S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ገዳም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ጼደንያ ሶርያ

ገዳም ጼዴንያ ካብ ርእሰ ከተማ ሶርያ፡ ደማስቆ 20 ማይልስ ንወገን ሰሜን ኣብ ዘሎ እምባታት ተደኩኑ ዘሎ ጥንታዊ ገዳም እዩ፡፡ ካብ ነዊሕ ዓመታት መንበረ ፓትርያርክ ኣንጾክያ ዝኾነ ገዳም ፡ ብብዙሕ ጥንታዊ ታሪኹ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ርክብ ዘለዎ ቅዱስ ስፍራ እዩ። ብዙሓት ሊቃውንቲ ቤተክርስትያን ከም ዝገልጽዎ፡ እዚ ገዳም’ዚ ብድሕሪ ቅዱስ ስፍራ ኢየሩሳሌም ብሃይማኖታዊ ኣገዳስነቱ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይሰርዕዎ፡፡ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለምና በብዓመቱ ብርክት ዝበሉ ነጋድያን እምነቶም ከሐድሱ፡ ካብ’ቲ ገዳም በረኸት ክካፈሉ፡ ክፍወሱ ናብዚ ገዳም ይጓዓዙ፡፡

ገዳም ጼዴንያ ቀንዲ ዝልለየሉ ብጽንዓት እምነቱ ንክርስትና’ዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ቡዙሓት ከተማታት፡ ቁሸታት ኣብ ሃገር ሶርያ ካብ እምነት ክርስትና ክእገዳ ከለዋ ፡ ገዳም ጼዴንያ ብቅዱስ ቅንኢ ንእምነት ክርስትና ተኸላኺላ ንክርስትና ዕርዲ ኮይና ክሳብ ሕጂ ትቕጽል ኣላ፡፡

ታሪኽ ምምስራት ገዳም ቅ.ድንግል ማርያም ጼዴንያ

እዚ ገዳም ካብ መጀመርያ ክምስረት ከሎ ፡ ኣዝዩ መስተንክር እግዚአብሔር ዝተፈጸመሉ ቦታ’ዩ፡፡ ብመሰረት ታሪኽ እዚ ቅዱስ ቦታ ፡ ንጉስ ጃስቲንያ (JUSTINAN) ንጉስ ናይ ምብራቕ ግዝኣት ሮማን (BYZANTIUM) ዝነበረ ፡ ኣብ 6ይ ክ.ዘመን ንጉስ ጃዩስቲንያ እንተስ ናብ’ቲ ቅዱስ ስፍራ  ኢዮሩሳሌም ክኸይድ ፡ ወይ እውን ምስ የዕራብ (PERSIANS)  ውግእ ክገብር በዚ ቦታ ምስ ሰራዊቱ ክሓልፍ ከሎ ፡ ብብዝሒ ጉዕዞን ድኻምን ብምስኣን ማይን  ተሸገሩ፡፡ ተስፋ ኣብ ዝቖረጽሉ እዋን ከኣ ፡ ንጉስ ብማዕዶ ሓንቲ ትንቀሳቐስ ጤለ ቤዱ ምስ ረኣየ ብፍጥነት ንክሃድን ጎየየ፡፡ ነታ ጤለ ቤዱ ከኣ ክሳብ ደኺማ ኣብ ሓደ ኸውሒ ጠጠው እትብል ደድሕሪኣ ሰዓቡ። ብሃንደበት ግና ናብ ሓደ ዛራ ወሓዚ ማይ ከይተፈለጦም በጽሑ። እቲ ንጉስ ናብታ ጤለ ቤዱ ቅድሚ ኩናት ምውርዋሩ እታ ጤለ ቤዱ ናብ ስእሊ ናይታ ወላዲት አምላኽ ዝኾነት ድንግል ማርያም ብቕጽበት ተቐየረት። እዛ ስእሊ ኣዝያ እንተጸባርቕ ድሙቕ ብርሃን ዘለዋ ኮይና፡ ካብኣ ከኣ ብርቱዕ ድምጺ ወጸ ‘‘ጀስቲንያ ንዓይ ብፍጹም ክትቀትለኒ ኣይትኽእልን ኢኻ። ግን ንዓይ ዝኸውን ቤተ ክርስትያን ብስመይ ኣብዚ ጎቦ ክትሰርሕ ኢኻ።’’ ዝብል ድምጺ ወጸ። ብድሕሪ’ዚ እቲ ዝነበረ ብርሃንን ድምጽን ብቕጽበት ተሰወረ። ንጉስ ጀስቲንያ ጉዕዝኡ ወዲኡ ምስ ተመልሰ፡ ብመሰረት እቲ ዝረኣዮ ራእይ፡ ኣብ’ቲ ቦታ ሓደ ውጥን ቤተክርስትያን ክስራሕ ኣዘዘ። እንተ ኮነ ኣብ’ቲ ግዜ ዝነበሩ ቀየስቲ መሃንድሳት ፡ ኣብ’ቲ ቦታ ቤተ ክርስትያን ንክሰርሑ ኣዝዩ ኣሸገሮም። ንካልኣይ ግዜ እታ ጤለ ቤዱ ብሕልሚ ተገሊጻ ኣዝዩ ብዘደንቕ ውጥን ስእሊ ጌራ ገለጸትሉ። መሰረታዊ ቅርጺ እዚ ገዳም ክሳብ ሕጂ በዚ ቅርጺ እዚ ዝተሰርሔ እዩ። እዚ ገዳም እዚ ብድሕሪ ኢዮሩሳሌም ብካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ ከኣ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት፡ ማለት ሶርያ፡ ግብጺ፡ ኢትዮጵያን ካልእን ዝተፈላለዩ መነኮሳትን፡ መኖኮስያንን ክምንኑ ፡ መእመናን ከኣ ክነግዱ ናብዚ ገዳም ይውሕዙ ነበሩ።

