S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ነብሰሄር ሓውና ኣብርሃ ገብረገርግስ ገብረ ናብታ ብተስፋ እንጽበያ ቅድስቲ ሃገር ሓሊፉ።

ናብታ ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፥ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፥ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፥ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፥ ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፥ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፥ ወይ ጫውጫው፥ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፥ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ” (ራእይ 213-4) እትብል ኢዩ ሓሊፉ ዘሎ።

ሓውና ኣብርሃ ካብቲ ዝቕበልሲ እቲ ዝህብ ኣዚዩ ይባረኽ.ሓዋ 2035 ካብ ዝብል ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል ተበጊሱ ንቤተ ክርስትያን ዝሃበ ዝደኸየ የለን ብዝብል ጭርሖ ኣብ ኣማኒ ህዝብና ዓቢ ጎስጓስ ብምክያድ ብኣቦ መንበርነት ናይ ሰበኻ ጉባኤ ክልተ ኣብያተ ክርስትያናት ማለት ቤተ ክርስትያን መድሃኔዓለም ኦክላንድን፣ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም ቤይ ኤርያ ሳንሊያንድሮን ኽግዝኡ ዝኸኣሉ ብዘይሕለል ጻዕሪ ሓውና ኣብርሃ ስለ ዝኾነ  እቲጽድቂ ዝገብር ኩሉ ጻድቕ” 1ዮሃ/37 ዝብል ቅዱስ ተግባር ብግብሪ ዝፈጸምካዮን ኣብ ቅድስና ህይወት ዝነበርካን እሙን፣ ሓቀኛ፣ ሕያዋይ ንህዝብኻን ቤተ ክርስትያንካን ውፉይ ኣገልጋሊ ዝነበርካ ብስጋ ካባና ብምፍላይካ እንተ ሓዘንና ብመንፈስ ግን ኩሉ ግዜ ካብ ኣእምሮና ኣይትፍለን ኢኻ።

ብመንፈስ ኣሕዋትካ፡ ኣባላት ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም ቤይ ኤርያ።

ታሪኽ ህይወት ነብሲሄር ኣብርሃ ገብረገርግስ ገብረ

ሓውና ነብሲሄር ኣብርሃ ካብ ኣቦኡ ገብረገርግስ ገብረ፣ ኣዲኡ / ኣረጋሽ ገብረገርግስ ኣብ ገዛላምዛ ዞባ ደቡብ 1941 ተወሊዱ።መባእታ ትምህርቱ፡ኣብ ቤት ትምህርቲ ድባርባ፣ማእከላይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቤት ገርግስ ኣስመራ፣ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቀዳማዊ ሃይለ ሥላሴ ኣስመራ ኣጠናቒቑ።

ኣብርሃ 1965 ንሓብትና ብርኽቲ ወልዱ ብቃል ኪዳን ተመርዕዩ፣ኣርባዕተ ኣወዳትን ክልተ ኣዋልድን፣(ብእምነት፣ ኣርያም፣ ሄለን፣ ኣቤል፣ ዳንኤል፣ ናሆምን) ወሊዶም።

ኣብርሃ 1959 ዝለዓለ ወታሃደራዊ ትምህርቲ ብምውሳድ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ስርሑ ጀሚሩ።ናይ ሎጂስቲክስ ሓላፊ ብምዃን ኣብ ሓጺር ግዜ ኣገልግሎቱ ናይ ካፕቴን መዓርግ ረኺቡ።

ካብ 1973-1975 ንዝለዓለ ትምህርቲ ብሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣሜሪካ ተላኢኹ ተማሂሩ።

ነብሲሄር ኣብርሃ ብዝነበሮ ክቱር ሃገራዊ ስምዒት ኣባል ናይ ውሽጣዊ ስርዒት ኣብ ከተማ ደብረዘይቲ ኮይኑ ሰውራዊ ግዴታኡ ኣብ  ዝነጥፈሉ ዝነበረሉ ግዜ ብገለ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወይጦታት ስለ ዝተጠቆመ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ 6 ዓመታት ብጽኑዕ  ማእሰርቲ ስለ ዝፈትዋ ሃገሩ ተሳቒዩ። ድሕሪ ኣሰቃቒ ናይ 6 ዓመታት ማእሰርቲ ምስ ተለቀ ኣብቲ ዝነበሮ ተኣፋፊ ወታሃደራዊ ቦታ ብምዃኑ ድሕሪ ማእሰርቲ ከቐጽልዎ ስለ ዘይከኣሉ፣ ኣብ ኩባንያ ኣንበሳ ናይ መጉዓዝያ ሓላፊ ኮይኑ ሰሪሑ ቀጺሉ። ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ሓይሊ መብራህቲ ምክትል ኣማሓዳሪ ኮይኑ ሰሪሑ። ብድሕር ብመንገዲ ሱዳን 1991 ናብ ሃገረ ኣሜሪካ መጺኦም። ኣብርሃ ፈታው ትምህርቲን ጻዕረኛን ስለ ዝነበረ ንዝለዓለ ደረጃ ትምህርቱ ብምቕጻል ኣብ ኣሜሪካ ናይ ቀዳማይ መዓርግ (ብቢኤ) ዲግሪ ድሕሪ ምምራቑ፣ ኣብ ናይ ነፈርቲ ጽገና ናይ ኣየር ክራፍት መካኒክነት ንዓሰርተ ዓመት ሰሪሑ።

