት መናፍስቲ ዘለዎም ድማ ኣዉጾኦም። ንጉህያት ኣጸናንዖም፣ ነቶም ካብ ክርሰቶስ ዝርሓቁ ድማ ካብ ኩሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ነገራት መጀመርታ ፍቅሪ ኽርስቶስ ክመርጹ መኸሮም። ናብራ ዓለም ገዲፎም ናብራ ምንኩስና ክነብሩ ድማ መኸሮም።
ስለዚ ድማ ብዙሓት ሰባት መኖኮሳት ክኸኑ ሰዓብዎ። እቶም ሞኖኮሳት ድማ እንዳተባዝሑን እንዳተራብሑን መጹ።ከምዚ ጌሩ ድማ ነቲ ኣብ ኣጻምእ ምድረ በዳ ዝርከብ ጎቦ እቶም ካብ ህዝቦም ተፈልዮም ኣብ መንግስተ ሰማያት ክምዝገቡ ዝመጹ መኖኮሳት ከም ዝመልእዎ ገበረ። ኣብ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ድማ ንኹሎም ከም አቦኦም ይመርሖም ነበረ። ከምዚ ጌሩ ድማ መጀመርታ ማሕበር ናይ ሞኖኮሳን ወይ ቀዳመይቲ ገዳም መስረተ። 
እታ ኣብ እንዳ ደናግል ዘእተዎ ሓፍቱ ድማ መምህር ናይ ድናግል ኮነት።

ካብ ትምህርትታት ኣቡነ ኣንጦንዮስ

ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ፍሉይ ቃል ጥበብ ተዓዲልዎ ነበረ፣ ስለዚ ንደቁ ሞኖኮሳት ብዝሕ የምሀሮም ነበረ ብፍላይ ድማ ንዉዲት ናይ ሰይጣንን ፈተናታቱን ዝምልከት። ገለ ካብ ትምህርቶም፣

ሰይጣዉንቲ ልክዕ ከምቲ ኣብ ኣዳራሽ ትያትር። እቶም ሰራሕቲ ማስከርያ ናይ ኣራዊት ጌሮም ንቆልዑት ዘፍርሑ ግናኸ ወላሓንቲ ዘይገብሩ፣ ሰይጣዉንቲ ድማ ንፈራሓት ከፍርሑ ኢሎም ሓያላት ይመስሉ እንበር ወልሓነቲ ሓይሊ የብሎምን።

ጎይታ ሓንቲ መዓልቲ እንተድኣ ደኺምና የቅረ ከም ዘይብለና ኸይና ንስራሕ።

ኩሉ ግዜ ብመዓልቲ ክሳዕ ምሸት ከምዘይንጸንሕ ጌርና ንሕሰብ። ኽንድቅስ ኮሎና ድማ ከምዘይንትንስእ ጌርና ንሕሰብ። ምኽንያቱ ዕድሜና ርግጽ ኣይኮነን እታ ዓልትና ድማ ኣብ ዘይተጸበናዮ ግዜ ብሃንደበት ክትመጽእ እያ።

ቃልሲ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣይተወድአን

ሕጂ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣእላፋት ዝኸኑ ሞኖኮሳት ደቂ ነበርዎ። ነሱ ድማ ሸምጊሉ ነበረ። ሰያጣዉንቲ ግና ፈጺሞም ኣይተፈሊዎን። እቶም ደቂ መዛሙርቱ ኩሉ ግዜ ድምጺ ናይ ኣጋንንቲ ይሰምዑ ነበሩ ምኽንያቱ ቃልሲ ናይ ኣቡነ እንጦንዮስን ኣጋንንትን ብጋህዲ እዩ ነይሩ። ሓደ ግዜ ኣጋንንቲ ኣብ ብዙሓት ኣዛብእ ሰፊሮም መጹዎ። ንኽበልዕዎ ድማ የፈረራሕዎ ነበሩ። ኣቡነ እንጦንዮስ ድማእንተድኣ ኣብ ልዕለየ ሓይሊ ኣለኩም ኣነ ብኣኹም ነኽብላዕ ድሉዉ እየ። እንተድኣ ብሰይጣን ተላኢኽኩም ግና ካብዚ ኺዱ ኣይትጽንሑ፣ ኣነ ኣገልጋሊ ናይ ክርስቶስ እየ በሎምብድሕርዚ ብቃሉ ተገሪፎም ከዱ።

