S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዓሚ ከምዚ ሎሚ! (ደንጕዩ ዝበጽሓና)

ዓሚ ከምዚ ሎሚ ብሕጋውን መንፈሳውን ኣገባብ መበል 118 ፓትርያርክ ሃገረ ግብጺ ፖፕ ቴድሮስ 2 ዝተመርጽሉ ክቡር ወርሒ ሕዳር እዩ። እቲ ብመትሮፖሊታን ብፁዕ ኣቡነ ባካምዮስ መሪሕነት ዝተኻየደ ወግዓዊ ምርጫ ፓትርያርክ ከኣ ብዲሞክርሲያውን ሓዋርያውን ሕጊ (ዕጫ) ሰብን እግዚኣብሔርን ዝተሓጎስሉ መንፈስ ቅዱስ ዝሠመሮ፥ ንዓለም ዘደነቐን ምርጫ እዩ ነይሩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እዚ ማለት እቲ ዝነበረ ሥነ-ሥርዓትን ሕጋዊ ኣገባብን ካብ ምቕራብ ሕጹያት

ኣትሒዙ ክሳብ ወግዓዊ ምርጫን ጽምብልን ሽመትን ኣፈጻጽማኡ ኩሉ ይትረፍ ንቤተ ክርስቲያን ግብጽስ ንኹሎም ክርስቲያን ዓለም ዝመሰጠን ግሩም መስርሕ ምንባሩ ብናይ ኦሬንታል ሊቃነ-ጳጳሳት፥ ካቶሊክን ወንጌላውያንን ኣብያተ-ክርስቲያናትውን ወከልተን ብምልኣኽ ተሳቲፈን ስለ ዝነበራ በቶም ኣብኡ ብኣካል ዝወዓሉ ዝሃብዎ ምስክር ምርግጋጹ እኹል እዩ።

ኣብ መንጎ ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያን ኤርትራን ግብጽን 1998 . ብቅዱሳን ኣቦታት ፖፕ ሺኖዳን ቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስን ብወግዒ ዝተፈረመ ፕሮቶኮላዊ ስምምዕ ኣሎ። ካብቲ 17 ዓንቀጻት ዝሓዘ ዝርዝር መንፈሳዊ ስምምዕ ሓደ ከኣ፥ ሥነ ሥርዓት ምርጫ ፓትርያርክ ክግበር ከሎ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ናይ ክልቲአን ከም ተዓዘብትን ናይ ክብሪ ዕዱማትን ኮይኖም ክሳተፉ ዝብል መንፈሳዊ ውዕል ይርከቦ። በዚ ምኽንያት እዮም ፖፕ ሺኖዳ ምስ 10 ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ግብጺ ኣብ በዓለ-ሢመት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 2004 . ናብ ኤርትራ መጺኦም ብወግዒ ዝተሳተፉ። ኣብ ኤርትራ ግና ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ዮፍታሄ ዝመርሖ ሲኖዶስ ስለ ዘሎ ኣብ ምርጫ ፓትርያርክ ግብጺ ክውዕልስ ይትረፍ ዘይተጸበዮ ዝያዳ ኵነኔን ተነጽሎን ደኣ ኣስዓበሉ። ወላኳ ኣቐዲሙ ዮፍታሄ ምስ ሰዓብቱ ንምእመናን ተዋሕዶ ንምድንጋርን ንፕሮፓጋንዳ ዜናን ክብል ከይተዓደመ ብሃንደበት ኣብ ሥነ-ሥርዓት ቀብሪ ፖፕ ሺኖዳ ኣብ ግብጺ እንተ ተራእየ ግፍዒ-ኢዶም ስለ ዝኸተሮም ይትረፍዶ ብወግዒ ዝቕበሎምሲ ሰላም! ማይ ስተዩ! ዝብሎምውን ከም ዘይረኸቡ፥ ባዕሎም ናብ ኣስመራ ምስ ተመልሱ ዝተዛረብዎ ሓቂ እዩ።

እወ! ዓሚ ከምዚ ሎሚ ኣብ ኣስመራ ልዕሊ 10 ጳጳሳትን እቲ በዓል እዋን ዮፍታሄን ኮፍ ኢሎም ከለዉ፥ አረ ንቅዱስ ሲኖዶስ ግብጺ ዓድሙና በጃኹም! ክንመጽእ ድልዋት ኢና እናበሉ ከለዉ፥ እቲ ወግዓዊ መጸዋዕታን ናይ ክብሪ-ዕድመን ግና ነቶም ኣሰር 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝኽተሉ፥ ብመንፈሳዊ መሪሕነት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝመሓደሩ ውሉደ-ክህነት ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን እዩ ተዋሂቡ። ስለምንታይሲ ሓቅን ሓሶትን፥ ብርሃንን ጸልማትን ኅብረት የብሉን። ሓቂ ከኣ ብሓሶት ተሳዒራ ኣይትፈልጥን። በዚ መሠረት ከኣ ኣብ ክንዲ 10 ጳጳሳት ካብቲ ብጭዋ ሰብ ዝምራሕ ሲኖዶስ ኣሥመራ ተሪፉ፥ እቶም ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝመርሕዎም 10 ኣቦታት ካህናት ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምውካል፥ ኣብ ምርጫ ፓትርያርክ ግብጺ ክሳተፉ ክብርን መሰልን ተዋህቡ።