ስእሊ (ኣይኮን) ቅድስቲ ድንግል ማርያም

ስእሊ (ኣይኮን) ቅድስት ድንግል ማርያም ኤል ቻጉራ (EL CHAGOURA) እዚ ገዳም ምስ ተሰርሐ ደንጉያ ብተኣምራታዊ መንገዲ ዝኣተወት እያ።

ኣብ መወዳእታ 8ይ ክ.ዘመን ብዕድመ ዝደፍአት፡ ብቅድስንኣን ብተጋድሎኣን እትልለ ፡ እመ ምኔት ናይቲ ገዳም እናቴ መሪና (MERINA) ነበረት። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ሓደ ባሕታዊ ኣብ ቴዎድሮስ ግብጺ ናብ ግሪኽ ዝነገደ ግብጻዊ መነኮስ ናብ ኢዮሩሳሌም እንዳ ከደ ከሎ፡ እመ ምኔት መሪና ንኣባ ቴዎድሮስ ካብ ኢዮሩሳሌም ስእሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክማልኣላ ተወከሰቶ። ኣብ ቴዎድሮስ ነጺ መልእኽቲ ሒዙ ናብ ኢዮሩሳሌም በጽሐ። እንተኾነ ኢዮሩሳሌም ምስ በጽሐ፡ ነቲ መልእኽቲ እመ መኔት መሪና ረስዖ። እንተ ኮነ ሓደ ሃንደበት ድምጺ ሰምዐ። “ገለ ነገር ኣብ ኢዮሩሳሌምዶ ኣይረሳዕካን?’’ ነዚ ዘስተባህለ ኣብ ቴዎድሮስ ናብ ኢዮሩሳሌም ተመሊሱ ስእሊ ድንግል ማርያም ረኺቡ ገዝአ። ነታ ስእሊ ሒዙ ክጉዓዝ ከሎ ኣብ መንገዲ እታ ስእሊ ብዙሕ ዘደንቕ ተኣምራት ክትገብር ተዓዘበ። ሓደ ግዜ’ውን ኣብ በረኻ ኣራዊት(ኣናብስ) ምስ ረኸብዎ ፡ ኣብ ቴዎድሮስ ብተኣምራት እታ ስእሊ እቶም ኣናብስ ሃዲሞም ረሓቑ፡፡

