S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መልሲ፡ ትውፊትን መጽሓፍ ቅዱስን እንታይ እዩ ፍልልዩ?

ቀዳማይ ሕቶ:- ትውፊት ኣምላኽን ትውፊት ሰብን ተባሂሉ ዝፈላለ ትውፊት ኣሎ ድዩ?

መልሲ:- (ሕቶ ንምርኣይ አብዚ ተወከስቅድሚ ነዘን ሕቶታት ክንምልስ ምፍታንና እምበኣርከስ፡ እታ መሠረታዊት ሕቶ ክትከውን ዝግብኣ፡ትውፊትክንብል እንከሎና እንታይ ማለትና እዩ?” እትብል እያ። እዛ ሕቶ እዚኣ ከይተመለሰት ምሉእ ርድኢት ሃልዩና ንቅድሚት ክንስጉም፡ ብዛዕባ እንታይነት መሠረት እምነትናውን መርሚርና ንኽንፈልጥ ኣዝዩ ከቢድ ይኸውን።

ብበዅሪ ቋንቋ ግሪኽ እዛ ቃል እዚኣ ፓራዶሲስ እትብል ክትከውን እንከላ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ክፍልታት ሓድሽ ኪዳን 13 ጊዜ ተጻሒፋ ንረኽባ። ንምንታይ ናብ ቋንቋ ግሪኽ ክንከይድ ኣድለየ ንዝብል ሕቶ ከኣ መልሱ፡ ሓዲሽ ኪዳን መጀመርያ እተጸሓፈሉ ቋንቋ ላቲን፡ ግእዝ እንግሊዝኛወዘተ ዘይኮነ ግሪኽ ስለዝነበረ እዩ ዝብል እዩ እቲ መልሲ። ካብዚ ቋንቋ ሓድሽ ኪዳን ድማ ኢና ነቲ ቅኑዕ ትርጉሙ ክንረኽቦ እንኽእል።

ኣብቲ ትምህርቲ ተጠቒሱ ከምዝነበረ እምበኣርከስ፡ እታ ፓራዶሲስ እትብል ቃል፡ ኣብዘን ዝስዕባ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከምእንርእዮ፡  “ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲዝተወፈየ ዝተመሓላለፈ፡  ወይ ከኣ ሕድሪ ዝተወሃበ ማለት እዩ። ብእንግሊዝኛ ክግለጽ እንተኾይኑ፡ እታ ቅንዕቲ ቃል Tradition ክትከውን ከላ፡ ትርጉሙ ድማ “That which has been transmitted or handed over” ማለት እዩ። ብሓጺሩ እምበኣርከስ፡ ሃዋርያት ካብ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቐበሉዎን፡ ካብ ሓደ ወለዶ ናብቲ ዝቕጽል ወለዶ እናተወፈየ፡ ክሳብ ሎሚ ንሕናውን ተረኪብና ንዝመጽእ ወለዶ እነመሓላልፎ ጽሩይ ትምህርቲ ክርስቶስ፡ ወይ ከኣ ሕድሪ፡ ፓራዶሲስ ወይ ከኣ ትውፊት  ይበሃል። እምነት ኦርቶዶክስ ሃዋርያዊ እዩ ክንብል እንከሎናውን፡ ካብ ሃዋርያት ዝተቐበልናዮ እምነት ማለት እዩ። እዚ ድማ በቲ ስርዓት ሃዋርያዊ ተኸታታልነት (Apostolic Succession) ናይ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ይፍጸም።

ካብዚ ቐጺልና እምበኣርከስ ናይዚ መርትዖ ክኸውን ናብ ዝኽእል ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንርኤ። ቅዱስ ጽሑፍ ንትውፊታት ኣብ ክልተ ይመቕሎ። ብሓደ ሸነኽ ብዛዕባ እቲ ክነወግዶን ክንጥንቀቐሉን ዝግብኣናናይ ሰብ ፓራዶሲስ/ ትውፊት” (ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛልማድ ሰብተባሂሉ ዝተተርጎመ) ንርኢ (ቆሎሴ 29) በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ፡ ቤተ ክርስትያን ሃዋርያዊ ትውፊት (Apostolic Tradition) ኢላ እትጽውዖ፡ ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስከምቲ ዝመሃርኩኹም ጌርኩም ነቲ ምህሮ ስለ ዝሓዝኩምዎ እምዕደኩም ኣሎኹ  - keep the tradition (paradosis/ትውፊት) as I delivered them to you (1 ቆሮ. 112) ንዝበሎ ንዕዘብ።

