S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክህነትን ብረትን ኣብ ዝባን ሓደ ሰብ!

ኣብ ቅዱስ ወንጌልንኽልተ ጎይቶት ክግዛእ ዝኽእል ሐደ እኳ የልቦን፥ ከመይ ነቲ ሓደ ክጸልእ፥ ነቲ ሓደ ከፍቅር፥ ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ኬኽብር፥ ነቲ ሓደ ኬሕስር እዩ።ዝብል ኣሎ።ማቴ 624 በዚ መሠረት ድማ ዝኾነ ሰብ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ሕጊ፥ ወታሃደር ናይ ክርስቶስን፥ ወተሃደር ናይ ምድራዊ ንጉሥን ክኸውን ፈጺሙ ዝከኣል ኣይኮነን። ክሕሰብውን ኣይምተገብኦን። ይኹን እምበር ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብዙሓት ኦርቶዶክሳውያን ካህናትን ዲያቆናትን ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ግዱድ ዕስክርና ሳዋ ንዓመታት ከርተት ከም ዝበሉን፥ ገና ከርተት ይብሉ ከም ዘለዉን ኩሉ ኣማኒ ተዋህዶ ክፈልጦ ይግባእ።

ኣብ ሃገርና ኤርትራ 1994 .  ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ተኣወጀ፥ ውሑዳት ካህናትን ዲያቆናት ብምምሕዳራት ተገዲዶም ናብ ሳዋ ክወርዱ ምስ ጀመሩ፥ በቲ ጉዳይ ብዙሓት ስለ ዝጎሃዩን ጥርዓን ስለ ዘቕረቡን ነዚ ጉዳይ ብሰፊሑ ተዘሪቡሉ ነይሩ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ 1997 . ብቤት ጽሕፈት ዞባዊ ምምሕዳር ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖት ማለት ውሉደ-ክህነትን መሻይኽን ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ነጻ እዮም፥ዝብል መንግሥታዊ ትእዛዝ ብወግዒ ተኣዊጁ ከምዝነበረን፥ እቲ ደብዳበ ናብ ኣብያተክርስቲያናትን መሳጊድን ከም ዝተዘርግሐን ብዙሓት ዝፍለጥዎ ሓቂ እዩ።

እንተኾነ ግና እዚ ንመራሕቲ ሃይማኖት ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ነጻ ዝብል ዝነበረ ጽቡቕ መምርሒ ብሃንደበት ፈሪሱ፥ ኩሎም ትሕቲ 45 ዓመት ዝኾኑ ካህናትን ዲያቆናትን ናብ ሳዋ ክኸዱ ተገደዱ። ብፍላይ ኣብ 8ይን 9ይን ዙርያ ካብ ገጠራትን ከተማታትን ብብዝሒ ውሉደ-ክህነት ተገፊፎም፡ መስቀሎምን ናይ ጸሎት መጻሕፍቶም ተሓዲጎም፥ ኣብ ርእሲ መንፈሳዊ-ክህነት፥ ወተሃደራዊ-ብረት ክዓጥቁ ተሪር ትእዛዝ ተዋህቦም። በዚ ምኽንያት ከኣ ብዙሓት ዓድታት፥ ካህናት ስኢናን ተዓጽዋ። ገለ ዓድታት ከኣ ሥነ- ሥርዓት ጥምቀት፥ መርዓን ቀብርን ክደልያ ከለዋ ናብ ከተማን ናብ ርሑቕ ገዳማትን ከይደን እናለመና መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንክረኽባ ኣብ ከቢድ ፈተናን ሽግርን ወደቓ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ንህላዌን ቀጻልነትን ቤተ ክርስቲያን ዝፈታተን ከቢድ እዋን፥ ሱቕ ኢልካ ምርኣይ ግቡእ ኣይኮነን ዝበሉ፥ ገለ ኣቦታት ጳጳሳትን መራሕቲ ገዳማትን ኣብ ሚያዝያ 2001 . ነቲ ሽግር መንግሥቲ መሠረታዊ ፍታሕ ክገብረሉን፥ እቶም ድሮ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኣተዉ ኩሎም ልዕሊ 1650 ዝኾኑ ካህናትን ዲያቆናትን ከኣ ብሕጋዊ መገዲ ክፋነዉን ዝብል ጥርዓንን ልማኖን፥ ብደረጃ መንበረ-ፓትርያርክ ዝርዝር ኣስማቶምን ዘገልግልሉ ዝነበሩ ኣብያተ ክርስቲያንን፥ ዘለዉዎ ኣሃዱታትን ብግቡእ ተመዝጊቡ ብወግዒ ናብ ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት፥ ብቕዳሕ ድማ ናብ ሚኒስትሪ ምክልኻል በለዛ ተላእኸ። ዝተረኽበ ፍታሕ ግን ፈጺሙ ኣይነበረን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ኦርቶዶክሳውያን ውሉደ-ክህነት ምግፋፍን ምዕስካርን ልሙድ እናኾነ ከደ።