ተኣምራታት ኣቡነ ኣንጦንዮስ

ኣቡነ ኣንጦንዮስ እቶም ሰባት እንታይ ደልዮም ይመጽዎ ከም ዝነበሩ ይፈልጥ ነበረ።ነቶም ዝሓመሙ ይፍዉሶም ኣጋንቲ ድማ የዉጽእ ነበረ። ንኣብነት፣
ሓደ ግዜ ኣርቸላዉስ ዝተባህለ ሰብኣይ ንኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ምድረ በዳ ረኸቦ ንሓንቲ ላድያ ትብሃል ንፍዕቲ ክርስትያን ኣጸቢቃ ስለ ዝሓመመት ክጽልየላ ሓተቶ። ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዉን ጸለየላ። እቲ ሰብኣይ ድማ እታ ዝጸለየላ ዓልትን ሰዓትን ጸሓፋ። ድሕሪ ብዝሕ መዓልታት ድማ ናብ ዓዱ ምስ ተመልሰ ሓዉያ ጸናሓቶ። መዓስ ከም ዝሓወየት እንተ ሓተተ ድማ ልክዕ እታ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝጸለየላ መዓልትን ሰዓትን ከይና ጸንሓቶ። ብዝሕ ድማ ተገረመ።ነዚ ዝመስል ካልእ ኣምራታት ድማ ብዝሕ የጋጥም ነበረ።

ራእይ ኣቡነ ኣንጦንዮስ

ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ምድረ በዳ ስፍርኡ ኾይኑ ኣብ ግብጺ እንታይ ከም ዝኸዉን ይፈልጥ ነበረ። ንጳጳስ ኣቡነ ስራፌል ድማ ይነግሮም ነበረ። 
ሓደ ግዜ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ጎቦኦም ከፍ ኢሎም ከለዉ ንላዕሊ እንተ ርኣየ ሓደ ነገር እንዳኸደ ኸሎ ረኣየ; ምስቶም ዝተራኸቦም ድማ ብዝሕ ሓጎስ ከም ዝኸነ ርኣየ። ሹዑ ኣቡነ ኣንጦንዮስ እንታይ ከም ዝኸነ መታን ክግለጸሉ ጸለየ። ብኡ ንቡኡ ድማ እዚ መንፈስ ናይ ኣሙር እዩ ዝብል ድምጺ ሰምዐ። ኣቡነ ኣንጦንዮስ ድማ ኣሙር ከም ዝዓረፈ ንደቂ መዛሙርቱ ነገሮም; ንሳቶም ድማ እታ ዝነገሮመ መዓልትን ሰዓትን ኣጽንዕዋ። ብድሕሪ ገለ ሞኖኮሳት ካብ ኒትራ መገዲ 13 መዓልቲ ተጋዒዞም ኣሙር ከም ዝዓረፈ ክነገርዎም መጹ።ኣሙር ሓደ ካብቶም ቅዱሳት ደቂ መዛሙርቲ ኣቡነ ኣንጦንዮስ እዩ ነይሩ።ደቂ መዛሙርቲ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ድማ እታ ቅዱስ ኣሙር ዝዓረፈላን ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝበሎምን እንተ ኣዋደደርወን ማዕረ ኾና። ኣጸቢቆም ድማ ተገረሙ ምኽንያቱ ቅዱስ ኣሙር ምሰ ዓረፉ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ከም ዝኸነ ተርኣዮም።ወላካ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ይቅመጡ እንተነበሩ።