ኣባ ቴዎድሮስ ናብ ገዳም ጼዴንያ ከይከደ ነታ ስእሊ ምስኡ ሒዙ ናብ ግብዚ ክኸይድ ወሰነ። ብመርከብ ተጻዒኑ ናብ ግብጺ ክኸይድ ከሎ ፡ ኣጋጣሚ ማዕበል ተለዓለ። ነታ መርከብ ከኣ ማዕበል ሒዝዋ ናብ ሶርያ ኣተወ። ኣብ ግዳም ጼዴንያ ኣርባዕተ መዓልቲ ድሕሪ ምግባር፡ ሕጂ’ውን ነታ ስእሊ ምስኡ ክወስዳ ደለየ። ካብቲ ገዳም ከኣ ብምስጢር ወጺኡ ክኸይድ ደለየ። ንእመ ምኔት መሪና ነታ ስእሊ ክገዝኣ ከምዘይክኣለ ነጊሩ፡ ይቕሬታ ብምሕታት ካብ’ቲ ገዳም ክወጽእ መንገዱ ሓዘ። እንተኾነ ግና ዘይተፈልጠ ሓይሊ ካብ’ቲ ገዳም ንኸይወጽእ እቲ ኣፍደገ ብእምኒ ተነዲቑ ምውጻእ ከልኦ። እዚ ኩሉ ምስ ኮነ፡ ነዚ ምስ ረኣየ ነቲ ስእሊ ንእመ ምኔት መሪና ሃባ። ኩሉ እቲ ዝኾነ ነገር ከኣ ነገራ። ነዚ ምስ ሰምዐት እመ ምኔት መሪና እንዳ በኸየት ንእግዚአብሔር ኣመስገነት። ክሳብ እዚ ግዜ’ዚ ስእሊ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብቲ ገዳም ተሪፉ ብዙሕ ተኣምራትን ፡ ዘደንቕ ነገራትን ትገብር ኣላ። ንምሉእ ህዝበ ክርስትያን ምኽንያት በረኸትን ቅድስናን ኮይና ተገልግል ኣላ።

ዘመናዊ ተኣምራት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ገዳም ጼዴንያ

ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ዝተፈላለዩ ኦርቶዶክሳዊ ኣብያተ ክርስትያናትን ገዳማትን ካብ ጥንቲ ጀሚራ ተኣምራታ እንዳ ፈጸመትልና ትርከብ። እዚ ከኣ በቲ ኣብ መድሃኔ ኣለም ክርስቶስ ዘለና ፍቕሪ ፡ ምሉእ ሓድነትን ስለ ዝኾነ እዩ። ንሕና ከም ባህርና ንእግዚአብሔር ተኣምራት ስለዝፈጸመልና ዘይኮነ እነምልኾን እንኣምኖን፡ ብርግጽ ነቶም ዘይኣምኑ ንበረኸትን ንጸጋን ኢሉ እግዚአብሔር ዝገበሮ ስራሕ እዩ። እዚ ነገር’ዚ ከኣ ኣብ ብእምነት ሓደ ዝኾኑ ናይ ኦሬንታል ኦርቶዶክስ ኣብያተ ቤተ ክርስትያናት ይፍጸም  ብምህላዉ ንዓና ኣዝዩ  ሓበን ይስመዓና። ነቲ ገባሬ ተኣምራት ዝኾነ እግዚአብሔር ብቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣቢሉ ዝገበሮን፡ ዝገብሮን ዘሎ ተኣምራት ከኣ ንዘልኣለም እንዳ ኣመስገናዮ  ክነብር ኢና። እምበኣር ሓደ ካብቲ ጥንታዊ ዝኾነ ገዳም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ጼዴንያ ቅድሚ ቅሩብ ዓመታት ዝተፈጸመ ንርአ።

እዚ ጽሑፍ ናይዚ ታሪኽ ካብ (http://www.pigizois.net/agglika/the_miracle_in_siria.htm) ዝተወስደ እዩ። 

ኣብ ታሕሳስ 2004 ብዛዕባ ሓደ ተኸታሊ እምነት ምስልምና ዝኾነ ስዑዳዊ ሰብኣይ ኣብ ህይወቱ ዝተፈጸመ፡ ንህይወቱ ዝቐየረን ኣዝዩ ዘደንቕ ኣብ ዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና፡ መጽሔታት ፡ መርበብ ሓበሬታን ፋንፍሌታትን ናይ ብርክት ዝበላ ሃገራት ከም ስዑዲ ዓረብ፡ ሶርያ፡ ፍልስጤምን ጎረባብቲ ሃገራት ሶርያን ተቓሊሑ ነይሩ፡፡

