S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ እንታይ’ዩ ዝግበር ዘሎ !!!

ብመሠረቱ ክርአ ከሎ ቤተ-ክርስቲያን ቤት ጽድቅን ቅድስናን እያ። ስለ ዝኾነት ድማ ካብ ቅድስና ወጻኢ፥ ናይ ዝኾነ ዓለማዊ-ተግባር መጋበሪያ ኮይና ክትርከብ ምስቲ ብቕድስና ዝፍለጥ ዕላማኣ ዝሳነ ኣይኮነን። ኣብቲ ነዊሕ ዝኸይድ ታሪኻ እንተረኣና ግን፥ ብዙሕ ሓጎጽጎጽ ብዝነበሮ ከቢድ ፈተና ሓሊፋ ከምዝመጸት ኢና ክንርዳእ ንኽእል። ዘይተቐበለቶ ፈተናውን ኣሎ ኣይበሃልን። እቶም ኩሎም ዝሓለፉ ቅዱሳን ኣቦታትና ብዝኸፈሉዎ ናይ ሠማዕትነት ዋጋ ድማ፥ እንሆ ህልውናኣ ዓቂባ ንኽትነብር ኣብ ከቢድ ቃልሲ ትርከብ ኣላ።

ከምቲ ዝተባህለ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣብቲ ነዊሕ ታሪኻ ብዙሕ ፈተናታት በጺሑዋዩ። እቲ ዝዓበየ ተባሂሉ ክግለጽ ዝኽእል ፈተና ግን፥ እቲ ብኃይልታት ፖለቲካ ክግበረላ ዝነበረ ጸቕጢ ክበሃል ይከኣል። ስለ ዝኾነውን ካብ ተጽዕኖ ፖለቲካ ነፃ ኮይና ክትንቀሳቐስ ዕድል ስለ ዘይረኽበት፥ ከምቲ ተልእኮኣ ወንጌል ክትሰብኽን ቤታ ከተመሓድርን ኪኢላ  ምባል ከምዘይከኣል፥ ታሪኽና ዘረጋግጾ ሓቂዩ። ስለዝኾነ ድማ እንሆ ሕጂውን እቲ ናይ ፖለቲካ ሕማም ፈውሲ ተሳኢኑዎ፥ ንቤተ-ክርስቲያንና ከማስና ይርከብ ኣሎ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ነዊሕ ናይ ነገሥታት-ዘመን፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ፖለቲካ ነይራ እንተተባህለ፥ ብተዛማዲ ክረአ ከሎ ክብራ እናተሓለወ ነይሩ ክብሃል ይከኣል። ማለት ካብቲ ፖለቲካ ዝሓንጸጸላ ክሊ ወጻኢ ደኣ ክትከይድ ኣይፍቀዳን እምበር፥ ብሕጊ ዝተሓለወ መሰልን ክብርን ኣይነበራን ክበሃል ግን ኣይከኣልን። ከመይሲ እቶም ነገሥታት ኣብ ኣጸድ-ቤታ ዝሰግዱን መስቀላ ዝሳለሙን እዮም ነይሮም። ንርእሶም እቶም ጽኑዕ ኦርቶዶክሳዊ ከም ዝነበሩ ዝንገረሎም ኃጸይ-ቴድሮስውን፥ እቲ ነይሩዎም ዝበሃል ጽልኢ ምስ ዉሉደ-ክህነት እምበር ምስ ቤተ-ክርስቲያን ኣይነበረን።

ብዝኾነ ብኣጣቓላሊ ክርአ ከሎ እቲ ናይ ትማሊ ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያንና ነዚ ዝመስል ክበሃል ይከኣል። ሎሚ ኣብ መበል 21- ክፍለ-ዘመን ንርከብ ከም ምህላውና መጠን ግን፥ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ በቲ ዝሓለፈ ሕማማ መሊሳ ክትድገስ ማንም ዝተጸበዮ ኣይነበረን። እዛ በዓልቲ ፊደልን ቋንቋን ታሪኽን ዝኾነት ዓባይ ቤተ-ክርስቲያን፥ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ እዋን መጋበርያ ፖለቲካ ኮይና ክትርከብ ማንም ኣይተጸበዮን። እሞኸኣ ኣብ ዘመነ-ነፃነት ? ዝበሃል ዘመን፥ ክብራ-ክግሰስን ,ሕግታታ-ክፈርስን , ቀኖኖኣ-ክጠሓስን , ቅድስናኣ-ክራኸስን መን እዩ ተጸብዩዎ ?!

