S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ክመሃሩ ዝጸንሑ ተመሃሮ ተመሪቖም

ኣብ ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ግብረ-መለኮት (theology) ክከታተሉ ዝጸንሑ ብርክት ዝበሉ ተመሃሮ ብ1 መስከረም 2011 (ነሓሰ 26, 2003 ግእዝ) ብዲግሪ ተመሪቖም። ካብቶም ዝተመረቑ ተመሃሮ፣ ካህናት፣ ዲያቆናትን መምህራን ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ይርከብዎም። እዞም ዝተመረቑ ተመሃሮ ካብ 2006 ዓ.ም አትሒዞም ትምህርቶም ክከታተሉ ዝጸንሑን እዮም።
 
ንተመረቕቲ ዲግሪ ዝዓደሉ ናይቲ ኮለጅ ፕረሲደንት ብፁዕ ኣቡን ዮሴፍ (ዶ/ር) ንተመሃሮ ኣብ ዝሃብዎ ምኽርን ማዕዳን "እዚ ሓዋርያዊ መሠረት ትምህርቲ እዚ፣ ኣብ ልቢ ኣመንቲ ብዝግባእ ንምብጻሕ፣ ተማሂርካ ምምሃር ትእዛዝ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝኾነ፣ ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ተጸሚድኩም ግቡእኩም ክትፍጽሙን ንዕቤት ክርስትና ተጊህኩም ኪትዓዩን፣ አብ ዓለም መብራህቲ ኮይንኩም ከተንጸባርቑን፣ ብርሃንኩም ኣብ ኩሉ ኪበርህ ይግባእ" ክብሉ ረዚን  ምኽርን ማዕዳን ሂቦም።
 
ንተመረቕቲ ወኪሎም ዘረባ ዘስምዑ ቀሺ ኣትናቴዎስ ገብረኣብ (ፕሮፈሶር)ዘለካ ፍልጠት ብዝየገድስ፣ ናት ተመሃራይ መንፈስ ሒዝካ ክትመሃር፣ ኣዝዩ ዓቢይ ፍልጠትን ዕጋበትን ከም ዝፈጠረሎምን፣ እቲ ዝተዋህበ ዓሚቝ ፍልጠት ዘለዎ ትምህርቲ፣ ኣብ ዕቤት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ስጉምቲ ንቕድሚት ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፣ እዚ ናይዚ ዕለት'ዚ መመረቕታ ኣዝዩ ዓቢይ ሓላፍነትን ጾርን ዘሰክም፣ ኣብ ህዝብና ብምትስትውዓል ክንዓቢ ዘኽእል ምዃኑ ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ኣቕሪቦም።
ካብ እምነት ኣይሁድ ናብ እምነት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ዝኣተወ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብቲ መንፈሳዊ ኮለጅ ኣትዩ ትምህርቱ ዝዛዘመ መንእሰይ ኤርክ ብወገኑ እምነት ክርስትና ክንደይ ኣዝዩ ዓሚቝን መገዲ ድሕነትን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ዝህብ ብምዃኑ፡ ነፍሲ-ወከፍ ተመሃራይ ግዲኡ ከበርክት ሓዋርያዊ ሓላፍነት ዘሰክም ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣብዚ መንፈሳዊ ኮለጅ'ዚ ልዕሊ 25 ኤርትራውያን ካህናት፣ ዲያቆናትን መምህራን ቤት ትምህቲ ሰንበትን ትምህርቶም ይከታተሉ አሎዉ። ገለውን አብ ስነ ኣእምሮ (counseling) አተኺሮም ይርከቡ።

ድሕሪ ድራር፣ ኤርትራውያን ተመሃሮ ምስ ብፁዕ ኣቡን ዮሴፍ ተራኺቦም ብዛዕባ መጻኢ መደባቶም ዘትዮም። አብቲ ርክብ፡ ኤርትራውያን ተመሃሮ ዘለዎም ጾር ህዝቦምን ናይ ስነ መለኮት ኮለጅ ንምኽፋት ዘለዎም መደባትን ብዝርዝር ገሊጾም። 
ዶ/ር ኣቡን ዮሴፍ ብወገኖም፣ ብሕግን ቀኖናን ቤተ ክርስቲያን ተማእኪሉ ንዝኸይድ ኩሉ ብዘይምፍልላይ ንኹሎም ኣመነቲ ኣገልግሎት ንምሃብ ከምዝተሓባበሩን ንተመሃሮን ተመረቕትን ኤርትራውያን ኣረጋጊጾምሎም። 
ብፁዕ ኣቡነ ዮሴፍ ነቶም ብመሪሕነት ጵጵስና ኤርትራዊ ጳጳስ ኣቡነ መቃርዮስን ብቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝምርሑ ኩሎም ደገፍ ናይ'ዚ መንፈሳዊ ኮለጅ ከምዘይፍለዮም ምኽሮም ይልግሱ።

ክብሪ ንእግዚኣብሔር ኣብ ላዕሊ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ሥምረት ኣምላኽ ዘለዎም።
ዕድመን ጥዕናን ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ኤርትራዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን።
ንብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ድማ ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎቶም ኣሳልጦ ይሃቦም።
 
ተመሃሮ ስነ መለኮት ቅዱስ ኣትናቴዎስ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div