S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሰብን ኣምላኽን መሳርሕቲ እዮም

“ኣርባዕተ ሰብኣይ ዝጾርዎ መጻጕዕ ናብኡ ኣምጽኡ። ህዝቢ ስለ ዝበዝሔ፡ ናብኡ ምእታው እንተ ሰኣኑ ኸኣ፡ ናሕሲ እታ ዘለዋ ቤት ኣፍረሱ። ምስ ኣፍረሱ፡ ነታ እቲ መጻጕዕ ደቂስዋ ዘሎ ዓራት ኣውረድዋ። ኢየሱስ ድማ እምነቶም ርእዩ፡ ነቲ መጻጕዕ፡ ወደይ፡ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ፡ በሎ” (ማርቆስ 2.3-5)

እቲ ሕጡበ-ጽሑፍ፡ ብዛዕባ እቲ ካብ ሕማሙ ዝሓወየ መጻጕዕ ሰብኣይ ዘዘንቱ ኮይኑ፡ እቶም ኣርባዕተ ኣዕሩኽቱ ዘካየድዎ ሓባራዊ ጻዕሪን እቲ ካብ ጎይታ ዝረኸቦ ምሕረትን ቀንዲ ሓሳብ ወይ መልእኽቲ ናይዚ ሕጡበ-ጽሑፍ'ዚ እዮም። ብኻልእ ኣዘራርባ እቶም ኣርባዕተ ሰባት ዝገበርዎ ምብልሓት፡ ረድኤት እግዚኣብሄርን ዛንታ እቲ ካብ ሕማሙ ዝሓወየ መጻጕዕን ተዘርዚሮም ኣለዉ። እቲ ከድህበሉ ዝደለኹ ቀንዲ ሓሳብ ኣብ ማርቆስ 2: 3-5 ዘሎ እኳ ይኹን እምበር ምሉእ ሓሳብ ንምርዳእሲ ካብ ፍቕዲ 1-12 ዘሎ ጽሑፍ ኣቐዲምካ ምንባቡ ንዝያዳ ርድኢት ሓጋዚ እዩ።

ከምቲ ብሂል ኣበው "ዕዉር! እንታይ ትደሊ? ብርሃን" ዝብልዎ ባህጊ ናይቲ መጻጕዕ ሰብኣይ "ካብ ሕማሙ ክሓዊ" ቀዳማይ ባህጊ-ልቡ ከምዝነበረ ንምግማቱ ዝኸብድ ኣይመስለንን። ኣምላኽ ድማ ካብ ሕማሙ ፈዊስዎ ጥራይ ዘይኮነስ ሓጢኣቱ'ውን ሓዲጉሉ ምኽንያቱ ሕማም ሳዕቤን ናይ ሓጢኣት ስለዝኾነ። ጠንቂ ከይኣለኻ ሳዕቤን ከተርሕቕ ምፍታን ፍርቂ ናይቲ ጸገም ከም ምእላይ ጥራይ እዩ ዝቑጸር። ንሓደ ብስኽራን ዝሽገር ሰብ ካብ ሽግሩ ከተገላግሎ እንተዀንካ ብቐዳምነት ዊንታ መስተኡ ከእለ ኣለዎ። ቀዳምነት ካብ መስተ ከተገላግሎ እዩ ዝበለጸ ማለተይ እየ። ጎይታ ድማ ነቲ ጠንቂን ሳዕቤንን ብሓደ እልይ ኣቢሉ ነቲ መጻጕዕ ምሕረት ኣውጅሉ። እቲ መጻጕዕ ሰብኣይ ንምሕረት ዝበቕዐ ብእምነቱ ጥራይ ዘይኮነስ እምነት ናይቶም ብቓሬዛ ተሰኪሞም ብናሕሲ ናብ ጎይታ ዘምጽእዎ ኣዕሩኽቱ ሓያል ከምዝነበረት ካብቲ “እምነቶም ርእዩ...” ዝብል ቃል ጎይታ ምርዳእ ይከኣል። እምበኣር ንሕና ንኻልኦት ምኽንያት በረኸትን ድሕነትን ከምእንኸውን ካብቶም ኣርባዕተ ሰባት ክንመሃር ይግባእ።