ትውፊት/ፓራዶሲስ/ልማድ ሰብ

ስለምንታይ (ደቀ መዛሙርቲ) ስርዓት ዓበይቲ (tradition of the elders) የፍርሱ ኣለዉ? በልዎ። ንሱ [ኢየሱስ] መሊሱ በሎም፡ ስለምንታይ ግዳ ንስኻትኩም ምእንቲ ስርዓትኩም [ፓራዶሲስ] ትእዛዝ ኣምላኽ ተፍርሱ ኣሎኹም?” (ማቴ. 112)

ስርዓትኩም (ፓራዶሲስ/ትውፊትኩም) ኽትሕልዉ፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ምፍራስኩምሲ ጽቡቕ ደኣ?” (ማር. 79)

ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኮነስ፡ ብልማድ (ፓራዶሲስ/ትውፊት) ሰብ፡ ከም ምህሮ ቑልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ ተጠንቀቑ” (ቆሎሴ 28)

እቲ ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ መምህር ቤተ ክርስታያን ቀሌሚንጦስ ዘእስክንድርያ ብዛዕባ እዚ ክምህር ከሎ ከምዚ ይብል፡ “The Pharisees rebelled from the Law by introducing human teachings. ትርጉሙ፡ፈሪሳውያንውን ካብ ሕጊ ኣምላኽ ዓልዮም፡ ትምህርቲ  ሰብ ተኸሉ።

ከምኡውን፡ ሲፕርያን ዝተባህለ ኣብ ሳልሳይ ክፍለ ዘመን ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ብዙሕ ዝመሃረን ዝጸሓፈን ካብ ኣበው ቤተ ክርስትያን ከምዚ ይብል፡ “Custom without truth is simply the antiquity of error. ባህሊ/ልማድ ብዘይ ሓቂ ብሓጺሩ ጥንታዊ ጌጋ ጥራይ እዩ ክበሃል ዝኽእል።

ሃዋርያዊ ትውፊት

ከምቲ ዝመሃርኩኹም ጌርኩም ነቲ ምህሮ (ፓራዶሲስ/ትውፊት) ስለ ዝሓዝኩምዎ እምዕደኩም ኣሎኹ  - keep the tradition (paradosis/ትውፊት) as I delivered them to you (1 ቆሮ. 112)

እቲ ኻባይ እተመሃርኩምዎን እተቐበልኩምዎን ዝሰማዕኩምዎን ኣባይን ዝረኤኹምዎን (ፓራዶሲስ/ትውፊት) እዚ ግበርዎ እሞ ኣምላኽ ሰላም ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ” (ፊልጲ 49)

ደጊም ኣቱም ኣሕዋትና፡ ጸኒዕኩም ቁሙ እሞ ነቲ ብቓልና ወይስ ብደብዳቤታትና እተምሃርኩምዎ ትምህርትታት (ፓራዶሲስ/ትውፊት) ሓዝዎ። Therefore, brethren, stand fast and hold the traditions which you were taught, whether by word or our epistle (2 ተሰሎንቄ 215)

ብዛዕባ እዛ ኣብ ላዕሊ ሃዋርያ . ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ ዝጸሓፋ መልእኽቲ፡ እቲ ካብ ኣበው ሃይማኖት ብስብከቱ ዝፍለጥ፡ ምናልባትውን ብስብከቱ ብቕድሜኡ ክስራዕ ካልእ ሰባኻይ ቤተ ክርስትያን ዘይተረክበሉ ኣቦ፡ ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈ ወርቂ፡ ብከምዚ ዝስዕብ ይገልጾ። “From this (2 Thes. 2:15) it is clear that they (the apostles) did not hand over everything by letter, but there was much also that was not written. Like that which was written too is worthy of belief. Let us regard the Tradition (paradosis/tiwfit) of the Church also as worthy of belief. Is it Tradition? See no further.

ትርጉሙ፡ሃዋርያት ንኹሉ ትምህርቶም ብጽሑፍ ጥራይ ከምዘየወፈይዎ፡ የግዳስ ብዙሕ ትምህርቲውን ብቃል ከምዝተወፈየ ፍለጡ። ንዕኡውን ከምቲ  ብጽሑፍ ዝተወፈየ ክንኣምኖ ይግባእ። እምበኣርከስ፡ ነቲ ትውፊት ቤተ ክርስትያንውን ክንኣምኖ ቅኑዕ እዩ። ትውፊት ድዩ? ካብኡ ንንየው ኣይትርኣይ (From Homilies on the Second Epistle to the Thessalonians 4:2).