ኣብ ሳዋ እንተ ወሪድካ፥ ካህን ኩን ዲያቆን፥ ፈላሲ ኹን መዘምር ዘገድሶም ኣይኮነን። ሓንቲ ዝብሉኻኣብዚ ቅድሚ ምምጻእካ፥ ብምምሕዳርካ ፍታሕ ክትረክብ ነይሩካ። ሕጂ ግና ከም ማንም ወተሃደር ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኢና ንርእየካ” ይብሉ። ታዕሊም ወዲእካ ናብ ክፍለ-ሠራዊታት ምስ ተላኣኽካ ድማ ግቡእካ ወዲእካ ክሳብ ትጣየስ ብወተሃደራዊ ሕጊ ክትጎዓዝ ኣሎካ እዩ። እዚ ማለት ከኣ ብረት ሒዝካ ኣብ ውዑይን ዝሑልን፥ ኣብ ሕማቕን ጽቡቕን፥ ኣብ ኵናትን ዕንወትን፥ ክትኣቱ ምዃንካ ይንገረካ። ጾምን ጸሎትን ምግባር፥ መጽሓፍ ቅዱስካን ዳዊትካን ምንባብ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ከም ገለ ጽቡቕ ዕድል እንተ ኣጋጠመካ ግና፥ ኣብ እንዳ ህንጻን እንዳ ሕርሻን ኣብ ቁጠባን ትምደብ እሞ ምስ ክህነትካ መንፈሳዊ ዕላማኻን ዘይጻረር፥ ሕልናኻ ዘይወቅሰካ መደብ ስራሕ ይወሃበካ። ብኣምላኽ ሕያዋይ መራሒ እንተ ረኸብካ ድማ ንኽብሪ ክህነትካ ዘይትንክፍ ምስ ዓቕምኻን ደረጃ ትምህርትኻን ዝመዛዘን መደብ ስራሕ ይወሃበካ።

ብሓፈሻ ሕጊ-ክህነትን ሕጊ-ብረትን ፈጺሞም ዘይሰማምዑን፥ ዘይቀራረቡን መጻርርቲ እዮም። ምኽንያቱ ክህነት ናይ ሕይወት፥ ብረት ከኣ ናይ ሞት መሣርሒ ስለ ዝኾነ። ካብ መዛግብቲ መንበረ-ፓትርያርክን ናይ ሃገረ ስብከታትን ብዝተረኽበ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 4235 ኦርቶዶክሳውያን ካህናትን ዲያቆናትን ናይ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ኣብዚ ዝተገልጸ ከቢድ ፈተና ሃገራዊ ኣገልግሎት ተሳቲፎም እዮም። በብእዋኑ ድማ ኩሎም ናይ ርድኡና መልእኽትታት ጽሒፎም እዮም። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ዝተስውኡ፥ ዝሰንከሉን መውደቒኦም ዘይተፈልጠን፥ ካልኦትውን ገና ኣብ ምክልኻል ንዓመታት ከርተት ዝብሉ ዘለዉ ውሉደ-ክህነትውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ገሊኦም ድማ ዘጣይሶም ስኢኖም፥ ተስፋ ቆሪጾም፥ ናብ ፈቐዶ ሃገራት ብስደት ፋሕ ብትን ዝበሉ ኣለዉ። ኣብዚ ብዝያዳ ክበርህን ክንጸርን ዘለዎ ግና መንፈሳውያን ኣገልገልቲ፥ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስታፍሲ ንሃገርና ብሓቂ የርብሓዶ ወይስ ይጎድኣ እዩ ዘሎ? ኢልካ ምሕታትን ምግምጋምውን ኣገዳሲ እዩ። ስለ ምንታይሲ መራሕቲ ሃይማኖት እቲ ንህዝብን ሃገርን ዝህብዎ ትምህርትን ሃይማኖታዊ-መሪሕነትን ከም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይሕሰበሎም ምኽንያት ኣይነበረን። ይኹን እምበር እዚ ሽግር እዚ ገና ዝቕጽል ዘሎን መፍትሒ ዘይተረኽቦን ከቢድ ጉዳይ እዩ። ማዕርገ ክህነትን ወተሃደራዊ ብረትን ኣብ ዝባን ሓደ ሰብ ክሕንገጥ ድማ ዘይንቡርን ዘይግቡእን ምዃኑ ኩሉ ሰብ ክፈልጦን ዓገብ ኢሉ መፍትሒ ክደልየሉን ሓላፍነት ናይ ኩሉ ኢዩ።

ልዑለ ባሕርይ እግዚኣብሔር ራህዋን ምሕረትን የውርደልና!

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም

ቅዱስ ሚካኤል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሻርሎት ሰሜን ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div