ንኣብነት ካብዚ ዝሓለፈ ዓሠርተው ክልተ ዓመት ኣትሒዝና፥ ሓደ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ዝበሃል ስም ተደጋጊሙ ክጽዋዕ ንሰምዕ ኣሎና። እዚ ሰብ ግን ዝኾነ ምስ ቤተ-ክርስቲያንና ዘራኽብ ዘይብሉ ባዕዲ ዝኾነ ሰብዩ። ይኹን እምበር ኣብቲ ሕጂ ዘሎ ህልው ኩነታት መጺእካ ክዝረብ ከሎ ግን፥ ናይ ፖለቲካ ውክልና ሒዙ ንቤተ-ክርስቲያና ብቐጻሊ ከፍርሳን ከዕንዋን ዝርከብ ዘሎ ሰብዩ። ማለት ንሱ ብዝመርሖ ኣድማ: ፓትርያርክ እንጦንዮስ ካብ መንበሮም ወሪዶም። ንሱ ብዝሕተተሉ ሓላፍነትውን ኣብ መቝሕ ኣትዮም ይርከቡ ኣለዉ።

ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ከምቲእዋኑ ዝሃቦ ሓምሓምሲ እምኒ ይሰብርዝበሃል፥ እቲ ፖለቲካ ኣብ ዘጣጥሓሉ መንበር ተቐሚጡ፥ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ነበረት ነበረት ንምግባር ዘይፍንቅሎ እምንን ዘይኵዕቶ ጉድጓድን የልቦን። በቲ ዉሉደ-ክህነትና ተሰካም ጠበንጃ ብምግባር ዝወስዶ ዘሎ ስጕምቲውን፥ ስፍሪ ቁጽሪ ዘይብለን ኣብያተ-ክርስቲያናትና ማዕጾአን ኣብ ምግፋታን በጺሐን ኣሎዋ። ከመይሲ ንሱ ዮፍታሔ ሓደ እዋንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ በዓቲ ሸፋቱ ክትከውን ኣይንሓድጋን ኢናኢሉ ነይሩዩ። ብኣበሃህላኡ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝርከብ ዉሉደ-ክህነትና ብሙሉኡ ሽፍታ ምዃኑ እዩ።

ሕጂ ድማ ነቶም ብወጻኢ-ዓለም ኣፍልጦ ሲኢኖም፥ ኣብ ኣሥመራ ተዓሺጎም ዝርከቡ ዘለዉ ኣባ ዲዮስቆሮስ ኣኸቲሉ ብምምጻእ፥ ኣብ ሃገረ-ጀርመን ኣብ ልዕሊ ዝርከባ ኣብያተ-ክርስቲያናት ሓዊ ክመልስ ይርከብ ኣሎ። ምንብርካኽ ንዝኣበዩዎ  ካህናትውን ተወጊዝኩም ኢኹም ክብል ይስማዕ ኣሎ። ንምዃኑውግዘት”  እንታይ ማለት ምዃኑ ዮፍታሔን እቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉን ኩሎም እምበርዶ ይርድኦም ? ዝተኣስረ ሰብ ክኣስር ከምዘይክእል፥ ዝተወገዘውን ከምኡ ከውግዝ ዘይክእል ምዃኑ ገናዶ ክስወጦም ኣይክእልን እዩ ? እቲ ዝገብሩዎ ዘለዉ ኵሉ መስሓቕ ሸራፋት ይገብሮም ምህላዉኸ ይርድኦም ደኾን ይኸውን ?

መቸም ዮፍታሔ ደኣ ተሓቢኡ ዘሎ ይመስሎ ይኸውን እምበር፥ ምሥጢር እዚ መገሻ እዝስ ኩሉ ፈሊጡዎ ዘሎ እዩ። ማለት በቲ ኣብ መንጉኡን ኣብ መንጎ ሲኖዶስን ተፈጢሩ ዘሎ ከቢድ ወጥሪ፥ ዓቕሉ ስለዝጸበቦ ከም ሓውሲ ህድማ ሃጽ ኢሉ ከምዝመጸ ርጉጽ ሓበሬታ ኣሎና። እቲ ሲኖዶስ ኣባ-ማርቆስ ጳጳስ ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ከም ምዃኖም መጠን፥ ጉዳይ ኤውሮጳ ንዕኦም ዝምልክት ብምባል ነዚ መገሻ ነጺጉዎ እዩ። ዮፍታሔ ግንዝጸበቦስ መቓብር ኣቡኡ ፋሕተረከምዝበሃል ስለዝኾኖ፥ ንውሳኔ ሲኖዶስ ጥሒሱ እንሆ ብገንዘብ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ሆቴላት ኤውሮጳ ጠንቀላዕላዕ ክብል ይርከብ ኣሎ።