እቲ ታሪኽ ብመሰረቱ ብከምዚ ይጅምር፡ ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት (ቅድሚ 2004) እዚ ስዑዳዊ ሰብኣይ ንሓንቲ ጓል ሃብታማት ቤተሰብ ግን ከኣ መኻን ዝኾነት ተመርዓወ። ከምዚ ኢሎም እንዳ ነበሩ ከለዉ፡ ነቲ ዝነበሮም ሽግር ንምፍዋስ ናብ ዝተፈላለዩ ሓካይምን ናይ ስነ ማህጸን ኪኢላታትን እኳ እንተ ኸዱ፡ ጻዕሮም ግና ፍረ ዝበሃል ኣይነበሮን። ስድራ ቤት ወዲ ካልኣይቲ ሰበይቲ ንክምርዖ ብዙሕ ግዜ ይመኽርዎ ነበሩ። (ኣብ ምስልምና ክሳብ 4 ኣንስቲ ክትምርዖ ስለ ትኽእል) ዋላ’ኳ እንተ ተጨኒቑን  ልቡ ተሰይሩን እንተነበረ፡ ናይ ወለዱ ምኽሪ ግና ክቕበል ኣይከኣለን። እምበኣርከስ ኣብ ከምዚ ኩነታት ከሎ ከኣ ምስ በዓልቲ ቤቱ ናብ ሶርያ ንዙረት ኢሉ ከደ። ናብ ሃገር ሶርያ ምስ ከደ መኪና ምስ መራሒኣ ተኻረየ። እዚ መራሒ መኪና ጎኒ ጎኒ ምምራሕ መኪና ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ናይ ሶርያ እንዳ ወሰደ ከላልዮም እዩ ዝነበረ ስርሑ። ዑደት እንዳ ገበሩ ከለዉ እቲ መራሒ መኪና ሓደ ነገር ተዓዘበ። እሱ ድማ ኣብ ገጽ  እዞም ስዑዳውያን ሰብ ሓዳር  ሓዘንን ጓሂን ጥራይ ይርኢ ነበረ። በብቕሩብ ክላለዮም ምስ ጀመረ ስለምንታይ ሕጉሳት ከም ዘይኮኑ ክሓቶም ጀመረ። ምኽንያቱ በቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ዑደት ዘይተሓጎሱ መሲልዎ ስለ ዝነበረ እዩ።

እንተ ኮነ እቶም ሰብ ሓዳር ፡ ምንጪ ዘይመሐጎሲኦም ብሰንኪ ውላድ ምስኣን ሙዃኑ ነገርዎ። እቲ መራሕ መኪና ብእምነቱ ተኸታሊ ምስልምና ነበረ። ሓደ ነገር ድማ ነገሮም ፡ ኣብ ሶርያ ዘለዉ ክርስትያን ብፍላይ ድማ ኦርቶዶክስ ክርስትያን ፡ ሓደ ገዳም ኣለዎም ፓናጊያ ስድራያ (Panagia Saidraya) (ንገዳም ጼዴንያ ማለቱ እዩ) ትርጉሙ ከኣ እመቤታችን (Our Lady)ማለት እዩ። ብዙሓት ውላድ ዘይብሎም ኣብ ቅድሚ እታ ተኣምራታዊት ስእሊ ኮይኖም ፡ ናብ እግዚአብሔር መታን ክልምኑ ናብቲ ገዳም ከም ዝጓዓዙ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ተኣምራታዊት ስእሊ ከኣ ሽምዓ ወሊዖም ከምዝጽልዩ ፡ ብድሕሪ’ዚ ብመሰረት እምነቶም ድንግል ማርያም (ብኣማላድነታ) ዝደለይዎ ከም እትፍጽመሎም ነገሮም።