ኣቡነ ኣንጦንዮስን ኣርዮሳዉያንን

ኣቡነ ኣንጦንዮስ ንመናፍቃን ፈጺሙ ገጽ ዝበሃል ኣይህቦምን ነበረ። እታ ኽብሎም ዝኽእል ናብ ሓቅነት መታን ክምለሱ ጥራይ እዩ። ሓደ ግዜ ገለ ኻብ ኣሮሳዉያን ኣቡነ ኣንጦንዮስ ክበጽሕዎ መጹ። እቲ ጻድቅ ድማ እንታይ ከም ዝብሉ እምኖቶም ክነግርዎ ሓተቶም። ንሳቶም ዉን ነገርዎ። እቲ ዘይሓቅነቶም ምስ ሰምዐ ድማ ካብቲ ጎቦ ሰጎጎም ቃላትኩም ካብ መርዚ ተመን ይኽፍእ ድማ በሎም።
እቶም ኣሮሳዉያን ግና ነቶም ህዝቢ መታን ከስሕቱ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ከም ናትና ሓሳብ እዩ ዘሎዎ መሉ። ስለዚ ድማ እቶም ጳጳሳት ኣቦና እንጦንዮስ ናብ እስክንድርያ መጹ ንትምህርቲ ኣርዮስ ክኽንኖ ሓተትዎ።ኣቡነ ኣንጦንዮስ ድማ ነዚ ሓሰብ እዚ ተቀቢሉ ምድረ በዳ ሰፈሩ ገዲፊ ናብ እስክንድርያ ኸደ፣ ኣብ ቅድሚ ኣእላፋት ህዝቢ ክርስትያን ድማ ናይ ኣርዮስ ትምህርቲ ኮኖኖ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝሕ ጭብጥታት እንዳቅረበ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጡር ከምዘይኮነ ኣረድኦም። እቶም ህዝቢ ድማ ኣሮሳዉያን ብዓቢ ጻድቅ ስለ ዝተኸነኑ ተሓጐሱ።

ዝና ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ነገስታት ከም ዝተስምዐ

ንጉስ ቆስጣንጢኖስ ኣጐስጦስንን ወዱ ቆስታንቲንን ድብዳቤ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ጸሓፍሉ። መታን መልሱ ጽሒፉ ክመኽሮም ድማ ለመንዎ።እዞም ነገስታት ናይ ሮማ እዮም በቲ ግዜ ድማ ነገስታት ናይ ሮማ ዝሓየለት መንግስቲ ነበሮም። ደቂ መዛሙርቲ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝና ናይ ኣቦኦም ክሳዕ ክንደይ ከም ዓበየ ገረሞም።ኣቡነ ኣንጦንዮስ ግና ከምዚ በሎም፣መዚ ናይ ደቂ ሰባት ደብዳቤ ኣይትገረሙ፡ንሳቶም ወላ ነገስታት እንተኸኑ ደቂ ሰባት እዮም ንስኻትኩም ግና ኣምላኽ ነቲ ሕጊ ባዕሉ ጽሕፉ ስለ ዝሃበናን ብሓደ ወዱ ገይሩ ስለ ዝተዛረበናን ተገረሙበሎም።

ኣቡነ ኣንጦንዮስን እሱራትን

ኣቡነ ኣንጦንዮስ ፍሉይ ቃል ጥበብ ስለ ዝነበሮ ወላ ነቶም ሕማቅ ነገራት ብምግባር ዝተኣስሩ ናብኡ የምጽዎ ንሱ ድማ ሓቅን ፍትሕን ክፈትዉ ይመኽሮም ነበረ።
ሓደ ግዜ ሓደ ጀነራል ኮማንደር እስራት ሒዙ ናብ ኣቡነ ኣንጦንዮስ መጸ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ድማ ካብ ላዕሊ ጎቡኡ ንታሕቲ ወሪዱ ነቶም እስራት ክመኽሮም ለመኖ።ኣቡነ ኣንጦንዮስ ግና ኣበየ ደሓር ግና ብቡዝሕ ጸጥጢ ንታሕቲ ወሪደ እተን ንዖኦም ዝምልከታ ጥራይ ቀልጢፉ ተዛሪቡ ድማ ንላዕሊ ጎብኡ ኽምለስ ተሃወኸ። እቲ ጀነራል ግና ምስኦም ክጸንሕ ለመኖ። ኣቡነ ኣንጦንዮስ ግና ፍሸኽ ኢሉ ከምዚ በሎ።
ኣነ ምሳኻትኩም ክጸንሕ ኣይክእልን እየ; ዓሳ እንተድኣ ካብ ባሕሪ ወጽዩ ምማቱ እዩ ዝኸዉን ከምኡ ድማ ሞኖኮሳን ካብ ምድረ በዳ ወጽእዮም ኣብ ሞንጐኹም ብዝሕ ተጸንሖም ይዝሕቱሉ። ስለዚ ከምቲ ዓሳ ናብ ባሕሪ ክኸይድ ዝጋየ; ንሕና ሞኖኮሳን ድማ ናብ ምድረ በዳ ጐቦታት ክንከይድ ንጋየ ኣሎናበሎም። 
ሹዑ እቲ ጀነራል ብሓቂ እዚ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ፣ ንሱ ፍትዊ ኣምላኽ ስለ ዝኸነ እንበር ሓደ መሃይም ዝኸነ ሰብ ከምዚ ዝበለ ርዲኢት ክህልዎ ኣይክእልን እዩ በለ።

