S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

4ይ ዞባዊ ጉባኤ መንእሰያት ምብራቅ ሕ.መ.ኣመርካ 2011

እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም ኣምልኾ ግና ንዅሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ ኣለዎ። 1ይ ጢሞ. 4፡8.

ራብዓይ ዞባዊ ጉባኤ መንእሰያት ምብራቅ ሕ.መ.ኣመርካ ብሓይሊ ኣምላኽ ብዓወት ተዛዚሙ። ጉባኤ ንሰለስተ መዓልቲ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት ተኻይዱ July 1-3። ከምቲ ዝወጸ መደብ እቲ ጉባኤ ኣብ መንፈሳዊን ከሙኡ ውን ኣብ ስጋዊን ዝሓዘለ እዩ ኔሩ። ኣብ መንፈሳዊ ወገን፡ ጸሎትን፣ መዛሙርን፣ ትምህርቲ መ/ቅዱስን ዶግማ ድሕነት ብመንጽር እምነት ኦርቶዶክስን፣ ከምኡ ውን ዝተፈላለየ ንጥፈታት ዝተሓወሶ ብከምይ ብቑዓት ኣገልገልቲ ይኾኑ ዝብል ኣርእስቲ እዩ ኔሩ። ነዚ መደብ ዘቕረቡ ድማ መንእሰያትን ፣ኣገልገልቲን፣ ድያቆናትን ካብ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ዋሽንግቶንን ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ኣትላንታን ፣ ካብ ምሽጋን እዮም ኔሮም።

 

ናይ ሎሚ ዓመት ዝተኻየደሉ ቦታ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተፈለየ እዩ ኔሩ። ኣብ ቅ. ስላሴ ርትሪት ሰንተር ኣብ ኖርዝ ኮረላና እዩ ተኻይዱ። በኣጋጣሚ እዚ ቦታ ናይ መንፈሳዊ ኣኬባታት ዝካየደሉ ብምንባሩ ነቲ ዘድሊ መደብ ከም ዝድለ ኣሳልጦ ረኺቡ።       

እቲ ዝነብረ ሃዋህው ኣብ መንጎ መንእሰያት ዝተመስረተ ሕውነትን ዕርክነትን ብጣዕሚ ዘደስት እዩ ኔሩ። ዕድል ረኺቦም ናይ ባስከት ቦልን ካልእ ስፖርትን ድማ ተጻዊቶም። ከምኡ ውን ጥቃ ባሕሪ ብምንባሩ ንኽሕንብሱ ዕድል ረኺቦም።


ከምቲ ኣብ መጽሓፍ  ምሳሌ ዝብሎ 22፡6 “ንቖልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ።” ነዚ ንምትግባሪ  ሃገረ ስብከት ሰ.ኣመርካ ተታሒዛቶ ኣላ። ንዓመታ ከምዚ እዋን የርእየና ጎይታ!


ክብርን ምስጋናን ንኣምላኽ ይኹን

እግዚኣብሔር ንቅዱስ ኣቦና፡ ኣብዚ ናይ ፈተና እዋን፡ ብሰላምን ጥዕናን ይሓልወልና።

ንብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ኣገልግሎቶም ዓወትን ኣሳልጦን፡ ንሃገርናን ቤተክርስትያን ከኣ ሰላሙ ይሃብ።

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ

Eritrean Orthodox Tewahdo Church Diocese of North America

Photo link:

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div