ከም እንደገና ነታ ኣብ ተሰሎንቄ እትርከብ ማሕበር፡ ሃዋርይ ጳውሎስ እምበኣርከስ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብቲ በቲ ኻባና እተቐበሎ ምህሮ (according to the tradition which he received from us – paradosis/ትውፊት) ዘይነብር፡ ብዘይ ስርዓት ዚመላለስ ዘበለ ሓው ክትፍለዩ ብስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንእዝዘኩም ኣሎና” (2 ተሰሎንቄ 36) ይብላ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ወዱ ንዝኾነ ጢሞቴዎስ ክምዕዶ ከሎ ኸኣ ከምዚ ይብሎ፡እዚ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክር ካባይ ዝሰማዕካዩ ድማ ንኽልኦት ኪምህሩ ንዝከኣሎም እሙናት ሰብ ሕድሪ ሃቦም” (2 ጢሞ. 22)

እቲ 77 .. ተወሊዱ 155 .. ከም ዝሞተ ዝንገረሉ ብጳጵያስ ዝፍለጥ ካብ ኣቦታት ቤተ ክርስትያን ሓደ፡ በቲ ኣቦ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ተባሂሉ ዝፍለጥ ዩሳብዮስ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ዝጸሓፎ ጽሑፉ ከምዚ ኢሉ ንጽሑፉ ይጠቕሶ፡

“If then, anyone who had attended on the elders came, I asked minutely after their sayings. I asked what Andrew or Peter said; or what was said by Philip, Thomas, James, John, Matthew or any other of the disciples – things which Aristion and presbyter John, the disciples of the Lord, say. I concluded that what was to be got from books was not so profitable to me as what came from the living and abiding voice. (Papias c. 120 E), as quoted by Eusabius.

ትርጉሙ፡-ካብ ዓበይቲ ትምህርቲ ወሲዱ ንዝመጽኤ፡ እንታይ ከምዝብሉን ከምዝመሃሩን ብጥንቃቐ እሓቶ። እንድርያስን ጴጥሮስን እንታይ በሉ? ፊልጶስ፡ ቶማስ፡ ያዕቆብ፡ ማቴዎስ፡ ዮሃንስአርስጥያንን ካህን ዮሃንስ - ደቀመዛሙርት ክርስቶስከ እንታይ በሉ? ኢለ እሓትት። ከምዚ ብምሕታት ዝረኽቦ ህያው ዝኾነ ቃል ኣምላኽ ድማ ካብቲ ጽሑፋት ዝረኽቦ ዘርብሓኒ ከምዝኾነ እርዳእ።

ቅዱስ ኣረንያስውን ብዛዕባ ሃዋርያዊ ትውፊት ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ክጽሕፍ እንከሎ ከምዚ ይብል፡

“It is within the power of all, therefore, in every church, who may wish to see the truth, to contemplate clearly the tradition of the apostles manifested throughout the whole world. And we are in a position to reckon up those who were by the apostles instituted bishops in the churches, and the succession of these men to our own times… for if the apostles had known hidden mysteries,… they would have delivered  them especially to those to whom they themselves were also committing the churches. ”

ትርጉሙ፡-ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስትያን ንሓቂ ክፈልጥን ክሓስበሉን ዝደልይ እምበኣርከስ ነቲ ሃዋርያዊ ትውፊት ብንጹር ኣብ ምሉእ ዓለም ተጋሂዱ ይረኤ ኣሎ። ነቶም ብስርዓት ሃዋርያት ካብኦም ክህነት/ጵጵስና ተቐቢሎም፡ ክሳብ ዘመንና ድማ ብእኦም ንዝተተክኡን ንፈልጦም ኢና። ሃዋርያት ድማ ምስጢረ-ኅቡኣት እንተነይሩዎም ነቶም ብድሕሬኦም ንዝመጽኡን ንቤተ ክርስትያን ዝተረከቡን ከምዘወፈይዎ ንፈልጥ።

ናይ ኩሉ ትውፊት መምዘኒ ክኸውን ዝኽእል እምበኣርከስ እዚ እዩ፡ካብ ክርስቶስ ሃዋርያት ተቐቢሎም ንዓና ዘመሓላለፉዎ ወይ ከኣ ዝወፈይዎ ሕድሪ ድዩ? ወይስ ሰባት ዝመሃዝዎ ናይ ሰብ ልማድ እዩ? ከምቲ ኣብቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ዓለም ዝተመላለሰላ ጊዜ፡ ከምቲ ኣብ ዘመን ሃዋርያትን፡ ዘመን መስዋእትን ኣቦታትን፡ ሎሚውን ክልቲኡ ክህልው ናይ ግድን እዩ።

ካልኣይ ሕቶ:- እታ ኣብ 2 ተሰሎንቄ 215 ዘላ ጥቕሲ ኣብ ቅንፍ (ትውፊት) እትብል ዘላ ካበይ መጸት ናይ ዝብል ሕቶውን መብርሂ ክወሃበኒ ይሓትት?

