S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጸልዩ በእንተ ሰብኣ ግብጽ

ረቡዕን  ሓሙስን ክካየድ ብዝወዓለ ናይ ግብጺ ኣዕናዊ ግጭት ኣሕዋት፡ ዛጊት ኣብ መላእ እታ ሃገር 525 ሰባት ተቐዚፎም፡ 3,717 ከኣ ቈሲሎም ኣለዉ፡ ክብል ቢቢሲ ሓቢሩ'ሎ። ኣባላት እስላማዊ ሕውነት ከምዝገልጽዎ ግን እቲ ናይ ምዉታት ኣሃዝ ልዕሊ 2000 ከምዝበጽሕ እዩ። ጠንቂ ናይቲ ግጭት እንታይ ከምዝነበረ፡ ቢቢሲ ከምዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ኣቕሪቡ'ሎ።

መራሒ ግብጺ ነበር መሓመድ ሞርሲ ናብ ስልጣን ክምለሰሎም ጠለቦም ብተቓውሞ ንምግላጽ ኣባላት ናይቲ እስላማዊ ሕውነት ተባሂሉ ዝፍለጥ ውድብ ኣብ ክልተ መዓስከር ተኣኪቦም ነበሩ። ሰራዊት መሰጋገሪ መንግስቲ ኸኣ ንዕኦም ንምብታን ተባሂሉ ክልተ ቡልደዘራት  ሰደደ። ነቶም "ናህዳ" ኣብ ዝበሃል መዓስከር ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ፡ እቲ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ሰራዊት ብቐሊሉ ክብትኖም ከሎ፡ ነቶም ኣብ "ራብዓ ኣል ዓደውያ" ዝነበሩ ግን ብቐሊሉ ክብትንዎም ብዘይምኽኣሎም ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ኣኸተለ'ሞ፡ እቲ ግጭት ሰማይ ዓረገ። በቲ ግጭት ከኣ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረት መስጊድ ነደደት። ድሕሪ' ኣባላት እስላማዊ ሕውነት ሕነ ንምፍዳይ፡ ኣብ ህንጻታት መንግስቲ፡ ነቝጣታት ፖሊስ፡ ከምኡውን ብግብጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ዝውነና ኣብያተ ክርስቲያን ብሓዊ ናይ ምቅጻል ስጉምትታት ወሲዶምን ይወስዱ ኣለዉን።

ነቲ ኩነታት ካብ ፖለቲካ ኣውጺኦም ሃይማኖታዊ ከምስልዎ ዝፍትኑ ወገናት ስለዘይተሳእኑ ኸኣ መራሒ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ባራክ ኦባማ፡ ሰላማውያን ሰባት እናተቐትሉ፡ ንሕና ናይ ዝኾነ ጸግዒ ክንወስድ ኣይንደልን ኢና ከምዝበለ ክፍለጥ ተኻኢሉሎ። ምስቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ክግበር ተሓሲቡ ዝነበረ ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ልምምድ ይኹን ካልእ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ከምዘቋርጾ ኸኣ ኣፍሊጡ።

መሓመድ ሞርሲ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ፕረሲደንት ሃገረ-ግብጺ ንምዃን ብህዝቢ ተመሪጹ ዝተዓወተ ቀዳማይ መራሒ እታ ሃገር ምንባሩ ናይ ቀረባ እዋን ተዘክሮ እዩ። ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣትሒዙ ግን ብሰራዊት ግብጺ ካብ ስልጣኑ ብዕልዋ ስለዝተኣልየ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከብ። በዚ ዘይተሓጐሱ ኣባላት እስላማዊ ሕውነት ድማ ተቓውሞ ንምግባር ስለዝተላዕሉ ምስቲ ወተሃደራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ግጭት ከምዝኣተው ይፍለጥ።

በዚ ይኹን በቲ ህዝቢ ግብጺ ዛጊት ሰላም ከስተማቕር ይኹን ብህድኣት እምነቱን ሃይማኖቱን ኣኽቢሩን ተኸባቢሩን ክነብር ኣይከኣለን ዘሎ እሞ፡ "ጸልዩ" እንተተበሃልና፡ ነቲ ወሃቢ ሰላም ዝኾነ ኣምላኽና፡ ነታ  ሃገር ብመላኣ ሰላሙ ክህባን ከህድኣን እምበር፡ ከምቲ ገሊኣቶም ብታህዋኽ ዝህንደድዎ፡ እቲ ፍርዲ ናብ እግዚኣብሄር ኣብ ክንዲ ምግዳፍ ክንፈርድ ከይንርከብ ክንጥንቀቕ የድልየና። እቲ ከሃሌ-ኩሉ ዝኾነ ኣምላኽና ብዘይ ኣድልዎ ንኹሉ ከከም ግብሩ ክፈድዮ ስለዝኾነ ድማ ስለ ኹሎም ሰብኣ-ግብጽ ክንጽሊ እግዚኣብሄር ይደግፈና።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div