ቅዱስነት ኣቡነ እንጦንዮስ 

ኣቡነ እንጦንዮስ ዓቢ ናይ ኣምላኽ ሰብ ነበረ። ብዝሓት ጀነራላት፤ሰበስልጣናት፤ ወታህደራት፡ ብዝሕ ንብረት ዘለዎም ሃብታማትን ኩሉ ንብሮቶም ሸይጦም ጾር ዓለም ገዲፎም ነተን ዝተረፋ ዕድሜኦም ሞኖኮሳት ክኸኑ ናብ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ይመጹ ነበሩ።
መን እዩ ግህዩ ዝነበረ ናብ ኣንጦንዮስ ምሰ መጸ ዘይተሓጐሰ። መን እዩ ሓራቅ ዝነበረ ናብ ዕርክነት ዘይተመልሰ።መን እዩ ድኻ ዝነበረ ግና ብመንፈስ ላዕሊ ንኣንጦንዮስ ምሰ ረኣየ ሃብቲ ዘይፈንፈነ። መንዩ ሓደ መኖኮስ ንኣንጦንዮስ ምስ ረኸበ ንኹሉ ዓለም ዘይረስዐ። መንየ ሓደ መንእሰይ ንኣንጦንዮስ ምሰ ረኣየ ዓለም ዘይከሓደ። መንዩ ሓደ ብሰይጣን ዝተፈተነ ናብ ኣንጦንዮስ ምሰ መጸ ዕረፍቲ ዘይረኸበ። መንዩ ሓደ ዝተጠራጠረ ንኣንጦንዮስ ምሰ ረኸበ ዘይጸንዐ። ክሎም እቶም ዝበጽሕዎ ካብኡ ተማሂሮም ይምለሱ ነበሩ።