መልሲ:- እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብቲ ላዕለዋይ ሕቶ ዝተመለሰት ኮይኑ ይስምዓኒ። ንምድጋሙ ዝኣክል ግና፡

ደጊም ኣቱም ኣሕዋትና፡ ጸኒዕኩም ቁሙ እሞ ነቲ ብቓልና ወይስ ብደብዳቤታትና እተምሃርኩምዎ ትምህርትታት (ፓራዶሲስ/ትውፊት) ሓዝዎ። Therefore, brethren, stand fast and hold the traditions which you were taught, whether by word or our epistle (2 ተሰሎንቄ 215)

እታትምህርትታትእትብል ቃል ብቋንቋ ግሪክ ፓራዶሲስ ስለዝኮነት፡ እቲ ቅኑዕ ትሩጉማ ናይ ግድንትውፊት/tradition” እምበር ትምህርቲ ክኸውን ኣይክእልን።  ቅኑዕ ትርጉሙትምህርቲነይሩ እንተዝኸውን፡ ብግሪኽ ድማ፡ ካብዲዳስኮዝብል ግስ ዝርከብዲዳስቃሎስምኾነ ነይሩ። ግን ኣይኮነን።

ሳልሳይ ሕቶ:- ብቐዳምነት እታመጽሓፍ ቅዱስ ትውፊት እዩእትብል ትምህርቲ ንዓይ ሓዳስያ። ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ትውፊት እምበር፡ ካብ ትውፊት ወጻኢ ኣይኮነን ዝብልዩ። ትውፊትን መጽሓፍ ቅዱስን እንታይ እዩ ፍልልዩ? ኣበይ ይራኸቡ ኣበይከ ይፈላለዩ? መሰረት እምነትና ትውፊት ድዩ?

መልሲ:- ናይታትውፊት/ፓራዶሲስእትብል ቃል ትርጉም፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ንምድጋም እምበኣርከስ፡ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲዝተወፈየ ዝተመሓላለፈ፡  ወይ ከኣ ሕድሪ ዝተወሃበ ማለት እዩ። ብእንግሊዝኛ ክግለጽ እንተኾይኑ፡ እታ ቅንዕቲ ቃል Tradition ክትከውን ከላ፡ ትርጉሙ ድማ “That which has been transmitted or handed over” ማለት እዩ። ብሓጺሩ እምበኣርከስ፡ ፓራዶሲስ/ትውፊት/ትራዲሽን ማለት ሃዋርያት ካብ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቐበሉዎን፡ ካብ ሓደ ወለዶ ናብቲ ዝቕጽል ወለዶ እናተወፈየ ክሳብ ሎሚ ንሕናውን ተረኪብና ንዝመጽእ ወለዶ እነመሓላልፎ ጽሩይ ትምህርቲ ክርስቶስ፡ ፓራዶሲስ ወይ ከኣ ትውፊት  ይበሃል። እምነት ኦርቶዶክስ ሃዋርያዊ እዩ ክንብል እንከሎና፡ ካብ ሃዋርያት ዝተቐበልናዮ እምነት ማለት እዩ። እዚ ድማ በቲ ስርዓት Apostolic Succession ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ይፍጸም።

ትርጉም ትውፊት እምበኣርከስ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ምዃኑ እንተ ኣሚንና፡ መጽሓፍ ቅዱስውን ካብ ሃዋርያዊ ትውፊት ክንፈልዮ ኣይንኽእልን። ንምንታይ ዘይንኽእል? ሃዋርያት ካብ ክርስቶስ ተቐቢሎም፡ ብመገዲ እታ ዘይተበትከት ሃዋርያዊት ሰንሰለት ዝተቐበልናዮ ቃል ኣምላኽ ስለዝኾኑ።

ራብዓይ ሕቶ:- ቅዱስ ጴጥሮስ መጽሓፍ ቅዱስ ክብል ከሎ ብዛዕባ ብሉይ ኪዳን እዩ ዝዛረብ ዝበልኩማ ድማ ከተብርሁለይ ብትሕትና ይሓትት ኣለኹ ስለዚ ክቡር ኣቦና ቀሺ ኣትናቴዎስ መብሪሂኹምን ብሃረርታ ይጽበ።