ወዮ ደኣ እቲ ጉዳይ ንዕኡ እንታይ ስለዘይኮነ ኣየሕምሞን እዩምበር፥ እቲ ካብ ኣፍ ኣባ-ዲዮስቆሮስ ክወጽእ ዝስማዕ ዘሎ ቃላትሲ፥ ንልቢ ደቂ ቤተ-ክርስቲያን እናሕመመ ዝርከብ ዘሎ። ንሶም እንኳንዶ ሎሚ ኣብዚ ሕጂ ዘለዉዎ ዕድመ ኮይኖም፥ ትማሊውን ብዛዕባ ዘረባ ዝፈልጡዎ ነገር ኣይነበሮምን። እታ ቤተ-ክርስቲያን ዕራቓ ወጺኣ ክትዋረድ ስለዝተደልየ ግና፥ ብኣፍ ጳጳስ ክብሃል ዘይግብኦ ቃላት፥ ክብሉ ይደፋፍኦም ኣሎ። ንሱ ተልእኮኡ ኢዩ ዝፍጽም ዘሎ፥ እንተ ንሶም  ኣየናይ ኢሎሞ። ንዅሉ ነገር እታ ትጽቢት ዝግበረላ ዘሎ መዓልቲ ቀሪባ እያሞ፥  ካብ ሕጂ ጀሚሩ ነቲ ዘይተርፈሉ ዕዳ መልሲ ቀሪቡ ክጸንሕ ከምዝግብኦ ይዝንግዖ  ኢዩ ኣይንብልን።

ብዝተረፈ እቲ ብዕለት 2 ግንቦት 2013 ኣብ ላንገን በቶም ካብ ኣሥመራ ዝመጻእኩም ዝተጸውዐ ጉባኤ፥ ንሕዝቢ ተዋሕዶ ንምብትታን ተባሂሉ ብካድረታት-ፖለቲካ ዝተወደበ ስለዝኾነ፥ ኣይንበርከኹልናንዮም  ንዝበልኩሞም ብኃይሊ-ፖሊስ ከምዝወጹ ወይ ከምዝኽልከሉ ምግባርኩም፥ ናይቲ ብጉልባብ ሃይማኖት ዝጸዋዕኩሞ ጉባኤ፥ ሕቡእ ኣጀንዳኡ እንታይ ከምዝነበረ ነቲ ክርዳእ ዝደልስ ተረዲዎ እዩ። እቲ ዝኣከብኩሞ ሕዝቢ ተደናጋጺ ኣባል ፖለቲካ እምበር፥ ብዛዕባ ሃይማኖት ኣፍልጦ ዝነበሮ ከምዘይኮነ በቲ ካብ ኣፍ ሕዝቢ ክስማዕ ዝወዓለ ሥነ-ምግባር ዘይብሉ ቃላት ክፍለጥ ይከኣልዩ። እቲ ብጉልባብ ሃይማኖት ክግበር ዝድለ ናይ ፖለቲካ ጸወታ ግን ኣብቂዑ እዩ። ድሕሪ ደጊም ብናታትኩም ምፍርራህን ምጕብዕባዕን ተዳሂሉ ንድሕሪት ዝምለስ ሕዝቢ የለን።

ፍተዉ ጽልኡ ሕዝቢ ተዋሕዶ ኢድኩም ኣክቡልና ዝብለኩም ዘሎ። ጉዳይ ተዋሕዶ ንሕዝቢ ተዋሕዶ እምበር ንዮፍታሔ ኮነ ጎይቶት ዮፍታሔ ዝምልከት ኣይኮነን። ኣባላት ህግደፍ ኣኪብካ ብዝግበር ጫውጫው ከኣ ክደናገር ዝኽእል ሕዝቢ የልቦን። ሕዝቢ ተዋሕዶ ሥልጣን ዮፍታሔ ኣይፈልጥ ፓትርያርክነት ኣባ-ዲዮስቆሮስ ኣይቅበል እዩ ዝብል ዘሎ። ነቲ ሥራሕ ካድረ ክሠርሕ ዝመጸ ቀሺ ገረታትዮስ ክሰጕግ ዝኸኣለውን ካብዚ ነጥቢ ተበጊሱ እዩ። ብውግዘት ኣቢልካ ክግበር ዝድለ ዝነበረ ምፍርራህውን፥ እቲ ዉሉደ-ክህነት ስለዝተብዐን ዝነቕሐን ከም ዘይሠርሕ ተረጋጊጹ እዩ። መላእኽትን ኣጋንንትን ዘራኽብ ጉዳይ ከምዘይብሎም፥ ንሕናን ንስኻትኩምን እውን እንራኸበሉ ጉዳይ የልቦን። ፖለቲካኹም ንዓኹም ሃይማኖትና ድማ ንዓና።

ብሃይማኖቶም ቀናኣት ደቂ-ተዋህዶ 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div