ዓመታዊ ርክበ ካህናት መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ፡ ሎሚ ዓመት'ውን ንመበል 9ይ ዓመት ንሠለስተ መዓልታት ክካየድ እዩ። እቲ ካብ ረቡዕ 3 መጋቢት ክሳብ ዓርቢ 5 መጋቢት (March 3-5) 2021 ዓ.ም.ፈ ብናይ ርሕቀት መስመር ክካየድ እዩ። ኣብዚ መደብ ክትሳተፉ እትደልዩ ውሉደ ክህነት፥ ኣብዚ መመዝገቢ'ዚ [Form] ብምጥዋቕ ክትምዝገቡ ነዘኻኽር።
በዓል---------ዕለት ብግእዝ------------- Fast or Feast--------------------Date
መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን።
“ህዝቢ ኣክቡ ቅዱስ ጉባኤ ከም ዘሎ ንገሩ”! ኢዩኤል 2፡16
ናብ ኩሎም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ህዝበ-ክርስቲያን ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ከምኡውን ኣብ ኤርትራን ኣብ ኩሉ ኵርንዓት ዓለም እትርከቡ ብክርስቶስ ጎይታ ኣኅዋትና።
ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፤ ብውሽጢ ከቢድ ነውጽን ምፍልላይን፡ ብግዳም ድማ ተነጽሎ ካብ ኣድማሳዊ ማሕበር ኣብያተ ክርስቲያናትን ካብ ኣሓት ኦርቶዶክሳውያን ኦርየንታልን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣጋጢምዋ ትርከብ። ጠንቂ ናይዚ ፍጻመ እዝን ካልእን ዝድህስስ መጽናዕታዊ ጽሑፍ በኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ኣሎ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