S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ምንጪ ሓቂ ክርስቶስ፥ ምንጪ ሓሶት ከኣ ዲያብሎስ!

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ  መገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እየ(ዮሓ 14፡5-6) ምስ በለ፥ ንዓና ከኣ ብቅኑዕ መገዲ ክንጓዓዝ፥ ኣብ ሓቂ ክንጸንዕን፥ ክብሪ

ናይ ሕይወት ክንፈልጥን ብግቡእ መሃረና። ንሓቂ ሓዝዋ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ከተውጽኣኩም እያ! ዝብል ግሩም ትእዛዝ ድማ ሓደገልና። ዮሓ 8፡32። ይኹን እምበር ነቲ ክርስቶስ ዝሃበና ቅዱስ ሕግታትን ትእዛዛትን ተሓሲምና ብመገዲ ሓሶትን ዓመጽን ክንጓዓዝ ስለ ዝመረጽና እንሆ ሎሚ ማዕከናት ዜና ዓለምና መዓልታዊ ብዛዕባ ሞትን ዕንወትን፥ ባእስን ኵናትን ከውርያ ዕረፍቲ ስኢነን ኣለዋ። እዚ ከኣ ከምቲ "ብርሃን ናብ ዓለም መጸ ደቂ ሰብ ግና ግብሮም ክፉእ ስለ ዝኾነ ካብ ብርሃን ጸልማት ፈተዉ  ዝብል ቃል ኣምላኽ  ብተደጋጋሚ ይፍጸም ከም ዘሎ ይበርሃልካ። ዮሓ 3፡19።

እሞኸ ደኣ፡ እቲ ዝተቐበልናዮ ሕድሪ እምነት መገድን ሓቅን ሕይወትን እንተ ኮይኑ ስለምንታይ እዩ ወዲ ሰብ ንመገዲ እግዚኣብሔር ተሓሲሙ? ንሓቂ ጠሊሙ? ትርጉም ሕይወት ኣሕሲሙ ብዓመጽ ዝነብር ዘሎ?

ኩልና ከም ንዕዘቦ ዘሎና፥ ኣብዛ ንነብረላ ዘሎና ዓለም መዓልታዊ ማእለያ ዘይብሉ ሓሶትን ብዙሕ ኃጢኣትን ይፍጸም ከም ዘሎ ካብ ዓይኒ ማንም ሰብ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ብሰንኪ እዚ ከኣ ማእለያ ዘይብሉ ናይ ንጹሓት ሕይወት ይጠፍእ፥ ስፍርን ቁጽርን ዘይብሉ ንብረት ይዓኑ ከም ዘሎ ዝሰሓት ኣይኮነን። ከም ደቂ ሰብ መጠን ድማ ናይዚ ኣብ ዘበንናን ኣብ ዓለምናን ዝፍጸም ዘሎ ምጥፋእ ሕይወትን ከቢድ ዕንወትን፡ ስለምንታይ እዩ እዚ ኩሉ ጸገም? ምንጪ ናይዚ ኩሉ ሓሶትን ህውከትንከ መን እዩ? ፈውሱኸ እንታይ እዩ? እንታይከ ክንገብር ንክእል? ዝብሉ ዝተፈላለዩ ሕቶትት ኣብ ኣእምሮና ክመላለሱ ዝከኣል እዩ።

ብመሠረት መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ክፈጥረና ከሎ ቅኑዓት ገይሩ ፈጠረና፥ ንሕና ግና ብልሓት ኣብዚሕና ንሕይወትና ሕልኽልኽ ኣእቶናላ ይብል መክብብ ምዕ 7፡29። ካብዚ ጥቅሲ እዚ ተበግሲና እምበኣር፡  እዚ ኹሉ ኣብ መዓልታዊ ሕይወት ደቂ ሰባት ዘጋጥም ዘሎ፡- ዓመጽ፥ ሓሶት፥ ኃጢኣት፥ ቅንኣት፥ ትዕቢት፥ ስፍሪ ዘይብሉ ሕማማትን ስቅያት-ሞትን፡ ካብቲ ሡር ኩሉ ኃጢኣት ዝኾነ ዲያብሎስ ዝፈልፈለ፥ ካብኡውን ናብ ውሽጢ ልብና ዝኣተወ ሕማቕ ሓሳባትን ናይ ተንኮል ብልሓት ዝፈረየ ምዃኑ ክንዝንግዖ ኣይግባእን።

ኣብዚ እቲ ብዝያዳ ክንጽር ዘለዎ ከኣ፥ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ “ኣነ ሓቂ እየ” ኢሉ ነጊሩና እዩ። ንዓናውን “እቲ ኣቦ ብርሃናት ቦዅሪ ናይ ኩሉ ፍጥረት ምእንቲ ክንከውን ኢሉ ከም ፍቓዱ ብቓል ሓቂ ወለደና። ያዕ 1፡17። ኣንጻር ሓቂ ግና ሓሶት ስለ ዘሎ፡  ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣይሁድ ብዛዕባ ሓሶቶም  ክወቕሶም ከሎ፥ “ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ዲያብሎስ ኢኹም፥ ትምኒት እቲ ኣቦኹም ክትገብሩ ኢኹም'ውን እትደልዩ ዘሎኹም። ንሱ ካብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ እዩ። ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዕን እዩ። ሓሳዊ፥ ንሓሶትውን ኣቦኣ ስለ ዝኾነ ሓሶት ኪዛረብ ከሎ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ ክብል ገለጸሎም። ዮሓ 8፡44። ስለዚ ዝኾነ ሰብ “ኣነ ንኣምላኽ እፈልጦ እየ! ዝብል፥ ንትእዛዛቱ ግና ዘይሕሉ፥ ንሱ ሓሳዊ እዩ። እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን። 1 ዮሓ 2፡4። ክሕሱ ከሎ ከኣ ንትእዛዝ እግዚኣብሔር ይጻረርን፥ ኣብ ግብሪ ዲያብሎስ ይሓብርን ከም ዘሎ ክፈልጥ ይግባእ። ምኽንያቱ ምንጪ-ሓቂ ክርስቶስ፥ ምንጪ ሓሶት ከኣ ዲያብሎስ ስለ ዝኾኑ።

