S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ትምህርቲ ቅዱስ ወንጌል

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።
መእተዊ፡- እቶም ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ብምዃን ብጽድቂ ኪነብሩ ዝደልዩ ኩሎም ክስደዱ እዮም። 2ጢሞ 312 …ንስኻ ግና በቲ ዝተመሃርካዮን ዝተረዳእካዮን ነገር ጽናዕ ።ካብ እንመን ከም ዝተመሃርካ ትፈልጥ ኢኻ። 2 ጢሞ 314

ቅዱስ-ወንጌል

  • ወንጌል ንዝኣምን ዘድኅን ሓይሊ ኣምላኽ ኢዩ። ሮሜ 116
  • ወንጌል ብሥራት መንግሥቲ እግዚኣብሔር እዩ። ማቴ 423
  • ወንጌል ጥዑም ዜና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ሮሜ 1015
  • ወንጌል ብእምነት ዝርከብ ጽድቂ እዩ። ሮሜ 117

ትምህርቲ ወንጌል

  • መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ ተነስሑ። ማቴ 417
  • ዝኣመነን ዝተጠምቀን ክድኅን እዩ። ማር 1616
  • ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻ፥ ብምሉእ ነፍስኻ፥ ብኹሉ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ፥ ንብጻይካውን ከም ነፍስኻ ኣፍቅሮ። ማቴ 2237
  • ብወልድ ዝኣምን ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣለዎ። ዮሓ 336
  • ሥጋይ ዝበልዐ ደመይ ዝሰተየ ሕይወት ዘለዓለም ኣላቶ።ዮሓ 654
  • ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ  ኬሥምርዎ ኣይከኣልን እዩ። ዕብ 116

መምህራን ወንጌል

  • ጴጥሮስ ተፍቅረኒ እንተ ኮንካ ዕያውተይ ኣብልዕ ኣባግዐይ ሓሉ። ዮሓ 2115
  • ብዛዕባ እግዚኣብሔር ቅኑዕ ትምህርቲ ምምሃር ግደ ካህናት እዩ።ሚል 27
  • ኩሎም ኣህዛብ ከም ዝኣምኑን ከም ዝእዘዙን ክንገብር ብእኡ ጸጋን ሓዋርያነትን ተቐበልና። ሮሜ 15
  • ወንጌል እንተ ሰበኽኩ ዝምክሓሉ የብለይን ክሰብኽ ምዙዝ እየ።እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ። 1ቆሮ 916
  • ንስኻ ግና ምስቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዝሰማማዕ መሃር። ቲቶ 21
  • ነቶም ኣመንቲ ብቓል ብኣካይዳ ብፍቕሪ ብእምነት ብንጽህና ኣርኣያ ኩኖም።1 ጢሞ 412

ተማሃሮ ወንጌል

  • ናብ ኩሉ ዓለም ኪዱ ንብዘሎ ፍጥረት ድማ ወንጌል ስበኹሉ።ማር 1616
  • ናብተን ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ኪዱ፡መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ ኢልኩም ስበኹ።ማቴ 105
  • ብዙሓት ንሠናይ መን እዩ ዘርእየና ይብሉ ኣለዉ።መዝ 36
  • ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረኣየ ጓሳ ከምዘይብለን ኣባጊዕ ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ስለዝነበሩ ራሕርሓሎም። ማቴ 936
  • ነቶም ዝጠራጠሩ ኣረድእዎም፡ንገሊኦም ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም፡ንገሊኦም ድማ ደንግጽሎም።ይሁ 122

መጠቓለሊ

  • ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብሥራት መንግሥቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግብኣኒ እዩ ፡ምእንትዚ እየ መጺአ ዘሎኹ። ሉቃ 443
  • ንስኻትኩም ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ኩላ ይሁዳን ሰማርያን ክሳብ ወሰን ምድሪ መሰኻኽረይ ክትኮኑ ኢኹም።ግሓ 18
  • እቲ ንሕና እንሰብኮ ወንጌል ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን ብምሉእ ምርዳእን እምበር ብቓል ጥራይ ኣይመጸኩምን። 1ተሰ15
  • ኣብ ጽቡቅ መሬት ዝወደቐ ዘርኢ ገለ ሠላሳ፡ገሊኡ ስሳ፡ገሊኡ ድማ ሚእቲ ፈረየ። ማቴ 138
  • ትምህርቲ ወንጌል ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ብደረጃ ስድራ ቤት፥ ብደረጃ ዓዲ ብደረጃ ሃገር ብደረጃ ዓለም ይስፋሕ። ኩሉ ኣማኒ ተዋህዶ ንዕዮ ወንጌል ብትግሃት ፍቕርን ትሕትናን የገልግል።
  • ንኣርኪጶስ ድማነታ ብጎይታ ዝተቐበልካያ ኣገልግሎት ከም እትፍጽማ ግበርበልዎ። ቆላ 417 ኣነ ግና ኣገልግሎተይ ክሳብ ዝፍጽምን እቲ ጎይታ ኢየሱስ ዝሃበኒ ዕዮ ክሳብ ዝውድእን ንሕይወተይ ኣየናሕስየላን እየ፡፡ ከም ክብርቲ ገይረውን ኣይርእያን እየ። ኣገልግሎተይ ድማ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ምስባኽ እዩ። ግሓ 2024

ኣምላኽ ብወንጌለ-መንግሥቱ ይባርኸና !!!

ቀሲስ ሓለፍም ዓንደማርያም
ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው-ዮርክ 29 ታሕሳስ 2007 ..

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div