ነዚ ነገር ምስ ሰምዑ እዞም ስዑዳውያን ሰብ ሓዳር ነቲ መራሒ መኪና ናብ ገዳም ጼዴንያ ንኽወስዶም ሓተትዎ። ናብ’ቲ ገዳም ድሕሪ ምብጻሕ ፡ ከምቲ ዝሃቦም ሓበሬታ መሰረት ኣብ ቅድሚ ስእሊ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሽምዓ ወሊዖም ናብ እግዚአብሔር ጸሎቶም ብምብጻሕ ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ክትራድኦም ሓተቱ፡፡ ብድሕሪ ከኣ ከምዚ ኢሎም ተመባጽዑ፡ “ውላድ እንተ ደኣ ረኺብና ተመሊስና ፡ ነቲ መራሒ መኪና 20,000 ዶላር ፡ ነቲ ገዳም ድማ 80,000 ዶላር ክንህብ ኢና” ኢሎም ናብ ዓዶም ተመልሱ። ብድሕሪ እዚ እታ ሰበይቲ ጠነሰት። ድሕሪ ትሽዓተ ወርሒ ከኣ ወዲ ተቦከረት። እዚ ኣዝዩ ዘደንቕ ተኣምራት ብጸሎት ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝተፈጸመ እዩ።

ሰበይቱ ድሕሪ ምውላዳ ፡ እዚ ስዑዳዊ ሰብኣይ ብመሰረት መብጽዕኡ ናብ ሶርያ ክኸይድ ሓሰበ። ኣቐዲሙ ናብቲ መራሒ መኪና ብምድዋል ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ (ኣየርፖርት) ንክቕበሎ ሓተቶ። እቲ ሶርያዊ መራሒ መኪና እዚ ምስ ሰምዐ ንክልተ ካልኦት ሰባት ወዲቡ ፡ ነዚ ስዑዳዊ ሰብኣይ ቀቲሎም ገንዘቡ ወሲዶም ንክቐብርዎ የእሚኑ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ሒዝዎም ከደ። ኣብ’ቲ መዓርፎ ነፈርቲ ድሕሪ ምቕባል ፡ ብመሰረት ውጥኖም ሒዞሞ እንዳ ኸዱ ከለዉ ፡ ነዚ ዘይፈለጠ ስዑዳዊ ነቶም ክልተ የዕሩኽ መራሒ መኪና ንክልቲኦም ዓዓሰርተ ሽሕ (10,000) ክህቦም ሙዃኑ ነገሮም። በዚ ዘይዓገቡ መራሒ መኪና ምስ የዕርኽቱ ነዚ ስዑዳዊ ሰብኣይ ፡ ካብ’ቲ ናብ ገዳም ጼዴንያ ዝወስድ መንገዲ ካብ ካልእ ኣንፈት ብምጥዋይ ፡ ናብ በረኻ ወሰድዎ። ናብቲ በረኻ ድሕሪ ምውሳድ ብመጀመርያ ርእሱ ድሕሪ ምቑራጽ ፡ ንመላእ ኣካላቱ (የእዳዉን የእጋሩን) በብሓደ ቖራረጽዎ። ነዚ ነገራት ገይሮም ኣብ ዳሕረዋይ መጽዓኒ ናይ መኪና ብምጽዓን ፡ ንኹሉ እቲ ዘለዎ ገንዘብን ንብረትን ፈቲሾም ናብ ካልእ ዝሓሸ ዝበልዎ ቦታ ወሲዶም ክቐብርዎ ተሰማምዑ።

ኣብ ቀንዲ መንገዲ (High way) ከለዉ ግን መኪንኦም ሃንደበት ተሰብረት። እዞም ሰለስተ ሰባት እንታይ ከም ዝኮነ ንኽርእዩ ካብ መኪንኦም ወረዱ። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ንካልኦት ሰብ መካይን ሓገዝ ክሓቱ እኳ እንተደለዩ ፡ ነቲ ኣብ መኪና ሒዞሞ ዘለዉ ነገር መታን ከይጋለጽ ግና ከምኡ ክገብሩ ኣይመረጹን። ሓደ ሰብ ግና ብሞተር ሳይክል እንዳ ሓለፈ እንከሎ ፡ ካብታ መኪና ጸረር ዝብል ደም ስለ ዝረኣየ ብቕጽበት ንፖሊስ ሓበረ። ፖሊስ ድማ ናብ ቦታ ፍጻሜ ከይዶም እንተረኣዩ ፡ ኣብ ትሕቲ እታ መኪና ዝነጠበ ደም ጸንሖም። ነዚ ምስ ረኣዩ ነቲ ዳሕረዋይ ወገን መጽዓኒ ናይ’ታ መኪና ክኸፍትዎ ነገርዎም (ኣዘዝዎም)።