ብመሠረቱ ሓቂ ሓንቲ ጥራይ እያ። ሓሶት ግና ብዙሕን ንሕድሕዱ ዝጋጮን እዩ። ንኣብነት ከንቱ ክስታት ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓሶት ዝተማህዙ ስለ ዝኾኑ፥ ጋኔን ኣለዎ፥ ንሱ ወዱ ኣምላኽ እየ ይብል፥ ንቤት መቕደስ ኣፍሪሰ ብ3ተ መዓልቲ ክሃንጾ እየ ይብል፥ ህዝብና ንቄሳር ግብሪ ከይግብሩ ይኽልክል" ወዘተ ይብሉ ነበሩ። ግናኸ ከምቲ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ብንጹር ተጠቒሱ ዘሎ፥ ብዙሓት ብሓሶት ኣንጻሩ መስከሩ፥ ምስክርነቶም ግና ኣይተሰማመዐን” ይብል። ማር 14፡56። ብድሕሪ ትንሣኤውን ብዙሕ ሓቅን፥ ብዙሕ ውዲት ሓሶትን ተገሊጹ ንረኽቦ። እቲ ብዝያዳ ዘገርምን ዘስደምም ግና፥ ጎይታ መግነዝ ፍትሑለይ መቃብር ፈንቅሉለይ ከይበለ ብዓቢይ ኃይልን መለኮታዊ ሥልጣኑን ብኽብሪ ምስ ተንሥአ፥ ቀናኣት ኣይሁድ ግና “ነቶም ወተሃደራት ብዙሕ ገንዘብ ሃብዎም። ንሕና ደቂስና ከሎና ደቀ-መዛሙርቱ ብለይቲ መጺኦም ሰሪቖሞ” ኢልኩም ንገሩ ድማ በልዎም። ማቴ 28፡13።

እምበኣር ሓቂ ትጸንሕ ንደቂ ከም ዝበሃል ንገዛእ ርእስና ብመገዲ ሓቂ እናተመላለስና ንደቅናውን ኣብቲ ከውሒ ሓቂ ዝኾነ ትእዛዛት ኣምላኽ ክንሃንጾም ኣገዳስን ጠቓምን እዩ። ስለዚ ኵልና ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ስለ ዝኾንና፥ ነፍስ ወከፍ ሰብ ሓሶት ምዝራብ ገዲፉ ምስ ብጻዩ ሓቂ ይዛረብ!። ኤፈ 4፡25። ኣብ ሓሶትን ኃጢኣትን እንተነበርና ግና ንደቅናውን ሓሶት ከነውርሶም ናብ ሞትውን ንመርሖም ከም ዘሎ ክንስሕቶ የብልናን። ምእንቲ ሻራ ወይ ንህልኽ ኢልካ ንሓቂ ተሓሲምካ ኣብ ሓሶት ክትሰምርውን ፈጺሙ ኣይግባእን እዩ። ብዛዕባ እዚ ነቢይ ኤርምያስ ንሳቶም ኵሉ ሳዕ ሓሶት ንምዝራብ ድዋት እዮም። ስለዚ ኣብታ ምድሪ ኣብ ክንዲ ሓቂ ሓሶት ነጊሡ ኣሎ። ክብል ገሊጽዎ ይርከብ። ኤር 9፡3። እሞኸ ደኣ እቶም ብቓል ሓቂ ዝተወለድና ክርስቲያን ኣመንቲ ደቂ ኣምላኽሲ፥ ብሓሶትን ብመገዲ ኃጢኣትን ምስ ዲያብሎስ እንተ ተመላለስና ድርብ ሞትን ከቢድ ጥፍኣትንዶ ኣይኮነን?

ኣብ መደምደምታ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ቆይሙ ኣነ ንሓቂ ኽምስክር እየ ዝተወለድኩ፥ ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ፡ ወገን ሓቂ ዘበለ ኩሉ ኸኣ ድምፀይ ይሰምዕ እዩ” ዮሓ 18፡37። ከም ዝበለ፥ ንሕና እቶም ብክርስቶስ፥ ኣመንቲ-ክርስቲያን፥ ብወልድ ውሉድ- ኣምላኽ ዝተሰመና ህዝቢ እግዚኣብሔር ድማ፥ ንሓሶትን ጥልመትን ፈንፊንና ብሓቅን ጽድቅን ክንነብር እቲ ምንጪ ኩሉ ሓቂ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ብጸግኡ ይደግፈና!!!

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም

ቅዱስ ሚካኤል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሻርሎት ሰሜን ኣሜሪካ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div