S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ምናልባሽ ንኸንቱ ኸይጐዪ ወይስ ጐይየ ኸይህሉ

ፍልሰት መንእሰያት ካብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን፡- ጠንቁን ሳዕቤናቱንዝብል መጽናዕታዊ ሓሳብ ዱብ ኢሉንስ፡ ሓፍ ምባሉ ክሳዕ ዝስእን ከኣ ነዚ ረዚን ሓሳብ ተሰኪመዮ እዘውር ኣለኹ። እቶም ትማል ምሳና ዝነበሩ እሞ፡ ሎሚ ግን ኣብቲ ካልእ ደምበ ግዒዞም ዘለዉ መጠን-ኣልቦ መንእሰያት፡ ምኽንያት መጥፊኢኦም ኮን እንታይ ኔሩ ይኸውን፡ ንሶም ስለዝበደሉ ጥራይ ድዩ፡ ወይስ ንሕናውን በዲልና ኢና ዝብል ወጣሪ ሕቶ ድማ እየ ንነብሰይ ዝሓታ ዘለኹ። እታ ዝወለደት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክንዲ ንምእካብ እትጽዕርሲ፡ ንምስጓግን ንምብታንን እትተግህ ብሓቂ ካብ ልባ ኾን ትኸውን?! ዝብል ድማ አስዒበ አስተንትን። ብሓቂ ስምዒታዊ ዘይኮነስ ወድዓዊ ገምጋም የድልየና!!

ምስጓግ መንእሰያት ንቤተክርስቲያን ጠቐማ ሃሰያ? ምዕጻው እተን ዝነበራ ናይ ሰንበት ኣብያተ ትምህርቲ ርጡብ ውሳነ ድዩ ኔሩ? ነቶም ዝኸሰርናዮም መንእሰያት፡መናፍቓንዘበሎም ምኽንያት ብዘመናዊ መሳርሒ ሙዚቃ ምዝማሮም ድዩ? ብዋጣ እናተዘመረ እንዶ ግዳ ስቕ ኢልና ንርኢ የለናን ኣርጋኖን ደኣ እቶም እንንየተሎም በዓል ያሬድ እኳ ንዕዑ ሰሚዖም ከምዝተጸልዉ እንድዩ ኣብቲ ታሪኾም ተጻሒፉ ዘሎ፡ወሰምዐ በህየ ቃለ እንዚራ ወቃለ ኣርጋኖን ወቃለ መሰናቅው እንዘ ይሴብሕዎ ለንጉሥ ዓቢይ በዓውደ መንበሩ ቅዱስሥርዓተ ማኅሌት ዘኣቡነ ያሬድ ሊቅ ገጽ 23-24 ተመልከት። እሞ እቶም ዝኸሰርናዮም መንእሰያት ደኣ ተማዒዶም ኣብ ቤቶም እንተዝቕጽሉ ኣይምሓሸን? ብሓቂ ስምዒታዊ ዘይኮነስ ወድዓዊ ገምጋም የድልየና!!

እቲ 16 ታሕሳስ 2000 ኣብ ቤተክርስቲያን ቅድስት ሥላሴ ዕዳጋ ሓሙስ ኣስመራ ዝተገብረ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምቅጻል፡መንፈሳዊ እዩ ኔሩዲና ክንብሎ? እቲ ኣብ ክልተ ቕኒኡ 30 ታሕሳስ 2000 . ኣብ ኣዳራሽ ፍኖተ ብርሃን ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ዝተኻየደ ስርሒትከ? ነቲ ምንዳድ ቅዱሳት መጻሕፍትን ልብሰ መዘምራንንሲቅዱስ ተልእኾዲና ክንብሎ?! በዚ ፍጻሜ እዚ ሓበን ዝስምዓና እንተኾንና እምበኣር ብሓቂ ስምዒታዊ ዘይኮነስ ወድዓዊ ዝኾነ ገምጋም ምግባር ከድልየና እዩ።

ብወገን እቶም መንእሰያትከ? ንሶም ዝገበርዎም ዝነበሮምን ጉድለታት ምናልባት ሓደ፡ ክልተ ጥራይ ዘይኮነስ ብዙሕ ምንባሩ ምንም ዘከራኽር የብሉን። ብመሰረቱ ነታ ብበትሪ ዘባረረቶም ኣዲኦም ብኸምኡ ጠንጢኖማ ምኻዶም ኸኣ ንጽንዓት እምነቶም ዘገምግም ምዃኑ ንሰማምዓሉ ይመስለኒ። የግዳስ ናይ ካልእ ገዲፍና ናይ ባዕልና እንተተዛረብና እዩ ዘምሕረልና እሞ፡ እቶም ናብ ካልእ ከይዶም ዝዝምሩ ዘለዉ ዘመርትስ  ኣብታ ዘዕበየቶም ቤተ ክርስትያን ኮይኖም  እንተዝዝምሩ ዶ ኣይመነየተናን? ስምዒታዊ ዘይኮነስ ብሓቂ ወድዓዊ ዝኾነ ገምጋም የድልየና ኣሎ።

ኣብቶም ተሪፎሙና ዘለዉ ከምኡ ዓይነት ጌጋ ምእንቲ ከይፍጸም ብምባል ድማ እምበር ንዝሓለፈ ጥራይ ክንግምግም ስለዝደለኹ ኣይኮንኩን ዝጽሕፍ ዘለኹ። እከለ ተወጊዙ፡ እከለ ተሰጒጉ ዝብል ዛንታ፡ ነታ ጐረቤትና ዝኾነት ኢትዮጵያ፡ ኣድከማ ደኣምበር ኣየዐወታን እሞ ኣባና ድማ ብሕጂ ዝስጐግ ይኹን ዝውገዝ ወዲ ቤተክርስቲያን ኣይሃልወና!  “እቲ ምስ ጐይታ ኮይኑ ዘይእክብ ይብትንዝብል ቃል እንታይ ማለት ምዃኑ፡ ብስምዒት ዘይኮነስ ንስጉምትታና ወድዓዊ ገምጋም ክንገብረሉ እዋኑ ይመስለኒ!

እግዚኣብሄር ይሓግዝ!!

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div