ነቲ ናይ ድሕሪት መጽዓኒ ምስ ከፈትዎ፡ ሓደ ንኽትኣምኖ ዘጸግም ፡ ንኣቓልብኦም ዝስሕብ ነገር ረኣዩ። እቲ ስዑዳዊ ሰብኣይ ብቕጽበት ሓፍ በለ። ምስ ምሉእ ጥዕንኡ ብመስተንክር ሓይሊ እግዚአብሔር ኣብ መንጎኦም ህያው ኮነ። ከምዚ ክብል ከኣ ተዛረቦም “ ኣቐድም ኣቢላ ፓናግያ (ንእመቤታችን ማለቱ’ዩ) ንኣካላተይ ክትሰፍዮ ድሕሪ ምጽናሓ ፡ ሕጂ ሕጂ ከኣ ኣብ ክሳደይ ክትሰፍየኒ ጸኒሓ።’’ እንዳ በለ ናብ ጎሮሮ ኣዳም ኣመልከተሎም። ነዚ ነገር ምስ ረኣዩ እቶም 3 ገበኛታት ብኡ ንብኡ ሃለዋቶም ኣጥፊኦም ወደቑ። ብድሕሪ’ዚ ፖሊስ ነቶም ሰባት ብዝተገብረሎም ረዲኤት ሃለዋቶም ምስ ፈለጡ ፡ ብመሰረት ገበኖም ናብ ቤት ማእሰርቲ ወሰድዎም።

ብድሕሪ’ዚ እቲ ስዑዳዊ ሰብኣይ፡ ሕክምናዊ ረዲኤት ክግበረሉ ተወስደ። ነቲ መርመራ ዘካይዱ ክኢላታት ፡  እቲ ዝተሰፍየ ክፍሊ ኣካላቱ ኣብ ቀረባ እዋን ከም እተፈጸመ ኣረጋገጹ። እዚ ፍጻሜ ድማ ተኣምራት ሙዃኑ ገለጹ። እቲ ስዑዳዊ እውን ካብ’ቲ ፍጻሜ ጀሚሩ ዝመስከሮ እንተ ደኣ ኔሩ ኮይኑ ድንግል ማርያም ብሰናይ ፍቓድ ናይ ወዳ ፡ ብኣማላድነታ ካብ ሞት ከም ዘተስኣቶ እዩ መስኪሩ።

እዚ ኩሉ ተኣምራት ድሕሪ ምፍጻሙ ብቕጽበት ፡ ንቤተሰቡ ናብ ሶርያ ኪመጹ ነገሮም። ብሓባር ኮይኖም ከኣ ናብ ገዳም ጸዴንያ ከይዶም ጸሎቶም ኣዕረጉ። ነቲ ገባሪ ኩሉ ዝኾነ እግዚአብሔር ድማ ኣመስገኑን ክብሪ ሃቡን። ኣብ ክንዲ እቲ ኣቐዲሞም ተመባጺዖሞ ዝነበሩ 80,000 ኣሳይኡ 800,000 ንገዳም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ጼደንያ ህያብ ሃቡ። 

ቀጺሉ እቲ ስዑዳዊ ኣብ ዘዘንትዎ ዝነበረ ኩሉ ብዛዕባ እቲ ፍጻሜ “ኣስላማይ ከለኹ ከምዚ ጌረ፡ ወይ ከምዚ ኣጋጢሙኒ” እንዳ በለ ክዛረብ ጀመረ። እዚ ዘረደኣና እንተ ሃልዩ ድማ፡ ብድሕሪኡ ናብ ምስልምና ከም ዘይተመልሰ እዩ። እዚ ተኣምራት ግና ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ብዙሕ ኩርናዓት ዓለምን ንበረኸት ኮነ።

ነቲ ገባሬ  ተኣማራት ዝኾነ እግዚአብሔር ኣምላኽ ብጸሎት ድንግል ማርያም ኣቢሉ ዝገብሮ ዘሎ ተኣምራት ክብርን ምስጋናን ንዑኡ ይኹኖ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div