ብድሕር ናይ ገዛእ ርእሱ ትካል ወናኒ ብምዃን ህይወቱ እናመርሐ፣ ብናይ ዓለማዊ መናባብርኡን ፋይናንሲያዊ ርኽበቱን  ከይተታለለ፣ ብዛዕባ ሰማያዊ ዘልኣለማዊ ህይወቱውን ብምሕሳብ ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ዝነበሮ ዓሚቕ እምነትን ተወፋይነትን ተወዳዳሪ ኣይነበሮን። ነዚ ምስክርነቱ፣

ኣብ ናይ ግሪኽ ቤተ ክርስትያን ጽግዕተኛ ካብ ዝነበርናሉ ግዜ ጀሚሩ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣማኒ ህዝብና ናይ ገዛእ ርእሱ ቤተ ክርስትያን ወናኒ ኪኸውን ኣለዎ ዝብል ክቱር ድሌት ስለ ዝነበሮ ናይ መድሃኔ ኣለም ቤተ ክርስትያን ኦክላንድ ንኽግዛእ ኣቦ መንበር ናይቲ ሰበኻ ጉባኤ ብምዃን፣ ኣብ ህዝብና ጎስጓስ ብምክያድ ንኽግዛእ ዓቢ ተራ ዝተጻወተ መንፈሳዊ ኣቦዩ።

በቲ ንኹሉ ብሩህ ዝኾነ ኣብ ቤተ ክርስትያንና ዘጋጠመ ኩነታት ካብ ኦክላንድ ናብ ሳልያንድሮ ምስ ገዓዝና ድማ ኣብርሃ ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ጉባኤን ኣቦ መንበር ናይ ገንዘብ ድለባን ብምዃን ነዞም ውሑዳትን ውፉያትን ኤርትራዊያን ኣባላት ቤተ ክርስትያንና ጠርኒፉን ኣወሃሂዱንንቤተ ክርስትያን ዝሃበ ዝደኸየ የለንብዝብል ጭርሖ ነዚ ዘለናዮ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም ቤይ ኣርያ ክንገዝእ ዝኸኣልና ብዘይሕለል ጻዕርን መንፈሳዊ ውፉይነትን ናይ ኣብርሃዩ።

ነብሲሄር ኣብርሃ ሎሚ ብስጋ እንተ ተፈልየና እዚ ቤተ ክርስትያን ሎሚ ንዓና ንኹሉ ኤርትራዊ ጽባሕ ንተካእትና ኤርትራዊያን ደቅና ሓወልቲ ገዲፉልና ይኸይድ ስለ ዘሎእታ ንቤተ ክርስትያን ዝሃበ ዝደኸየ የለንእትብል ጭርሖኡ ክልቲኤን ኣብያተ ክርስትያናት ንኽግዛኣ ዘተባብዐትን መንፈሱን ኽሳዕ በጺሓቶ ዘላ ዕጫ እትበጽሓና ካብ ኣእምሮ ናይ ነብሲ ወከፍ ኣባል ናይ ቤተ ክርስትያን እዚኣ ኣይርሳዕንዩ።

ሓደ ግዜ ምስ ኣብርሃ ኣብ ዕላልና ኣብ ህይወትካ ንሕብረተሰብካ ኣበርኪተ እትብሎ ነገር እንታይ ኣሎ ኢለ ምስ ሓተትኩዎ። ኣብርሃ ክምልሽ ከሎ፣ ኣብ ህይወተይ ምሉእ ናይ ሕሊና ዕግበት ዝሃበኒ ንህዝበይ ኣበርክቶ ጌረ ኢለ ዘሐብነኒ፣ ኣብዘን ክልተ ኣብያተ ክርስትያናት ናይ ምግዛእ ዝገበርኩዎ ንእሽቶ ኣበርክቶ ኢሉኒ።

እቲ ንኣብርሃ ንእሽቶ ኣበርክቶ ኮይኑ ዝተሰምዖ ግን ንሕብረተሰብ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ድማ ንኣባላት ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም ቤይ ኤርያ ዓቢ ኣበርክቶ ኢዩ። እዚ ኣበርክቶ ድማ ንኣብርሃ ከዘክሮ ዝነብር ህያው ታሪኽዩ።

ንኣብርሃ ሓውና መንግስተ-ሰማያት፣ ንበዓልቲ ቤቱ ሓብትና ብርኽቲን ደቁን፣ ኣሕዋቱ፣ ኣሓቱ፣ ቤተ ሰበኡን ኣዕሩኽቱን ንኹሎም ኣባላት ቅድስት ማርያምን ኣምላኽ ጽንዓት ይሃብ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div