መልሲ:- ነዛ ሕቶ እዚኣ ክንሓትት እንተኾንና፡ መባእታዊ ናይ ታሪኽ መረዳእታ ክህልወና ይግባእ። እታ ዋና ቅድሜኣ ክትሕተት ዘለዋ ሕቶ ግን እዚኣ እያ፡- ቀኖና ሓድሽ ኪዳን መኣስን ብኸመይን ተፈጸመ? ንቕዳሞት ሰለስተ ሚእቲ ዓመታት ዘመነ ክርስትና ማለት ክሳብ መወዳእታ ራብዓይ ክፍለ ዘመን፡ እዚ ሎሚ ኵላትና ከም ሓድሽ ኪዳን እንፈልጦ ካልኣይ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስና ተጠርኒፉ፡እዚ እዩ ሓድሽ ኪዳንተባሂሉ ኣይተሓገገን። ስለዝኾነ ኸኣ ክሳብ መወዳእታ ራብዓይ ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያናት ዝንበብ ዝነበረ ጽሑፋት ዝተፈላለየ ክፋላት ናይ ሎሚ ሓድሽ ኪዳንን ካልኦት ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘይኣተዋ ጽሑፋትን እየን ነይረን።

ንመጀመርያ ጊዜ ነዘን 27 መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳን ከምዛ ሎሚ እንፈልጣ ሰሪዑ፡ ከይወሰኸን ከየጕደለን፡ ዘቕረበ ኣቦ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘእስክንድርያ እዩ። ንሱ ድማ ኣብቲ ናይ 367 ... ልሙድ ዓመታዊ ናይ ፋሲካ ደብዳቤኡ (Paschal letter) እዩ ዘስፈሮ። ድሕሬኡ፡ እቲ 397 ... ዝተጋብአ ብጉባኤ ካርቴጅ ዝፍለጥ ንኡስ ጉባኤ ነተን ክሳብ ሎሚ ኵለን ኣብያተ ክርስትያናት (ኦርቶዶክስ፡ ካቶሊኽ፡ ፕሮተስታንት) ተቐቢለን ዝጥቀማለን 27 መጻሕፍቲ  ሓድሽ ኪዳን ኣብ ቤተ ክርስትያናት ክንበባ ተኣዊጁ።

እምበኣርከስ ናብቲ ሕቶ ክንምለስ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ጥራይ ዘይኮነ ኩሎም ወንጌላውያንን ሃዋርያትን ንቅዱስ ጽሑፍ ክጠቕሱ ከለዉ ወይ ብዛዕባ ቅዱስ ጽሑፍ ክዛረቡ ከለዉ፡ ብዛዕብ እቲ ብሉን ኪዳን እንተዘይኮይኑ፡ ብዛዕባ ጌና መብዛሕትኡ ዘይተጻሕፈ፡ እተን ውሑዳት ዝተጽሓፋ ድማ ብብዝሒ ኣብ ዘይተዘርግሓሉ ጊዜ ክውከሱዎ ከምዘይክእሉ ብሩህ ይመስለኒ። ኣብ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ብዛዕባ ዝኾነ ክፋል ሓድሽ ኪዳን ዝተንከፈት ጽሕፍቲ እታ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብታ ካልአይቲ መልእክቱ 316 ዝተዛረባ ጥራይ እያ።

ኣብ መውዳእታ፡ ኣብ ላዕሊ ዝተወሃበ መወከሲ ቅዱሳን ሃዋርያትን ሃይማኖተ ኣበውን ብንጹር ከምዘርእየና፡ ቅዱስ ትውፊት እንብሎ ካብ ኢየሱስ ክርስቶስ ሃዋርያት ብቓል ይኹን ብጽሑፍ ዝተቐበሉዎ፡ ብድሕሪኦም ንዝሰዓቡዎም ዘወፈይዎ ሕድሪ፡ ቤተ ክርስትያን ድማ ብተኣማንነት ዓቂባ ክሳብ ሎሚ ዘመሓላለፈቶን፡ ከምኡውን ክሳብ ካልኣይ ምጽኣት ጎይታና እትዕቅቦን እትምህሮን ሓቂ እዩ።

ቀሺ ኣትናቴዎስ ገብረኣብ

ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶሳዊት ቤተ ክርስትያን ተዋኅዶ

ሲንሲናቲ፡ ኦሃዮ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div