መወዳእታ ቅዱስ ኣቡነ አንጦንዮስ 

ኣቡነ እንጦንዮስ ከም ልማዱ ንደቁ ሞኖኮሳት ክበጽሖም ከደ። ከምዚ ድማ በሎም እዚ ናይ መወዳእታ ምብጻሕ ናባኻትኩም ዝገብራ እያ። ሕጂ ዳርጋ 105 ዓመት ጌሬ ኣለኹ። ምኻደይ ድማ ቀሩቡ እዩ በሎም። እቶም ደቂ መዛሙርቱ ድማ ንኣቡነ ኣንጦንዮስ ሰዓምዎ ናይ መወዳእታ ምኽሪ ድማ ሃበም። ኩሉ ግዜ ኣብ መንፈሳዊ አጐልግሎት ንጥፋት ክኸኑ። ኩሉሳዕ ድማ ከም ዝመቱ ክሓስቡ፤ ምሰ መናፍቃን ድማ ሕብረት ከይገብሩ፤ ነቲ ቅዱስ ዝኸነ እምነት ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርሰቶስ ክሕልዉ፡ ካብቲ ጽሕፍ ዝተመሃርዎ ድማ ኣብ ሓሳባቶምን ልቦም ክዓቅርዎ መሃሮም። እቶም ደቂ መዛሙርቱ ክሳዕ ዝኸይድ ምስኦም ክጸንሕ ለመንዎ ንሱ ግና ኣበየ። ከምዚ ጌሩ ድማ ነደቂ መዛሙርቱ ተፋነዎም ናብ ኣብ ላዕሊ ጎቦ እትርከብ በዓቶም ድማ ተመልሱ።
ግብጻዉያን ናይ ቅዱሳን ጻድቃናት ብፍላይ ናይ ቅዱሳን ሰማዕታት ስጋ ኣይቀብሩን ነበሩ። ኣብ ገዝኦም ይገብርዎ ነበሩ። ወላ ሕጂ ዉን እንተኸይኑ ናይ ብዝሓት ቅዱሳን ስጋ ኣብ ቤተ ክርስትያን ንበረኽት ኢሉ ተዓቂቡ ኣሎ። ኣቡነ ኣንጦንዮስ ግና ነዚ ይቃዎምዎ ነበሩ።
ኣቡነ እንጦንዮስ ድማ ምስ ሞቱ ንስጉኡ ከምዘይቀብርዎ ስለ ዝፈለጠ። ካብዚ ነገርዚ ፈሪሑ ሓደ ነገር ክገብር ወሰነ። ድሕሪ 2 ወርሒ ስለ ዝሓመመ ክልተ ካብ ደቂ መዛሙርቱ ሞኖኮሳን 15 ዓመታት ምነኩስና ምስኡ ዝተላማመዱ። ከገልግልዎን ክኣልይዎን መጹ።
ከምዚ ድማ በሎም ነቶም ክልተ ደቂ መዛሙርቱ፣ ትፈልጡ ኢኹም ሰይጣዉንቲ ክሳዕ ክንደይ ጠላማትን ከዳዓትን ብርትዓትን ከም ዝኸኑ ግናኸ ክሳዕ ክንደይ ንእሽተይ ሓይሊ ኸምዘለዎም። ስለዚ አይትፍርሕዎም ብኣንጻሩ ደኣ ኣብ ክርስቶስ ተወከሉ።
እንተድኣ ብዛዕባይ ትግደሱ ኸንኩም ከም ኣቦ መጠን ሓደ ሰብ መታን ስጋይ ግብጺ ከይወስዶ ተቃለስለይ። እንተድኣ ምስ ከድኩ ንስጋይ ኣብ ገዝኦም ጌሮሞ ኣይክሕጐስን እየ። ስጋይ ቅበርዎ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ድማ ሕብእዎ። በጀካኹም ድማ መቃብረይ ሓደ ሰብ ኣይፍለጦ። ንስጋይ ድማ ትንሳኤ ምዉታን ምስ ኮነ ከይተበላሸወት ክረኽባ እየ።
ክዳነይ ግና ኣብ ክልተ ምቀልዎ። ንኣትናቴዎስ ሊቃነ ጳጳሳት ዛእስክንድርያ ቆርበት በጊዕ ጌርኩም ሃብዎ። ንሱ እዩ ብሓዳሻ ኸላ ሂብኒ። ምሳይ ግና ኣረገት። ከምኡ ዉን ንስራፌል ጳጳስ እቲ ሓደ ምቃል ክዳነይ ምስ ቆርበት ጌርኩም ሃብዎ። ደቀየ ሕጂ ዕረፍተይ እዩ እንጦንዮስ እኸይድ ኣሎ ምሳኹም ድማ ደጊም ኣይክህሉን እዩ በሎም። 
ድሕረ እቶም ክልተ ደቂ መዛምርቱ ሰዓምዎ። ኣቡነ እንጦንዮስ ድማ ዓረፈ። እቶም ክልተ ደቂ መዛምርቱ ድማ ከምቲ ዝኣዞዞም ሓቢኦም ቀበርዎ እታ ዝተቀብሩላ ቦታ ድማ ክሳዕ ሕጂ ዝፈልጣ የለን ብጃካ እቶም ክልተ ደቂ መዛምርቱ። እቲ በረኸት ናይ ክዳኑ ግና ቅዱስ ኣትናቴዎስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን መበል 20 ፓትርያሊክ እስክነድርያን፣ ንኣቡነ ስራፌል ጳጳስን ሃብዎ። ንሶም ድማ ክሳዕ ሕጂ ዓቂቦሞ ኣለዉ።

እዚ መወዳእታ ናይቲ ጅግና ተዋጋኣይ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣቦ ናይ ኩሎም ሞኖኮሳት እዩ። በረኸት ናይ ቅድስቲ ጾለቱ ምስ ኩሉና ይኹን። ኣሜን።

መወከሲ 
1. ገድሊ ናይ  ኣቡነ እንጦንዮስ   ቅዱስ ኣትናቶዎስ ሃዋርያ ዝተጻሕፈ (Life of Saint Antony by Athanasius Bishop of Alexandria ) ምሉእ ገድሊ ኣብዚ ተወከሱhttp://www.monachos.net/content/patristics/patristictexts/291-anthony-life-link

2. ስንክሳር ናይ ጥሪ 22 http://www.copticchurch.net/synaxarium/5_22.html

ገዳማት ኣቡነ እንጦንዮስ
1. ጥንታዊት ገዳም ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ግብጺ ይርከብ።  Saint Antony the Great Monastery. Red Sea Egypt http://www.stanthonymonastery.org/index1.htm 
2. ገዳም ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ካሊፎርንያ ኣሜርካ  http://www.stantonymonastery.org/ 
3. Saint Antony Greek Orthodox Monastery  Arizona, U.S.A
http://www.stanthonysmonastery.org/index.php

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div