ስለ ካልኦት ይኹን ስለ ህይወትና ኣእዳውና ናብ ኣምላኽ ኣብ እነልዕለሉ እዋን: ረድኤት እግዚኣብሄር ከምዘይፍልየና ጎይታ ድማ ከምዘየሕፍረና ኣብ ብዙሕ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ንረኽቦ ሓቂ እዩ። እግዚኣብሄር ካብቲ እንደልዮ ንላዕሊ እምብዛ ኣብዚሑ ከምዝባርኸና ድማ ካብ ዛንታ’ ናይዚ መጻጕዕ ሰብኣይ ንላዕሊ ምስክርነት ዘድሊ ኣይመስለንን። እቲ ኣብ ግብረ ሃዋርያት 3ይ ምዕራፍ ተገሊጹ ዘሎ ዝልምን ዝነበረ ስንኩል ሰብኣይ'ውን ገንዘብ ኪምጽዉቱሉ ኣብ ቤተ መቕደስ ኮይኑ ይልምን ከምዝነበረ ኣምላኽ ግና ኣብ ኣእምሮ'ቲ ስንኩል ዘይነበረ ብሉጽ ነገር ከምዝሃቦ ነንብብ (ግብ 3: 6)። ጴጥሮስ "ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ ተንስእ እሞ ኺድ" ምስ በሎ ካብቲ ዕድመ-ልክዕ ኣሲሩ ሒዝዎ ዝነበረ ሕማም ተገላጊሉ ከምዝተሰአ ኣብቲ ጽሑፍ ተገሊጹ ኣሎ። ኣካለ ስንኩል ልዕሊ ገንዘብ ይኹን ወርቂ ሃረር ዝብሎ ነገር እንተሎ ንሕማሙ ፈውሲ ክረክብ ከምዝደሊ ዝተሞኰረ ሰብ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ዘማራይ ዳዊት "ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይ፣ … ጽውኤይ[ውን] ይጅርብብ ኣሎ" (መዝ 23፡5) እናበለ ዝዘመረ፡ ካብቲ ንሱ ዝሓስቦን ዝተጸበዮን ዝያዳ ኣምላኽ ብበረኸትን ህያብን ስለዝመልኦ እዩ።

1. እምነት እቶም ኣርባዕተ ሰባት

ኣብቲ ጽሑፍ ብኻልኣይ ደረጃ ተገሊጹ ዘሎ ዘገርም ነገር ድማ ሓባራዊ ስራሕ ደቂ ሰባት ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ። ኣምላክ ነቶም ሓቢሮም ብቅኑዕ ልቢ ዝልምንዎ ከምዝረድኦም ታሪኽ ደቂ ሰባት ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብቐንዱ'ውን ምስክር ውጽኢት ናይዚ ህያው ሓቂ'ዚ እዩ።