እቶም ዓሚ ከምዚ ሎሚ፥ ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ንተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ወኪሎም ኣብ ምርጫ ፓትርያርክ ግብጺ ዝተሳተፉ ኣቦታት ካህናት እዞም ዝስዑቡ እዮም።

1.  ኣቦና ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ

2. ኣቦና ቆሞስ ከሰተ ገብረሚካኤል

3. ኣቦና ሊቀ-ካህናት ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሓንስ

4. ኣቦና ሊቀ-ካህናት ቀሺ ተኽለማርያም ምርካጽዮን

5. ኣቦና መላኣከ-ሰላም ቀሺ ወልደትንሣኤ ብርሃነ

6. ኣቦና ቀሺ ዲበ-ኩሉ ገብረወልድ

7. ኣቦና ቀሺ ኣትናቴዎስ ገብረኣብ

8. ኣቦና ቀሺ ጳውሎስ ኣምብሪኖ 

9. ኣቦና ቀሺ ፋኑኤል ሓጎስ (ብሰንኪ ቪዛ ኣይተሳተፉን)

10. ኣቦና ቀሺ ዮናስ ተሾመ (ብሰንኪ ቪዛ ኣይተሳተፉን)

እወ! ዓሚ ከምዚ ሎሚ! ሓቂ ዝሓዘ ክኸብር ሓሶት ዝመረጸ ድማ ክሓፍርን ክሓስርን እዩ ተራእዩ። ሕጊ ዝሓዘ ብሕጊ ክዕደም፥ ንልዕልና መንፈሳዊ ሕጊ ዝረገጸ ድማ ብወግዒ ክሕሰም እዩ ተራእዩ። ብተወሳኺ እቶም ንፍቓድ ኣምላኽ ዘይኮነስ፡ ንፍቓድ ሰብ ከሥምሩ፥ ተባሂሉ መንበር ተዋሕዶ ብኃይሊ ዝሓዙ ዝተናዕቁሉ፥ እቶም ምእንቲ ተዋሕዶ እምነቶም ክብሉ ፈተና ማእሰርትን ስደትን ዝቕበሉ ዘለዉ እሙናት ጓሶት ድማ ዝተሞጎስሉ እዋን እዩ። እምበኣር ካብዚ ፈጻመ እዚ ከነስተውዕሎ ዘሎናነቲ ኣምላኽ ዘኽበሮ፡ መን ከሕስሮ ይኽእል? ነቲ ኣምላኽ ዘሕሰሮኸ፥ መን ከኽብሮ ይኽእል?” ከምቲ ኣብ ቅዱስ ጽሑፍንሱ ምስ ከፈተ ሓደ እኳ ዘይዓጹ፥ ንሱ ምስ ዓጸወ ኸኣ ሓደ እኳ ዘይከፍት.ዮሓ 37 ዝብል ተጠቒሱ ዘሎ፥ ብሰብ ዝነፈሰ ይንፈስ፥ ዝተማህዘ ይመሃዝ፥ ዝተፋሕሰ ይፈሓስ፥ ንመንፈሳዊ ሓቅን ኣምላኻዊ ሕግን ክልውጥ ዝኽእል ሰብ ፍጹም የልቦን። ንሓዋርያዊ ሕጊ ከኣ ዝኾነ ሰብ ንብምልኡ ክቕበሎ ወይ ድማ ንብምልኡ ክሕሰሞ ነጻ ምርጭኡ እኳ እንተኮነ ኃይሊ ኣሎኒ! ብዝብል ድኹም ሓሳብ ክልውጦን ክዓብጦን ግና ኣይከኣልን እዩ።

እምበኣር ዓሚ ከምዚ ሎሚ እቶም እሙናትን ሰዓብቲ ተዋሕዶ ከም ወርቂ ዝተኾልዑሉ፥ እቶም ዘይእሙናት ጎዳእቲ ተዋሕዶ ድማ ከም ኩቦ ዝፈኾስሉ እዋን እዩ። ኣብዚ ዝያዳ ክንጽር ዘለዎ ከኣ ዮፍታሄ ዋና ኣማሓዳሪ ኮይኑ ዝመርሖ ኣኼባ ኣሥመራ፥ ክንዲ ቁራጽ-ጽፍሪ ትኸውን ሕጋዊ ሓላፍነትን መሪሕነትን ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ዘይብሉ ምዃኑ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ እዩ ካብ ምርጫ ፓትርያርክ ግብጺ፥ ካብ ጉባኤ ኦሬንታልን ኣብያተ ክርስቲያን ዓለምን ወትሩ ክስጎግን ክንጸልን ንርእዮ ዘሎና። እዚ ወላኳ ምድራዊ መቕጻዕትን ተነጽሎን እንተ ኾነ፥ እቲ ብዝያዳ ዘሕዝንን ዘፍርሕን ግና ካብ ኅብረት እግዚኣብሔርን ካብ እምነት ሓዋርያትን ምርሓቆም እዩ። ኣቱም ሰባት! ዝወደቐ ሰብዶ ኣይትንሥእን እዩ? መገዲ ዝተጋገየ ሰብዶኸ ኣይምለስን እዩ? ኤር 84

መገድና ንተዓዘብን ንመርምርን እሞ ናብ እግዚኣብሔር ንመለስ!!! ድጕዓ ኤር 340

እዝራ ጸሓፊ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div