S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መበል 13 ዓመታዊ ጉባኤ ተዛዚሙ

ርባዕተ መዓልታት ካብ ሓሙስ 21 ሓምለ ክሳብ ሰንበት 24 ሓምለ 2011 ዓ.ም ክካየድ ዝቐነየ መበል 13 ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፣ ሰንበት 24 ሓምለ 2011 ኣ.ፈ ኣብ ቅድስት ማርያም

ቤተ ክርስቲያን ኦክላንድ ካሊፎርኒያ ብጸሎተ ቅዳሴን ምህለላን ብቡራኼ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ተዛዚሙ።

ኣብዚ ንሓያሎ ኣዋርሕ ሰፊሕ መደባትን ምድላዋትን ክግበረሉ ዝጸንሐ ዓመታዊ ጉባኤ ምእመናን ኦርቶዶክስ ካብ ዝተፈላለየ ክፍለ-ግዝኣታት ሰሜን ኣሜሪካ ብዝመጹ ብዙሓት ኣቦታት ካህናት ኣሕዋት ዲያቆናት፥ ምእመናንን ምሁራን ደቂ ቤተ ክርስቲያንን ማዕሪጉ ብጸሎት ብፁዕ ኣቦና ምስ ተኸፍተ ብክፍሊ ትምህርትን ስብከትን ዝተዳለወ መደባት ብብጊዜኡን ሰዓቱን ዝተፈላለየ ኣስተምህሮ፥ ስብከትን መዝሙራትን ክወሃብ ቀኒዩ’ሎ።

ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ንዕብየትን ሓድነትን ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ልዑል ኣብርክቶ ክገብርን ንኦርቶዶክሳውያን ምእመናን መንፈሳዊ፥ ሞራላውን ማሕበራውን ኣገልግሎት ንኽህብ ብማለት ብወግዒ ተመስሪቱ እጃሙ ከበርክት ጸኒሑ እዩ። ኣመንቲ ተዋህዶ ህዝበ ክርስቲያን ጠርኒፉ ልዕሊ 20 ኣብያተ ክርስቲያናት መሥሪቱ እዩ። 2005 . ዓቢይ ዕንቅፋትን ምጥሓስ ጥንታዊ ሕጊ ተዋህዶን እንተ ዘየጋጥም ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝለዓለ ዓወትን ምዕባለን ምበጽሐ ኔሩ። ይኹን እምበር ሃገረ ስብከትና ብዝመጸ ማዕበልን ፈተናን ከይተናወጸ ሓቅን ሕግን ሒዙ ንረብሓ ምእመናንን ንዝያዳ ምዕባለ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንን ብዝከኣሎ ይጽዕር ኣሎ። ብፍላይ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት መበል 13 ዓመታዊ ጉባኤ ድማ፡-

ብዛዕባ ድሕነትን መጻኢ መደባትን ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥

ብዛዕባ መንፈሳዊ ትምህርትን ተካእቲ መንእሰያትን፥

ብዛዕባ መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ምምሕዳርን፥

ብዛዕባ ምምዕባል ዓቕሚ ካህናትን ዲያቆናትን፥

ብዛዕባ መራኸቢታትን እዋናዊ ዜናታትን፥

ብዛዕባ ብብዝሒ ዝስደዱ ዘሎዉ ውሉደ ክህነትን ኦርቶዶክሳውያን ኣመንትን፥

ብዛዕባ ምስፋሕ ትምህርቲ ሥነ መለኮትን ዕዮ ወንጌልን

ብዛዕባ ሓባራዊ ስምምዓትን ምትሕግጋዛትን ……. ወዘተ ኣስፊሑ ይዝትየሉ ኣሎ።

ማሕበረ ምእመናን ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ኦክላንድ ኣገልገልትን ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤን ኣብ ውሽጢ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሓጺር እዋን ጥራይ 3 ዓበይቲ በዓላት ብመንፈሳዊ ትግሃትን ተወፋይነትን ብሠናይ ድሌትን የካይዱ ብምህላዎም ብሓቂ ዘሐጉስን ዘንእዶምን ሠናይ ተግባር እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2010 . መመረቕታ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ጌሮም። ቀጺሎም ኣብ ወርሒ ጥሪ 2011 . ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣዴና ቅድስት ማርያም (ንግደት) ብዓቢይ ክብሪ ኣብዒሎም። እንሆ ሕጂ ድማ ነቲ ብዙሓት ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ብሃረርታን ዓቢ ሓጎስን ክጽበይዎ ዝጸንሑ መበል 13 ዓመታዊ ጉባኤ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብኽብ ዝበለ ታሪኻዊ ጽንብል ንኽካየድ ቤተ ክርስቲያኖም ከፊቶም መግብን መደቀስን ኣዳልዮም ኣጋይሾም ብፍሱህ ገጽን ክርስቲያንዊ ፍቕርን ይቕበሉ ኣለዉ። ንእርባዕተተ መዓልታት ዝተኻየደ መበል 13 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ሰንበት 24 ሓምለ 2011 ኣ.ፈ ብጸሎተ ቅዳሴን ምህለላን ብቡራኼ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ተዛዚሙ።

ዕድመን ጥዕናን 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ!

ክብርን ምስጋናን ንልዑል እግዚኣብሔር ይኹን!

ተመሃሮ ደቂቀ እንጦንዮስ ካብ ቅድስት ማርያም ኦክላንድ ካሊፎርኒያ።

2ይ ስእላዊ መግለጺ    ስእላዊ መግለጺ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div