ብዘይ እምነት ንኣምላኽ ከተስምሮ ዝከኣል ኣይኮነን (እብ 11፡ 6) ምኽንያቱ እምነት ዘይብሉ ሰብ ኮምፓስ ዘይብላ መርከብ እዩ ዝመስል። ኣብዚ ጥቕሲ እዚ ከም እነንብቦ እምነት ናይዞም ሰባት ሓያል ምንባሩ ካብቲ ዘካየድዎ ጻዕሪ ክንርድኦ ንኽእል። ጎይታ "እምነቶም ርእዩ...” ነቲ መጻጕዕ ሰብኣይ ከምዘሕወዮ ድማ ካብቲ ጽሑፍ እነንብቦ ሓቂ እዩ። ራእይ ናይዞም ኣርባዕተ ሰባት እቲ ዘፍቅርዎ ዓርኮም ሓውዩ ካብ ሕማሙ ተገላጊሉ ክርእዩ ባህጊ ኔርዎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ንባህጎም ብግብሪ ከሰንይዎ ኮለዉ ንዕዘብ። እቲ መጻጉዕ ዓርኮም ንኽሓዊ ዝነበሮም ባህግን ዘካየድዎ ኣወንታዊ ምብልሓት ክትሓስብ ኮለኻ ፍስሃ ይስምዓካ። እዚ ድማ ነቲ "ግብሪ: የማናይ ክንፊ ናይ እምነት እዩ" ዝብል ተሪር ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ ዘጉልሕ መስቲያት ሓቂ እዩ። ብኣንጻሩ ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል ኣሕዋቶም ከጥፍኡ ዝገብርዎ ምብልሓት ክትርኢ ኮለኻ "ካንዶ ምጾታት በጺሕና ኢና?" ዘብል ኩነት እዩ።

ሎሚ ባኒ ንዝደለየ እምኒ፡ ፍርዲ ንዝሓተተ ኩነኔ፡ ራህዋ ንዝሓተተ ግፍዒ እንብይነሎም ሰባት ክንደይ ኢና? ጽምእኻ ከተርዊ ማይ ኣብ እትሓተሉ እዋን ማይ እምበር ክዳን ኣይኮነን ዘድልየካ። ንጥሜትኻ ከተዕንግል ሕብስቲ ኣብ እትሓተሉ እዋን፡ እምኒ ዝምጥዉ ዝበዝሕሉ መዋእል ስለዝኣቶና ግና እንሆ መከራና በዚሑ ይርከብ። እቲ መጻጉዕ ልዕሊ ኹሉ  ዝደለዮን ዝብሃጎን ነገር ካብ ሕማሙ ክሓዊ ጥራይ እዩ ሃረርትኡ ኔሩ። ባህጊ-ልቡ ሃረርታ ጥራይ ኮይኑ ከይተርፍ ድማ እቶም ኣርባዕተ ኣዕሩኽቱ እቲ ንኽሓዊ ዘድልዮ ቀንዲ ነገር ማለት ነቲ ሕሙም ብቓሬዛ ተሰኪሞም ናብ'ቲ ሓኪም ስጋን ነፍስን ዝኾነ ጎይታ ወሲዶሞ። ራእዮም ክዉን ንምግባር፡ ናሕሲ ቤት ኣፍሪሶም ኣብታ ክርስቶስ ዝርከበላ ቤት ኣብጺሖሞ፡ እቲ መሓሪ ጎይታ ድማ ኣካላዊ ምሕረት ጥራይ ዘይኮነ መንፈሳዊ ምሕረት ምጥው ኣቢልዎ።

2. ወፈራዊ ስራሕ (teamwork)

ኣብ መንፈሳዊ ይኹን ሳይንሳዊ ጉዕዞ ብጋንታ ዝዕመም ስራሕ ካብቲ ብውልቂ ዝስራሕ ዕዮ ዝያዳ ኣወንታዊ ውጽኢት ኣለዎ። እዞም ሎሚ ኣለዉ ዝበሃሉ ዓበይቲ ጽላታት፡ ህንጻታት፡ ምህዞታት፡ ተክኖሎጂ ወዘተ ውጽኢት ወፈራዊ ስራሕ እዮም። ሰባት ሓቢሮም ምስ ዝሰርሑ ብተናጸል ክፍጽምዎ ዘይከእሉ ነገር ይሰርሑ። ውጽኢቱን ጽልውኡን ድማ ካብቲ በብውልቂ ሰሪሕካ ከተዋህልሎ ወይ ክትረኽቦ እትኽእል ድሙር ሓይሊ ዝበለጸን ዝሃብተመን እዩ። ንኣብነት እዞም ኣርባዕተ ሰባት ነቲ መጻጉዕ ብቓሬዛ ተሰኪሞም ናብ ናሕሲ ኣደይቦሞ፡ እንደገና ድማ ናሕሲ ኣፍሪሶም ናብቲ ክርስቶስ ዝነበረሉ ቤት ከእትውዎ ኽኢሎም። እዚ ክገብሩ ዝኸኣሉ ብሕብረት ሰለዝሓሰቡን ስለ ዝመንዑን እዩ። ብተወሳኺ፡ ነቲ መጻጉዕ ናብ ናሕሲ ከተደይቦን ካብ ናሕሲ ናብ ውሽጢ ቤት ከተውርዶን ውሁድ ናይ ኣካላዊን ኣእምሮኣዊን ስራሕ ይሓትት።

ካብ ተግባር እዞም ሰባት እንመሃሮ እምበኣር ካብ ብውልቂ ብሕብረት ምስራሕ ዝያዳ ከምዘርብሕ ጎሊሑ ይረኣየካ።

ንኣብነት: እዚ እንነብረሉ ቦታ (ደቡባዊ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ) ብማዕበላዊ ህቦብላ (ኣውሎ ንፋስ) ዝህወኽ ከባቢ ክፋል ኣሜርካ እዩ። ነቲ ዓመት መጸ ንብረትን ህይወት ሰባትን ዘጥፍእ ማያዊ ህቦብላ ንምቍጽጻሩ ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ክሳተፍ ዕድል ረኺበ ኔረ። ነዚ በዳሂ ጉዳይ እዚ ዕዉት ንምግባር ዝተፈላለየ ሞያ ዘለዎም ሰባት (መሃንድሳት፡ ናይ ተክኖሎጂ ክኢላታት፡ ሊቃውንቲ ጠፈራዊን ውቅያኖሳዊ መጽናዕትታት Oceanic & Atmospheric etc.) ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፎም ኔሮም። ዓላማ ናይቲ ኣኼባ ድማ ድምር ናይዞም ዝተፈላለየ ፍልጠት ዘለዎም ክኢላታት ኣኪብካ ነዚ ዓመት-መጸ ዘሸግረና ንፋስ-ኣውሎ ንምቍጽጻሩ ዝዓለመ እዩ ኔሩ። እዚ ከምዝከኣል ድማ አብ ስምምዕ ተበጺሑ ኣሎ። እዚ ነቲ (1+1= 2 but the effect of the sum is greater than the sum of its parts) ዝብል ኣምር-ኣሰራርሓ (Synergy) ግብራዊ ዝገብር እዩ።

እግዚኣብሄር ብሕብረት ክንመላለስን ከም ውሉድ ኣምላኽ ንሓድሕና ብሰላም ክንነብርን እዩ ጸዊዑና። ስምረትን ሓድነት ኣሕዋት ንኣምላኽ ክሳብ ክንደይ ከምዘሕጉሶ ድማ "ክልተ ወይ ሰለስተ ብስመይ ኣብ ዝተኣከቡሉ ኣነ ኣብ ማእከሎም ኣለኹ"(ማቴ 18: 19-20) ክብል ኣገዳስነት ሕብረት ብግቡእ ምሂሩና እዩ። እቲ ዘማራይ ኣምላኽ'ውን "እንሆ፣ ኣሕዋት ብሓደ ሓቢሮም ኪነብሩስ፣ ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ" (መዝ 133፡1)እዩ ዝበለና።

ብሕብረት ክንመላለስ: ንሓድሕና ብሰላም ክንነብርን ኣምላኽ ይደግፈና።

እዚ ጽሑፍ’ዚ ብዕለት 10/14/12 ኣብ ምስራዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ማርቆስ ካብ ዘቕረብክዎ ናይ እንግሊዘኛ ስብከት ዝተወስደ ጽማቕ ሓሳብ እዩ።

ዲ. ዑቕበ ዘመደ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div